ብሽም ዝተቐተሉ በጻሕቲ ዓዲ መገዲ ንምስያም ዝቐረበ ውጥን ቁጥዐ ኣልዒሉ

መንግስቲ ዩጋንዳ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ብስም ክልተ ወጻእተኛታት በጻሕቲ ዓዲ ሓደ ጽርግያ ክስየም ዘቕረቦ ውሳነ፡ ኣብታ ሃገር ቁጥዐ ኣስዒቡ'ሎ።

ብሪጣንያዊ ዜጋ ዴቪድ ባርሎውን ደቡብ ኣፍሪቃዊት በዓልቲ ቤቱ ኤማሬትያ ጌየርን ኣብ ግዜ ሕጽኖቶም ብጥይት ተቐቲሎም።

እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ሰባት፡ እንኮላይ መኪናኦም ከምዘቃጸሉ ፖሊስ ገሊጹ።

ገለ ዩጋንዳውያን መንግስቲ ነቶም ወጻእተኛታት መጻምድቲ ብሽሞም ጎደና ክስየም ሓሳብ ኣቕሪቡ እንተብቅዕ ነቲ ኣብ ጎድኖም ዝተቐትለ ዩጋንዳዊ በዓል ሞያ ቱሪዝም ዝኾነ ኤሪክ ኣልያይ ግን ኣግሊሉ’ዩ ክብሉ ነቒፎም።

እቶም ካብ ዓባይ ብሪጣንያ በርክሻየር ዝመጹ መጻምድቲ፡ ኣብ ሃገራዊ ፓርክ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ኣህባይ ንምርኣይ ዑደት ኣብ ዝገበሩሉ እዋን፡ ብመጥቃዕቲ ኪዳን ደሞክራስያዊ ሓይልታት (ኤዲኤፍ) ከምዝተቐትሉ ሰብ ስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።

ኤዲኤፍ ምስ እስላማዊ መንግስቲ ዝተኣሳሰር ዓመጺ ጉጅለ ኮይኑ፡ ኣብ ምዕራብ ዩጋንዳ ዝንቀሳቐስ ሓይሊ’ዩ።

መብዛሕትኡ ክፋል እቲ ሓይሊ ግን ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ጎረቤት ሃገር ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝንቀሳቐስ’ዩ።

"ከም ካቢነ ሚኒስተራት ነዞም በጻሕቲ ዓዲ፡ ሓደ ካብ ጽርግያታት ዩጋንዳ ብስሞም ክንሰምዮም ኢና ዝብል ውሳነ ወሲድና" ክብል ሚኒስተር ‘ኣይሲቲ’ እታ ሃገር ክሪስ ባሪዮሙንሲ ንማዕከናት ዜና ዩጋንዳ ሓቢሩ።

እንተኾነ ኣየንኡ ጎደና ዩጋንዳ ብሽም እዞም ሕጹያት በጻሕቲ ዓዲ ከምዝስየም ኣይገለጸን።

መንግስቲ ዩጋንዳ ንስድራ እቲ ኣብ ጎድኖም ዝተቐትለ ዩጋንዳዊ ኣልያይ ከምዝሕግዝ ዝገለጸ እቲ ሚኒስተር፡ መበለትን ወዲ ሓደ ዓመት ቆልዓን ገዲፉ ከምዝሞተ ሓቢሩ።

ገለ ዩጋንዳውያን መንግስቲ ብሽም እቲ ዩጋንዳዊ ሓደ ጽርግያ ክስየም ከምዘለዎ ይጽውዑ ኣለዉ።

"ኤሪክ [ኣልያይ] እውን ኣካል ናይዚ ሞት እዩ ነይሩ፡ ስለዚ ኣብ ስራሕ ስለዝሞተ ክዝከር ኣለዎ። እዚ ምስ ዝኸውን ጥራይ’ዩ ፍትሓዊ ክኸውን ዝኽእል" ክብል ሓደ ዩጋንዳዊ ኣብ ኤክስ ተዛሪቡ።

"ነብሰ ምትሓትና መወዳእታ የብሉን። እቶም ሕጹያት ዝተራኸብሉ ፓርክ ብስም ንግስቲ ብሪጣንያ ዝተሰየመ ምዃኑ ዘገርም ኣይኮነን" ይብል ካልእ ተጠቃሚ ኤክስ።

መንግስቲ ንወጻእተኛታት ዝዝክር መደብ ኣውጺኡ እንተብቅዕ ነቶም ኣብ ዝሓለፈ ብ’ኤዲዲኤፍ’ ዝተቐትሉ ብዙሓት ዩጋንዳውያን ክብሪ ዝህብ ንጥፈታት ብዘይምግባሩ ግን ነቐፌታ ኣጋጢምዎ ኣሎ።

ኣብ ወርሒ ሰነ ዕጡቓት ‘ኤዲኤፍ’ ኣብ ሓደ ቤት ትምህርቲ ዩጋንዳ ዘሚቶም ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም 41 ህጻናት ከምዝቐተሉ ዝዝከር’ዩ።

ሰበስልጣን ዩጋንዳ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ሞት እዞም ሕጹያትን መራሒኦምን ቁጥዐ ክገጥሞም እዚ ንፈለማ እዋን ኣይኮነን።

ዝሓለፈ ቀዳም በዓልመዚ እንስሳ ዘገዳም ዩጋንዳ ንሃገራዊ ፓርክ ንግስቲ ኤልሳቤጥ ዘላሊ ስእሊ ድሕሪ ምልጣፉ ተነቒፉ ነይሩ።

እቲ በዓል መዚ፡ "ሎሚ ኣብ ሃገራዊ ፓርክ ንግስቲ ኤልሳቤጥ፡ በጻሕቲ ዓዲ ጸወታ እናረኣዩ ኣብ ዘስተማቕሩሉ ዝነበሩ እዋን፡ ባህ ዘብል ንግሆ እዩ ነይሩ" ዝብል ጽሑፍ ኣደጊፉ’ዩ ነቲ ስእሊ ጠቂዕዎ።

ገለ ዩጋንዳውያን፡ ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ክንድዚ ዝኣክል ግዜ ነቲ ፓርክ ምልላይ ርህራሀ ዘይብሉ ምዃኑ ገሊጾም።