ኢትዮጵያ፡ ብዛዕባ ኣገዳስነት 'ፋይዳ ድጂታዊ መለለዪ መንነት' ክትፈልጥዎም ዝግባእ ሓሙሽተ ነገራት

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ 21 መጋቢት 2015 ግ. ኣዋጅ 'ድጂታል መንነት' ብምጽዳቕ ኢትዮጵያ ድጂታላዊ መንነት ተጠቀምቲ ካብ ዝዀና ሃገራት ሓንቲ ክትከውን መገዲ ዝጸረገ እዩ።

እዚ 'ፋይዳ' ዝተሰምየ ድጂታላዊ መለለዪ ካርድ፡ ሓደ 'ሰብ' ብፍሉይ መንገዲ ንኽለለ ከም ዘኽእል ዝንገረሉ ኰይኑ፡ እቲ ኣዋጅ ብወግዒ ክትግበር ጀሚሩ ኣሎ።

ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ትካላት ንዝህብኦ ኣገልግሎታት ድጂታል መለለዪ መንነት ክሓታ ጀሚረን ኣለዋ።

ብዛዕባ እዚ መለለዪ መንንት ክትፈልጥዎም ዘለኩም ገለ ኣገደስቲ ነገራት እዞም ዝስዕቡ እዮም፤

'ፋይዳ' መለለዪ መንነት እንታይ እዩ?

ኣብቲ መለለዪ መንነት ፋይዳ ዝሰፍር ኣሃዝ፡ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ውልቃዊ ሓበሬታ ሰባት (ባዮሜትሪካውን ደሞግራፊካውን) ብምእካብ፡ ነፍሲ ወከፍ ዜጋ ብፍሉይ መንገዲ ንምልላይ ዝሕግዝ ድጂታላዊ መለለዪ ቍጽሪ ምዃኑ ይገልጽ።

መሰረታዊ ውልቃዊ ሓበሬታታት ከም ስም፡ ጾታ፡ ዕለት ልደትን መንበሪ ኣድራሻን ዝሓዘ እዩ።

ብተወሳኺ፡ ንርክብን ንምርግጋጽን ዝውዕል፡ ኢመይልን ቍጽሪ ተሌፎንን የጠቓልል።

እቲ ቀንዲ ሓበሬታ ስታቲስቲካዊ ትንተና ናይ ባዮሎጅያዊ ትዕዝብትን ክስተትን (ባዮሜትሪክ) እዩ።

እዚ ድማ ክልተ ኣዕይንቲ፡ ዓሰርተ ኣጻብዕትን ምስሊ ሙምሉእ ገጽን ዝሓዘ እዩ።

እዚ ሓበሬታ ምስ ተኣከበ ተጸሚቑ፡ ናብ 12 ኣሃዝ ዘለዎ ፍሉይ ቍጽርን 16 ኣሃዝ ዘለዎ ተለዋዋጢ ቍጽርን ይቕየር፣ ድሕሪኡ ድማ ነቲ ተመዝጋቢ ይወሃቦ።

ዋና ኣተሓባባሪ ሃገራዊ መደብ 'ፋይዳ'፡ ዮዳሄ ኣርኣያስላሴ፡ "ሓደ ሰብ፡ በዚ መንገዲ ተመዝጊቡ እዚ ቍጽሪ እንተ ረኺቡ፡ ድጂታላዊ መለለዪ ካርድ ሒዙ ማለት'ዩ፡" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቲ ኣዋጅ፡ ዝዀነ ምዝጉብ ነባሪ፡ ድጂታላዊ መንነት ናይ ምርካብ መሰል ከም ዘለዎ ይሕብር።

እቲ ተመዝጋቢ ብሰንኪ ኣካላዊ ጉድኣት ወይ ካልእ ልዕሊ ዓቕሚ ብዝዀነ ኵነታት ብኣካል ተረኺቡ ሓበሬታ ክህብ ከም ዘይክእል እንተ ተረጋጊጹ፡ እቲ ድጂታላዊ መለለዪ መንነት ብስእሊ ጥራሕ ብምምዝጋብ ክወሃብ ይኽእል።

ኣብ ድጂታል መለለዪ ስርዓት ተመዝጊቡ፡ ኣብ ድጂታል መለለዪ ሰነድ ዝረኣይ ውልቃዊ ሓበሬታ፡ ብናይ ፈደራል መንግስቲ ናይ ስራሕ ቋንቋ፡ እቲ ምዝገባ ዝካየደሉ ክልል ናይ ስራሕ ቋንቋ፡ ከምኡ እውን ብእንግሊዝኛ ክሰፍር ይኽእል እዩ።

ኣብ ድጂታላዊ ስርዓተ መለለዪ ካርዲ ዝተመዝገበ ወይ ኣብ ድጂታላዊ መለለዪ ዝወጽእ ሓበሬታ እውን፡ ብቛንቋ እቲ ከባቢ ክምዝገብ ይኽእል እዩ።

ነዚ መለለዪ ካርድ ከውጽእ ዝፍቀደሉ መን እዩ ?

ብመሰረት ዓንቀጽ 16 (1) እቲ ኣዋጅ ሕጋዊ ድጂታላዊ መለለዪ ካርድ፡ ሓደ ሰብ መንነቱ ንምርግጋጽ ከም ሕጋውን እኹልን መርትዖ ከም ዝቑጸር ይርዳእ።

ብዕድመ ይዅን ብዜግነት ዝተሓጽረ ስለ ዘይኰነ፡ ኣብ ዝዀነ ዕድመ ዝርከቡ ህጻናትን ብሕጋዊ መንገዲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝነብሩ ወጻእተኛታትን ክምዝገቡ ይኽእሉ።

ኣቶ ዮዳሄ፡ ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ መዝገባ ከም ዝተጀመረ፡ ብተወሳኺ፡ ህጻናት ምስክር ወረቐት ልደቶም ኣብ ዝቕበልሉ እዋን ነዚ ፍሉይ ቍጽሪ መለለዪ ክረኽቡ ከም ዝኽእሉ እውን ገሊጹ።

ትሕቲ ሓሙሽተ ዓመት ንዝዕድሚኦም ህጻናት ወለዲ ከም ምስክር ከም ዝቍጸሩ፡ ልዕሊ ሓሙሽተ ዓመት እንተዀይኖም ድማ፡ ባዮሜትሪክ ሓበሬታ ምሃብ ግዴታ ስለ ዝዀነ፡ ኣሰር ኣጻብዕቶም ብምሃብ ቍጽሪ ፋይዳ ክረኽቡ ይኽእሉ።

ልዕሊ 18 ዓመት ምስ በጽሑ ድማ ባዕሎም ከውጽኡ ይፍቀደሎም።

'ፋይዳ' ንመለለዪ መንነት ቀበሌ (ጣብያ) ይትክእ ድዩ?

መለለዪ መንነት ቀበሌ ነበርቲ መንነቶም ዝገልጽሉ መንገዲ እዩ።

ፋይዳ ግን ኢትዮጵያውያን ጥራሕ ዘይኰነስ ስደተኛታት እውን ኣብ ኢትዮጵያ ክሳዕ ዘለዉ ክረኽብዎ ዝኽእሉ መለለዪ መንነት እዩ።

"መለለዪ መንነት ናይ ቀበሌ ንነበርቲ ኣድራሻኦም ብምርግጋጽ ዝወሃብ ኣገልግሎት እዩ። ኣብ ኣመሪካ ነባሪ ናይ ሓደ ክልል ነባሪ መለለዪ ወይ ፍቓድ መዘወሪ መኪና ኣለዎ። ብተወሳኺ ቍጽሪ ማሕበራዊ ድሕነት ኣለዎም። እቲ ቍጽሪ ማሕበራዊ ድሕነት ብደረጃ ፈደራል ይጥቀምሉ፡ ነፍሲ ወከፍ ግዝኣት ድማ ነባሪ መለለዪ መንነት ይህብ፡" ይብል ዮዳሄ።

እቶም ካርድታት ዝህቡዎ ኣገልግሎት ዝተፈላለየ ስለ ዝኾነ "ናይ ቀበሌ መለለዪ መንነት ምትካእ ወይ ዘይምትካእ ኣጀንዳ ክኸውን የብሉን፡" ኢሉ።

ካብ ቀበሌ ኣገልግሎት ንምርካብ ናይ ቀበሌ መመለለዪ ካርድ ግዴታ ዝዀነሉ እዋናት ከም ዘሎ'ውን ሓቢሩ።

"ንኣብነት ውዕላትን ሰነዳትን ኣብ ዝረጋገጸሉ እዋን፡ መለለዪ መንንት ቀበሌ የድሊ። ንገለ ኣገልግሎታት፡ ኣብ ርእሲ እዚ፡ ንገለ ግዴታዊ ኣገግሎታት ብተወሳኺ ናይ መንበሪ መለለዪ ወረቐት ከድሊ ይኽእል'ዩ፡" ይብል።

ይዅን እምበር፡ ኣብ ቀጻሊ ክልቲኦም ኣዋሂድካ ንምስራሕ ይሕሰብ ስለ ዘሎ፡ እቲ ስራሕ ምስ ተዛዘመ፡ ንነፍሲ ወከፎም በበይኖም ምሕታት ከም ዘየድሊ እቲ ኣተሓባባሪ ኣመልኪቱ።

'ፋይዳ' ዘይምውሳድ ይከኣል ድዩ?

ኣዋጅ ድጂታል መለለዪ መንነት ኵሉ ሰብ ነዚ መለለዪ ካርድ ክሕዝ ግዴታ ኣይገብሮን እዩ።

እንተዀነ፡ ወሃብቲ ኣገልግሎት ንዝህብዎ ኣገልግሎት ፋይዳ መለለዪ መንነት ከቕርቡ ክጠልቡ ይኽእሉ እዮም።

ኣቶ ዮዳሄ፡ "ፋይዳ እንተ ዘይሒዝካ ክትነብር ኣይትኽእልን ኢኻ። እቲ ኣዋጅ መንግስቲ ንገለ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ከም ድሕነት ዜጋታት፡ ቍጠባዊ ምዕባለ፡ ህንጸት ድጂታላዊ ቍጠባን ካልኦት ጉዳያትን ድጂታላዊ መለለዪ ግዴታ ናይ ምግባር መሰል ኣለዎም፡" ኢሉ።

ስለዚ፡ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ምስዚ መለለዪ መንነት ይተኣሳሰሩ ስለ ዘለዉ፡ ነዚ ኣገልግሎት ክረክብ ዝደሊ ሰብ ተመዝጊቡን ቍጽሪ ክህልዎን ኣለዎ።

'ፋይዳ' ክእገድ ወይ ድማ ክሰረዝ ይኽእል ድዩ?

ኣብ ፋይዳ ሓደ ግዜ ዝተመዝገበ ቍጽሪ፡ ንምእጋድ ኰነ ንምስርዝ ዝዀነ መስርሕ የሎን።

እቲ ክግበር ዝኽእል ምዕጻው (ምቝላፍ) እዩ።

እዚ ማለት ናይቲ ውልቀ ሰብ ባዮሜትሪክ ሓበሬታ ከይተተንከፈ ተዓጽዩ ይቕመጥ ማለት እዩ።

እዚ መስርሕ ሓበሬታ (ዳታ) ኣየጥፍእን እዩ።

አንተዀነ፡ ፍሉይ ድጂታላዊ መለለዪ ቍጽሪ ብሕቶ ተጠቃሚ ወይ ብትእዛዝ ቤትፍርዲ ክዕጾ ይኽእል።

ንኣብነት፡ ሓደ ሰብ ካብ ሃገር ወጺኡ መለለዪ መንነተይ ክጥቀም ኣይደልን እንተ ኢሉ፡ ሓበሬታኡ ይዕጾ።

ወይ ድማ ሓደ ሰብ ብሰንኪ ጌጋ ሓበሬታ፡ ቍጽሪ 'ፋይዳ' እንተ ረኺቡ ይዕጾ።

ሓደ ሰብ ምስ ሞተ እቲ ቍጽሪ ንኻልእ ሰብ ኣይወሃብን እዩ።

ሞት ተመዝጋቢ እንተ ተረጋጊጹ፡ እቲ ፍሉይ ቍጽሪ እቲ ትካል ከም ዘይተቐየረን እቲ ኣገልግሎት ንምርግጋጽ ከም ዘይውዕልን እቲ ኣዋጅ ይሕብር።

ውልቃዊ ሓበሬታ ክሳብ ክንደይ ውሑስ እዩ?

እቲ ኣዋጅ፡ ኣብ ድጂታላዊ ስርዓተ መለለዪ ዝተመዝገበ ዝዀነ ይዅን ውልቃዊ ሓበሬታ፡ ብዘይ ፍቓድ ተመዝጋቢ ምውሳድ፡ ምዝርጋሕ፡ ምሕታም፡ ምጥቃም፡ ምሃብ ወይ ንሳልሳይ ወገን ወይ ኣካላት ምግላጽ ክልኩል ምዃኑ ይድንግግ።

ኣቶ ዮዳሄ ከም ዝብሎ፡ ናይ ሓደ ሰብ ኣሰር ኣጻብዕቲ ኣብ ዳታቤዝ 'ፋይዳ መለለዪ መንነት (መታወቅያ)' ስለ ዝኣቱ፡ እቲ ቤት ጽሕፈት ነቲ ሓበሬታ ከከም ድሌቱ ይገብሮ ማለት ኣይኰነን።

ብድጂታል ስርዓት ዝእከብ ዝዀነ ይዅን ውልቃዊ ሓበሬታ ዋናኡ ተመዝጋቢ ምዃኑ ሓቢሩ።

"ውልቃዊ ሓበሬታ ክዝርጋሕ ዝፍቀድ ብትእዛዝ ቤትፍርዲ ጥራሕ እዩ። ስለዚ፡ እቲ ሓበሬታ ብዘይ ፍቓድ እቲ ውልቀሰብ ናብ ሳልሳይ ኣካል (ውልቀሰብ ይዅን መንግስቲ) ኣይሰጋገርን እዩ።"

ስለዚ፡ እቲ ሓበሬታ ብሕጊ ይሕሎ ጥራሕ ዘይኰነ፡ ተዓጽዩ ወይ ምስጢራዊ ምዃኑ ዘረጋግጽ ሰብ ከይተረፈ፡ ዋላ እቶም ናይቲ ትካል ሰራሕተኛታት፡ ነቲ ሓበሬታ ክረኽቡ ኣይፍቀደሎምን እዩ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ኣዋጅ ብድጂታል መለለዪ ስርዓት ዝተኣከበ ዝዀነ ይዅን ውልቃዊ ሓበሬታ ብዘይ ፍቓድ ተጠቃሚ ናብ ካልእ ሰብ ምግላጽ፡ ምትሕልላፍ ወይ ምቕያር ክልኩል ምዃኑ ብንጹር ይገልጽ።

ኣብ ርእሲ'ዚ፡ ውልቃዊ ሓበሬታ ብሕጊ ወይ ብመሰረት ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ንዝተፈቕደሎም ሰባት ክግለጽ ወይ ክሰጋገር ከም ዝኽእልን ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ጉዳያት ድማ እቲ ዝተሰጋገረ ሓበሬታ ንዝተሓሰበሉ ዕላማ ጥራሕ ከም ዝውዕልን ይድንግግ።

ህላወ እዚ መለለዪ ካርድ ዘገድዳ ትካላት

ኣገልግሎተን ምስ ፋይዳ መለለዪ ካርድ ዘተኣሳስራ ትካላት መንግስቲ ብዝሐን እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።

ካብዚኣን ኢትዮ ቴለኮም ቀዲሙ ዝጥቀስ ኰይኑ፡ ካልኦት ልዕሊ 30 ትካላት እውን ከምኡ ከም ዝገበራ ኣቶ ዮዳሄ ኣንፊቱ።

ናይ ኣታዊታት ግብሪ መለለዪ ቍጽሪ [ቲን ናምበር] ንምርካብ ከተማልኦ ዝግባእ ቅድመ ኵነት ኰይኑ ኣሎ።

ሃገራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ባንኪ ሕሳብ ንምኽፋት ድጂታል መለለዪ ካርድ ምቕራብ ግዴታ ዝገበረ ኰይኑ፡ ድሕሪ ክልተ ዓመት ድማ ኣብ ልዕሊ መላእ ሃገር ዝርከቡ ዓማዊል ተመሳሳሊ ስጕምቲ ግብራዊ ከም ዝገብር ኣፍሊጡ ኣሎ።