ሸውዓተ ኤርትራውያን ሓምሊ ኣብ ዝጸዓነት መኪና ተቐርቂሮም ተረኺቦም

ምንጪ ስእሊ, Cambridgeshire Constabulary
ፖሊስ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ትማሊ ሰሉስ ድሕሪ ቀትሪ፡ ሓምሊ ኣብ ዝመልአ ኮንተይነር ኣብ ዝጸዓነት መኪና ተሓቢኦም ዝጕዓዙ ዝነበሩ ሓንቲ ጓለ-ንስተይቲ እትርከቦም ሸውዓተ ሰባት ከም ዝሓዙ ሓቢሮም።
እቶም ስደተኛታት ከቢድ ውርጭን ዛሕልን ኣብ ዝወርደሉ ናይ ኤውሮጳ ኪሊማ ን18 ሰዓታት ኣብታ መኪና ከም ዝጸንሑን ኵሎም ኤርትራውያን ምዃኖምን ገሊጾም።
እቶም ኤርትራውያን ድማ ናብ ክፍሊ ኣገልግሎት ኢሚግሬሽን ክሰጋገሩ እንከለው እቲ ብዘይ ሕጊ ኣሰጋጊሩዎም ከይከውን ዝተጠርጠረ ወዲ 59 ዓመት ሞሮካዊ መራሒ መኪና ንግዚኡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ እኳ እንተጸንሐ፡ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናብ መደበር ፖሊስ ፓርክሳይድ ንክምለስ ተነጊሩዎ ብዋሕስ ተፈቲሑ ኣሎ።
ቅድሚ ሕጂ እውን ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ካብ ካለይ ፈረንሳ ኣብ ናይ ጽዕነት መካይን ተሓቢኦም ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክኣትው ጸኒሖም እዮም።
ፖሊስ ነታ ሸውዓተ ዘይሕጋውያን ዝበሉዎም ስደተኛታት ዝጸዓነት ዓባይ መኪና ኣብ ከባቢ ኮተንሃም ካምብሪጅሻየር እዮም ረኺቦማ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም፡ ካብ ፈረንሳ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክሰግሩ ዝፈተኑ ኤርትራውያን ዝርከብዎም ሸሞንተ ሰባት ሞይቶም ነይሮም።
ቅድሚ'ውን ብዓስርተታት ዝቝጸሩ ስደተኛታት ኣሳፊራ ትጕዓዝ ዝነበረት ጃልባ ብምጥሓላ ሽዱሽተ ህጻናትን ሓንቲ ነፍሰ ጾር ሰበይትን ዝርከብዎም 12 ሰባት ምማቶም ዝዝከር እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ኤርትራውያን መንእሰያት ብሰንኪ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ምልካዊ ምሕደራ፡ እግሮም ብዝመርሖም ናብ ስደት ክፈልሱ ምጽንሖም ኣህጉራዊ ትከላት ጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብቐጻሊ ክዛረባሉ ጸኒሐን እየን።
ሎሚ እውን እንተዀነ ጐረባብቲ ሃገራት ኢትዮጵያ ሱዳንን ኣብ ኵናት ሓድሕድን ግጭትን እናሃለዋ ሓያሎ ኤርትራውያን ካብ ሃገሮም ሃዲሞም ግዳይ ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርትን ነጋዶ ደቂ ሰባትን ይዀኑ ከም ዘለው ቢቢሲን ካልኦት ማዕከናት ዜና ብቐጻሊ ይጽብጽበኦ ኣለዋ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







