ዝተናውሐ ኲናት 'ዝተኾለፎም ጸላእቲ' ግጭት ከለዓዕሉ ይፍትኑ ኣለዉ - ብልጽግና

ቤትምኽሪ ሰልፊ ብልጽግና "ዝተናውሐ ኲናት ዝተኾለፎም ጸላእቲ" ኢሉ ዝገልጾም ሓይልታት፡ ዝተፈላለየ ሜላታት ተጠቒሞም ኣብ ኢትዮጵያ ግጭት ከለዓዕሉ ይፍትኑ ኣለዉ ክብል ከሲሱ።

እቲ ቤትምኽሪ ሽም ናይቶም "ጸላእቲ" ኢሉ ዝጠቐሶም ሓይልታት ኣይጠቐሰን፣ እንተዀነ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና ንዝንቀሳቐሱ "ኣኽረርቲ" ሓይልታት እናደገፉ ሓድነት ህዝብን መንግስትን ንምብታን ህርዲግ ይብሉ ከም ዘለዉ ገሊጹ።

ቤትምኽሪ ሰልፊ ብልጽግና፡ ካብ 30 ሓምለ ክሳዕ 2 ነሓሰ 2017 (ኣቈጻጽራ ግእዝ) ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ኣብ ዝተፈላለዩ ርእሰ ጉዳያት ኣድሂቡ ምዝታዩ ትማሊ ኣማስዩ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ሓቢሩ።

እቲ ቤትምኽሪ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት "ብሰዓራይነት" ከም ዝወድኦን እቲ ዝተረኸበ "ወተሃደራዊ ዓወት" ድማ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብዝተኸተመ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ከም ዝተዛዘመን ኣዘኻኺሩ።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ኣብ ጐድኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሰሊፉ ዝተዋግአ መንግስቲ ኤርትራ፡ ካብ ስምምዕ ፕሪቶርያ ንደሓር ዝምድና ክልቲኦም መንግስታት ሓርፊፉ ንሓድሕዶም ብናይ ኵናት ምድላዋት ይካሰሱ ኣለዉ።

ፕረዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፍወርቂ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ሃገራዊ ተለቪዥን ኤርትራ ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ ኢትዮጵያ መዓልታዊ ኣብ ምፍርራሕን ዕድጊ ኣጽዋርን ከም እተጸመደት ከሲሱ።

ድሕሪ ምዝዛም ኲናት ትግራይ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣፍደገ ባሕሪ ንኢትዮጵያ ናይ ህልውና ጉዳይ ምዃኑ ብምግላጽ ኣብዚ መዳይ ዝተፈላለየ ስጕምትታት ወሲዱ'ሎ። ኤርትራ ብወገና ምስ ካልኦት ኣንጻር ኢትዮጵያ ዝተሰለፋ ሃገራት ናይ ሓባር ምሕዝነት ፈጢራ ኣላ።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ክልላት ኣምሓራን ኦሮምያን ዕጡቓት ምስ ሓይልታት መንግስቲ ክዋግኡ እንከለዉ፡ ኣብ ትግራይ ድማ ብሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ሕጋውነቱ ከም ዘብቅዐ ዝተነገረሉ ህወሓት ምስ መንግስቲ ፈደራል ኣብ ምውጣጥ ይርከብ።

ካብ ህወሓት ተፈንጪሎም ዝወጽኡ ሰበስልጣን መንግስቲ ፈደራል ብግዲኦም፡ ህወሓት ምስ መንግስቲ ኤርትራ ርክባት ይፈጥር ከም ዘሎ ይኸስዎ።

ሰልፊ ብልጽግና ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ታሪኻዊ ጸላእቲ" ኢሉ ዝጸውዖም ሓይልታት ነቶም ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ይመርሑ ከም ዘለዉ ከሲሱ።

እቶም፡ "ታሪኻዊ ጸላእቲ" ኢሉ ዝጠቐሶም ሓይልታት፡ "ባንዳታትን ኣኽረርቲ ሓይልታትን" ተጠቒሞም ኲናት ከካይዱ ከም ዝደልዩ እቲ መግለጺ ሓቢሩ።

"ኢትዮጵያ ኣብ ዓንኬል ኵናት ምሽማም" ዝብል ስልቲ ከም ዝጠቀሙ ዝገለጾም ሓይልታት፡ "ሓድነት ህዝብን ስልጣን መንግስትን ንምብታን ካልእ ሜላታት ይጥቀሙ ኣለዉ፡" ኢሉ።

እቲ ቤትምኽሪ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት እዞም ሓይልታት ምልዕዓልን ድጂታል ሚድያን ከም ስትራተጂ ተጠቒሞም ሓድነት ህዝብን መንግስትን ንምድኻም ከም ዝጸዓሩ ኣመልኪቱ።

ኣብ መወዳእታ ናይቲ ንሰለስተ መዓልታት ዝጸንሐ ኣኼባኡ መግለጺ ዝሃበ ውድብ ብልጽግና፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ግጭት ከብቅዕ ዘኽእል ሰላማዊ ኣማራጺታት ክፍትን ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ።

እቲ ካብ ዝሓለፉ "ታሪኻት" ከምኡ'ውን "ክውንነት ዓለምን" ከም ዝተማህረ ዝገለጸ ሰልፊ፡ "ሰላማዊ ፖለቲካዊ ዕድላት ጸንቂቕካ ምጥቃም፡" ዝብል ስትራተጂ ከም ዝመረጸ ገሊጹ።

እቲ ቤትምኽሪ፡ ነዞም ሓይልታት ንምምካት ካብ ዝጠቐሶም ኣማራጺታት ሓደ፡ ብሰላማዊ መንገዲ ክቃለሱ ንዝውስኑ ዕጡቓት ዘድሊ ኵሉ ሓገዝ ክገብር ከም ዝወሰነ ገሊጹ።

እቲ ሰልፊ ኣብ ተመሳሳሊ መግለጺ፡ ሰላም ከም ኣመራጺ ኣብ ልዕሊ ዘይቅበሉ ሓይልታት "ሕጊ ከኽብር" ከም ዝወሰነ ኣፍሊጡ።

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝረአ ዘሎ ግጭት ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኰይኑ፡ ኣብ ኦሮሚያ ድማ ንዝሓለፉ 6 ዓመታት መንግስቲ ሸኔ ኢሉ ምስ ዝጽውዖ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ይዋጋእ'ዩ ዘሎ።

ቅድሚ ኣዋርሕ ላዕለዋይ ኣዛዚ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ንመንግስቲ ኢዱ ድሕሪ ምሃቡ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ ስልጣን ከም ዝተዋህቦ ይዝከር።

እቲ ቤትምኽሪ ኣብ መግለጺኡ፡ "በብደረጅኡ ዝለዓሉ ሕቶታት ሰናይ ምምሕዳር፡ ድሌታት ፍትሕን ቍጠባን ህዝብን፡" ንምምላስ ክሰርሕ ምዃኑ'ውን ኣፍሊጡ።

"ንህዝባውን ሃገራውን ዕላማታትና ዕንቅፋት ዝዀነ ውሽጣዊ ምትእትታው ክንነጽግ ኢና፡" ዝበለ ሰልፊ ብልጽግና ወሲኹ፡ "ብሄርተኝነት ልጓም ክነትሕዞ ኢና፣ ብልሽውናን ደገፊ ህዝቢ መሲልካ ምቕራብን ንምጥፋእ'ውን ክንቃለስ ኢና፡" ኢሉ።

ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝመጽእ ሻብዓይ ሃገራዊ መረጻ፡ "ደሞክራስያዊ፡ ሕጋውን ምሉእ ተሳትፎ ህዝቢ ዝተረኸቦን ምዃኑ ንምርግጋጽ፡" ብንቕሓት ክሰርሕ ምዃኑ ገሊጹ።