ኤርትራዊ ብላታ ገብረእግዚኣቢሄር ጊላይ፡ ፍሉይ ሰብ ኣብ ፍሉይ ዘመን

ምንጪ ስእሊ, DM
ሓደ ካብ'ቶም ብዘመን ጣልያን ፍሉይ ተራ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተጻወቱ ክኢላን መስተውዓልን ሰብ ብላታ ገብረእግዚኣቢሄር ጊላይ ብዓል ጻዕዳ-ክርስትያን ነበሩ።
"ብዛዕባ ብላታ ገብረእግዚኣቢሄር ጊላይ ክጽሕፍ ዝሓገዙኒ ምንጭታት ኣፍኣዊ-ታሪኻት ክዀኑ እንከለዉ፡ ገለ-ገለ ጽሑፋት'ውን ተጠቒመ'የ፡" ይብሉ መምህር ይስሓቕ ዮሴፍ - ብዛዕባ ባህልን ታሪኽን ኤርትራ ዘውክኡን ብርክት ዝበሉ መጻሕፍቲ ዘቕረቡን ጸሓፋይ።
ቀጺሎም፡ "ኣዝማች ገብረሚካኤል ግርሙ ዘበራቒት ኣብ ጋዜጣ 'ኢትዮጵያ' ዝበሃል ብዘመን እንግሊዝ ዝሕተም ዝነበረ ልሳን ኣንድነታውያን (ምስ ኢትዮጵያ ንሕበር ዝብሉ ዝነበሩ ጕጅለታት ማለት'ዩ) ብዛዕባ ብላታ ገብረእግዚኣቢሄር ጊላይ ብ28 ግንቦት 1961 ዝጸሓፍዎ ታሪኽ ተጠቒመ'የ፡" ይብሉ መምህር።
እቲ ኣብቲ 'ቀዳሞት ጀጋኑ ኤርትራ' ዘርእስቱ መጽሓፎም ብዛዕባ ብላታ ገብረእግዚኣቢሄር ጊላይ ዝቐረበ ሓተታ 25 ገጻት ሒዙ ይርከብ።
እቲ ዛንታ ኣብ ሽድሽተ ክፋላት ተኸፊሉ እቲ ቀዳማይ ብዛዕባ መወለዶምን ኣተዓባብዮኦምን፣ እቲ ካልኣይ ብዘመን ጣልያን ከም ዋና ተርጓሚ ኰይኖም ዘገልገልሉ እዋን፡ እቲ ሳልሳይ ብሸነኽ ጣልያን ኣብ ልዕሊ ብላታ ገብረእግዚኣቢሄር ዝነበረ እምነት ከመይ ኢሉ ናብ ጥርጠራን ክስን ግፍዕን ከም ዝተለወጠ፣ እቲ ራብዓይ ኣቦይ ብላታ ኣብ ናዅራ ተኣሲሮም ኣብ ዝነበርሉ እዋን ከመይ ኢሎም ካብኡ ምስ ብጾቶም ከም ዘምለጡ፣ እቲ ሓሙሻይ ምዕራፍ ድማ ናብ ኢትዮጵያ ምስ ገዓዙ ኣብኡ ናብርኦም ከመይ ይመስል ከም ዝነበረ፡ ኣብ መጠረስታ ድማ ብዛዕባ ሓፈሻዊ እምነቶምን ኣረኣእዮምን ፍልጠቶምን ዘዘንቱ'ዩ።
ዶ/ር ኣማኑኤል ጽጌ-ገብረሚካኤል ዝተባህለ ኣብ ቪርጂንያ ዩኒቨርሲቲ ዝመደበሩ ተመራማሪ፡ 'ካብ መግዛእቲ ምምላጥ' ዘርእስቱ ብዛዕባ ታሪኽን ተመኵሮታትን ብላታ ገብረእግዚኣቢሄር ጊላይ ዘቕረቦ ሓተታ'ውን ከም መወከስታ ክቐርብ ይኽእል እዩ። ንሱ ከም ዝብሎ ኣብ መወዳእታ 1890'ታት ብላታ ገብረእግዚኣብሄር ኣብ ኤርትራ ከም መርኣያ ኣብነታዊ ኣገልጋሊ መግዛእታዊ ስርዓት ጣልያን ከም ዝነበሩ፡ ደሓር ግን ናብ ፍሉጥ ጸረ-መግዛእታዊ ተቓላሳይ ከም ዝተለወጡ ኣነጺሩ ኣቕሪቡዎ ኣሎ።
ብላታ ገብረእግዚኣቢሄር ጊላይ ብዘመን ጣልያን ዋና ኣስተርጓሚ ኰይኖም ይሰርሑ ነበሩ፣ ምስ መሳርሕቶም ኢጣልያውያን ከኣ ጥቡቕ ርክባት ከም ዝነበሮም፡ መንግስቲ ጣልያን ከኣ ኣብ ልዕሊኦም ምሉእ እምነት ኣሕዲሩ ከም ዝነበረ ካብ ዝቐረቡ ሰነዳት ክንርዳእ ንኽእል።
'ክፍኣት መግዛእቲ ጣልያን እናሳዕረረ ምስ ከደ ኣቦይ ብላታ ካብ ድቃሶም ተበራበሩ' ይብል ዶ/ር ኣማኑኤል። ኰይኑ ድማ ምስ ሃጸይ ዳግማዊ ሚኒልክን ካልኦት ሰበ-ስልጣናት ኢትዮጵያን ብስቱር ናይ ደብዳበ ምልውዋጥ ርክባት ጀመሩ።
እቶም ደብዳበታት ግን ጣልያን ተጸናትዮም ስለ ዝረኸቡዎም ብኽድዓት ተኸሲሶም ተኣስሩ። እኳ ደኣ ኣብ ቤት ማሕቡስ ናዅራ - እቲ ዝኸፍአን ዝጸንከረን ሓለዋ ዝነበሮ ቤት ማእሰርቲ።
ብላታ ገብረእግዚኣቢሄር ጊላይ ኣብ ናዅራ ዝተኣስርሉ እዋን ማዕረ ሰለስተ ሚእቲ ዝኣኽሉ ናይ ፖለቲካ እሱራት ነበሩ ይብሉ መም. ይስሓቕ። እቶም እሱራት ኣብ ኣዝዩ ሕማቕ ኵነታት ስለ ዝነበሩ ካልእ ኣማራጺ ዕድላት ብምስኣን ናይ ምምላጥ ሓሳባት ከሰላስሉ ጀመሩ። ተበላሒቶምን ተጸናጺኖምን ብስቱር ዘውጽእዎ መደብ ከኣ ኣብ ምትግባሩ ብድድ በሉ፣ ውዓልዎ ከኣ።
እቲ ፍጻመ'ቲ ንኣቦይ ብላታ ኣብ ታሪኽ ኤርትራ ንሓዋሩ ከም ዝዝከሩ ገይርዎም'ዩ። ይዅን'ምበር፡ ኣብዚ ከነስተብህለሉ ዝግብኣና ሓቂ ኣሎ። እቲ ቀዳማይ ሸነኽ ናይቲ ሓቂ'ቲ ንሶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘእተዎም ምኽንያት ምግንዛብ የድሊ።
ልዕል ኢሉ ከም ዝተጠቕሰ ንሶም ኣዝዮም እሙን ኣገልጋሊ ገዛእቲ ጣልያን ከም ዝነበሩ፣ እኳ ደኣ ብፍልጠቶምን ብኽእለት ቋንቋታቶምን ከም ብሉጽ ኣስተርጓሚ ጥራይ ዘይኰኑስ ከም ቀንዲ ዲፕሎማስያዊ ኰይኖም ኣብ ሞንጎ ጣልያንን ኢትዮጵያን ዝካየዱ ዝነበሩ ናይ ዕርቂ ዝርርባት ልዑል ተራ ከም ዝነበሮም ምጥቃስ የድሊ።
ዘመን 'ውዕል ኣዲስ ኣበባ 1896' - ብድሕሪ ውግእ ዓድዋ ዝተኻየደ ናይ ሰላም ውዕል (ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ጣልያንን ማለት'ዩ) - ምሉእ ናጽነት ኢትዮጵያ ዝተኣወጀሉን ኤርትራ ድማ ግዝኣት ጣልያን ንኽትከውን ኣብ ስምምዕ ዝተበጽሓሉን (ደሓር ሰበብ ዘኸተለ ስምምዕ) እዋን ዝነበረ እዩ።
ብላታ ገብረእግዚኣቢሄር ጊላይ ዕላዊ ኣስተርጓሚ ጣልያን ኰይኖም ኣብቲ ዝተኻየደ ዝርርብ ውዕል ብ1897 ተሳቲፎም'ዮም። እቲ ዘጋጠሞም ልዑል ዕድል (ማዕረ-ማዕረ ገዛእቲ ኰይኖም ንኽሰርሑን ምስ ሰበ-ስልጣን ኢትዮጵያ ንኽራኸቡን) ንኽልተ ዓመት ብግቡእ ከም ዝተጠቕምሉ ሰነዳት ታሪኽ ይገልጹ። ይዅን'ምበር፡ ቀንዲ ተራኦምን መርገጺኦምን ምፍላጡ ኣዝዩ ኣሸጋሪ'ዩ፣ እኹል ሓበሬታ ስለ ዘየሎ።
ፕሮፌሰር ኢርማ ታዲያ ከም ትብሎ፡ ንሶም ዕዙዝ ፖለቲካውን ዲፕሎማስያውን ተራ (ኣብ ሞንጎ ዳግማዊ ሚነሊክን ሓለፍቲ ግዝኣት ጣልያንን) ከም ዝነበሮም ገይራ'ያ ትገልጾም።
ፕሮፌሰር ኢርማ ታድያ፡ ኣብ ቦሎኛ ዩኒቨርሲቲ ዝመደበራ ኢጣልያዊት ተመራማሪት ታሪኽ'ያ። ንሳ ንብርክት ዝበሉ ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን መግዛእቲ ጣልያን ብዝምልከት ርጡብ ምስክርነት ዘርትዐት ህርኵትቲ ተመራማሪት'ያ።
ኣብቲ ኣብ ሞንጎ ጣልያንን ኢትዮጵያን ዝካየዱ ዝነበሩ ዝርርባት ናይ ውሻጠ ምስጢራት ይፈልጥዎ ስለ ዝነበሩ ብስቱር፡ ብናቶም መንገዲ ኣቢሎም ምስ ሓለፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘይኰነስ ምስ ንጉስ ዳግማዊ ሚነሊክ ባዕሎም ሓሳብ ብምልውዋጥ - እኳ ደኣ ብመልክዕ ደብዳበታት - ናይ ኢድ-ብኢድ ጭብጥታት ተረኺቡዎም'ዩ ይበሃል። እቲ ዘእሰሮም ቀንዲ ምኽንያት ድማ እቲ 'ጥልመት''ቲ ነበረ።
ኵይኑ ድማ ጉዳይ ኣቦይ ብላታ ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ዓዲ ጣልያን ከይተረፈ ዓቢ ቈላሕታ ረኸበ። ሚድያ ዓዲ ጣልያን ከም ሓደ ዓቢ ጠላም ገይሮም ኣብ ጋዜጥኦም ኣቃልሕዎ። ምስ ተኣስሩ ከኣ ጣልያን ናብ ናፖሊ ኣግዓዝዎም፣ ኣብኡ ከኣ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተዉዎም።
'ኣብ ናፖሊ ንሓጺር እዋን ምስ ተኣስሩ ብዘይተፈልጠ ምኽንያት ብሕዳር 1899 ንኤርትራ ተመሊሶም ኣብ ናዅራ ከም ዝእሰሩ ተገብረ' ይብል ዶ/ር ኣማኑኤል ጽጌ-ገብረሚካኤል።
ምስ ሓደ ጀላቡ ዝነበሮ ደንከለታይ (ወዱ ኣብ ናዅራ ዝተኣስሮ ሰብ) ብሕቡእ ተፋለጡ'ሞ ንሱ ተጣቢቡ ብጸላም ጀላቡ ከምጽኣሎም እሞ እንተ ንሳቶም ከኣ እቲ ዝግበር ክገብሩ ተሰማምዑ።
እቲ ዛንታ ንውሕ ስለ ዝብል ውሽጡን-ውሻጥኡን ከነዘንትዎ የሸግር'ዩ። ዝዀነ ኰይኑ ብዓል ኣቦይ ብላታ ምስ ብጾቶም ኰይኖም ካብ ናዅራ ብ1899 ከምልጡ ከኣሉ ይበሃል። እቶም ሽዑ ብሓባር ዘምለጡ እሱራት ቍጽሮም ማዕረ ሚእቲ ነበረ ትብል ኢርማ ታድያ።
እቶም ካብ ናዅራ ዘምለጡ እሱራት ከኣ ንጐላጕልን ኣጻምእን ደንከል ጥሒሶም ድሕሪ ኣድካምን ሓጸልጸል ዘብልን ጕዕዞ ኣብ ዓድዋ ከም ዝኣተዉ ይዝንቶ። ኣቦይ ብላታ በቲ ዝጸንሖም ርክባት ኣብ ዓድዋ ከም ቀንዲ ኣማኻሪ ሓለፍቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኰይኖም ከገልግሉ ጀመሩ።
ኣብ ትግራይ ምስ ራእሲ መኰነን ወልደሚካኤል (ኣቦኦም ንጃንሆይ ማለት'ዩ) ኰነ ራእሲ መንገሻ ዮሃንስ (ገዛኢ ትግራይ ዝነበሩ ወዶም ንሃጸይ ዮሃንስ 4ይ) ንሓጺር እዋን ጥቡቕ ርክብ ከም ዝነበሮም ይግለጽ።
ብላታ ገብረእግዚኣቢሄር ጊላይ ኣብ ትግራይ ነዊሕ ከይጸንሑ ናብ ኣዲስ ኣበባ ምስ ራእሲ መኰነን ሓቢሮም ተጓዕዙ ይብሉ መም. ይስሓቕ።
ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከኣ ቀልጢፎም ክምዕብሉ ከኣሉ። እዚ ማለት ብኣእምሮኦምን ብኣስተገናዝብኦምን ኣብ ልዑል መድርኽ ፍልጠት ስለ ዝበጽሑ ኣብ ቤተ-መንግስቲ ዳግማዊ ሚነሊክ ከም ናይ ፖለቲካ ኣማኻሪ ቦታ ረኸቡ።
"እንተዀነ ግን" ይብሉ መም. ይስሓቕ፡ "ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ኵነታት ተንቲኖም ንንጉስ ምስ ኣቕረቡ ተቐባልነት ረኸቡ። ሽሕ'ኳ ኣብ ፈለማ እዋን ተቐባልነቶም ክብ ዝበለ ይምሰል'ምበር፡ ኣይጸንሑን ምፍሕፋሓት ክፍጠር ጀመረ። ብላታ ገብረእግዚኣቢሄር ብንቕሓትን ኣረኣእያን ኣዝዮም ዝሰጐሙ'ኳ እንተ ነበሩ ዝርድኦም ሰብ ግን እናወሓደ ከደ፡" ይብሉ መምህር። በብቝሩብ ከኣ ናብራ ስደት እናተጻዕኖም ከደ። ምስኡ ከኣ በቲ ብዛዕባ ኤርትራ ዝውሰዱ ዝነበሩ ስጕምትታት ብስጭት ኣሕደረሎም። ተስፋኦም እናበነነ ክኸይድ ምስ ጀመረ በጨቕ ክብሎም ጀመረ - ብጽሑፋቶም ኣቢሉ።
ጋዜጣ 'ኣእምሮ'
እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ንመጀመርታ ግዜ ዝተቐልቀለ ጋዜጣ 'እእምሮ' ይበሃል ነበረ። 'ኣእምሮ' ኣብ ቀጽሪ ቤተ-መንግስቲ ዳግማዊ ሚነሊክ ብኢድ እናተጻሕፈ ብሒደት ሕታማት ዝጀመረ ነበረ። እቲ ፈለማይን ታሪኻውን ጋዜጣ ብብላታ ገብረእግዚኣቢሄር ጊላይ ይቐርብ ከም ዝነበረ ዶ/ር ፈቃደ ኣዘዘ - ፍሉጥ ኢትዮጵያዊ ምሁር፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ብመዓርግ ተሓጋጋዚ ፕሮፌሰርነት ዘገልግሉ፡ ኣብ ስነጽሑፍ ኢትዮጵያን ኣፍሪቃን - ብፍላይ ኣብ ኣፋኣዊ ልምድታት ዝነጥፉ ምሁር'ዮም።
ዶ/ር ፈቃደ ኣዘዘ ከም ዝብልዎ፡ እቲ ብ1902 ገጹ ዝጀመረ 'ኣእምሮ' ዝበሃል ጋዜጣ ኣርባዕተ ገጻት ሒዙ ይቐርብ ነበረ። ብርክት ዝበሉ ስነሃይማኖት ዘቃልሑ፡ ንኣድላይነት ትምህርትን ምዕባለን ዝምጕቱ፡ ስነምግባራውን ሞራላውን ጠቀስ ጽሑፋት ይሕተሙ ነበሩ።
ጣልያን ንኢትዮጵያ ንኽወሩ ዝተቓረበሉ እዋን ድማ ብቐጻሊ መጠንቀቕታን 'ንዳሎ' ዘስምዑን ሓድነት ኢትዮጵያ ዝእምቱን ጽሑፋት ይሕተሙ ነበሩ።
እቲ ጋዜጣ ምስ ምትእትታው ሓተምቲ እናማዕበለ ክኸይድ ክሳዕ ብ1929 ማዕረ 200 ቅዳሓት፡ ብብርሃንና-ሰላም ዝሕተም ማዕረ 500 ቅዳሓት ይሕተሙ ነበሩ።
ብላታ ገብረእግዚኣቢሄር ብኣካይዳ ዳግማዊ ሚነሊክ ሕጉስ ኣይነበሩን። ምኽንያቱ፡ ንጉስ ምስ መንግስቲ ጣልያን ንኤርትራ ብዘርኢ (ጉዳይ-ዶብ) ጌጋ መርገጺ ወሲዶም ካብ ዝብል እምነት ከቕሕሮም ጀመረ፣ እዚ ማለት ንጉስ በቲ ምስ ጣልያን ዝኣተውዎ ውዕል መሰረት ንኤርትራ ሸይጦማ በሃላይ'ዮም ነይሮም ይበሃል።
ከምኡ እናበሉ ግን ኣብ ናይ ጽሕፈት ዓለም እናኣዕሞቑ ብምኻድ ሓያሎ መጻሕፍቲ ከም ዝጸሓፉ ፕሮፌሰር ኢርማ ታዲያ ትምስክር። ኣብ ኢንሳይክሎፒድያ ኤትዮፒካ ዘውጽኣቶ ጽሑፋ ድማ ኣብ ትሕቲ ምንጭታት ጽሑፋ ሓያሎ ጽሑፋቶም ጸብጺባቶም ትርከብ።
ብላታ ገብረእግዚኣቢሄር ጊላይ በቶም በጨቕ ዝብልዎም ዝነበሩ ኣዝርብቶምን ጽሑፋቶምን ንጉስ ስለ ዘይተሓጐስሎም ናብ ሃረር ከም ዝስደዱ ገበሩ። ድሕሪ ሒደት ዓመታት ግን ናብ ኣዲስ ኣበባ ክምለሱ ተፈቕደሎም። እቶም ብ1860 ኣብ ጻዕዳ-ክርስትያን ዝተወልዱ ብርቂ ሰብ ብ1914 ከኣ ካብዛ ዓለም ተፈልዩ።
ከም'ቲ ዝብልዎ ዝነበሩ 'ካብ ወራር ጣልያን ንጠንቀቕ ' እናበሉ ደጋጊሞም ክጽሕፉን ክምህሩን ግን ዝሰምዖም ሰብ ኣይረኸቡን። ድሕሪ ሞቶም ጣልያን ንኢትዮጵያ ብ3 ጥቅምቲ 1935 ወረረታ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







