እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ስልጣን፡ ደሞዝን ጥቕምታትን ኣቦ መንበር ኮሚሽ ሕብረት ኣፍሪቃ እንታይ ይመስል?
ሙሳ ፋቒ ማሃማት ንኽልተ ዙር ዝቐጸለ ዕምሪ ስልጣኑ ተዛዚሙ፡ ቦታኡ ንሓድሽ ኣቦ መንበር ንምሃብ ሎሚ ምርጫ ክካየድ እዩ።
ንዕኡ ንምትካእ ድማ ኬንያዊ ራይላ ኦዲንጋ፡ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጅቡቲ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍን ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ማዳጋስካር ነበር ሪቻርድ ራንድራያማንድራቶን ይወዳደሩ ኣለዉ።
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ኣርባዕተ ዓመት ዝምረጽ ኰይኑ፡ ሓደ ሰብ ክሳዕ ክልተ ግዜ ጥራሕ እዩ ክምረጽ ዝኽእል።
ምርጫ ኣቦ መንበር ብስቱር ድምጺ እዩ ዝካየድ። እቲ ዝሰዓረ ድማ ካብተን 50 ኣባል ሃገራት 36 ደገፍ ክረክብ ኣለዎ።
ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ መዓልታዊ ስርሓት እቲ ሕብረት ዝመርሕን ዝከታተልን እዩ።
ቀንዲ ሓላፍነቱ?
ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ርእሲ'ቲ ዋና ጸሓፊ ምዃኑ፡ ብሕጋዊ ወኪልነት ዓመታዊ ባጀት ናይቲ ሕብረት ይከታተል።
እቲ ቀዳማይ ሓላፍነት ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ዝወስድ ውልቀሰብ ከም ኣመሓዳርን ፈጻሚ ሓላፍን እቲ ሕብረት ኰይኑ የገልግል።
ብቢልዮናት ዝቝጸር ባጀት ምድላው ጥራሕ ዘይኰነ፡ ነቲ ባጀት ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት እውን ኣለዎ።
ኣብ ዲፕሎማስያዊ ዓውዲ እውን ንዕላማታትን ረብሓታትን ሕብረት ኣፍሪቃ ሒዙ ኣብ ዓለምለኻዊ መድረኽ ክቐርብ ስልጣን ተዋሂብዎ ኣሎ።
ስለዚ፡ ኣብ ከም ዋዕላ ኣመሪካ-ኣፍሪቃ፡ ዋዕላ ኢጣልያ - ኣፍሪቃ፡ ከምኡ'ውን ካልኦት ነቲ ኣህጉራዊ ትካል ዝምልከቱ ዋዕላታት ክሳተፍ ትጽቢት ይግበር።
ብተወሳኺ፡ እቲ ዝተመርጸ ኣቦ መንበር ኣጀንዳታት ኣህጉረ ኣፍሪቃ ይከታተል። ኣብ ውሽጢ እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝርከቡ ወሰንቲ ሓላፍነታት ስራሕ ከኣ ሰባት ናይ ምሻም ስልጣን ኣለዎ።
እቲ ዝተመርጸ ኣቦ መንበር፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ንዝተበጽሑ ስምምዓትን ሕግታትን ተቐቢሉ ከተግብር እውን ትጽቢት ይግበር።
ካልኦት ሓላፍነታት እቲ ኣቦ መንበር፡ ምስ ኣባላት ሃገራት፡ ካልኦት ትካላትን ዞባዊ ቍጠባዊ ማሕበረሰባትን ብዛዕባ ንጥፈታት እቲ ሕብረት ምምኽኻርን ምውህሃድን፡ ከምኡ'ውን ዲፕሎማስያዊ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ ምፍጻም ይርከብዎም።
ይዅን እምበር፡ ተጸዋዕነቱ ንመራሕቲ መንግስታት እዩ።
ደሞዝን ጥቕምታትን
ኣቦ መንበር ኮሚሽን እቲ ሕብረት መደበሩ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኰይኑ፡ ኣብ ርእሲ'ቲ ካብ ሓላፍነቱ ዝረኽቦ ስምን ዝናን፡ ብዝሰርሖ ስራሕ ካብቲ ማሕበር ንገዛእ ርእሱን ስድርኡን ዝተፈላለየ ረብሓታት ይረክብ።
ወርሓዊ ልዕሊ 15,500 ዶላር ደሞዝ ይረክብ፣ ቈልዑ እንተ'ልዮሞ ድማ ንነፍሲ ወከፍ ውልዱ 250 ዶላር ድጎማ ይምደበሉ።
ብዘይካ'ዚ ወርሓዊ 6,000 ዶላር ንኽራይ ገዛ፡ ኤሌክትሪክን ማይን ይወሃቦ።
ከምኡ'ውን ደቁ ኣብ ኣፍሪቃ ትምህርቶም ዝከታተሉ እንተዀይኖም፡ ወጻኢታት ትምህርቶም ምሉእ ብምሉእ ይሽፈነሎም። ካብ ኤውሮጳን ሰሜን ኣመሪካን ወጻኢ ትምህርቶም እንተ ቀጺሎም'ውን፡ ወጻኢታቶም ምሉእ ብምሉእ ከምዝሽፈን ደንቢ እቲ ማሕበር ይሕብር።
ደቂ'ቲ ኣቦ መንበር ኣብ ኤውሮጳ ወይ ሰሜን ኣመሪካ እንተድ ተማሂሮም፡ ነፍሲ ወከፎም ንዋጋ ትምህርቶም ንምሽፋን ኣብ ዓመት 15 ሽሕ ዶላር ምወላ ይረኽቡ። ካብዚ ብተወሳኺ፡ ካብታ ኣህጉር ወጻኢ ንዝነብሩ ደቁ ንኽራይ ገዛ ሽዱሽተ ሽሕ ድጎማ ይረኽቡ።
ሕጹያት እንታይ ንምግባር ቃል ኣትዮም?
ኬንያዊ ራይላ ኦዲንጋ፡ ጅቡታዊ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍን ማዳጋስካር ሪቻርድ ራንድራያማንድራቶን ነቲ ስልጣን እንተ ረኺቦሞ እንታይ ከም ዝገብሩ ኣብ እዋን ጐስጓሶም ብዝርዝር ገሊጾም'ዮም።
ኣብታ ኣህጉር ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ምምጻእ፡ ድልዱላት ትካላት ኣብ ምህናጽ፡ ከምኡ'ውን ኣብ ቍጠባዊ ጉዳያት ትዅረት ከም ዝገብሩ ድማ ሓቢሮም።
ኦዲንጋ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ኰይኑ እንተ ተመሪጹ፤ ንውህደት፡ ምርግጋእን ጸጥታን እታ ኣህጉር ክሰርሕ ምዃኑ ቃል ኣትዩ'ሎ።
ሕጹይ ጅቡቲ ማሕሙድ ዓሊ ዩሱፍ'ውን ኣብ ሰላምን ጸጥታን ኣተኵሮ ክገብር፡ ኣብ ቍጠባውን ትሕተ-ቅርጻውን ልምዓት ክሰርሕ፡ ትካላዊ ዓቕሚ ክሃንጽ ምዃኑ ገሊጹ።
ሕጹይ ማዳጋስካር ሪቻርድ ራንድራያማንድራቶ ብወገኑ ቀንዲ ትዅረቱ፡ ኣብ ምፍታሕ ፖለቲካውን ጸጥታውን ሽግራት ኣፍሪቃ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ነባሪ ሰላም ንምርግጋጽ እቲ መፍትሕ መሰረታውያን ምንጭታት ዘይምርግጋእ ምፍታሕን ድልዱላት ትካላት ምህናጽን ምዃኑ ዝገልጽ ራይላ ኦዲንጋ፡ ነዚ ንምዕዋት ብዕቱብ ከም ዝሰርሕ ሓቢሩ።
ሕጹይ ጅቡቲ ብወገኑ፡ ትዅረቱ ኣብ ምድንፋዕ ፖሊሲታት ሓምለዋይ ልምዓት፡ ኣፍሪቃ ኣብ ዓለምለኻዊ ትካላት ግቡእ ቦታ ምርግጋጽ፡ ከምኡ'ውን ንፖሊሲታት ትምህርቲ ኣፍሪቃ ምድጋፍ ምዃኑ ገሊጹ።
ራይላ ኦዲንጋ ኣብ ዘላቒን ፍትሓውን ቍጠባዊ ዕብየት ከም ዝሰርሕ፡ ኣፍሪቃውያን ንግዲ ክብ ከብሉን ልምዓት መሰረተ ልምዓት ከቀላጥፉን ከም ዘድልይ ኣስሚሩሉ ኣሎ።
ሕጹይ ማዳጋስካር ንኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪቃ ሪቻርድ ራንድራያማንድራቶ'ውን እቲ ሕብረት ምስ ካልኦት ምሕዝነታትን ሽርክነታትን፡ ከምኡ'ውን ምስ መዛኑ ትካላት ኣብ ዘለዎ ዝምድናታት ንረብሓታት ኣፍሪቃ ንምሕላው ክሰርሕ ምዃኑ ቃል ኣትዩ።