'ብልዑል ደሞዝ ተታሊሎም ንሩስያ ክዋግኡ ተላኢኾም' - ደቆም ክምለሱ ዝጽውዑ ዘለዉ ኬንያውያን

ዴቪድ ኩሎባ፡ ኣብ ኬንያ ብሓደ ትካል ምልመላ ዝተወዓወዐ ስራሕ ሓለዋ ጸጥታ ምስ ተቐበለ፡ ኣዲኡ ናብ ሩስያ ከይኸይድ ኣጠንቂቓቶ ነይራ።

ስድራቤት ዴቪድ ኣብ ርእሰ ከተማ ኬንያ ናይሮቢ ኣብ እትርከብ ኪብራ እዮም ዝነብሩ።

እዚ ወዲ 22 ዓመት መንእሰይ፡ ካብ ምሻጥ ፉል ክሳብ ስራሕ ህንጻ ዝተፈላለዩ ተራ ዕዮታት ክሰርሕ እኳ እንተ ጸንሐ፡ ኣብ ወሽመጥ ዓረብ ዝሓሸ ስራሕ ክረክብ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ተስፋ ጸኒሑዎ።

ኣብ መጀመርታ፡ ኣብ ወጻኢ ሃገር ስራሕ ረኺበ ክብል ከሎ፡ እታ ስድራቤት ተሓጒሳ። ምኽንያቱ፡ ሳሕቲ ዝርከብ እፎይታ ዝፈጥር ዕድል እዩ ዝነበረ።

ኣዲኡ ሱዛን ኩሎባ፡ ወዳ ኣብ ኣየነይቲ ሃገር ስራሕ ከም ዝረኸበ ምስ ሓተተቶ ግን ዝሃባ መልሲ ኣሰንቢድዋ።

"ስልኩ ኣርኢዩኒ፡ 'ርኣዪ፡ ኣብ ሩስያ'ዩ' ኢሉኒ፡" ክትብል ንመደብ ኒውስደይ ቢቢሲ ገሊጻ።

"'ብዛዕባ ሩስያ ኣብ ቲቪ ዝሓልፍ ነገር ኣይረኣኻን ዲኻ? ፈጺሙ ጽቡቕ ኣይኰነን' ኢለዮ፡" ክትብል ትዝክር።

ዴቪድ ግን እቲ ስራሕ ጸቡቕ ምዃኑ ኣረጊጹ፤ ናብ ሩስያ ኣብ ዝበጽሓሉ እዋን ልዕሊ 7,000 ዶላር ክወሃብ ቃል ከም ዝተኣተወሉ ነጊርዋ። እቲ ገንዘብ ንሓደ ስሩዕ ኣታዊ ዘይብሉ መንእሰይ ህይወቱ ዝቕይር እዩ።

ኣዲኡ እኳ እንተ ተቓወመት፡ ዴቪድ ግን ዝብገሰሉ መዓልቲ ከይነገረ ኣብ ነሓሰ ናብ ሩስያ ኣቕኒዑ።

ምሉእ ናይ ውግእ ዩኒፎርም ተኸዲኑ ዝረኣየሉ ስእሊ ሰዲዱ፡ ብሰላም ኣትየ ኣለኹ ምስ በላ - ሰንቢዳ።

"'ማማ፡ እቲ ክንሰርሖ መጺእና ዝተባሃለና ስራሕ ተቐይሩ'ዩ፣ እንተዀነ፡ እዚ'ውን ሕማቕ ስራሕ ኣይኰነን' ኢሉኒ፡" ትብል።

ዴቪድ ምስ ገለ ካልኦት ኬንያውያን ደቂ ተባዕትዮ ንኽልተ ሰሙን ናይ ውግእ ተዓሊም ከም ዝተዋህቦምን ናብቲ ሩስያ ኣብ 2022 ዝወረረቶ ዞባ ውግእ ዩክረይን የቕንዑ ከም ዘለዉን ገሊጹላ።

ኣብ ውሽጢ ሒደት መዓልታት፡ ንሱን ካልኦትን ሓይልታት ሩስያ ኣብ ዝቈጻጸርዎ ከባቢ ድብያ ከም ዝተፈጸሞም ምስ ነገራ ናብ ሃገሩ ክምለስ ለሚናቶ።

"'ዴቪድ በጃኻ ካብቲ ቦታ ውጻእ' ኢለዮ።" ንሱ ግን፡ 'ከመይ ገይረ ክወጽእ ውዕል ፈሪመ እንድየ። እንተ ወሓደ ሓደ ዓመት ሃብኒ' ኢሉኒል" ክትብል ተዘንቱ።

"ድሕሪኡ፡ እቲ ዝፈራሕኩዎ መልእኽቲ በጺሑኒ፡" ትብል።

4 ጥቅምቲ እዩ ነይሩ። ዴቪድ ናይ ድምጺ መልእኽቲ ሰዲዱ።

ናብ ውግእ ይኣቱ ከም ዘሎን ምናልባት ብህይወት እንተ ዘይድሒኑ፡ ዝርዝር ናይቲ ብቛንቋ ሩስያ ዝተጻሕፈ ወተሃደራዊ መንነቱን ውዕሉን ከፍልጣ ከም ዝደለየን ነጊርዋ።

ዝዀነ ነገር እንተ ኣጋጢምዎ ድማ ነቲ ሰነዳት ናብ ኤምባሲ ሩስያ ክትወስዶ ኣተሓሳሲብዋ።

ንመወዳእታ ግዜ ካብ ዴቪድ ዝበጽሓ መልእኽቲ እዚ እዩ ነይሩ።

ብፍርሕን ምድንጋርን ነዊሕ ከይጸንሐት ንዓርኪ ዴቪድ ኣዛሪባቶ፤ ንሱ ድማ ዴቪድ ምማቱ ከም ዝሰምዐ ነጊርዋ።

"ነቲ ዓርኩ፡ 'ከመይ ገይርካ ፈሊጥካ?' ኢለዮ። 'ቍጽሪ ተለፎን ናይቲ ኣብ ሩስያ ዝተቐበለና ወኪል ክህበኪ' ኢሉኒ።"

ኣደ ዴቪድ ናብታ ተለፎን መልእኽቲ ሰዲዳ። እቲ ወኪል ኣብ መጀመርታ ብቛንቋ ሩስያ እዩ ዝምልሰላ ነይሩ። መንነታ ምስ ኣፍለጠት ግን፡ ብእንግሊዝኛ ዴቪድ ከም ዝጠፍአን ሞይቱ ክኸውን ከም ዝኽእልን ሓቢርዋ።

"ብዛዕባ ወድኺ እዚ ስለ ዝነገርኩኺ ይቕረታ፡" ኢልዋ እቲ ወኪል።

ስእሊ ሬሳ ወዳ ወይ ካልእ መረጋገጺ እኳ እንተ ሓተተት፡ ዝዀነ መረጋገጺ ግን ኣይረኸበትን።

እቲ ወኪል "ኣዝዩ ርሑቕ" ከም ዘሎን ንሳ ባዕላ ናብ ሩስያ ክትገይሽ ወይ ድማ ካልእ ዘመድ ክትሰድድ ሓሳብ ኣቕሪቡላ። እታ ስድራቤት ግን ነዚ ክትገብር ዓቕሚ ከም ዘይብላ ወይዘሮ ሱዛን ኩሎባ ገሊጻ።

ድሒሩ እቲ ወኪል፡ ብሞት ወዳ "ካሕሳ ክትክፈል መሰል ከም ዘለዋ" ነጊርዋ። ይዅን'ምበር፡ ዝዀነ መረጋገጺ ሰነድ ኣየቕረበን።

ወይዘሮ ኩሎባ ብዛዕባ ዴቪድ ካብ ሰብመዚ ሩስያ ወግዓዊ መረጋገጺ ክትረክብ ከም ዘይከኣለት ትዛረብ። ኣብ ናይሮቢ ናብ ዝርከብ ኤምባሲ ሩስያ ኣብ ዝኸደትሉ እዋን፡ ኣብኡ ዝነበሩ ሰበስልጣን "ምስ ሰራዊት ምትእስሳር" ከም ዘይብሎም ሓቢሮምዋ።

ካብዚ ሓሊፉ እንታይ ክትገብር ከም ዘለዋ ስለ ዘይፈለጠት፡ ኣብ ሓዘን ትርከብ፡ "እንታይ ንግበር? ምኽንያቱ፡ ዋላ ሓንቲ ኣይንፈልጥን። በዅሪ ወደይ እዩ ነይሩ። ንሱ እዩ ዝሕግዘኒ ነይሩ።"

ካልእ ኬንያዊ ኣቦ ድማ ወዱ ኣብ ሩስያ ክሰርሕ ከይዱ። ንሱ ከም ዝብሎ፡ ወዱ መራሒ መኪና ክኸውን እዩ ብዝብል ርድኢት ከም ዝተመልመለን ምስ ዕጥቃዊ ውግእ ዝዀነ ምትእስሳር ከም ዘይነበረን ንቢቢሲ ገሊጹ።

እቲ መንእሰይ ኣብ መወዳእታ ኣብ ዩክረይን ድሕሪ ምቝሳሉ፡ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ናብ ሃገሩ ምስ ተመልሰ ምስ በሰላ ወይ ስንባደ እናተቓለሰ ንምዝራብ'ኳ ይጽገም ኣሎ። ቢቢሲ ድሕነቱ ንምሕላው መንነቱ ንዘይምግላጽ ተሰማሚዑ'ዩ።

ኣቦኡ ወዱ ናብ ሩስያ ከም ዝተጓዕዘ ዝፈለጠ፡ ከም ዝተጐድአ ሓበሬታ ምስ በጽሖ ጥራይ እዩ።

"ሰባት ይኸዱ ከም ዘለዉ ኣአንፊቱ ነይሩ፣ ኣነ ግን ኣየተባባዕኹዎን፡" ይብል እቲ ኣቦ። "ካብ መጀመርታ ነቲ ኲናት ይከታተሎ ነይረ። ይርበሽ ነይረ።"

ወከልቲ ኣብ ወርሒ ኣስታት 1,500 ዶላር ቃል ኣትዮም ከም ዝነበሩ ይዛረብ - ንሓደ ኣብ ኬንያ ብቑዕ መራሒ መኪና ዝዀነ ሰብ "ጽቡቕ ገንዘብ" እዩ።

ድሒሩ ግን ወዱ ልክዕ ከም ዴቪድ ኩሎባ ናብ ዓውደ ውግእ ቅድሚ ምልኣኹ ንኽልተ ሰሙን ጥራይ ከም ዝሰልጠነ ነጊርዎ።

"ኣብ ጫካ ከም ዝተወግአን ንሓሙሽተ መዓልታት ሕክምና ክረክብ ከም ዘይከኣለን ነጊሩኒ። ጸረ-ቃንዛ ይጥቀም ነይሩ፡" ይብል።

ኣብ መወዳእታ ናብቲ ቀዳማይ ረድኤት ዝረኸበሉ ዶብ ገጹ ተወሲዱ፤ ድሒሩ ናብ ሴንት ፒተርስበርግ ተሰጋጊሩ።

"ሬሳታት ካልኦት ተዋጋእቲ ተበታቲኑ፡" ከም ዝረኣየ ብምግላጽ፡ ብዙሓት ከማኡ ዝኣመሰሉ ምሉእ ብምሉእ ከይተረድኦም ናይ ሓደ ዓመት ውዕል ከም ዝፈረሙ እቲ ኣቦ ይዛረብ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ፡ ኣስታት 200 ኬንያውያን ንሩስያ ይዋግኡ ከም ዘለዉ ከም ዝፈለጠን መርበባት ምልመላ ሕጂ'ውን ይነጥፉ ከም ዘለዉን ተኣሚኑ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣብ መስከረም ሓደ ኬንያዊ ኣትሌት ተታሊሉ ናብ ሰራዊት ሩስያ ከም ዝተጸንበረን ኣብ ዩክረይን ከም ዝተማረኸን ዝገልጽ ዜና ስዒቡ እዩ።

ሕጂ መንግስቲ፡ ሓያሎ ናይ ምልመላ ትካላት ምጽራይ ይግበረለን ከም ዘሎን ገለ ድማ ድሮ ፍቓደን ከም ዝተኣገደን ይገልጽ።

"ገለ ትካላት ዓቢይ ክፍሊት ከም ዝኽፈላ መብጽዓታት ብምእታው መንእሰያት ይስሕባ ኣለዋ። መንግስቲ ነተን ምስዚ ምትላል ምትእስሳር ዘለዎን ትካላት ይከታተለን ኣሎ፡" ክብል ኣብ ባይቶ ኬንያ መራሒ ዓብላሊ ሰልፊ ዝዀነ ሲልቫኑስ ኦሶሮ ንቢቢሲ ገሊጹ።

ኣብ ኬንያ ካብ ዝርከባ ኣስታት 130 ዝተመዝገባ ትካላት ምልመላ፡ ኣስታት ሓሙሽተ ኣብ መጠንቀቕታ ከም ዝኣተዋ፡ እተን ሰለስተ ድሮ ካብ ስራሕ ከም ዝተኣገዳ፡ ካልኦት ክልተ ድማ ኣብ ምጽራይ ከም ዘለዋ ሓቢሩ።

ኮሚቴ ምክልኻልን ርክባት ወጻእን እቲ ባይቶ፡ ነቲ ጉዳይ ከም ዝሓዞን እተን ዝተጸውዓ ትካላት ድማ ብኸመይ ንመንእሰያት ከም ዝምልምላን እንታይ ሓበሬታ ከም ዝህባን ከምኡ'ውን ውዕላት ብኸመይ ከም ዝቐርባን ክገልጻ ትጽቢት ከም ዝግበር ኦሶሮ ኣመልኪቱ።

ብዘይተጸበይዎ መንገዲ ንሓይልታት ሩስያ ዝዋግኡ ኣዝማድ ዘለዎም ስድራቤታት ግን፡ ብሰንኪ መንግስቲ ዝህቦ ዘሎ ድንጉይ ምላሽ፡ ዝሕግዞም ከም ዘየሎ ይስምዖም ከም ዘሎ ይነቕፉ።

እቶም ናብ ዓውደ ውግእ ክኸዱ ተገደዱ መንእሰያት ናብ ሃገሮም ንምምላስ እንታይ ይግበር ከም ዘሎ ዝተሓተተ ኦሶሮ፡ እቲ መስርሕ ዲፕሎማስያዊ መስመራት ክኽተል ኣለዎ ኢሉ።

"ውዕሊ ብፍቓዶም ተፈሪሙ እዩ፡ ዋላ'ውን ኣፍልጦ እንተ ዘይነበሮም፡" ኢሉ። "ብዲፕሎማስያዊ ኣገባብ ጥራይ እዩ ክተሓዝ ዝኽእል። እዚ ድማ እናተፈጸመ ይርከብ።"

ኵሎም ዝፍለጡ ጉዳያት ተታሒዞም ከም ዘለዉን እቶም ውዕላት ዝተፈረሙሎም ኵነታት ድማ ብሰበስልጣን ይጻረዩ ከም ዘለዉን ገሊጹ። ክንደይ ኬንያውያን ሞይቶም ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ግን ከረጋግጽ ኣይፈቐደን።

"ከምዚ ዝበለ ጸብጻብ ክህብ ኣይክእልን። ኣነ ከምኡ ክገብር ቦታይ ኣይኰነን፡" ኢሉ። "እቲ ክብሎ ዝኽእል፡ እቲ ስራሕ ኣብ መስርሕ ከም ዘሎ'ዩ።"

ኦሶሮ፡ ቅድሚ ፍቓድ ምሃብ ዝያዳ ጽኑዕ ምጽራይ ምክያድን ኣብ መንጎ ምድባት ስራሕ ንጹር ፍልልያት ምግባርን ዝርከብዎ፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ምልመላ ዝግበር ቍጽጽር ንምጽናዕ ሓድሽ ሕጊ ይንደፍ ከም ዘሎ እውን ወሲኹ ገሊጹ።

እቲ ጉዳይ ኪኖ ኬንያ ዝዝርጋሕ እዩ። ሰበስልጣን ሓያሎ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ መንእሰያት ኣብ ሩስያ ብልዑል ደሞዝ ክቝጸሩ ጻውዒት ከም ዝቐርበሎምን ድሒሩ ግን ናብ ወተሃደራዊ ምልመላ ከም ዝኣትዉን ጸብጺቦም እዮም።

ብዙሓት ስድራቤታት፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ኣብ ከምዚ ሽግር ዝወደቑ ኣዝማዶም ካልእ ተወሳኺ ተጽዕኖ ከይወርድ ብምስጋእ ብግልጺ ክዛረቡ ፍቓደኛታት ኣይኰኑን።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ጓል ፕረዚደንት ነበር ጃኮብ ዙማ ኣብ መስርሕ ምልመላ ተሳቲፋ ምስ ተባህለት፡ ኣብታ ሃገር ኣዛራቢ ኰይኑ ይርከብ፣ ንሳ ግን ዝዀነ በደል ከም ዘይፈጸመት ትምጕት።

ሰበስልጣን ዩክረይን ዝዀነ ንሩስያ ዝዋጋእ ሰብ ከም ናይ ጸላኢ ዕጡቕ ከም ዝርአን እቲ እንኮ ውሑስ መውጽኢ መንገዲ ድማ ኢድካ ሂብካ ከም ምሩኽ ኲናት ምቝጻርን ምዃኑ ብተደጋጋሚ ኣጠንቂቖም እዮም።

ወይዘሮ ኩሎባ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ዕጫ ወዳ ወግዓዊ መረጋገጺ ኣይረኸበትን። ሞይቱ እንተዀይኑ ሬስኡ ናብ ሃገሩ ክምለስ እዩ ድሌታ።

"ልበይ ዝተሰብረ ኰይኑ ይስምዓኒ፡" ትብል። "ክሕግዘና እዩ ነይሩ ትምኒቱ። ንዝሓሸ ስራሕ ዝኸይድ ዘሎ መሲልዎ ነይሩ።"