ማክሮን፡ ንብዓልቲ ቤቱ 'ወዲ እያ ነይራ' ንዝበለት ፍልጥቲ ኣመሪካዊት ከሲሱ

ምንጪ ስእሊ, EPA
ፕረዚደንት ፈረንሳ ማክሮን፡ ብዓልቲ ቤቱ ቀዳመይቲ እመቤት፡ 'ወዲ ኰይና 'ያ ተወሊዳ' ኢላ ንዝተዛረበት ኣመሪካዊት ፀላዊት ከሲሱ።
ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮንን፡ ኣብ ልዕሊ ብዓልቲ ቤቱ ዝዀነት - ቀዳመይቲ እመቤት ብሪጂትን፡ 'ወዲ እያ ነይራ' ዝበለት ኣመሪካዊት ፅዕንቶ ፈጣሪት ካንደስ ኦወንስ እዩ ናይ ፀለመ ክሲ ኣቕሪቡ ።
እቲ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ኣመሪካ ግዝኣት ደላዌር ዝቐረበ ክሲ፡ ኦወንስ "ዘይተለምደ፡ ፀለመን ዘይሓቀኛን ፈጠራታት፡" ትዝርግሕ ኣላ ዝብል'ዩ።
ኦወንስ፡ ኣብቲ ስሙይ ገፃት ፖድካስታን ማሕበራዊ መራኸቢታታን፡ እታ ቀዳመይቲ እመቤት ወዲ ኰይና ከም ዝተወልደት ብተደጋጋሚ ክትገልፅ ተሰሚዓ።
ብዛዕባ ዘረባኣ ጽኑዕ መርገፂ ዘለዋ ኦወንስ፡ ኣብቲ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝተመሓላለፈ ክፋል ፖድካስታ፡ ነቲ ክስታት "ፍፁም መስሓቕ፡" ክትብል ኣባጭያ።
ኦወንስ ነቲ ኣብ ልዕሊ ቀዳመይቲ እመቤት ፈረንሳ ዝቐረበ ክስታት "ናይ ተስፋ ምቕባፅ" ክትብል'ውን ገሊፃቶ።
ንዓመታት ክዝርጋሕ ዝፀንሐ ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳብ፡ ቀዳመይቲ እመቤት ብሪጂት ማክሮን ወዲ ኰይና ከም ዝተወልደትን 'ዣን ሚሸል ትሮግኖክስ' ዝብል መፀውዒ ከም ዝነበራን ይገልፁ።
ኦወንስ፡ ነዚ ዘረባታት ኣብቲ 7 ሚልዮን ተኸታተልቲ ዘለዋ ኤክስ ገፃን ኣብ ፖድካስታታን ክትዝርግሖ ጸኒሓ እያ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት "Being Brigitte" [ቢይንግ ብሪጊት] ዝብል ተኸታታሊ ቪድዮ ሰሪሓ ነይራ።
ብጠበቓታቶም ኣቢሎም ክሲ ዘቕረቡ ፕረዚደንትን ብዓልቲ ቤቱን ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፡ ንኦወንስ ነቲ ብተደጋጋሚ ዝዘርግሓቶ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ክትእርም ከም ዝሓተትዋን፡ "ኣብ መወዳእታ ድማ ነዚ ጉዳይ ናብ ቤትፍርዲ ምቕራብ እቲ እንኮ መንገዲ ከም ዝዀነ ወሲኖም፡" ኢሎም።
"ወፍሪ ፀለመ ኦውንስ፡ ንዓናን ንስድራቤትናን ቃንዛን ስቓይን ንምፍጣርን፡ ንባዕላ ድማ ኣቓልቦን ትዅረትን ንምርካብ ዝተኣለመ'ዩ፡" ክብሉ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ሓቢሮም።
"ካብዚ ክስታት ክትርሕቕ ኵሉ ዕድላት ሂብናያ ኢና፣ ንሳ ግን ኣብያ።"

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኦወንስ፡ ፕረዚደንት ፈረንሳን ብዓልቲ ቤቱን ናይ ስጋ ዝምድና ርክብ ከም ዘለዎም፡ ኣማኑኤል ማክሮን ብሕቡእ ብሲኣይኤ ኣብ ስልጣን ከም ዝተቐመጠን እውን ትኸስስ።
ኦወንስ ኣብ 2024 ፖድካስታ ቅድሚ ምጅማራ ኣብ ጕጅለ ተማሃሮ 'ተርኒንግ ፖይንት'ን ዓቃባዊ ማዕከን ዜና ዘ ዳይሊ ዋየርን ሰሪሓ እያ።
ካብ ሽዑ ጀሚራ ድማ ብዛዕባ ክታበት ኮሮና ቫይረስ፡ ሆሎኮስትን ኣብ ወርሒ ምብፃሕን፡ ብዝምልከት ውዲታዊ ክልሰ-ሓሳባትን ወረታትን ምዝርጋሓ ይዝረብ።
እቲ ብስም እተን ኣብ ደላዌር ዝመደበረን ኩባንያታታ ዝቐረበ ክሲ፡ መጠኑ ዘይተገልፀ ክትከፍል ዝሓትት እዩ።
ብመሰረት ሕጊ ኣመሪካ፡ ማክሮንን ብዓልቲ ቤቱን "እቲ ዝተባህለ ክስታት" ከረጋግፁ ክግደዱ እዮም።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







