እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መበል 100 ዓመት ቢቢሲን 10 ተዘክሮታትን
ኮርፖሬሽን ፈነወ ብሪጣንያ (ቢቢሲ) መበል 100 ዓመቱ ይጽምብል ኣሎ።
እቲ ኣብዚ እዋን ኣብ ዓለም ዝዓበየ ኮርፖሬሽን ፈነወ 18 ጥቅምቲ 1922 እዩ ብወግዒ ኣብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ተተኺሉ። ኣብ ዝሓለፈ 100 ዓመታት ከኣ ዝተፈላለየ መሳጢ መድረኻት ኣሕሊፉ እዩ። እቶም ፍልይ ዝበሉ ፍጻመታትን ኣብ ቢቢሲ ፍሉይ ተራ ዝነበሮም ሰባትን ክንነግረኩም።
1. እቲ ፈላሚ መደበር ራድዮ ቢቢሲ
ቢቢሲ፡ ብርክት ዝበሉ ኣማተር መደበራት ድሕሪ ምዕጻዎም፡ ፈላሚ መዓልታዊ ናይ ራድዮ ኣገልግሎቱ 14 ሕዳር 1922 እዩ ካብ ለንደን ዓዲ እንግሊዝ ጀሚሩ።
እቲ ናይ ፈለማ ፈነወ ሰዓት 6፡00 ድቀ ክግበር እንከሎ፡ ዜናዊ ጸብጻብ ኮይኑ፡ ንዕኡ ስዒቡ ካብ ኣገልግሎት ሜትሮሎጂ ብሪጣንያ ዝተረኽበ ትንቢት ኩነታት ኣየር እዩ ቀሪቡ።
ኣርተር በሮውስ ነቲ ጸብጻብ ክልተ ጊዜ ከንብቦ እንከሎ፡ ኣብቲ ካልኣይ እዋን፡ ሓበሬታ ክጽሕፉ ንዝደልዩ ሰማዕቲ ዕድል ንምሃብ፡ ህድእ ኢሉ እዩ ኣንቢብዎ።
2. ምጅማር ‘ዎርልድ ሰርቪስ’
ንጉስ ጆርጅ ሓምሻይ ብ19 ታሕሳስ 1932፡ ፈላሚ ናይ በዓል ልደት መልእኽቲ ንብሪጣንያን ንገለ ክፋል ዓለምን ኣመሓላሊፉ።
እቲ ብሓጺር ማዕበል ዝተመሓለለፈ ፈነወ፡ ብቐንዱ ኣብ ንግስነት ብሪጣንያ ንዝርከቡ ተዛረብቲ ቋንቋ እንግሊዝ ዝዓለመ ኔሩ።
ንሱ ኣብ መደረኡ “ሰብኡትን ኣንስትን፡ ብውርጪ፡ ብምድረበዳ፡ ወይ ብባሕሪ ተፈላልዮም ኣለው፤ ብኣየር ዝመሓላለፍ ድምጺ ጥራሕ’ዩ ክበጽሖም ዝኽእል” ኢሉ።
እዚ መደረ ነቲ ሎሚ ‘ቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪስ’ ተባሂሉ ዘሎ ኣገልግሎት ሃጸያዊ ኣገልግሎት ቢቢሲ ዘበገሰ ነበረ።
ቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪስ፡ ሎሚ፡ ብስፍሓት ሸፈነ፡ ቋንቋታትን ብዝሒ ተኸታተልትን ዝዓበየ ትካል ትካል ፈነወ እዩ።
ብኢንተርነት፡ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ቴለቪዥንን ራድዮን፡ ብልዕሊ 40 ዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዓለም ይፍኑ።
3. ፍሉይ ማይክሮፎን ቢቢሲ
ኣብ 1930ታት፡ ዋጋ ማይክሮፎናት ክቡር ብምንባሩ፡ ቢቢሲ ምስ ትካል ማርኮኒ ብምስምማዕ ናይ ባዕሉ ሓድሽ ማይክሮፎን ኣማዕቢሉ።
እቲ ፍርያት ምስ ግዜ እናተመሓየሸን እናማዕበለን ክኸይድ እንከሎ፡ ኣብ ተኸታታሊ ድራማታትን ፊልምታትን ይርአ ብምንባሩ፡ ከም ናይ ቢቢሲ ማይክሮፎን ክፍለጥ ክኢሉ እዩ።
4. ቢቢሲ ዓረብኛ፡ ፈላሚ ኣገልግሎት ቋንቋታት ቢቢሲ ኮይኑ
ኣብ 1938 ዝጀመረ ፈነወ ቢቢሲ ዓረብኛ፡ ፈላሚ ኣገልግሎት ቋንቋታት እቲ ኮርፖሬሽን ኮይኑ። ኣላላዪ መደባት ኣሕመድ ከማል ካብ ራድዮ ግብጺ ክቑጸር እንከሎ፡ ኣዝዩ ህቡብ ብምንባሩ፡ እቲ ፈነወ ኣብ ሃገራት ዓረብ ኣብ ሓጺር ግዜ ኣዝዩ ፍሉጥ ኮነ።
ኣብ ዝሰዓቡ ዓሰርተታት ዓመታት፡ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዓለም ዝመሓላለፉ መደባት ራድዮን ቴለቪሽንን ተኣታተው።
ብኢንተርነት ዝመሓላለፍ ቢቢሲ ኦንላይን፡ ኣብ 1997 እዩ ጀሚሩ። ምትእትታው ማሕበራዊ መራኸቢታት ስዒቡ እቲ ንብሪጣንያ ኣተኲሩ ዝሰርሕ ቢቢሲ ኒውስን ንዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዓለም ዘጠቓልል ቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪስን ተፈላለዩ።
ሎሚ ቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪስ ቀዳምነቱ ንጂጂታዊ ትሕዝቶ ናብ ምግባር ገጹ ይኸይድ ኣሎ።
5. ፈላሚት ጸላም ጓል ኣንስተይቲ ኣዳላዊት መደባት ቢቢሲ
ኡና ማርሰን ኣብ ፈላሚት ጸላም ጓል ኣንስተይቲ ኣዳላዊት መደባት ቢቢሲ ብምዃን ታሪኽ ሰሪሓ።
ትውልደ ጃማይካዊት ኡና ኣብ 1939 ናብ ቢቢሲ ክትጽምበር ከላ፡ ምኩርቲ ጋዜጠኛ እያ ኔራ።
ንሳ ፈለማ ተሓጋጋዚት ኮይና እያ ጀሚራ ኣብ 1941 ግና ናይ ምሉእ ግዜ ሰራሕተኛ ኮነት።
6. ምዝዛም ካልኣይ ኲናት ዓለም
1 ግንቦት 1945 ቢቢሲ፡ መራሒ ጀርመን ኣዶልፍ ሂትለር ርእሰ ቅትለት ከምዝፈጸመ ኣቃልሐት። ንጽባሒቱ ምሸት ሰዓት 7፡00 ኣብ ኢጣልያ ዝነበሩ ወተሃደራት ጀርመን ኢዶም ከምዝሃቡ ተገሊጹ።
4 ግንቦት ኣብ ዴንማርክ ኢዶም ምስ ሃቡ፡ እቲ ኲናት ምብቅዑ ኣመላኸተ።
እንተኾነ ግና ንዝተወሰነ መዓልትታት ወላ ሓደ’ውን ርግጸኛ ኣይነበረን። 7 ግንቦት ብርክት ዝበሉ ሰባት ኣብ ከባቢ ቤተመንግስቲ ባኪንግሃም እከዕ እንተተኣከቡ እታ ሃገር ንሓሙሽተ ዓመታት ዝተጸበየቶ ዜና ኣይተነገረን ነበረ።
ምሸት ግና፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ዊንስተን ቸርቺል እቲ ዝቕጽል መዓልቲ፡ ዕለት ዓወት ኣውሮጳ ምዃኑ ብቢቢሲ ተዛረበ።
7. ቴለቪዥን ቢቢሲ ኣብ ዙርያ ዓለም ተዘርግሐ
ኣብ 1967 'ዓለምና' ("'Our World') ዝተሰመየ መደብ ተለቪዢን ቢቢሲ ታሪኽ ሰርሐ።
ቅድሚኡ፡ ብሳተላይት ዝፍኖ ፈነወ ቴለቪዥን ንዝተወሰና ሃገራት ጥራሕ ዘራኽብ ኮይኑ ኣብ ደረጃ ፈተነ እዩ ኔሩ። ንኣብነት ቢቢሲ ካብ 1936 ጀሚሩ ኣዝዩ ንጹር ዝኾነ (ሃይ ደፊኒሽን) ምስሊ ብቴለቪዥን ብምፍናው ፈላሚ ማእከን ዜና እዩ።
“ኣወር ዎርልድ” ግና ካብዚ ብዝተፈለየ መገዲ ኣብ ኩለን ክፍለ ዓለማት ንዝርከቡ ሰባት ብሳተላይት ቀጥታዊ ፈነወ ቴለቪዥን ከቕርብ ይፍትን ኔሩ።
ዘ ቢትልስ፡ ደሓር ፍሉጥ ንዝኾነ ሙዚቃኦም ‘ኦል ዩ ኒድ ኢዝ ላቭ’ ኣብ ቢቢሲ ኣቕረቡ። እዚ ድሕሪ ምዕዋቱ፡ ኣብ 1985 ዓለም፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኸሰተ ጥሜት ሓገዝ ከበርክት ዘኽኣለ ‘ላይቭ ኤይድ’ ከመሓላልፍ ከኣለ።
እዚ ካብ ብዙሕ መድረኻት ዝተመሓላለፈ ሙዚቃዊ ምርኢት ብ ቦብ ጌልዶፍን ሚጅ ኡርን ዝተሰናደወ ነበረ።
ኣብ ምዕዋት እቲ ሙዚቃዊ ምርኢት እጃም ቢቢሲ ኣዝዩ ኣገዳሲ እዩ ኔሩ። እቲ ምርኢት ኣብ 60 ሃገራት ዝርከቡ ከባቢ 400 ሚልዮን ሰባት ብቐጥታ ክከታተልዎ ክኢሎም እዮም።
8. ዝተመረዘ ሚስጥራዊ ጽላል
እዚ ስእሊ፡ ብተምሳል እቲ ንጋዜጠኛ ቢቢሲ ዎርልድ ሰርቪስ ጆርጂ ማርኮቭ ንምቕታል ዝወዓለ ንዋት ዝተዳለወ እዩ።
7 መስከረም 1978፡ ማርኮቭ ናብ ስርሑ እናኸደ እንከሎ ሓደ ጽላል ሒዙ ዝነበረ ሰብ ብድሕሪት ኣብ እግሩ ወጊእዎ ተሰወረ።
ማርኮቭ ናብ ሆስፒታል ክውሰድ እንከሎ ብኣባል ስለያ ቡልጋርያን ኬጂቢን ተመሪዙ ክኸውን ከምዝኽእል ተዛረበ። ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ከኣ ኣብ መበል 49 ዓመቱ ህየወቱ ሓለፈ።
እቲ ኣገባብ ቅትለትን እቲ ጋዜጠኛ ኣብ ልዕሊ ስርዓት ኮሚኒስት ቡልጋርያ ዘቕርቦ ዝነበረ ነቐፌታን፡ ኬጂቢ ወይ ኣገልግሎት ጸጥታ ቡልጋርያ ኣብቲ ቅትለት ኢድ ከምዘለዎም ክጥርጠሩ ጌሩ እዩ።
እቲ ቅትለት “ፒካዲሊ” ብዝተባሃለ ኣባል ስለያ ከምእተፈጸመ ድሒሩ ዝተረኽበ ሰነዳት ኣረዲኡ። እንተኾነ ግና ምስቲ ቅትለት ብዝተኣሳሰር ናብ ሕጊ ዝቐረበ የለን።
9. ሽልማት ኮኾብ ስፖርት ኣፍሪቃ
እዚ ዋንጫ ንስፖርታውያን ዝወሃብ ዓመታዊ ሽልማት ኮይኑ፡ ኣብ 2018 ግብጻዊ መሓመድ ሳላሕ ተዓዊቱሉ።
ካብ 2001 ጀሚሩ ንተጻወትቲ ኩዕሶ እግሪ ጥራሕ እዩ ዝወሃብ ኔሩ። ካብ 2012 ጀሚሩ ግና ንኹሉ ዓውድታት ስፖርት ከምዘካትት ተጌሩ።
እቲ ናይ መጀመርታ ቅርጺ እቲ ዋንጫ ብሓደ ሴራልዮናዊ ወተሃደር ነበር እዩ ተዳልዩ። እቲ ወተሃደር ኣብ ስነጥበብ ዘለዎ ዝንባለ ምስ ተገንዘበ ህይወቱ ከምዝተቐየረ ይግለጽ።
10. ዴቪድ ኣተንብሮን እታ ሓምላይ ፕላኔትን
ሰነዳዊ ፊልምታት ዝርኢ ሰብ ንዴቪድ ኣተንብሮ ኣይስሕቶን እዩ። እቲ ፊልምታት ንሸሞንተ ዓሰርተ ዓመታት ዝዘለቐ ኣብ ህይወት መሮር ዘተኩር እዩ።
ከም ‘ብሉ ፕላኔት’፡ ከምኡ’ውን ‘ናቹራል ዎርልድ’ ዝኣመሰሉ መደባቱ፡ ብሚልዮናት ተራእዮምን ብዙሕ ሽልማታት ክወስድ ኣኽኢሎምዎን እዮም።
ኣብ መላእ ዓለም ተፈላጥነት ዘለዎ ዴቪድ ካብ 1960ታት እዩ ኣብ ቢቢሲ ኣቕራቢ ኮይኑ ክሰርሕ ጀሚሩ፡ ክሳዕ ዝለዓለ ኣካያዲ ስራሕ ክኸውን ከኣ በቒዑ እዩ።
ብፍላይ ኣብ ኩነታት ኣየር መሃሪ ትሕዝቶታት ብምድላው በቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝወሃብ ሽልማት ሻምፕዮና መሬት 2021 ተዋሂቡ።