‘ብዘይድሌትና መከላኸሊ ጥንሲ ተዋሂብና’ ኢለን ዝኸሳ ዘለዋ ደቂ ኣንሰትዮ

67 ኣረጋውያን ደቂ ኣንስትዮ ደቀባት ግሪንላንድ፡ መንግስቲ ደንማርክ ኣብ 1960ታት ብዘይድሌትና መከላኸሊ ጥንሲ ይህበና ነይሩ ብምባል ካሕሳ ክወሃበን ይሓታ ኣለዋ።
እተን ማሕበር ኣቝመን ዘለዋ 67 ደቂ ኣንስትዮ ደቀባት ግሪንላንድ፡ ብውሕዱ 4500 ዝዀና ደቂ ኣንሰትዮ ደቀባት ግሪንላንድ፡ ብዘይ ድሌተንን ኣፍልጦአንን ኣብ ርሕመን መከላኸሊ ጥንሲ ይግበረለን ከምዝነበረ ብምግላጽ’የን ወግዓዊ ክሲ መስሪተን ዘለዋ።
እዚ ሕጂ ተጀሚሩ ዘሎ ክስን ሕቶ ካሕሳን፡ መስርሕ ፍርዱ ክሳብ 2025 ክቕጽል ከምዝኽእል’ዩ ዝግመት፡ እንተዀነ እተን ገለ ዕድመአን ኣብ 70ታት በጺሑ ዘሎ ደቀባት ግሪንላንድ ከይውዓለ ከይሓደረ ካሕሳ ክወሃበን ከምዘለወን’የን ምጕት ጀሚረን ዘለዋ።
እዘን ማሕበር ብምፍጣር ነዚ ክሲ ጀሚረናኦ ዘለዋ ደቂ ኣንስትዮ ነፍሲ ወከፍ እተን ‘ዝተበደላ’ ደቀባት ግሪን ላንድ 300 ሽሕ ክሮነር [42 ሽሕን 150 ዶላር] ክወሃበን’የን ሕቶ ኣቕሪበን ዘለዋ።
እዛ ካብ ዓለምና ዝዓበየት ደሴት፡ ክሳብ 1953 ብደንማርክ’ያ ትግዛእ ነይራ።
እቲ መንግስቲ ዴንማርክ ኣብ 1960ታት ኣብታ ደሴት ወሊድ ንምቁጽጻር ዘተኣተታተዎ መደብ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ‘ብፖድካስት’ ንዕኡ ዝድህስስ መደብ ምስ ተመሓላለፈ’ዩ ኣቓልቦ ክስሕብ ክኢሉ።
ኣብ ሃገራዊ ቤተ ሰነድ እታ ደሴት ዝተረኸበ ሰነዳት ከምዘነጽሮ፡ ካብ 1966 ክሳብ 1970 ኣብ ዝነበረ ግዜ ጥራይ እቲ መከላኸሊ ጥንሲ ኣብ ደቂ 13 ዓመት ህጻናት ከይተረፈ ብዘይኣፍልጦአን ይግበረለን ከምዝነበረ የረድእ።
መንግስቲ ግረንላንድ ኣብ መወዳእታ 1969 ብውሕዱ ኣብተን 39 ሚእታዊት ናይ ምውላድ ዕድል ዝነበረን ደቀባት እታ ደሴት ብዘይኣፍልጦአን እቲ መከላኸሊ ጥንሲ ከምዝተገበረለን ግምታቱ የቐምጥ።
ነዚ ከጻሪ መንግስታት ደንማርክን ግሪንላንድን ዘቘምዎ ጕጅለ ስርሑ’ኳ እንተጀመረ፡ ውዱእ ጸብጻቡ ቅድሚ ግንቦት 2025 ከቅርብ ከምዘይክእል ተፈሊጡ ኣሎ።
ክኢላ ስነእምሮን ነዚ ናይ ክሕሳ መደባት ትጉስጉስ ዘላን ናጃ ለይበርዝ “ንሕና እቲ ቆይሙ ዘሎ ጉጅለ ጸብጻቡ ክሳብ ዘቕርብ ዘጸቢ የብልናን” ድሕሪ ምባል “ንኣርግ ኣለና፤ ካብተን ኣብ 1960ታት ብዘይድሌተን መከላኸሊ ጥንሲ ዝተገበረለን ኣብ 1940ታት ዝተወለዳ’የን ሕጂ ዕድሚኤን ናብ 80 ተጸጊዑ ኣሎ፡ ስለዚ ምስ ግዜ ክንጓየ ኣለና” ትብል።
ናጃ ለይበርዝ ብምስዓብ፡ እቲ መከላኸሊ ጥንሲ ዓቢ ከምዝኾነን ብፍላይ ኣብተን ደቂ 13 ደቂ 14 ዝነበራ ህጻናት ዘይዓቐነን ስለዝኾነ ምምካን ዘርከቦ ካልእ ጥዕናዊ ጸገማት ከምዘስዓበለን ትገልጽ።
ኵለን እተን ደቂ ኣንስትዮ እቲ መከላኸሊ ጥንሲ ብዘይኣፍልጦአን ስለዝተገጠመለን፡ ክሳብ ብክኢላታት ማህጸን ተፈቲሸን ዝንገረን ንዓመታት ከይፈለጣ ምስአን ተሰኪመናኦ ከምዝጸንሓ ናጃ ለይበርዝ ትሕብር።
ንሳ፡ መንግስቲ ደንማርክ ኣብታ ደሴት ዝህቦ መልዕሎ ንኸጕድልን ብዝሒ ህዝቢ ግሪንላንድ ንኽንክን ኢሉ’ዩ ገይርዎ ብምባል ትኸስስ።
ናጃ ለይበርዝ “መንግስቲ ደንማርክ መሰላትና ብምግሃስ ኣብ ልዕለና ስነኣእምሮኣውን ኣካላውን መጕዳእቲ ከምዘውረደ 100 ሚእታዊት ርጕጽ’ዩ” ትብል።
ጠበቓ እዘን ማሕበር ኰይነን ንመንግስቲ ደንማርክ ዝኸሳ ዘለዋ 67 ኣረጋውያን ደቂ ኣንስትዮ ደቀባት ግሪንላንድ ዝዀነት ማድስ ፕራሚ ኣክንዲ እተን ከሰስቲ ብምዃን ትሕዝቶ ክሰንን መደባት ካሕሳን ትማሊ ሰኑይ ናብ ቤት ጽሕፈት ቀዳመይቲ ሚኒስተር ደንማርክ ማት ፈረድሪክሰን ኣብጺሓ ኣላ።
ናጃ ለይበርዝ፡ መንግስቲ ደንማርክ ንዝፈጸሞ ጌጋ ተኣሚኑ ዝሓተተኦ ካሕሳ ክህበን ግምት ከምዘይብላ ብምግላጽ እቲ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ከምርሕ ከምዝኾነ’ያ ትገልጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መንግስቲ ደንማርክ ኣብ 1950ታት ኣብ ግሪንላንድ ተዛረብቲ ዳኒሽ ንምብርካት ካብ ስድራኦም ዝወሰዶም ዓሌታት ከምዝነበሩ ተኣሚኑ ይቕረታ ብምሕታት ንሽዱሽተ ካብኦም ካሕሳ ከምዝሃቦም ዝዝከር’ዩ።
ግሪንላንድ 57 ሽሕ ነበርቲ ዘለዉዋ ካብ ዓለምና ዝዓበየት ደሴትን እታ ናብ ሰሜናዊ ዋልታ ዝቐረበ ሰብ ዝነብረላ መሬት ከምዝዀነት ይፍለጥ።
እዛ ሃገር ናይ ገዛእ ርእሳ ዶብ፡ ባንዴራን ቀዳማይ ሚኒስተርን’ኳ ኣንተሃለዋ፡ ሰልዳ፡ ሕጋን ፖሊሲ ወጻኢ ጉዳያትን ግን ክሳብ ሕጂ ብደንማርክ’ዩ ዝምእከል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







