ቻይና፡ ንዓለም ብኸመይ ከም ዝቐየረታ ትፈልጡዶ?

ላዕለዎት መራሕቲ ቻይና፡ ኣብዚ ሰሙን ኣብ በይጂን ተኣኪቦም ንዝመጽእ ሓሙሽተ ዓመት ቀንዲ ዕላማታትን ባህግታትን እታ ሃገር ክውስኑ እዮም።

እቲ ዝለዓለ ፖለቲካዊ ኣካል እታ ሃገር ዝዀነ ማእከላይ ኮሚተ ዴሳዊ ሰልፊ ቻይና፡ሓደ ግዜ ኣብ ሓሙሽተ ዓመት ንሓደ ሰሙን ይእከብ፡ እዚ ድማ 'ፕለኑም' ተባሂሉ'ውን ይፍለጥ።

ኣብዚ፡ ሓደ ዝውስኖ ኣብ መወዳእታ መሰረት ናይቲ ዝቕጽል ትልሚ ሓሙሽተ ዓመት ቻይና ክኸውን'ዩ።

እታ ካልኣይ ዝዓበየ ቍጠባ ዓለም እትውንን ሃገር፡ ካብ 2026 ክሳብ 2030 እትኽተሎ ፖሊሲ ትዅረት ብዙሓት ዝስሕብ ኰይኑ'ሎ።

"ምዕራባዊ ፖሊሲ ኣብ መረጻ ኣተኲሩ ይሰርሕ፤ ቻይና ግን ኣብ ዑደት ውጥን እዩ ዝሰርሕ" ይብል ኣብ ኢንስቲትዩት ፖሊሲ ማሕበረሰብ ኤስያ ብፖለቲካ ቻይና ዝሰርሕ ኒል ቶማስ።

ላዕሊ- ላዕሉ፡ ኣማኢት ቢሮክራታት ኢድ-ንኢድ ተተሓሒዞም ክውጥኑ ምርኣይ ድኽመት ክመስል ይኽእል'ዩ፤ እቲ ዝውስንዎ ግን ንዓለም ዓቢ ጽልዋ ከም ዘለዎ ታሪኽ ኣርእዩና እዩ።

ዝሓለፉ ስለስተ ነናይ ሓሙሽተ ዓመት ስትራተጅያዊ ውጥናት ቻይና ንዓለምለኻዊ ቍጠባ ብኸመይ ዳግማይ ከም ዝቐረጹ እነሆ፤

1981-84፡ 'ጽገናን ኣፍደገ ምኽፋትን'

ቻይና፡ ብቝጠባ ሓያል ሃገር ንምዃን ጕዕዞኣ ብልክዕ መዓስ ከም ዝጀመረት ምዝካር ኣጸጋሚ እዩ።

ብዙሓት ኣባላት እቲ ሰልፊ ግን፡ ብ18 ታሕሳስ 1978 ከምዝዀነ ይዛረቡ።

ንኣስታት ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ቍጠባ ቻይና ኣብ ኢድ መንግስቲ እዩ ወዲቑ ነይሩ።

እቲ ቅዲ ሶቭየት ዝመስል ውጥን ግን ብልጽግና ከምጽእ ስለዘይከኣለ ብዙሓት ገና ኣብ መስመር ድኽነት ተሸኺሎም ክቃለሱ ጸኒሖም እዮም።

እታ ሃገር፡ ካብቲ ኣዕናዊ ምሕደራ ማኦ ዘ-ዱንግ ገና ኣብ ጽፍሒ ሕወየት እያ ነይራ። እታ ሃገር ዳግማይ ንምቕራጽ፡ በቲ መስራቲ ዴሳዊ ሰልፊ ዝተገብረ ጐስጓሳት፡ ሞት ሚልዮናት ኣስዒቡ።

ሓድሽ መራሒ እታ ሃገር ዴንግ ሺያኦፒንግ፡ ኣብ በይጂን ኣብ ዝተኻየደ ሳልሳይ ፕለኔም መበል 11 ጉባኤ፡ ገለ ባእታታት ናጻ ዕዳጋ ምሕቛፍ ኣድላይ ምዃኑ ንፈለማ እዋን ኣዊጁ።

"ጽገናን ምኽፋትን" ዝብል ፖሊሲኡ፡ ኣብቲ ብ1981 ዝጀመረ ውጥን ሓሙሽተ ዓመት ኣካል ነይሩ።

ናጻ ንግዲ ፍሉያት ቍጠባዊ ዞባታት ምፍጣር፡ ከምኡ'ውን እቲ ሃቐነ ወፍሪ ወጻኢ፡ ንህይወት ቻይናውያን ቀይርዎ።

ብመሰረት ሚስተር ቶማስ፡ ዕላማታት ናይቲ ትልሚ ሓሙሽተ ዓመት ካብዚ ንላዕሊ ክዕወት ኣይምኸኣለን፤ ህዝብታት ቻይና ድማ ካብቲ ብ1970ታት ዝሓስብዎ ዝነበረ ኣዝዩ ዝተፈለየ እዩ።

ንዓለምለኻዊ ቍጠባ እውን ብመሰረቱ ቀዪሩዎ እዩ።

ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘመን፡ ብምዕራባውያን ዝውነኑ ሽቕለታት ዝፈጠሩ ሓደስቲ ፋብሪካታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ቻይና ቦታ ረኺቦም ነይሮም።

ክኢላታት ስነ-ቝጠባ ነዚ "ኣሰንባድነት ቻይና " ኢሎም ብምጽዋዕ፡ ኣብ ክፋላት ኤውሮጳን ኣመሪካን፡ህዝባውነት ዝዓብለሎም ውድባት ንኽለዓሉ ካብ ዝድርኹ ነገራት ሓደ ኰይኑ'ሎ።

ንኣብነት፡ቍጠባዊ ፖሊሲታት ዶናልድ ትራምፕ፡ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓሰርተታት ዓመታት ቻይና ዝወሰደቶ ሽቕለት ፋብሪካታት ንምምላስ ዝዓለመ ይመስል።

2011-15፡ 'ምቕልቃል ስትራተጂያዊ ኢንዱስትሪታት'

ቻይና፡ ኣብ 2001 ናብ ውድብ ንግዲ ዓለም ምስ ተጸንበረት እያ ኣብ ዓለም ሓያልነታ እናተረጋገጸ መጺኡ፤ ኣብቲ "መጻወድያ ማእከላይ እቶት" ዝበሃል መደብ፡ ከይትወድቕ ስግኣት ነይሩዋ።

ቻይና ኣብ ክንዲ ዝሓሰረ ኣቝሑ ጥራይ ምፍራይ፡ "ስትራተጂያዊ ኢንዱስትሪታት" ከተማዕብል ነይሩዋ።

እዚ ቃል ንመጀመርያ ግዜ ብወግዒ ኣብ 2010 ዝተጠቕመሉ እዩ።ንመራሕቲ ቻይና እዚ ማለት 'ሓምላይ ቴክኖሎጂ' ማለት እዩ ነይሩ፤ ከም ተሽከርከርቲ ኤሌክትሪክ (EVs) ፓነላት ሶላርን ዘጠቓልል።

ጉዳይ ክሊማ፡ ኣብ ፖለቲካ ምዕራባውያን ኣገዳስነቱ እናወሰኸ ምስ ከደ፡ ቻይና ኣብዞም ሓደስቲ ኢንዱስትሪታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ዓቕምታት ፈጢራ።

ሎሚ ቻይና ብተሓዳሲ ጸዓትን ኢቪን፡ መራሒት ዓለም ጥራይ ዘይኮነትስ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ከም ልብኻ ዘይርከቡ ማዕድናት እውን ዳርጋ ምሉእ ዕብለላ ኣለዋ።

ቻይና ኣብ ልዕሊ እዞም ወሰንቲ ጸጋታት ምዕብላላ- ንቺፕ - ንኪነታዊ-ብልሒን (AI) እውን ወሰንቲ እዮም - ሕጂ ብደረጃ ዓለም ኣብ ሓያል ደረጃ ኣእትይዋ ኣሎ።

ክሳብ ክንድዚ ኣብ ቀረባ እዋን በይጂን ነዞም ማዕድናት ምግባታ፡ ትራምፕ "ዓለም ጅሆ ዝሕዝ" ፈተነ እዩ ክብል ገሊጽዎ።

2021-2025፡ 'ልዑል ዝብቕዓቱ ምዕባለ'

እዚ ድማ፡ ትልምታት ሓሙሽተ ዓመት ቻይና ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣቓልቦኦም ናብ "ልዑል ዝብቕዓቱ ምዕባለ" ዝቐየሩሉ ምዕራፍ ኢልካ ክግለፅ ይኽእል እዩ።

እዚ ድማ ብወግዒ ብሺ ጂንፒን ኣብ 2017 ተኣታትዩ።

እዚ ማለት ንዓብላልነት ኣመሪካ ኣብ ቴክኖሎጂ ምፍታንን፡ ንቻይና ኣብቲ ዓውዲ ኣብ ቅድሚት ምቕማጥን ማለት እዩ።

ከም መተግበሪ ቲክቶክ፡ ዓቢ ናይ ቴሌኮሙኒኬሽን ትካል ሁዋዌን ዋላ'ውን ዲፕሲክ ዝተባህለ ሞዴል ኤኣይን ዝኣመሰሉ ዕዉታት ፕሮጀክትታት፡ ቻይና ኣብ ቴክኖሎጂ ዕቤት ከምዘርኣየት ምስክራት እዮም።

ምዕራባውያን ሃገራት ግን ነዚ ከም ሓደጋ ሃገራዊ ድሕንነተን ይርእያኦ ኣለዋ።

ነዚ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ስሙይ ቴክኖሎጂ ቻይና ዝተገብረ እገዳ፡ ኣብ መላእ ዓለም ብሚልዮናት ዝግመቱ ተጠቀምቲ ኢንተርነት ዝጸለወ ኰይኑ፡ ዓሚቝ ዲፕሎማስያዊ ህልኽ ኣበጊሱ ኣሎ።

ክሳብ ሕጂ ቻይና፡ ከም ናይ ትካል ንቪያ [Nvidia] ምዕቡላት ሴሚኮንዳክተራት ዝኣመሰሉ ምህዞታት ኣመሪካ ተጠቒማ እያ ንስነኪነታዊ ዓወታ ሓይሊ ሂባቶ ዘላ።

ሕጂ ብዋሽንግተን ተዓጊቱ ዘሎ ዕዳጋኣ ኣብ ግምት ብምእታው፡ "ልዑል ዝብቕዓቱ ምዕባለ" ናብ "ሓድሽ ብቕዓት ዘለዎም ኣፍረይቲ ሓይልታት" ክቕየር ትጽቢት ይግበር።

እዚ ኣብ 2023 ብሺ ዝተኣታተወ ሓድሽ ሓረግ ኰይኑ፡ ነቲ ትዅረት ዝያዳ ናብ ውሽጣዊ ሓበንን ሃገራዊ ድሕነትን ዘዘንብል ይመስል።

እዚ ማለት ቻይና ኣብ ምፍራይ ቺፕ፡ ቅማረታት ኤኣይን ኣብ ቅድሚት ምቕማጥ ማለት እዩ፤ ኣብ ምዕራባዊ ቴክኖሎጂ ዘይትምርኮስን ካብ እገዳ ነጻ ዝዀነትን ቻይና።

ኣብ ኵሉ መዳያት ብፍላይ ኣብቲ ኣዝዩ ላዕለዋይ ጫፍ ምህዞ ርእሰ-ምሉእነት ሓደ ካብቲ ዝቕጽል ትልሚ ሓሙሽተ ዓመት ክኸውን ተኽእሎ ኣሎ።

ሚስተር ቶማስ፡ "ሃገራዊ ድሕነትን ቴክኖሎጂያዊ ናጽነትን ሕጂ ንቝጠባዊ ፖሊሲ ቻይና ዝገልጽ ዕማም ኰይኑ ኣሎ" ክብል ይገልጽ።

"ሕጂ'ውን ናብቲ ንዴሳውነት ዝድግፍ ሃገራዊ ፕሮጀክት ዝምለስ እዩ፤ ቻይና ዳግማይ ብወጻኢ ሃገራት ከምዘይትዕብለል ዘረጋግጽ እዩ።"