መንገዲ ዓዲግራት-ደውሃን-ኢሮብ ዳግም ኣገልግሎት ምሃብ ከምዝጀመረ ተገሊፁ

መንገዲ ደውሃን ኢሮብ
መግለጺ ስእሊ, መንገዲ ደውሃን ኢሮብ

ኣብ ገለ ከባብታት፡ ብሰራዊት ኤርትራ ተነቢሩ ዝፀነሐ ኬላ ስለ ዝተላዕለ፡ መጓዓዝያ ህዝብን መካይን ገበርቲ ሰናይን ብወግዒ ኣገልግሎት ይህቡ ከምዘለዉ፡ ዋና ኣመሓዳሪ ወረዳ ኢሮብ መምህር እያሱ ምስግና ሎሚ ንቢቢሲ ገሊፁ።

እቲ ፅርግያ ብሰንኪ ምዕፃዉ፡ ሓደ ሰዓት ዝወስድ ዝነበር መንገዲ፡ ካብ ዓዲግራት ተዃሊሉ ብኣሰፈ ኣቢሉ ብዓሲምባ ናብ ደውሃን ሰለስተ ሰዓታት ዝወስድን ኣፀጋምን ኣብ ልዕሊ ምንባሩ፡ ዋጋ መጓዓዝያ እውን ብሓደ ጕዕዞ 700 ብር ብምኽፋል ህዝቢ ምሒር ተፀጊሙ ምንባሩ ገሊፁ።

"ድሕር ውዕል ፕሪቶርያ ዋላ እኳ ድምፂ ጥይት ደው እንተ በለ፡ ህዝቢ ብስእነት ኣገልግሎት መጓዓዝያ ኣብ ዓብዪ ፀገም" ምፅንሑ ሓቢሩ።

መምህር እያሱ፡ "ዋላ'ኳ መንግስቲ ብወግዒ ዝፈልጦ ኣይዅን፡ ኣብቲ ከባቢ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ርክብ ይካየድ ኣሎ" ኢሉ።

እቲ ኣብ እንጋል ዝነበረ ኬላ ከይተልዓለ እናሃለወ እውን፡ ካብ ዓዲግራት ናብ ደውሃን ኢሮብ ዝወስድ መስመር መብራህቲ ክቋረፅ እንከሎ፡ ዓበይቲ ዓዲ ምስ ሰራዊት ኤርትራ ብምዝርራብ ሰብ ሞያ ከይዶም ስራሕቲ ፅገና ይውግኑ ምንባሮም እቲ ዋና ኣመሓዳሪ ይገልፅ።

እቲ ዋና ኣመሓዳሪ ከም ዝበሎ፡ ኣብዚ እዋን እቲ መንገዲ ብምኽፋቱ ትካላት ረድኤት ኣብ እንጋል ፅገና ዝስተ ማይ ኣካይዶም ኣለዉ።

መምህር እያሱ ኣተሓሒዙ፡ "ብሄረሰብ ኢሮብ ኣብ ሓደጋ ምጥፋእ ዝርከብ ህዝቢ ምስ ምዃኑ፡ እዚ ዝተጀመረ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ስነልቦናዊ ነፃነት ፈጢሩ ኣሎ፡" ክብል ኣረዲኡ።

ብሰንኪ ስእነት ሰላምን ምርግጋእን ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ናብ ሊብያን የመንን ዝስደዱን ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባት ዝረአየሉን ምንባሩ ዝገለፀ እቲ ኣመሓዳሪ፡ "ሕዚ ግን ተነፃፃሪ ሰላምን ህድኣትን ክርከብ ምኽኣሉ" ኣፍሊጡ።

ብመሰረት መግለፂ መምህር እያሱ፡ እቲ ሕዚ ዝረአ ዘሎ ሰላምን ተጀሚሩ ዘሎ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ርክብን ብወገን ኤርትራ ኬላ ምልዓልን ሰራዊት ናብ ድሕሪት ምምላስን እቲ ኵነታት ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝሐሸ ይሰግር ኣሎ።

ህዝቢን ሰራዊትን ክልቲኡ ሃገር ብዂናት ዘንፀርፀረ ምስ ምዃኑ፡ ሰላማዊ ርክብ ዝደልዮ እንክኸውን ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን መንግስቲ ፈደራልን ወግዓዊ መልክዕ ከትሕዞ ይግባእ ተባሂሉ ኣሎ።

እቲ ኣብ ሕዳር 2020 ጀሚሩ ንኽልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያን መላፍንቶም ዝዀኑ ሓይልታትን ኤርትራን ጉጅለታት ሚሊሻን ብሓደ ወገን በቲ ሓደ ወገን ድማ ሰራዊት ትግራይ ዘሰተፈ ደማዊ ኲናት ኣብ ታሕሳስ 2022 እዩ ብውዕል ፕሪቶርያ ጠጠው ኢሉ። እቲ ኲናት ኣሽሓት ሰባት ኣህሊቐን ኣመዛቢሉን።

ኩሎም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ወገናት ድማ ብገበናት ኩናት ይኽሰሱ።

ኣመሓዳሪ ወረዳ ኢሮብ መምህር እያሱ ምስግና
መግለጺ ስእሊ, ኣመሓዳሪ ወረዳ ኢሮብ መምህር እያሱ ምስግና

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ብወገን ደቡብ ኤርትራን ዞባ ማእከል ትግራይን ቀንዲ መሳገሪ ኣብ ዝዀነ ሩባ መረብ፡ ካብ ኤርትራን ትግራይን ዝመፅኡ ህዝቢ ኣብ ዝተረኸብሉ ሰንበት 8 ሰነ 2017 (15 ሰነ 2025) ከም ዝተኸፍተ ነበርቲ ንቢቢሲ ገሊፆም።

ነባሪ ከተማ ራማ ኣቶ ሓዱሽ ጎበዛይ፡ ኣብ ቢንቶ-መረብ ትማሊ ኣብ ዝነበረ ርክብ ህዝቢ ካብ ዝተሳተፉ ሓደ እዩ።

ብቀንዱ ብወገን ኤርትራ ዝተወደበ ከምዝዀነ ዝገልፅ ኣቶ ሓዱሽ፡ ካብ ክልቲኡ ወገን ነበርቲ፣ ዓበይት ዓድን መራሕቲ ሃይማኖትን ኣብ'ቲ መድረኽ ከምዝተራኸቡ ንቢቢሲ ገሊፁ።

"ቅድም ክብል ንብዙሕ ዓመታት እንምነዮ ዝነበርና እዩ፡ እቲ ጭላንጭል ሰላም ንከታተሎ ነይርና፡ ብዛላምባሳን ኢሮብን፡ ዝገበሩዎ ርክብ ነይሩ፤ ኣባና'ውን ከምኡ ክፍጠር ንፅበዮ ነይርና፡" ኢሉ።

ኣብዚ ቕነ፡ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ርክብ ከምዘለዎ ዝንገረሉ ነጣፊ ማሕበራዊ ሚድያ ኣወል ስዒድ፡ ምስ ገለ ነጠፍት ደገፍትን ህወሓት፡ ኰይኖም 'ፅምዶ' ብዝብል ዝገብሩዎ ዘለዉ ጓስጓሳት ሚድያ፡ ክከታሉዎ ከምዝቐነዩ ይዛረብ።

"ስምዒትን ድሌትን ህዝቢ፡ ዝተሸገረ ህዝቢ ዘለዓዓሎ እዩ ነይሩ፤ መበገሲኡ ግን፡ እዞም ሰባት ዘለዓዐሉዎ እዩ ነይሩ፡" ኢሉ፡ ኣቶ ሓድሽ።

"ኣብ መረብ-ቢንቶ ኢና ተራኺብና፡ 'ፅምዶ ሰላም፡ ፅምዶ ፍትሒ' እትብል ባነር ኣብታ ማእከል ቢንቶ ተተኺላ ነይራ፤ ንሳቶም ብሰነ-ልቦና ኰነ ብማተርያል ኣዐርዮም ተዳልዮም ነይሮም" ኢሉ።

መራሕቲ ሃይማኖት'ውን ከምዝተሳተፉሉን እንግዶት ምሳሕ ከምዝነበረን ሓቢሩ።

ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣብ ሩባ መረብ

ምንጪ ስእሊ, SM

መግለጺ ስእሊ, ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ኣብ ሩባ መረብ
መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣቦይ ይግዛው ይፍጠር ዝተብሃሉ ካልእ ተሳታፋይ እቲ መድረኽ ድማ፡ "ብጣዕሚ ፅቡቕ ነይሩ፤ ኣነ ተሓጓሰ እየ፡ ክትርእዮ ከለኻ፡ ንነዊሕ እዋን ተፈላልዩ ዝነበረ ህዝቢ ክራኸብ እንተሎ፡ ዝበኪ ነይሩ፤ ከምዚ እንተቐፂሉ ፅቡቕ ውፅኢት ክመፅእ እዩ ኢለ እየ ዝኣምን" ኢሎም።

ኣብ ስደት ከምዝነበሩ ዝዛረቡ እቶም ወዲ 80 ዓመት ኣቦ፡ "እዚ ህዝቢ ራህዋን ሰላምን ረኺቡ ክርኢ እየ ዝደሊ፡ ብህይወት እንተለኹ ክልቲኡ ህዝቢ ሰላም ኮይኑ ክርኢ ይምነ ነይረ" ኢሎም።

እዚ ፍፃመ'ዚ፡ ድሕሪ ደማዊ ኲናት፡ ነዚ ንነዊሕ ዓመታት ተፈላልዩ ዝፀንሐ ኣብ ክልተኡ ወገን ዝርከብ ህዝቢ ናብ ጐደና ሰላምን ማሕበራዊ ርክብን ክኣቱ ሓድሽ ምዕራፍ ዝኸፍት ከምዝዀነ ይእመን።

ኣብ ኢትዮጵያ ሕጋዊ ሰብነቱ ስኢኑ ዘሎ ውድብ ህወሓት፡ ብዛዕባ እዚ ዝሓዞ ቅዋም ዕላዊ እንተዘይገበረ'ኳ፡ ገለ ወተሃደራዊ ኣዘዝትን መራሕቲ እቲ ውድብን፡ "ውሽጢ ንውሽጢ ምስ መንግስቲ ኤርትራ ይራኸብ ኣለዉ" ዝብል ፀብፃባት ክዝርጋሕ ፀኒሑ እዩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ፡ ኣንፃር እዚ መንግስቲ ዘይፈልጦ ርክባት ተቓውሞ ከስምዕ ዝፀንሐ ዀይኑ፡ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኰይኑ ዝተሸወመ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ፡ ካብ ዝፈረመሎም 8 ነጥብታት፡ "መንግስቲ ፌዴራል ዘይፈልጦም ርክባት ጠጠው ከብል" ዝብል ይርከቦ።

ብኤርትራ ወገን ብዙሕ ህዝቢ ከምዝነበረ ዝዛረብ ኣቶ ሓዱሽ፡ መንግስታዊ ድጋፍ ከምዘለዎ ይኣምን።

"ብወገን ኤርትራ መንግስቲ ዝድግፎ እዩ ዝመስለኒ፤ ርግፀኛ ኣይኰንኩን ግን፡ ብዙሕ ህዝቢ እዩ ወፂኡ፡ መንግስቲ ከይደገፎ ክንድዚ ዝኣክል ህዝቢ ክወፅእ ኣይክእልን፡ እቲ ናታቶም ኣታሕዛ ትርር ዝበለ እዩ" ኢሉ።

"ብናህና ግን፡ ንህወሓት ንምድጋፍ ኰነ ካልእ ንምቅዋም ኣይኰነን፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንምቅዋም ኣይኰነን፤ ንሕና ከምዚ ክንዀነሉ እንኽእል መዓልቲ እዩ፤ ይኣኽለና ናብ ልምዓት ናብ ሰላም ንኺድ ብዝብል እዩ ተገይሩ"።

ከምኡ ድማ እዚ 'ፅምዶ' ብዝብል ዝበጋገስ ዘሎ ርክባት፡ ኣብ እዋን ምትፍናን መግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝግበር ዘሎ ብምዃኑ፡ "ንሰላም ዘይኰነስ፡ ኣንፃር መንግስቲ ኢትዮጵያ ንኲናት ዘቕነዐ እዩ" ዝብሉ ርእይቶታት'ውን ይወሃቡ ኣለዉ።