ኦሮምያ፡ ኣደ ምስ ሰለስተ ደቃ ዝርከቡዎም ሸሞንተ ኣባላት ቤተሰብ ዝሃለቝሉ መጥቃዕቲ

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ኣርሲ፡ ንሓደ ሰሙን ዘጋጠመ መጥቃዕቲ፡ ህጻናት ሓዊሱ "25 ሰባት" ከምዝሞቱ ስድራ ግዳያትን ናይቲ ከባቢ መራሕቲ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያን ገሊጾም።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ረቡዕ ከምዝጀመረ ዝተገልጸ እዚ መጥቃዕቲ ካብቶም ዝሞቱ፡ "ሸሞንተ ኣባላት ሓንቲ ስድራቤት" ከምዝዀኑ ሰለስተ ምንጭታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ዞባ ኣርሲ፡ ኣብ ወረዳታት ጉና፣ ሽርካን ሆንቆሎ ዋቤን ከምዝተፈጸመ ካብቲ ኸባቢ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።

ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ንቢቢሲ ዝገለጹ ክልተ ኣባላት ስድራቤትን ሰለስተ መራሕቲ ቤተክርስትያንን፡ ብምኽንያት ድሕነቶም፡ ስሞም ከይግለጽ ሓቲቶም።

እቶም ምንጭታት ከምዝሓበርዎ፡ ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝርከባ ሰለስተ ወረዳታት ዝተፈጸመ ዘስካሕክሕ መጥቃዕቲ፡ ካብ ዝሓለፈ ረቡዕ 12 ጥቅምቲ 2018 ዓ.ም. [ግ] ጀሚሩ እዩ።

እቲ ዝበዝሐ ሰባት ግዳይ ዝዀኑሉ ኣብታ ድሒሩ መጥቃዕቲ ዝተኻየደላ ኣብ ወረዳ ጉና እዩ ተባሂሉ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ረቡዕን ሓሙስን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ 14 ሰባት ከምዝሞቱ ክልተ ኣባላት ስድራ ግዳያትን መራሕቲ ቤተክርስትያን እቲ ከባቢን ንቢቢሲ ሓቢሮም።

ካልእ ላዕለዋይ መራሒ ቤተ ክርስቲያን "ኣባ ጀማ" ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሓዊሱ ብድምር "17 ሰባት" ከምዝተቐትሉ ገሊጹ።

ሓደ መራሒ ቤተክርስትያን ኣብቲ ዞባ፡ ወረዳ ሽርካ ስዒቡ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ብሰኑይ 17 ጥቅምቲ 2018 ምሸት ከምዝተፈጸመ ሓቢሩ።ብተወሳኺ በዚ መጥቃዕቲ "ሰለስተ ሰባት" ከምዝተቐትሉ ገሊጹ።

ንጽባሒቱ ሰሉስ ከባቢ ሰዓት 5፡00 ቅድሚ ቀትሪ [ግ]፡ ኣብ ካልእ ወረዳ፡ ሆንቆሎ፡ ሳልሳይ መጥቃዕቲ ከምዝተፈጸመ ክልተ ምንጭታት ሓቢሮም።

ኣብቲ ወረዳ ዝነብር፡ ሃይማኖታዊ በዓል ስልጣን ቤተክርስትያን፡ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ በቲ መጥቃዕቲ "ሓሙሽተ ሰባት" ከምዝሞቱ፤ እቶም ግዳያት "ኣባላት ሓደ ስድራቤት" ከምዝዀኑን ተዛሪቡ።

እቲ በዓል ስልጣን "እተን ክልተ ኣንስትዮ ህጻናትን ሰለስተ ደቂ ተባዕትዮን ኣባላት ሓደ ስድራቤት፡ ካብ ገዛኦም ተወሲዶም ከምዝተቐትሉ" ገሊጹ።

ንሱ፡ ብተወሳኺ ሓደ ሰብ ተጨውዩ ከምዝተወስደን ክሳብ ሕጂ ሃለዋቱ ከምዘይተፈልጠን ገሊጹ።

ሓደ ቤተሰብ ዝሃለቝሉ መጥቃዕቲ

ኣርባዕተ ምንጭታት ንቢቢሲ ከምዝሓበርዎ፡ እቶም ኣብ ወረዳ ጉና ኣብ ዝተፈጸመ ፈላማይ መጥቃዕቲ ዝሞቱ 14 ሰባት፡ ኣብ ሓደ ከባቢ ዝነብሩን ብመውስቦ ዝዛመዱን ከምዝዀኑ ሓቢሮም።

ኣባላት ስድራቤት እቶም ግዳያትን መራሕቲ ቤተክርስትያንን፡ ዝርዝር ናይቶም በቲ መጥቃዕቲ ተቐቲሎም ዝበልዎም 14 ሰባት ኣካፊሎምና ኣለዉ።

ቢቢሲ፡ ካብ ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዝረኸቦ ዝርዝር ኣስማት ተመሳሳሊ እዩ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ክልተ ኣባላት ስድራቤቶም፡ ነቶም ካብቲ መጥቃዕቲ ዝደሓኑ ደቂ ኣርባዕተን ሸሞንተን ዓመት ደቆም ይሕክሙ ከምዘለዉ ይዛረቡ።

ሓደ ምንጪ፡ ኣብቲ መጥቃዕቲ ሓፍቱ ከምዝተቐትለቶ፤ ካልእ ድማ ኣደኡ፡ ደቂ ትሽዓተ ዓመት ማንታ ኣሕዋቱን ሓንቲ ሓፍቱን ዝርከብዎም ሸሞንተ ኣባላት ስድራኡ ከምዝተቐትሉዎ ተዛሪቡ።

በዓልቲ ቤት ሓዉን ጓል 16 ዓመት ጓሉን እውን ከምዝተቐትሉ ሓቢሩ።

እቶም ምንጭታት ከምዝሓበርዎ፤ እቲ ቀዳማይ መጥቃዕቲ ዝሓለፈ ሰሙን ረቡዕ ከባቢ ሰዓት 9፡00 ድሕሪ ቀትሪ [ግ] ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ ሽዱሽተ ሰባት ኣብ ሓደ ገዛ ተኣኪቦም ጸበል "ሚካኤል" ይሰትዩ ነይሮም።

ጓል ኣርባዕተ ዓመት ህጻን ካብቲ መጥቃዕቲ ብህይወት ካብ ዝደሓነት ሓንቲ ከምዝዀነት፡ ምንጭታት ሓቢሮም።

እቶም ዝደሓኑ ነበርቲ ንጽባሒቱ ንግሆ ሰዓት 1 "ምስ ፖሊስ" ናብቲ ቅትለት ዝተፈጸመሉ ከባቢ ከይዶም እዮም።

እቶም ክልተ ህጻናት ናብቲ ቅድም ክብል፡ "ሆስፒታል ሃይለማርያም ማሞ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ዝነበረ ኮሌጅ ሕክምና ሆስፒታል ኣዳማ፡ ከምዝተወስዱ እቶም ክልተ ምንጭታት ሓቢሮም።

ሸሞንተ ኣባላት ስድራኡ ዝተቐትሉዎ ሰብኣይ፡ ናብቲ ከባቢ ተጓዒዙ ኣደኡን ሓፍቱን ኣሕዋቱን ክቐብር ከምዘይከኣለ ገሊጹ።

"ንዓኹም እዮም ዝጽበዩ ዘለዉ ኢሎምኒ፤ ንህይወትና ፈሪሕና። ሓላፍነት ዝወስድ ሰብ ስለዘየለ፡ ከይድና ክንቀብሮም እኳ ኣይከኣልናን" ብምባል፡ እቶም ሽዱሽተ ኣባላት ስድራቤት ኣብ ሓደ ቦታ ተቐቢሮም ከምዘለዉ ሓቢሩ።

ኣደኡን በዓልቲ ቤት ወዲ ሓውቦኡን ኣብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያናት ከም ዝተቐብሩ ገሊጹ።

ኣቦኡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ ብዕጡቓት ድሕሪ ምውሳዱ ቅድሚ ሽዱሽተ ወርሒ ከምዝሞተ ይዝክር።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ኣባላት ስድራቤትን መራሕቲ ቤተክርስትያንን፡ እቶም ግዳያት "ብሰንኪ ሃይማኖቶም ዒላማ ተገይሩሎም" ኢሎም ይኣምኑ። ኣብቲ ከባቢ ዝተፈጸመ ተደጋጋሚ መጥቃዕቲ እውን ከም መርትዖ ጠቒሶም።

ሓደ ላዕለዋይ መራሒ ቤተክርስትያን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ድሕሪ እቲ ቀዳማይ መጥቃዕቲ፡ ​​ሰበስልጣን ወረዳ ጉና ናብቲ ከባቢ ብምኻድ፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት "ሕነ-ናይ ምፍዳይ" ስጕምቲ፡ ከምዝወሰደ ጸብጻባት ከምዝበጽሖም ሓቢሩ።

ሓላፊ ወረዳ ሆንቆሎ ዋቤ ኣቶ ሓሰን መሓመድ ብረቡዕ ንቢቢሲ ኣፋን ኦሮሞ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዛዕባ እቲ ኣብታ ወረዳ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ "ኣጻርየ እኹል ሓበሬታ ምስረኸቡ መግለጺ ክህብ እየ" ኢሉ።

ሓላፊ ዞባ ኣርሲ ኢብራሂም ከድር ግንወ፡ ነቲ ተፈጺሙ ዝተብሃለ ቅትለት "ሓሶት" ብምባል ነጺግዎ።

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኢትዮጵያ ረቡዕ ምሸት ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ ኣብ ዞባ ኣርሲ ኣብ ጥቅምቲ ጥራይ "ልዕሊ 25 ሰባት" ከምዝተቐትሉ ኣፍሊጣ ኣላ።