ትራምፕ፡ ንኦባማን ብዓልቲ-ቤቱን ከም ኣህባይ ዝገልጽ ዝለጠፎ ዓሌታዊ ቪድዮ የዘራርብ

ንባብ: 3 ደቓይቕ

ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ፡ ፕረዚደንት ነበር ባራክ ኦባማን ቀዳመይቲ እመቤት ሚሸል ኦባማን ከም ኣህባይ ዝገልጽ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታቱ ዝለጠፎ ቪድዮ ድሒሩ ኣልዩዎ።

እቲ 'ዘ ላየን ስሊፕስ ቱ ናይት' ዘርእስታ ደርፊ ዘሰነየቶ 62 ካልኢት ዝንውሓቱ ቪድዮ፡ ኦባማን ሚሸልን ከም ኣህባይ ብዝገልጽ ክሊፕ እዩ ዝዛዘም።

ትራምፕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ዝገበርኩዎ ነገር የሎን። ንቐዳማይ ክፋል ናይቲ ቪድዮ ጥራይ እየ ርእየዮ፣ ሰራሕተኛታተይ ድማ ለጢፎሞ። ንኦባማን ሰበይቱን ብኸምኡ ዝገልጽ ክፋል ከም ዝነበሮ ኣይፈለጥኩን፡" ክብል ተዛሪቡ።

ሪፓብሊካን ሰነተር ቲም ስኮት ዝተባህለ ጸሊም ሰብኣይ፡ ነቲ ቪድዮ "ኣብ ዋይት ሃውስ ካብ ዝረኣኹዎ እቲ ዝበኣሰ ዓሌታዊ ነገር፡" ክብል ገሊጹዎ።

ዋይት ሃውስ ኣብ መጀመርታ ነቶም ነቐፌታኦም ዘቕረቡ፡ "ናይ ሓሶት ዜና" ኢሉ እኳ እንተ ነጸጎ፡ እቲ ዘረባ እናወሰኸ ብዝኸደ ግና እቲ ቪድዮ ካብ ትሩዝ ሶሻል ገጽ ናይ ትራምፕ ኣልዩዎ።

ዋይት ሃውስ ድሒሩ፡ እቲ ቪድዮ "ብጌጋ" ከም ዝተለጠፈ ገሊጹ።

እቲ ትሕዝቶ፡ ካብቲ ብዓቃባዊ ኣረኣእያኡ ዝፍለጥ ዛርያስ ዝተባህለ ሰብ ኣብ ጥቅምቲ ኣብ ኤክስ ዝለጠፎ ንጸለምቲ ሰባት ምስ ኣህባይ ዘነጻጽር ሜመ ቪድዮ ዝተወስደ እዩ።

ተወካሊት ኒውዮርክ ኣሌክሳንድርያ ኦካሲዮ-ኮርተዝ፡ ከንቲባ ኒውዮርክ ዞህራን ማምዳኒን ጸሓፊት ጉዳያት ወጻኢ ነበር ሂላሪ ክሊንተንን ኵሎም ኣብቲ ቪድዮ ምስ ዝተፈላለዩ እንስሳታት ተነጻጺሮም ኣለዉ።

ምክትል ፕረዚደንት ነበር ጆ ባይደን እውን ከም ኣህባይ ባናና እናበልዐ ይርአ።

ኦባማን ሚሸልን ዛጊት ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ርእይቶኦም ኣይሃቡን።

ትራምፕ ኣብ ናይ ሓይሊ ኣየር ነፋሪት ኰይኑ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ንኣሽሓት ነገራት እየ ዝከታተል" ድሕሪ ምባል፡ "ቍሩብ ካብቲ ቪድዮ ምስ ተዓዘብኩ፡ ነቶም ንዅሉ ዝከታተሉ ሰባት ሂበዮም፡" ኢሉ።

ኦባማ ኣብ ምርጫ ከም ዘደናገረ ኣብቲ ቪድዮ ዝሃቦ መልእኽቲ ግና ቅኑዕ ምዃኑ ኣብሪሁ።

ደገፍቲ ትራምፕ ከይተረፉ፡ እቲ ቪድዮ ዓሌታዊ ብምባል ካብቲ ገጽ ክእለ ጸዊዖም እዮም።

ተወካሊ ሪፓብሊካውያን ማይክ ላውር ካብ ኒውዮርክ፡ "ኣዝዩ ጌጋን እምብዛ ኣጸያፍን'ዩ፣ ብቕልጡፍ ይቕረታ ክሓትት ኣለዎ፡" ኢሉ።

እቲ ቪድዮ ካብ ገጽ ትራምፕ ምስ ተኣልየ'ውን እቲ ነቐፌታ ቀጺሉ እዩ።

ኣመሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ሲቢኤስ ከም ዝጸብጸቦ፡ ዓርኪ ትራምፕ፡ ወኪል ፍሎሪዳ ብራያን ዶናልድስ፡ እቲ ቪድዮ ምስ ተዘርግሐ፡ ናብ ዋይት ሃውስ ደዊሉ ቍጥዐኡ ገሊጹ።

ዋይት ሃውስ፡ "ሓላፍነቱ ክፍጽም ብዘይ ከኣለ ሰራሕተኛ" ከም ዝተፈጸመ ምላሽ ተዋሂቡ።

ቢቢሲ፡ ኣብ ገጽ ትራምፕ ዝልጠፍ ትሕዝቶ ንምፍታሽ እንታይ ዓይነት መስርሕ ምጽራይ ከም ዝጥቀሙ መብርሂ ንዋይት ሃውስ ሓቲቱ።

ጸሓፊት ፕረስ ዋይት ሃውስ ካሮሊን ሌቪት ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "እቲ ቪድዮ ንፕረዚደንት ትራምፕ ከም ንጉስ ዝገልጽ ኰይኑ፡ ንደሞክራስያውያን ኣብታ 'ንጉስ ኣንበሳ' እትብል ፊልም ምስ ዘለዉ ጠባያት ዘነጻጽር እዩ። ናይ ሓሶት ቍጥዐ ምጽብጻብ ኣቋርጹ፡ ንህዝቢ ኣመሪካ ኣብ ዘገድስ ነገራት ኣተኵሩ፡" ኢላ።

ፕረዚደንት ሃገራዊ ማሕበር ምዕባለ ጸለምቲ ሰባት ዴሪክ ጆንሰን፡ እቲ ቪድዮ ቅድሚ ምእላዩ፡ "ግሉጽ ዓሌታውን ምኽንያት ኣልቦን፡" ክብል ኮኒኑዎ።

ትራምፕ፡ ካብቲ ዛዕባ ኰይኑ ዘሎ ጉዳይ ጀፍሪ ኤፕስተይን ኣቓልቦ ንምጥምዛዝ ከም ዝገበሮ'ውን ይንቀፍ ኣሎ።

እቲ ብዛዕባ ኦባማን ብዓልቲ-ቤቱን ዝገልጽ ትሕዝቶ ኣብ መወዳእታ ናይቲ ቪድዮ ዝቐረበ ኰይኑ፡ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ 2020 ኣብ ሚቺጋን ብዛዕባ ዝተፈጸመ ምድንጋር ድምጺ'ውን ኣጠቓሊሉ ኣሎ። እቲ ክስታት ድማ ተነጺጉ እዩ።

ትራምፕ፡ ካብ ነዊሕ ዝጸንሐ ንኦባማ ናይ ምንቃፍን ምጥቃዕን ታሪኽ ኣለዎ።

ትራምፕ ቅድሚ ቀዳማይ እብረ ስልጣኑ፡ እቲ ኣብ ሃዋይ ዝተወልደ ኦባማ ኣብ ኬንያ ተወሊዱ እናበለ ቀጻሊ ይዛረብ ነይሩ። ድሒሩ ግን ኣብ ኣመሪካ ከም ዝተወልደ ተኣሚኑ እዩ።