ኦባማ ብኣንጻር ትራምፕ ኣብ ጐድኒ ዩኒቨርሲታት ኣመሪካ ዝቈመሉ ምኽንያት እንታይ እዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ባራክ ኦባማ፡ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ፖሊሲታቱ ክቕይር እንተ ዘየሎ ምወላ ፈደራል ክስእን ምዃኑ ብዋይት ሃውስ ንዝተዋህቦ ትእዛዝ ብዘይምኽታሉ ናእዳኡ ገሊጹ። እዚ ትራምፕ ዳግማይ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ንፈለማ እዋን ብኦባማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝቐረበ ጽሑፍ እዩ።
ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ኣብ ምቝጻር ሰራሕተኛታት፡ ምቕባል ተመሃሮን ኣገባብ ኣመሃህራን ለውጢ ምግባር ስለ ዝኣበየ፡ ነቲ ዩኒቨርሲቲ ዝተሰልዐ ልዕሊ 2 ቢልዮን ዶላር ገንዘብ ፈደራል ይዓግቶ ኣሎ።
ምምሕዳሩ፡ ነዚ ክግበር ዝጠልቦ ዘሎ ለውጢ፡ ኣብ ቀጽሪ እቲ ዩኒቨርሲቲ ጸረ-ሴማውነት ንምምካት ኣድላዪ ምዃኑ ገሊጹ።
ካብ ሃርቫርድ ዝተመረቐ ኦባማ፡ ነቲ ምድስካል ባጀት፡ "ዘይሕጋውን ዕንክሊልን፡" ኢሉዎ። ካልኦት ትካላት ድማ ንጠለባት ትራምፕ ንዘይምቕባል ኣሰር ሃርቫርድ ክስዕባ ጸዊዑ።
"ሃርቫርድ ኣንጻር እቲ ንኣካዳምያዊ ናጽነት ንምቍጽጻር ዝግበር ኢፍትሓዊ ፈተነ ጸኒዑ ደው ብምባል፡ ንኻልኦት ኮሌጃት ኣብነት ይኸውን ኣሎ። ብተወሳኺ፡ ኵሎም ተመሃሮ ሃርቫርድ ሓሳባት ዝድህስስሉ፡ ዕቱብ ዘተ ዝገብሩሉን ንሓድሕዶም ዝከባበርሉን ቦታ ከስተማቕሩ ንምርግጋጽ፡ ሓቀኛ ስጕምትታት ይወስዱ ኣለዉ፡" ክብል ኦባማ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ጽሒፉ።
እቲ ኣብ 1991 ብዓውዲ ሕጊ ካብ ሃርቫርድ ዝተመረቐ ፕረዚደንት ነበር፡ ዳርጋ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ካብ ዋይት ሃውስ ካብ ዝወጽእ ንደሓር፡ ንሰበስልጣን መንግስቲ ወይ ፖሊሲታት መንግስቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክነቅፍ ወይ ክገንሕ ዝተራእየ ሳሕቲ እዩ።
ኣብ እዋን መረጻ፡ ንመወዳድርቲ ትራምፕ፡ ናይ ሽዑ ምክትል ፕረዚደንት ካማላ ሃሪስ ብዙሕ ግዜ ይንእድ ነይሩ። ካብ መዓልቲ ምረቓ ስልጣን ትራምፕ ጀሚሩ ግን መብዛሕትኡ ግዜ ብዛዕባ ኣበርክቶ ሰባት፡ ውልቃዊ መልእኽትታትን ስፖርትን እዩ ከካፍል ጸኒሑ።
ኦባማ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ንላዕለዎት ዩኒቨርሲታት እታ ሃገር ንምቕያር ንዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ካብ ዝቃወሙ ዘለዉ ብኣጻብዕቲ ዝቝጸሩ መራሕቲ ፖለቲካን ሰበስልጣን ዩኒቨርሲታትን ኣመሪካ እዩ።
ኣማኢት ኣባላት መምህራን ዩኒቨርሲቲ የል፡ ንውሳነ ሃርቫርድ ዝድግፍ ከምኡ'ውን ንጠለባት ምምሕዳር ትራምፕ ዝነጽግ ደብዳበ ኣሕቲሞም።
"ኣብ ቀራና መንገዲ ብሓባር ደው ኢልና ኣለና፡" ዝብል ጽሑፍ ኣብቲ ደብዳበ ይንበብ፣ "ዩኒቨርሲታት ኣመሪካ ንመሰረታዊ መትከላት ደሞክራስያዊ ሕብረተሰብ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ፍሉይ መጥቃዕቲ የጋጥመን ኣሎ። እዚ ድማ መሰል ብናጻ ሓሳብካ ምግላጽ፡ ምትሕብባርን ኣካዳምያዊ ናጽነትን ሓዊሱ እዩ። ኣብዚ ግዜ'ዚ ኣብ ጐድንና ደው ክትብሉ ንምሕታት ኢና ከም ሓደ ኣካል ኴንና ጽሒፍና።"
ሓያሎ ዩኒቨርሲታት ኣመሪካ መብዛሕትኡ ግዜ ንኸም ምምዕባል መድሃኒት ዝኣመሰለ ሳይንሳዊ ምርምር ናይ ፈደራል ምወላ ይረኽባ እየን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ትራምፕ ኣብ ጥሪ ናብ ስልጣን ካብ ዝምለስ ንደሓር፡ ከም ዩኒቨርሲቲ ስታንፎርድ ዝኣመሰላ ላዕለዎት ኣብያተ ትምህርቲ፡ ካብ ፈደራል መንግስቲ ዝወሓደ ገንዘብ ስለ ዝረኸባ፡ ሓደስቲ ሰራሕተኛታት ምቝጻር ደው ከብላን ባጀተን ክቘርጻን ተገዲደን ኣለዋ።
ገለ ካብቲ ምወላ ዩኒቨርሲቲታት፡ ምምሕዳር ትራምፕ ንጸረ-ሴማውነት ክቃለሳ ንዝበሎ ዕማማት ንኸተግብራ ንምድፍፋእ ተቛሪጹ ኣሎ። ትራምፕ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ኣንጻር ኲናት ቓዛን ደገፍ ኣመሪካ ንእስራኤልን ኣብ ዘተኻየደ ተቓውሞ፡ እዘን ኣብያተ ትምህርቲ ንኣይሁዳውያን ተመሃሮ ክከላኸላ ከም ዘይከኣላ ከሲሱ።
ፕረዚደንት ስታንፎርድ ጆናታን ሌቪን ከምኡ'ውን ሓላፊት ጀኒ ማርቲነዝን ንሃርቫርድ ዝምጕስ መግለጺ ብሰሉስ ኣውጺኦም ነይሮም፣ "ዩኒቨርሲታት ሃናጺ ነቐፌታ ብትሕትናን ብግልጺን ክሰምዓ ኣለወን፡" ኢሎም።
"ይዅን'ምበር፡ እቲ እወታዊ ለውጢ ንምምጻእ ዝሕግዝ መንገዲ፡ ስነፍልጠታዊ ምርምር ናይ ሃገር ብምጕዳእ ወይ ድማ መንግስቲ ንብሕታዊ ቤት ትምህርቲ ክትቈጻጸር ብምፍታን ኣይኰነን፡" ክብሉ ጽሒፎም።
ዩኒቨርሲቲ ኮሎምብያ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ ንገለ ካብ ጠለባት ትራምፕ ከማልእ እንከሎ፡ ሃርቫርድ ግን ብኣንጻር እቲ ዝተባህሎ ዝቘመ ካብ ዓበይቲ ዩኒቨርሲቲታት ኣመሪካ ፈላማይ ኰይኑ ኣሎ።
ፕረዚደንት ሃርቫርድ ኣላን ጋርበር ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ዝዀነ መንግስቲ - ኣየናይ ሰልፊ ኣብ ስልጣን ይሃሉ ብዘየገድስ - ንናይ ብሕቲ ዩኒቨርሲቲታት እንታይ ክምህራ ከም ዝኽእላ፣ ንመን ክቕበላን ክቘጽራን ከም ዘለወን፣ ኣየናይ መጽናዕትን ምርምርን ክኽተላ ከም ዝኽእላ ክእዝዘን የብሉን፡" ኢሉ።
ማሳቹሰትስ ኢንስቲትዩት ኦፍ ቴክኖሎጂ (MIT) ትማሊ ሰኑይ ንመሪሕነት ሃርቫርድ ተኸቲሉ ንጠለባት ምምሕዳር ትራምፕ ነጺጉዎ ኣሎ።
ዋላ እኳ ነቐፌታታት እንተ ሰዓበ፡ ትራምፕ ግን ጸኒዑ ደው ኢሉ ኣሎ። ብሰሉስ ኣብ ልዕሊ ሃርቫርድ ካልእ እገዳ ብምፍጻም፡ ነቲ ካብ ግብሪ ናጻ ዝዀነሉ ኵነት ክስርዞ ምዃኑ ኣፈራሪሑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







