እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተበቲኹ ዝጸንሐ ዝምድና ኣዲስ ኣበባን ሞቓዲሾን ምምሕያሽ የርኢ ኣሎ ድዩ?
ምስ ሶማልያ ዝነበራ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኣቋሪጻ ዝነበረት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሞቛዲሾ ሓድሽ ኣምባሳደር ሸይማ።
ኣዲስ ኣበባ ምስታ ሓውሲ-ናጻ ዝዀነት ሶማሊላንድ ዝገበረቶ ኣፍደገ ባሕሪ ክትረክብን ወተሃደራዊ መደበር ክትሃንጽን ዘኽእል ምርድዳእ ንሞቓድሾ ዘቘጥዐ ምንባሩ ይዝከር።
ሱሌማን ደደፎ፡ ብሰሉስ 29 ሓምለ 2017 (ግእዝ) ደብዳበ ሽሙት ኣምባሳደርነት ንፕረዚደንት እታ ሃገር ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ከም ዘቕርበ፡ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣብ ሞቓድሾ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ዝነበረ፡ ሙክታር መሓመድ ዋረ፡ ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ካብታ ሃገር ክወጽእ ምስ ተገብረ፡ ድሕሪ ሓደ ዓመት'ዩ።
ሶማልያ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝነበረ ኣምባሳደራ ብምስሓብ እውን'ያ ተቓውሞኣ ገሊጻ ነይራ። ነዚ ስዒቡ እቲ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ተበቲኹ ዝጸንሐ ኰይኑ፡ ናብ ግጭት ከየምርሕ'ውን ስግኣት ፈጢሩ ነይሩ'ዩ።
ሶማልያ ሓድሽ ኣምባሳደር ሸይማ ድያ ወይ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ኣምባሳደር መሊሳ ናብ ኣዲስ ኣበባ ልኢኻ፡ ዛጊት ኣይተነጸረን።
ፕረዚደንት ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ፡ ሽመት ሓድሽ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ምስ ተቐበለ፡ "ህዝብን መንግስትን ኢትዮጵያ ንምርግጋእን ህንጸት ሃገርን ሶማልያ ንዝገበርዎ ደገፍ ነመስግን፡" ከም ዝበለ፡ ካብ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።
እቲ ፕረዚደንት ፡ "ክልቲአን ኣሓት ሃገራት ብዙሕ ሓበራዊ ክብርታትን ጸጋታትን ከም ዘለወንን፡ ሰላመንን ምዕባለአንን ዝተኣሳሰረ እዩ፡" ኢሉ።
ሓጺር ድሕረ ባይታ
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጥሪ 2024፡ ምስታ ናጽነታ ባዕላ ዝኣወጀት ርእሰ ምምሕዳር ሶማሊላንድ ብዝፈረመቶ ውዕል ተጠቃምነት ኣፍደገን ገማምግም ባሕርን፡ ምስ ሶማልያ ዝምድናኣ ሓርፊፉ ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ እዩ።
ድሕሪ እዚ ስምምዕ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንዅነታት ዝምድናአን ዘንጸባርቕ ምልውዋጥ ቃላት፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ብፍላይ ብወገን ሶማልያ ዝተፈላለየ ዲፕሎማስያዊ ምቍራጽ ተራእዩ ነይሩ።
ሰበስልጣን ሶማልያ፡ ንኢትዮጵያ ልኡላውነት ሃገር ብምጥሓስ ብተደጋጋሚ ክኽሱ ተሰሚዖም።
ድሕሪ'ዚ ስጕምቲ ኢትዮጵያ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ዓቃቢ ሰላም ናብ ሶማልያ ሰዲዱ። ቅድሚ 18 ዓመታት ባይቶ ሰላምን ጸጥታን ሕብረት ኣፍሪቃ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝተዋጽአ ሓይሊ ዓቃብ ሰላም ኣብ ሶማልያ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ክጸንሕ ኣዋፊሩ ምንባሩ ይፍለጥ።
እቲ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ተባሂሉ ዝወፈረ ሓይሊ ዓቃብ ሰላም ግን 18 ዓመታት ኣብ ሶማልያ ሰፊሩ።
እቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ስሙ ካብ ኣሚሶም ናብ መሰጋገሪ ተልእኾ ሕብረት ኣፍሪቃ - ኣትሚስ (ATMIS) ዝቐየረ ተልእኾ ዓቃብ ሰላም፡ ተልእኾኡ ኣብቂዑ ብኻልእ ምትክኡ ዝዝከር እዩ።
ሶማልያ፡ ነቲ ዝነበረ ንምትካእ ኣብ ዝዋፈር ሓድሽ ዓቃቢ ሰላም ሓይሊ፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ክህልዉ ከም ዘይትደሊ ገሊጻ ነይራ።
ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ ንዓመታት ምስ ኢትዮጵያ ኣብ ምስሕሓብ ዝጸንሐት ግብጺ፡ ሰራዊታ ኣብ ሓድሽ ዓቃቢ ሰላም (ኣውሶም) ከተዋፍር ምዃና'ውን ኣፍሊጣ'ያ።
ኢትዮጵያን ሶማልያን ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ወጥሪ ኣብ ዝኣተዋሉ እዋን፡ ግብጺ፡ ኤርትራን ሶማልያን ስሉሳዊ ስምምዕ ፈሪመን ነይረን። ፕረዚደንት ሶማልያ እውን ንልዕሊ ሰለስተ ግዜ ናብ ርእሰ ከተማ ኤርትራ ኣስመራ ተመላሊሱ እዩ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ሰበስልጣን ክልቲአን ሃገራት ተጋራጫዊ ርእይቶታት ክህቡ ከም ዝጸንሑ ዝተሰምዐ ኰይኑ፡ እቲ ኣካታዒ ጉዳይ ተጠቃምነት ባሕሪ ናበይ ከም ዘበለ ብግልጺ ዝፍለጥ ነገር የሎን።
እንተዀነ፡ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ተፈጢሩ ዝጸንሐ ወጥሪ ብመንጎኝነት ቱርኪ ኣብ ኣንካራ ብዘካየድኦ ዘተ ሃዲኡ ነይሩ።
ነዚ ስዒቡ፡ ሶማልያ ንወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብቲ ሓድሽ ዓቃቢ ሰላም - ተልእኾ ደገፍን ምርግጋእን ሶማል (ኣውሶም) ከተካትት ፈቒዳ፤ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ግን ዘይከምቲ ዝተገመተ ከይተመሓየሸ'ዩ ጸኒሑ።
ተደጋጋሚ ኲናት
ኢትዮጵያን ሶማልያን ካብ 1960ታት ጀሚረን ንተደጋጋሚ ኲናት ተቓሊዐን እየን።
ብፍላይ ዓባይ ሶማልያ ናይ ምፍጣር ሕልሚ ዝነበሮ ፕረዚደንት ነበር ስያድ ባረ ኣብ እዋን ስርዓት መንግስቱ ሃይለማርያም ምስ ኢትዮጵያ ኲናት ገጢሙ ነይሩ።
ኲናት ሓድሕድ ኣብ ሶማልያ ሓዪሉ ሕልሚ ስያድ ባረ ምስ ፈሸለን ካብ ስልጣን ምስ ተገለፈን፡ ጉዳይ ቀጻልነት ሶማልያ ከም ሃገር ኣብ ሕቶ ኣተወ። እቲ ናይ ሽዑ ኲናት ሓድሕድ ድማ መበገሲ ናይዚ ሕጂ ዘሎ ዓዘቕቲ ዘይምርግጋእ እታ ሃገር ምዃኑ እዩ ዝግለጽ።
ድሕሪ ውድቀት ማእከላይ መንግስቲ ጐይቶት ኲናት ኣብ መን ሓየለ ንሓድሕዶም ኣብ ከቢድ ክርፍስ ኣትዮም። በዚ ድማ መንግስትነት እታ ሃገር ሒዙ ናብ ቪላ ሶማልያ ክኣቱ ዝኸኣለ ኣይነበረን። ከም ውጽኢቱ ኣብ ሶማልያ መንግስቲ ከይህሉ፡ ዓሌታውያንን ሃይማኖታውያንን ጕጅለታት ክስስና ምኽንያት ኰይኑ።
ካብዞም ዕጡቓት ጕጅለታት ሕብረት እስላማዊ ኣብያተ ፍርዲ እናዓበየ ብምኻድ ንብዙሓት ዞባታት ሶማልያ ክቈጻጸር ክኢሉ ነይሩ። ትንሳኤ እቲ ጕጅለ ከም ስግኣት ዝረኣየት ኢትዮጵያ፡ ሰራዊታ ናብ ሶማልያ ብምውፋር፡ ነቲ ሕብረት ኣዳኺማ ካብቲ ዝሓዞ ግዝኣታት ክወጽእ ገይራ እያ።