እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ትካል ሚድሮክ ብ'ምዝመዛ ህጻናት'ን 'ግዱድ ሽቕለት'ን ስለምንታይ'ዩ ዘይሕተት?
- Author, አማኑኤል ይልቃል
- Role, ቢቢሲ ኣምሓርኛ
መርመርቲ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰመኮ) ኣብ መጀመርታ 2017 [ግ] ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ጅማ ኣብ ዝርከብ ሕርሻ ዘጋጠሞም ነገር ዘይተጸበይዎ'ዩ ነይሩ።
እቶም መርመርቲ ነቶም ኣብቲ ሕርሻ ተኣኪቦም ዝረኣይዎም ሰባት፡ ካበይን ብኸመይን ከምዝመጹ ሓተትዎም።
እቶም ሰባት ካብ ጐደናታት ኣዲስ ኣበባ ተገፊፎም ኣብ ሕርሻታት እቲ ኩባንያ ክሰርሑ ዝመጹ እዮም ነይሮም።
ኢሰመኮ ኣብ ሕርሻታት ሆራይዘን ከቢድ ሕቶታት "ስራሕ" ከጋጥሞ እዚ ንመጀመርታ ግዜ ኣይነበረን።
እቶም መርመርቲ ናብቲ ቦታ ዝኸዱሉ ምኽንያት፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ሕርሻታት እቲ ኩባንያ ዝካየድ ምዝመዛ ህጻናት ደው ከምዝበለ ንምርግጋጽ እዩ ነይሩ።
እቲ ኢስመኮ ክሳብ ሕጂ ወግዓዊ ዘይገበሮ መርመራ፡ ዕድመኦም ካብ ሸሞንተ ዓመት ዝጅምር ህጻናት ተምሃሮ፡ እቲ ኩባንያ "ቤት ትምህርቲ ንምህናጽ ዘለቅሖ ገንዘብ" ብጉልበቶም ንክኸፍሉ፡ ቡን ክኣርዩ ይግደዱ ምንባሮም ዘመልክት እዩ።
ሃንደበት ዝተቓልዐ ምዝመዛ ጉልበት ህጻናት
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ሕርሻታት ቡን ምዝመዛ ህጻናት ይፍጸም ከምዘሎ ዝፈለጠ፡ ኣብ 2016 ጕጅለታት ክትትል ድሕሪ ምውፋሩ እዩ። እቶም ጕጅለታት ኣብቲ ሕርሻታት ኣብ ልዕሊ ደቀንስትዮን መንእሰያትን ዝነበረ ኣተሓሕዛ ንምግምጋም እዮም ኣምሪሖም ነይሮም።
ሃገራዊ ክትትል ካብ ዝተገብረለን 7 ክልላት ኣብ ሰለስተ ምዝመዛ ጉልበት ህጻናት ይፍጸም ከምዘሎ ኣተሓባባሪ መሰላት ህጻናት እቲ ኮምሽን ኣቶ ይድነቃቸው ከበደ ይሕብር።
ካብዘን ክልላት ሓንቲ ኦሮምያ ምዃና ድማ ኣረጋጊጾም። ኣብ ክልል ኦሮምያ ምዝመዛ ጉልበት ህጻናት ዝፍጸመለን ሕርሻታት ኩባንያ ብስም ክጠቅስ ኣይደለየን።
ቢቢሲ ዝተመልከቶን ወግዓዊ ዘይተገብረን ጸብጻብ ኢሰመኮ፡ እቶም ሕርሻታት ብሆራይዘን ፕላንቴሽንስ ዝውነኑ ምዃኖም የመልክት። ነዚ ጸብጻብ ቃለ መሕትት ዝተገብረሎም ልዕሊ 10 ሰራሕተኛታት ነበርን ሕጂ ኣብ ስራሕ ዘለዉን፡ ሕርሻታት ናይቲ ኩባንያ ቡን ንምልቃም ተምሃሮ ከምዘዋፍሩ እዮም ኣረጋጊጾም።
ኢሰመኮ ኣብ ሓምለ ኣብ ዘውጽኦ ዓመታዊ ጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት 2017 እውን ምስ ምዝመዛ ጉልበት ህጻናት ብዝተኣሳሰር ስም እቲ ኩባንያ ተጠቒሱ እዩ። እቲ 152 ገጻት ዘለዎ ጸብጻብ፡ ኣብ ሕርሻታት ሆራይዘን ፕላንቴሽንስ "ምዝመዛ ጉልበት ህጻናትን ኣብ ስራሕ ምልቃም ቡን ህጻናት ክዋፈሩ ዝገብር መስርሕን ደው ምባሉ" ከም ሓደ "ቀንዲ ርኽበት" እዩ ጠቒሱ፤ ዝርዝራቶም ግን ኣይጠቐሰን።
ኣተሓባባሪ መሰላት ህጻናት ይድነቃቸው ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ብዛዕባ'ቶም ሕርሻታት ዝቐረበ ጸብጻብ ምክትታል ገና "ኣብ ምጽራይ" ከምዘሎ እዩ ሓቢሩ። በዚ ምኽንያት እዚ፡ "ክንዮ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ምሃብን ፍሉይ ኣስማት [ኩባንያታት] ምጥቃስን" ካልእ ዝርዝር ሓበሬታ ንምሃብ ከምዝጽገም ወሲኹ ገሊጹ።
ዝርዝር ናይቲ ወግዓዊ ጸብጻብ
ኣካል ናይቲ ግዙፍ ጕጅለ ወፍሪ ሚድሮክ ዝዀነ ሆራይዘን ፕላንቴሽንስ፡ ኣብ ዞባ ጅማ ቅድሚ ሕጂ ብመንግስቲ ዝውነኑ ዝነበሩ ሽዱሽተ ዓበይቲ ሕርሻታት የመሓድር።
ኣብዞም ሕርሻታት ካብ ዝፈሪ ቡን ልዕሊ 80 ሚእታዊት ናብ ወጻኢ ከምዝለኣኽ ሓበሬታ ሚድሮክ የመልክት። ከም ስታርባክስ ዝኣመሰሉ ዓለማዊ ኩባንያታት ቡን፡ ዓማዊል ሆራይዘን ምዃኖም ኣብ መርበብ ሓበሬታ ናይቲ ኩባንያ ተጠቒሱ ኣሎ።
መርመራ ኢሰመኮ ኣብ ሊሙ ኮሳ፡ ጉመርን ሱንጡን ዝተባህሉ ሕርሻታት ሆራይዘን ፕላንቴሽንስ ምዝመዛ ጉልበት ህጻናት ከምዝፍጸም ኣረጋጊጹ። ሓሙሽተ ናይ ሕጂን ናይ ቅድምን ሰራሕተኛታት እቲ ትካል፡ ኣብያተ ትምህርቲ ንተምሃሮአን ቡን ክኣርዩ የዋፍራ ከምዝነበራ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።
እቲ ቢቢሲ ዝረኣዮ ጸብጻብ ኢሰመኮ፡ ኣብ ዞባ ጅማ ወረዳ ሊሙ ኮሳ፡ ዕድመኦም "8 ዓመት" ዝርከብዎም ህጻናት ኣብ ሕርሻታት ክሰርሑ ከምዝተገደዱ የመልክት። እቲ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ መርመርቲ ናይቲ ኮምሽን "ካብ 8 ክሳብ 13 ዓመት ዝዕድመኦምን ካብ 1ይ ክሳብ 4ይ ክፍሊ ዝምሃሩን ህጻናት" ቡን ክለቕሙ ከምዝተረኸቡ ይጠቅስ።
እቲ ጸብጻብን ቢቢሲ ዘዘራረቦም ሰራሕተኛታትን፡ እቶም ህጻናት ኣብ መንጎ እቲ ኩባንያን ኣብያተ ትምህርቲ እቲ ከባቢን ብዝተገብረ ስምምዕ ክሰርሑ ከምዝተገደዱ ይሕብሩ።
ሆራይዘን ፕላንቴሽንን እተን ኣብያተ ትምህርትን ብዝገበርዎ ስምምዕ "ተምሃሮ ኣብ ሰሙን ክልተ መዓልቲ ኣብ ሰዓታት ትምህርቲ ቡን ክለቕሙ ከምዝግበር" እቲ ጸብጻብ ይገልጽ።
እቶም ስምምዓት ክልተ ዓይነት እዮም። እቲ ኢሰመኮ ዝጸብጸቦን ቢቢሲ ካብ ሰራሕተኛታት እቲ ኩባንያ ዘረጋገጾን ስምምዕ፡ ነተን ኣብያተ ትምህርቲ ተወሳኺ እቶት ንምሃብ ዝዓለመ እዩ።
ሓደ ሰራሕተኛ ናይቲ ትካል ነበርን ኣባል ኮሚቴ ወለዲ ዝነበረን ነባሪ እቲ ከባቢ፡ ተምሃሮ ካብ ዝኣርይዎ ቡን ዝርከብ እቶት ንቤት ትምህርቲ ከምዝውዕል ይገልጽ። ጸብጻብ ኢሰመኮ'ውን ተመሳሳሊ ኣሰራርሓ ከምዘሎ ብምሕባር፡ "እቲ ምክትታል እቲ ክፍሊት ናብተን ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝተገብረ ኣረጋጊጹ'ሎ" ይብል።
እቲ ካልኣይ ዓይነት ስምምዕ ድማ "ጉልበት ህጻናት ዕዳ ንምኽፋል" ምጥቃም ዘጠቓልል እዩ። እቲ ጸብጻብ ከም ዝሕብሮ፡ ሆራይዘን ፕላንቴሽንስ፡ ደቂ ሰራሕተኛታት ሕርሻ ጉመር ዝምሃሩሉ "መባእታን ካልኣይን ደረጃ ኣብያተ ትምህርቲ ጉመር" ንምህናጽ "ዓሰርተ ሽሕ ብር ብውህብቶ፡ ክልተ ሚእቲ ሽሕ ብር ብልቓሕ" ከምዝሃበ ይሕብር።
"እቲ ቤት ትምህርቲ ካብ ሆራይዘን ዝተወስደ ክልተ ሚእቲ ሽሕ ብር ልቓሕ ንምምላስ ብዝብል" ኣብ ሰዓታት ትምህርቲ ነቶም ህጻናት ኣብ ስራሕ ሕርሻ ክዋፈሩ ከምዝገበረ እቲ ጸብጻብ ወሲኹ የመልክት። "ተምሃሮ ኣብ እዋን ትምህርቲ ካብ 10 ክሳብ 15 መዓልታት ኣብ ምልቃም ቡን ብምውፋር ንመኽፈሊ ዕዳ ይጥቀሙ ከምዝነበሩ ተረጋጊጹ" ይብል እቲ ጸብጻብ።
ግዴታን መቕጻዕትን
ጸብጻብ ኢሰመኮ ከም ዝሕብሮ፡ ህጻናት ኣብ ሕርሻ ዝዋፈሩ "ብግዴታ" እዩ። ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሰራሕተኛ ሆራይዘን ፕላንቴሽን እውን፡ "ወለዲ ብግዴታ ደቆም ናብ ሕርሻታት ክሰዱ ይግደዱ'ዮም" ክብል እዩ ገሊጹ።
"ስድራቤት ናይቶም ቡን ዘይለቐሙ ተምሃሮ ገንዘብ ክኸፍሉ ይግደዱ። እንተዘይኰይኑ 'ናብ ቤት ትምህርቲ ኬድኩም ኣይትምሃሩን፡ ወለድኹም ኣምጽኡ' ይብሃሉ ነይሮም" ክብል ይምስክር። "ሓደ ተምሃራይ ናብ ቤት ትምህርቲ ከይዱ ቡን እንተዘይለቒሙ 250 ብር ሒዙ ክቐርብ ኣለዎ" ብምባል ኣሰራርሓ ሓንቲ ኣብ ሕርሻ ኮሳ ተምሃሮ ዘዋፈረት ቤት ትምህርቲ ኣብሪሁ።
ኣብ ሕርሻ ሱንጡ ተምሃሮ ዘዋፈረት "መባእታ ቤት ትምህርቲ ለኩ ጪሜ" ዝጠቐሰ ጸብጻብ ኢሰመኮ ብተመሳሳሊ፡ "ኣብ ምልቃም ቡን ዘይተዋፈሩ" ተምሃሮ "ንመዓልቲ 250 ብር መቕጻዕቲ" ይኽፈል ከምዝነበረ ይገልጽ።
"[እቲ ተምሃራይ] መቕጻዕቲ እንተዘይከፊሉ ካብ ቤት ትምህርቲ ክባረር ከምዝኽእል ኢሰመኮ ምስቶም ተምሃሮን ወለዶምን ኣብ ዝገበሮ ዘተ ኣረጋጊጹ'ዩ፡" ክብል ወሲኹ ይገልጽ።
እቶም ህጻናት'ውን ኣብ ሓደገኛ ኩነታትን ንነዊሕ ሰዓታትን ቡን ክለቅሙ ከምዝተገደዱ እቲ ቢቢሲ ዝተመልከቶ ጸብጻብ ይጠቅስ።
ብተወሳኺ ኣብ ሕርሻ ጉመር ዝሰርሓ ዝነበራ "ትሕቲ 14 ዓመት ዝዕድመአን ደቀንስትዮ ተምሃሮ" ቡን ኣብ ዝለቕማሉ እዋን ብደቂ ተባዕትዮ ተምሃሮ ጾታዊ ትንኮሳ ከምዝበጽሐንን ብዛዕባ'ዚ ንመምህራነን ወይ ንስድራቤተን ክነግራ ከምዝፈርሓን" ይገልጽ።
እቶም ተምሃሮ እውን "ኣብ እዋን ምልቃም ቡን ኣብቲ ጫካ ዘተኣማምን ጸጥታ ስለዘይነበረ" ከምኡ እውን እቶም ሒዞምዎም ዝኸዱ መምህራን "ሓሓሊፎም ጥራይ ስለዝከታተልዎም" ንጾታዊ መጥቃዕቲ ከምዝቃልዓ እውን የመልክት።
ኣተሓባባሪ መሰላት ህጻናት ኣቶ ይድነቃቸው፡ ብዛዕባ'ቲ ኣብቲ ጸብጻብ ዝተጠቕሰ ጾታዊ መጥቃዕቲ ንዝቐረበሉ ሕቶ "እዚ ርኽበትና ኣይኰነን" ብምባል መልሲ ሂቡ።
"ዝሓተትናየን ደቀንስትዮ ሰራሕተኛታት፡ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመን ኣይነገራናን።"
እቲ ስራሕ ሕርሻ "ኣብ በረኻ" ስለ ዝፍጸም ግን፡ "ደቀንስትዮ ሰራሕተኛታት ንጾታዊ መጥቃዕቲ ዝያዳ ተቓላዕቲ ክዀና ይኽእላ እየን" ኢሉ።
ብተወሳኺ መርመርቲ ኢሰመኮ ኣብ ተመሳሳሊ ሕርሻ ቡን ትኣሪ ዝነበረት ሓንቲ ተምሃሪት "ካብ ጉድጓዱ ዝወጸ ዝብኢ ኣጓይይዋ ወዲቓ ከምዝተሃስየት" ንስድራቤት እታ ተምሃሪት ኣዘራሪቡ ከምዘረጋገጸ ሓቢሩ።
"እታ ተምሃሪት ክሳብ እቲ ምክትታል ዝተገብረሉ እዋን እቲ ሕርሻ ዝዀነ ዓይነት ሕክምናዊ ክንክን ከምዘይገበረላ ምግላጻ" እቲ ጸብጻብ የመልክት።
እቶም ህጻናት ዝኣርይዎ "ኣስታት 25-30 ኪሎ ግራም ፍረ ቡን" ተሰኪሞም ከምዘብጽሑን ኣብታ ትዕዝብቲ ዝተገብረላ መዓልቲ "ክሳብ ምሸት 12፡30 ከም ዝሰርሑን" እቲ ጸብጻብ ይሕብር። ካብ ገዛኦም መግብን ማይን ዘየምጽኡ ተምሃሮ "ንጥሜትን ጽምእን ከምዝቃልዑ" እውን ይጠቅስ።
"እቶም ህጻናት ካብ ቤት ትምህርቲ ናብ ሕርሻ ብኣይሱዙ መካይን ተጻዒኖም ስለዝኸዱ ምጽቕቓጥ ከምዝፍጠርን ሓደጋ ከየጋጥሞም ከምዝጭነቑን ንኢሰመኮ ሓቢሮም" ይብል።
ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓደ ሰራሕተኛ ሆራይዘንን ካልእ ነባሪ እቲ ከባቢን፡ ወለዲ እውን ስክፍታ ከምዘለዎም ኣረጋጊጾም።
ካልእ ስክፍታ፡ 'ኣቈጻጽራ' ዝተገፈፉ ሰባት
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ነቲ ውጽኢት ምዝመዛ ህጻናት ንሰበስልጣን መንግስቲ ፈደራልን ክልልን፡ ከምኡ'ውን ንሆራይዘን ፕላንቴሽን ከምዘቕረበ ኣቶ ይድነቃቸው ይዛረብ።
ድሕሪ ሸሞንተ ኣዋርሕ፡ ክኢላታት ናብተን ሕርሻታት ተላኢኾም ምክትታል መርመራ ከም ዘካየዱ እውን ይዝክር። ኣብዚ እዋን እዚ እዩ ካልእ ዘተሓሳስብ ርኽበት ዘጋጠመ።
እቶም ናብቲ ቦታ ዝኸዱ ክኢላታት ኢሰመኮ፡ "ናብ ሕርሻታት ዝኸዱ ሰራሕተኛታት" ረኺቦም። "እቶም ክኢላታት ክምርምሩ እንከለዉ፤ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ግዳም ሓደር ህጻናት ከምዝነበሩን ኣብ መዕቆቢ ቦታ ከምዝጸንሑን፡ ድሕሪ ቅሩብ መዓልታት ብዘይ ድሌቶም ከምዝመጹን ሓቢሮምዎም" ክብል ርኽበት እቶም ክኢላታት ኣብሪሁ።
ይድነቃቸው እዚ ጉዳይ ኣብ ኣየናይ ሕርሻ ከም ዝተረኽበ ክገልጽ ኣይደለየን። ይዅን እምበር ቢቢሲ ኣብ ዘዘራረቦም ሓሙሽተ ሰራሕተኛታት ሕርሻ ኣብ መወዳእታ 2015ን 2016ን ካብ ጐደናታት ኣዲስ ኣበባ ዝተወስዱ ሰባት ናብ ሕርሻታት ሆራይዘን ከምዝተወሰዱ ገሊጾም።
ኣብ ነሓሰ 2016 ናብ ሕርሻታት ናይቲ ኩባንያ ዝተወስዱ ሰለስተ ደቂ ተባዕትዮ፡ ብፖሊስ ድሕሪ ምእሳሮም ኣብ "ከባቢ ቃሊቲ ውሃ ልማት" ኣብ ዝርከብ መኽዘን ከምዝተዳጎኑ ሓቢሮም።
ሓደ ካብዞም መንእሰያት ካሳሁን መለስ (ስሙ ዝተቐየረ) እዩ። ኣብ ከባቢ መርካቶ ተክለሃይማኖት ምስ መሳርሕቱ ክድረር ኣብ ዝወጸሉ እዋን ብኣባላት ፖሊስ ከምዝተታሕዘ ይዛረብ።
"ኣብቲ ከባቢ ተወሳኺ ሰዓት እናሰራሕና ከለና ክንድረር ኢልና ምስ ወጻእና ከባቢ ሰዓት 12 ምሸት ተኣሲርና" ይብል ካሳሁን። እቶም ኣባላት ፖሊስ ንዕኡን መሳርሕቱን "ብዘይ ዝዀነ ምኽንያት" ኣብ ቀይዲ ከምዘእተውዎም ይገልጽ።
"ብዘይ ምኽንያት" ብፖሊስ ዝተኣሰረ ካሳሁን ጥራይ ኣይነበረን። ካልእ ምስ ኣዕሩኽቱ ክራኸብ ኣብ መንገዲ ከምዝነበረ ዝገለጸ ምስክር፡ ኣብ ክፍለ ከተማ ልደታ ካብ ታክሲ ክወርድ እንከሎ ብፖሊስ ከምዝተታሕዘ ይዛረብ።
ካብቶም ዝተኣሰሩ "ሰራሕተኛታት መንግስቲ"፡ "መምህራን" ከምኡ'ውን "መራሕቲ መካይን" ከምዝርከብዎም እቶም መሰኻኽር ገሊጾም።
ኢሰመኮ ኣብ ጥሪ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቶም ኣብ ጐደናታት ዝነበሩ ሰባት ኣብ ጥቓ "መሰልጠኒ መራሕቲ መካይን ቃሊቲ ኣብ ዝርከብ "ዓቢ መኽዘን" ከምዝተዳጐኑ ገሊጹ ነይሩ።
ካሳሁን እውን ኣብ መዳጐኒ ማእከል ቃሊቲ ንኽልተ ሰሙን ከምዝተኣሰረ እዩ ገሊጹ። እቶም እሱራት ስድራኦም ይዅን ካልኦት በጻሕቲ ክርእዩ ኣይተፈቕደሎምን፣ ቴለፎኖም ድማ ተወሲዱ።
ካሳሁን፡ ናብቲ መዳጐኒ ማእከል ምስ ኣተወ ድሕሪ 15 መዓልታት፡ ገለ ካብቶም እሱራት ተመሪጾም "ናብ ስራሕ" ከምዝተወስዱ ይዝክር። "ናብ ሕርሻ እዩ ኢሎም ኣይነገሩናን። መሪጾም ጥራይ'ዮም ናብ ስራሕ ወሲዶሞም" ይብል።
ኣብታ ናብቲ ሕርሻ ዝተወስዱላ መዓልቲ፡ ነፍሲ ወከፈን "ኣስታት 64" ሰባት ዝጸዓና "ትሽዓተ" ታታ ዝተበሃላ ህዝባዊ መጓዓዝያ መካይን ከምዝተንቀሳቐሳ ይዝክር።
ካሳሁን፡ ቅድሚ ሕጂ ክልተ ግዜ ኣብ "ገላንን ዘነበ ወርቅን" ዝተበሃሉ ማእከላት መዳጐኒ ተኣሲሩ ከምዝነበረ ይዛረብ። "[ኣነ] ክወስዱና ከለዉ ተደናጊረ ነይረ፤ ግን ተደጋጋሚ [ማእሰርቲ] ስለዝዀነ፡ ዝዀነ ይዅን ኢለ ተላዒለ ወጺአ" ክብል ብዛዕባ እቲ ኣብቲ እዋን ዝነበረ ኵነታት ይገልጽ።
ካልኦት ክልተ ምንጭታት ግን ካብ መዳጐኒ ማእከል ቃሊቲ ቅድሚ ምውጽኦም እንታይ ዓይነት ስራሕ ክሰርሑ ምዃኖም ከምዝተነግሮም ገሊጾም። ገለ ካብቶም ኣብቲ ሕርሻ ክሰርሑ ዝተሰማምዑ "ካብ ቤት ማእሰርቲ ንምውጻእ" ክኸዱ ፍቓደኛታት ክዀኑ ከምዝመረጹ እዮም ሓቢሮም።
ኣብ እዋን ጕዕዞ "ዘምለጡ" ከምዝነበሩ'ውን ይገልጹ። ሓደ ምስክር ኣብ ከተማ ወልቃይተ ንምሳሕ ደው ኣብ ዝበሉሉ ዘምለጡ ሰባት ከምዝረኣየ ሓቢሩ። ካሳሁን ብተወሳኺ እታ መኪና ኣብ ከተማ ጅማ ምስ በጽሐትን ናብቲ ትካል ቅድሚ ምስግጋሮም ዘምለጡ ሰባት ከምዝነበሩ ጠቒሱ።
"ኣብዚ ኣብ ሶኮሩ [ኣብ ዞባ ጅማ እትርከብ ወረዳ] መኪና ተሓምሺሻ፡ ገለ ሰባት ተጐዲኦም ነይሮም" ብምባል ካብቶም በቲ ሓደጋ መኪና ዝተጐድኡ ሰባት ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተመለሱ ይዝክር።
ቢቢሲ ዘዘራረቦም መሰኻኽር ኣብ ከተማ ጅማ ምስ በጽሑ ናብ መካይን ሆራይዘን ፕላንቴሽንስ ከምዝተሰጋገሩን ብድሕሪኡ ናብ ዝተፈላለየ ሕርሻታት ከምዝተበታተኑን ገሊጾም። እተን ሕርሻታት ኮሳ፡ በበቃ፡ ሊሙ፡ ጉመርን ጨለለቂን ኰይነን ኵለን ኣብ ትሕቲ ሆራይዘን ፕላንቴሽንስ ከምዝርከባ ሽዱሽተ መሰኻኽርን ሰራሕተኛታት እቲ ኩባንያን ይሕብሩ።
ዝበዝሑ ብኸምዚ ኣገባብ ዝመጹ ሰባት ኣብ ምልቃም ቡን ዝዋፈሩ ኰይኖም፡ እቶም ናብ ጨለለቂ ዝተወስዱ ድማ ኣብ ግራት ዕፉን ይሰርሑ ነይሮም።
ሓደ ሰራሕተኛ ሆራይዘን ካብ ጐደናታት ኣዲስ ኣበባ ዝመጹ ህጻናት ከመይ ቀልጢፎም ምስቲ ከባቢን ስራሕን ከምዘይተላመዱ ይዝክር።
"ክንከይድ ኢና ኢሎም ይርብሹ። ብዙሕ ግዜ 'ሓሚምና' እናበሉ ይድቅሱ። ዋላ'ኳ ሕክምና እንተተገብረሎም፡ ምስቲ ኣብዚ ዝወሃቦም መግቢ ዘይተላመዱ ህጻናት ኣለዉ" ይብል። "ሓደ ሓደ ግዜ ድማ ብሓባር ምንባር ነፍሳት ክፍጠሩ ይገብር እዩ። ነዚ ክጻወሩ ኣይክእሉን እዮም።"
ገለ ካብዞም ሰራሕተኛታት ክሳብ ሕጂ ይሰርሑ ኣለዉ። ገለ ካብቶም ኣብ 2015 ብተመሳሳሊ መንገዲ ዝተወስዱ ሕጂ ሓዳር መስሪቶም ኣብቲ ከባቢ ይነብሩ ከምዘለዉ ምንጭታት ይሕብሩ።
ይዅን እምበር መብዛሕትኦም ሰባት ኣብ ውሽጢ ሓጺር እዋን ናብ ዝመጹሉ ቦታ ከምዝተመለሱ ሰራሕተኛታት ሆራይዘን ይገልጹ። ክልተ ኣካየድቲ ንኡሳን ሕርሻታት እውን ነዚ ኣረጋጊጾም'ዮም።
ስሩዕ ስራሕ እናሃለዎም ዝተተሓዙ ሰባት "ካብ ስድራ ቤቶም ገንዘብ ኣልኢኾም" ከምዝተመለሱ ሓደ ሰራሕተኛ ተዘኪሩ። ካልእ ምስክር ድማ፡ "ገንዘብ ኣዋጺኦም ዕድመኦም ዝደፍኡ ሰባት" ክምለሱ ከምዝገበሩ ይሕብር።
ካሳሁን ብወገኑ፡ "ካብ ክልተ ወርሒ ንላዕሊ ዝሰርሐ ሰብ ኣይነበረን። ገንዘብ ክሳዕ ዝወስዱ ተጸብዮም ከይዶም" ይብል። ወሲኹ፡ ካብቶም ናብቲ ንሱ ዝነበረሉ ንኡስ ሕርሻኡ ዝመጹ 68 ሰባት፡ ክሳብ ሕጂ ክልተ ጥራይ ይሰርሑ ከምዘለዉ ሓቢሩ።
መልሲ ሆራይዘን
ሆራይዘን ፕላንቴሽንስ፡ ምዝመዛ ጉልበት ህጻናት ወይ ግዱድ ስራሕ ኣመልኪቱ ንዝቐረበ ክሲ ይነጽግ።
ዋና ኣካያዲ ስራሕ እቲ ኩባንያ ነጻነት ጋሻየ፡ "ሃገርና ብዝፈረመቶም ዓለምለኻዊ ስምምዓት መሰረት ናብ ኤውሮጳን ኣመሪካን ሰደድ እንገብር ዓቢ ትካል ኢና" ብምባል ነቲ ኩባንያ ተኸላኺሉ።
እቲ ዋና ኣካያዲ ስራሕ፡ ኢሰመኮ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ "ዘይተቐበልናዮም ነገራት ኣለው" ኢሉ።
ኣቶ ነጻነት፡ ሕርሻታት እቲ ኩባንያ ን"ጽገና ኣብያተ ትምህርቲ" ዝኸውን ገንዘብ ምቕራብ ዝርከቦም ስምምዓት ምስ ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝፍጸሙን ተኣሚኑ። እቶም ስምምዓት፡ "ንረብሓ ከባቢ"፡ "ተምሃሮ ንርእሶም ንኸማዕብሉ ንምትብባዕ" ከምኡ'ውን እተን ኣብያተ ትምህርቲ ዝጥቀማሉ "ጸጋታት ንምቕራብ" ዝዓለሙ ምዃኖም ይገልጽ።
"ግን ሕጊ ተኸቲልና ኢና ከምኡ ንገብር፤ ብኣስገዳድ ኣይኰነን። ብግቡእ ንሰርሕ፡ ዕድሞም ዝበጽሐ ኣለሊና፡ ካብ ሰዓት ትምህርቲ ወጻኢ ብዝዀነ ኣገባብ ኢና ንሰርሕ" ብምባል ነቶም ዝቐረቡ ክስታት ነጺጉ።
እቶም ተምሃሮ "ቀዳምን ሰንበትን" ይሰርሑ ከምዘለዉን፡ ኣብ ሕርሻታት ድማ "ካብ ከባቢ ሰዓት 2 ክሳብ ሰዓት 10 ድሕሪ ቀትሪ" ከምዝሰርሑን ይዛረብ።
እቶም ኣብ ምልቃም ቡን ዝተሳተፉ "ዕድመኦም ልዕሊ 18 ዓመት" ዝዀኑ ጥራይ ከምዝነበሩ ይምጕት። "ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ዕድመኦም ልዕሊ 15ን 18ን ዓመት ዝዀኑ ኣለዉ" ይብል።
ካብ ጐደናታት ዝመጹ ሰራሕተኛታት ዝምልከት ክሲ እውን ነጺግዎ። ትካሎም ኣብ እዋን ቀውዒ ዘድልዩ ኣሽሓት ሰራሕተኛታት ንምርካብ ምስ ትካላት ክልልን ፈደራልን መንግስቲ "ውዕል" ከምዝፍጽም እውን ገሊጹ።
ምስ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ዞን ካፋ፡ ከምኡ'ውን ምስ ወረዳታት ሰሜን ቤንችን ደቡብ ቤንችን ዝተገብሩ ስምምዓት ምልመላ ድማ ንቢቢሲ ኣቕሪቡ። እቶም ዝተመልመሉ ሰራሕተኛታት ዕድመኦም ልዕሊ 18 ዓመት ክዀኑ ከምዘለዎም እቶም ስምምዓት ይድንግጉ።
ንቢቢሲ ዝቐረ ናይ ስራሕ መወዓውዒታት ሆራይዘን ፋርምስ እውን ተመሳሳሊ መዐቀኒታት ዘጠቓልል እዩ።
እቲ ዋና ኣካያዲ ስራሕ፡ ምስ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዝተኣሳሰር ካብ ቢሮ ደቂ ኣንስትዮ፡ ህጻናትን ማሕበራዊ ጉዳይን ዝተወሃቦም ናይ ምስጋና ደብዳበ እውን ኣቕሪቡ። እቲ ዋና ኣካያዲ ስራሕ ሰነዳት ዘቕረበሉ ዕለትን እቲ ደብዳበ ዝተጻሕፈሉ ዕለትን ሓደ እዩ።
እቲ ብዕለት 21 መስከረም 2018 ዝተጻሕፈ ናይ ምስጋና ደብዳበ፡ ሆራይዘን ፕላንቴሽንስ ኣብታ ርእሰ ከተማ "ንማሕበራውን ቍጠባውን ጸገማት ተቓላዕቲ ዝነበሩ ልዕሊ 2000 መንእሰያት" ዝኸውን "ግዝያዊ ዕድላት ስራሕ" ከምዘቕረበ ይገልጽ።
እዚ ድማ ኣብ መንጎ መስከረም 2015ን ታሕሳስ 2017ን ከምዝተገብረ እዩ እቲ ደብዳበ ዝሕብር።
ሰራሕተኛታት ምስ መንግስቲ ብዝገበርዎ ስምምዕ ክምልመሉ እንከለዉ፡ ወከልቲ እቲ ኩባንያ ከምዝርከቡ ኣቶ ነጻነት ይዛረብ። "እቶም ወከልቲ ይቘጽሩ፡ ኣብ ልክዕ ዕድመ ከምዝበጽሑ የረጋግጹ፣ ድሕሪኡ ድማ ተጻዒኖም ይመጹ" ክብል ነቲ መስርሕ ይገልጽ።
እቲ ኩባንያ ብመንግስቲ ዝቐርቡ ሰራሕተኛታት ብናይ ገዛእ ርእሶም ድሌት ምዃኑ ይምርምር ድዩ ንዝብል ሕቶ፡ "ንሕና ክንገብሮ እንኽእል [እቶም ሰራሕተኛታት] ምስ መጹ ሕጋውያን ምዃኖም [ምርግጋጽ] ጥራይ እዩ። ካልእ ኩሉ ሓላፍነት መንግስቲ'ዩ" ይብል።
ብኸምዚ ኣገባብ ዝመጹ ሰራሕተኛታት ኣብ ስራሕ ዘየለውሉ ምኽንያት፡ እቲ ናይ ምልቃም ወቕቲ ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝካየድ ዝለዝዀነ ጥራይ ምዃኑ'ውን ኣመልኪቱ።
"ክጸንሕ 'ፍቓደኛ'የ' እንተኢሉ ምሳና ክጸንሕ ይኽእል እዩ። 'ኣይፋል' እንተኢሉ ግን ቀውዒ ምስ ወድአ ቀልጢፉ ክወጽእ ይኽእል እዩ፤ ዘገድዶ ኣዋጅ ይዅን ውዕል የብልናን" ይብል እቲ ዋና ኣካያዲ ስራሕ።
ቢቢሲ ካብ ጐደናታት ተወሲዶም ናብ ሆራይዘን ፕላንቴሽን ዝተወሰዱ ሰባት ብዝምልከት ካብ ቢሮ ደቂ ኣንስትዮ፡ ህጻናትን ማሕበራዊ ጉዳያትን ፖሊስን ኣዲስ ኣበባ ምላሽ ንምርካብ ብተደጋጋሚ ዝገበሮ ፈተነታት ኣይሰመረን።
ሓላፊት'ቲ ቤት ጽሕፈት ወይዘሮ ቈንጂት ደበላ፡ ካብ ከተማ ወጻኢ ብምዃና ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ርእይቶ ክትህብ ከምዘይትኽእል ገሊጻ። ሓላፊ መራኸቢታት እቲ ቤት ጽሕፈት ብኣንጻሩ "ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ዝኾነ ሓበሬታ የብለይን" ክብል መልሲ ሂቡ።
ዳይሬክተር ርክብ ህዝብን መንግስትን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ምክትል ኮማንደር ማርቆስ ታደሰ ነቲ ጉዳይ መርሚሮም ምላሽ ክህቡ ቃል ኣትዩ እኳ እንተነበረ ብድሕሪኡ ግን ተሌፎን ኣይመለሰን።
ምዝመዛ ጉልበት ህጻናትን ግዱድ ሽቕለትን ዘብሎ ሕጋዊ መሰረት እንታይ እዩ?
ትሕቲ 15 ዓመት ዝዕድመኦም ህጻናት "ኣብ በረኻ" "ብዘይ ድሕነት" ከምኡ'ውን "ትምህርቶም ተቛሪጹ" ክሰርሑ ከምዝተገደዱ ዝገልጽ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ፡ እቲ ተግባር ምዝመዛ ጉልበት ህጻናት ከምዝዀነ ይገልጽ።
ቢቢሲ ብዛዕባ እቶም ርኽበታት መብርሂ ዝሃቦም ክልተ ምሁራት ሕጊ ነቲ ጉዳይ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ የቐምጥዎ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ፕሮፌሰር ሕጊ ዝዀነ ዶክተር መሓሪ ረዳኢ እቶም ተምሃሮ ኣብ ስራሕ ምልቃም ስለዘይተዋፈሩ መቕጻዕቲ ገንዘብ ዝኸፍሉ እንተዀይኖም፡ እቲ ጉዳይ "ባህሪ ምዝመዛ ጉልበት ህጻናት ጥራይ ዘይኰነስ ግዱድ ሽቕለት እውን እዩ" ይብል።
ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ኖትረደም ናይ ሰብኣዊ መሰላት ጠበቓን ፕሮፌሰር ሕግን ዶክተር ሕሩይ ዉቤ ብወገኑ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ተማሃሮ ዝንበር መቕጻዕቲ ብደረጃ ዓለም "ዝኸፍአ ዓይነት ምዝመዛ ህጻናት" ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ምድብ ከምዘእትዎ ይዛረብ።
ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣውስትራልያ ብዛዕባ "ዘመናዊ ባርነት" ዝምህር ዶክተር ሕሩይ፡ ጉዳይ እቶም ካብ ጐደናታት ኣዲስ ኣበባ ዝግፈፉ ሰባት እውን ኣብ ምድብ "ግዱድ ዕስክርና" ከምዝወድቕ ይገልጽ። እዞም "ዘይሕጋዊ ማእሰርቲ" ዝፍጸሞም ሰባት፡ ዝደለይዎ ብነጻነት ክመርጹ ኣብ ዘይክእሉሉ ኵነታት ከምዝርከቡ የስምር።
"እዞም ሰባት እሱራት እዮም። ኣብ ዘይግቡእ ተቓላዕነት እዮም ዝርከቡ። ምኽንያቱ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘሎ ሰብ ዝተባህሎ እዩ ዝገብር" ይብል። እዚ 'ዘይግቡእ ተቓላዕነት' ሓደ ካብቶም ዓለምለኻዊ ውድብ ዕዮ ዘቐመጦም "መርኣዪታት ግዱድ ሽቕለት" ምዃኑ'ውን ይገልጽ።
ካብ ዝነብሩሉ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ክጓዓዙ ዝተገደዱ ምዃኖም እውን እቲ ትካል ዘቐመጦ "ምግዳብ ምንቅስቓስ" ዝብል መዐቀኒ ከምዘማልእ ወሲኹ ይጠቅስ።
ተሓታትነት መዓስ ይህሉ?
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ጉልበት ህጻናት ይምዝመዝ ከምዘሎ ምስ ፈለጠ፡ "ዝረኸቦ ርኽበታት ናብ ዝተፈላለዩ መንግስታዊ ትካላትን ሕርሻታትን" ከምዝሰደደ ኣቶ ይድነቃቸው ይዛረብ።
ብተወሳኺ፡ ህጻናት ኣብ ምልቃም ቡን ናይ ምውፋር ልምዲ "ምሉእ ብምሉእ ደው ከም ዝበለ" ገሊጹ።
"ምስ ኣብያተ ትምህርትን ሕርሻታትን ዝነበረ ውዕላት ተቛሪጹ'ዩ።"
ቤት ጽሕፈት ትምህርቲ ክልል ኦሮሚያ እውን ኣብ ልዕሊ ርእሰ መምህራን ተምሃሮአን ኣብ ዘዋፈራ ኣብያተ ትምህርቲ "ምምሕዳራዊ ስጕምቲ ከምዝወሰደ" ሓቢሩ።
ብመሰረት ኣቶ ይድነቃቸው፡ ኢሰመኮ ንምዝመዛ ጉልበት ህጻናት ብዝምልከት ካብ ዘቕረቦም ለበዋታት ሓደ ሕጋዊ ተሓታትነት እዩ። ምዝመዛ ጉልበት ህጻናት ገበን እዩ።
ቢቢሲ ካብ ምኒስትሪ ፍትሕን ቤት ጽሕፈት ፍትሒ ክልል ኦሮምያን ሓበሬታ ንምርካብ ዝገበሮ ጻዕሪ ኣይሰመረን። ኣኽበርቲ ሕጊ ዞባ ጅማን ሊሙ ኮሳን ብዛዕባ ኢሰመኮ ምዝመዛ ህጻናት ኣመልኪቱ ዘውጽኦ ጸብጻብ ከምዝፈልጡ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።
ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ኣኽበርቲ ሕጊ ዞባ ጅማ ዛሃራ መሓመድ፡ ጸብጻብ ኢሰመኮ ናብቲ ቤት ጽሕፈት ከምዘይቀረበን "ኣብ ኣኼባ" ከምዝሰምዐትን ገሊጻ። ነዚ መሰረት ብምግባር እቲ ቤት ጽሕፈት ንሓለፍቲ ወረዳታት ብዛዕባ ምዝመዛ ህጻናት ስልጠና ከምዝሃበ ወሲኻ ገሊጻ።
ሓላፊ ዓቃቢ ሕጊ ወረዳ ሊሙ ኮሳ ኣይተ ደቻስ ዓብዱሰላም ብወገኑ እቲ ጸብጻብ ናብ ቤት ጽሕፈቱ ከምዝቐረበ ገሊጹ። እቶም ተምሃሮ "ምስ ወረዳ ብምትሕብባር" ቡን ክለቕሙ ከምዝተፈቕደሎም ዝገለጸ ደቻስ፡ ኣብ ወረዳ ሊሙ ኮሳ ምስ ሰለስተ ሕርሻታት ሆራይዘን ተዘራሪቦም "ኣብ ምርድዳእ ከምዝበጽሑ" ይዛረብ።
ሓለፍቲ ኣኽበርቲ ሕጊ ዞባ ጅማን ወረዳ ሊሙ ኮሳን ኣብዚ መዳይ ዝካየድ ዘሎ ይዅን ዝተወሰደ ሕጋዊ ስጕምቲ ከምዘየለ ገሊጾም። ክልቲኦም ሰበስልጣን ዘቕረብዎ ምኽንያት፡ ብዛዕባ እቲ ፍጻመ "ቀጥታዊ ጥርዓን ስለዘይቀረበ" እዩ።
ፕሮፌሰር ሕጊ ዶክተር ሕሩይ እዚ ኩነታት ኣብ ስርዓተ ሕጊ እታ ሃገር "ክፍተት" ከምዘሎ ዘንጸባርቕ'ዩ ይብል። ኣብ ሕጊ ገበን ኢትዮጵያ ግዱድ ዕስክርና "ንጹር ገበን" ኰይኑ ከምዘይሰፈረን ምስዚ ዝመሳሰል ተግባራት ንምጽራይ "ጥርዓን ክቐርብ ኣለዎ" ዝብል'ውን ከምዘቐመጠን እቲ ክኢላ የመልክት።
እቲ ፕሮፌሰር ሕጊ ምስቶም ኣብ ጽርግያ ዝተገፈፉ ሰባት ዝተኣሳሰር ጉዳይ ብፍላይ ብዓይኒ ሰብኣዊ መሰላት ምርኣይ ጠቓሚ እዩ ኢሉ ይኣምን።
"ጉዳይ እዞም ሰባት ከም ገበን ዘይኰነስ ከም ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት እዩ ዝርአ። ምኽንያቱ ናይ ብሕቲ ተዋሳኢ የለን፣ መንግስቲ ባዕሉ እዩ። ከመይ ገይርካ ንመንግስቲ ብገበን ክትከሶ ትኽእል? ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት'ዩ ኢኻ ትብል" ክብል ኣብሪሁ።