ንብረት ትዊተር ብጨረታ ይሽየጥ ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንብረት ናይቲ ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ትዊተር፡ ብጨረታ ይሽየጥ ኣሎ።
ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ተቐሚጣ ዝነበረት፡ ንኣርማ ትዊተር እተመልከት ቅርጺ ናይ ጭሩ፡ እታ ብዝኸበረ ዋጋ ዝተሸጠት ንብረት እቲ ቤት ጽሕፈት ኮይና ብ100 ሽሕ ዶላር ተዓዲጋ።
እቲ ኣብ ኢንተርነት ንመሸጣ ዘቐረበ ንብረት ትዊተር፡ በብተናጸል ዝሽየጥ ኮይኑ ዝበዝሐ ካብቲ ንብረት ብትሕቲ ዋግኡ’ዩ ተሸይጡ።
ኢሎን መስክ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብ44 ቢልዮን ዶላር ንትዊተር ምስ ዓደጎ፡ ሰራሕተኛታት ብምስጓግ ወጻኢታት እቲ ትካል ከጉድል እንከሎ፡ ንብረት ብምሻጥ’ውን ኣታዊታት ክረክብ ይፍትን ኣሎ።
ኢሎን መስክ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ንትዊተር ምስ ተረከቦ ካብቶም 7,500 ሰራሕተኛታት ትዊተር ዳርጋ ነቶም ፍርቂ ካብ ስራሕ ሰጒግዎም።
ብዘይካ እዚ ንሰራሕተኛታት እቲ ትካል ብነጻ ዝውሃብ ዝነበረ ምሳሕ’ውን ደው ከምዝብል ገይርዎ ኣሎ።
ንንብረት ትዊተር ብጨረታ ዝሸጠ ‘ሀሪቴጅ ግሎባል ፓርትነር’ ዝተብሃለ ትካል ዋላ’ኳ ናይ መወዳእታ ውጽኢት እቲ ጨረታ እንተዘይሓበረ፡ ቢቢሲ እቲ ጨረታ ቅድሚ ምዕጻዉ ዋጋ ናይ ዝተፈላለየ ንብረት ካብ መርበብ ሓበሬታ እቲ ትካል ብምእካብ ዋጋ እቲ ንብረት ክፈልጥ ክኢሉ ኣሎ።
ኣብ ውሽጢ እቲ ቤት ጽሕፈት ዝነበረት 190 ሴንቲሜተር ቁመታ ብቅርጺ ‘@‘ ዝተሰርሐት ቅርጻ ብ15 ሽሕ ዶላር ከምዝተሸጠ’ውን ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብቲ ቤት ጽሕፈት ዝነበረ ብእንጨይቲ ዝተሰርሐ ዓቢ ናይ ኣኼበኛታት ጣውላ ብ10,500 ዶላር፡ ሰለስተ መጽሞቒ ቡን 30 ሽሕ ዶላር እተን ብደሓን ዝብሃል ዋጋ ዝተሸጣ ንብረት ክኾና እንከለዋ፤ ኣብ ኣኼባ ንመደዋዋሊ ትጥቐም ‘ኮል ስፒክረ ፎን’ ብ300 ዶላር ጥራይ ምሻጣ ካብቲ ዘገረም ነገር’ዩ ነይሩ።
ኢሎን መስክ ኣብ ወርሒ ሕዳር ንትዊተር ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብዙሓት ኣብ ትዊተር መወዓውዒ ዝገብሩ ዝነበሩ ትካላት ኢዶም ስለዘንሰሓቡ እቲ ትካል ናብ ክሳራ ይኣቱ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ ናብ ጥፈሻ ከምርሕ ከምዝኽእል ኣአንፊቱ ነይሩ።
ትዊተር ነቲ ኣብ ሳን ፍራንሲስኮ ዝርከብ ዝዓበየ ቤት ጽሕፈቱ ዝርከቦ ሓያለ ቤት ጽሕፈታተቱ ክራይ ክኸፍለሉ ስለዘይጸንሐ ሓያሎ ወንነቲ እቲ ህንጻታት ‘ገንዘብና ኣይተኸፈልናን’ ብምባል ናብ ቤት ፍርዲ ከምዘምርሑ ይፍለጥ።
ወኪል ኣጫራቲ ትካል ‘ሀሪቴጅ ግሎባል ፓርትነር’ ኒክ ዶቭ ምስ መጽሄት ፎርችን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት፡ ምሻጥ ንብረት ትዊተር ነቲ 44 ቢልዮን ዶላር ንምምላስ ዝዓለመ ከምዘይኮነ ብምግላጽ “ውሑዳት ጠዋሉን ኮምፒተራትን ብምሻጥ ነቲ ንትዊተር ንምግዛእ ዝወጽእ ሰልዲ ንምምላስ’ዩ ኢሉ ዝሓስብ ሰብ እንተሃልዩ ግን ባሃም ጥራይ’ዩ ክኸውን ዝኽእል” ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







