እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጃፓናውያን ደቀንስትዮ ልዕሊ 100 ዓመት ዝጸንሓሉ ምስጢር
ኣብ ጃፓን ኣብዚ እዋን ልዕሊ 100 ዓመት ዝዕድመኦም ኣስታት 100 ሽሕ ሰባት ከምዘለዉ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
እዚ ከኣ ኣብ 55 ዓመታት ዝተመዝገበ ዝለዓለ ቍጽሪ ኰይኑ ተሰኒዱ ኣሎ።
ሚኒስተሪ ጥዕና ጃፓን ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጹ ኣብ ወርሒ መስከረም ልዕሊ 100 ዓመት ዘቍጸሩ 99 ሽሕን 763 ጃፓናውያን ከምዘለዉ ኣፍሊጡ።
ካብዚኦም እተን 88 ሚእታዊት ደቀንስትዮ ምዃነን'ውን እቲ ዝወጽአ መግለጺ ይሕብር።
ምኒስተር ጥዕና ጃፓን ታካማሮ ፋኩካ ነቶም ልዕሊ 100 ዓመት ዝግበሩ - 87,784 ደቀንስትዮን 11, 979 ደቂ ተባዕትዮን እንቋዕ ሓጎሰኩም ብምባል፡ "ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ምዕባለ ሕብረተሰብ ንዝገበርዎ ኣበርክቶ ምስጋናኡ" ገሊጹ።
ጃፓናውያን ዝነውሐ ማእከላይ ዕድመ ዘለዎም ዜጋታት ኰይኖም፡ እታ ኣብ ዓለም ዝበዝሑ ልዕሊ 100 ዓመት ዝዕድመኦም ዝርከቡላ ሃገር'ያ።
ብተወሳኺ ጃፓን፡ ሃገረ ኣረጋውያን ከምኡ ከኣ ዜጋታታ ጽቡቕ መግቢ እናበልዑ ውሑድ መጠን ወሊድ ዘለዎም ሃገር እናተባህለት'ያ ትግለጽ።
ኣብ ጃፓን እታ ብዕድመ ኣዝያ ዝዓበየት ሰብ ሺገኮ ካጋዋ እትብሃል ኰይና ዕድመአ 114 ዓመት'ዩ፤ ካብ ደቂ ተባዕትዮ ከኣ 111 ዓመት ኣቝጺሩ ዘሎ ኪየታኮ ሚዞኖ'ዩ።
ኣብ ጃፓን፡15 መስከረም መዓልቲ ኣረጋውያን ተባሂላ'ያ ትግለጽ፤ ብሃገር ደረጃ ከኣ በዓል'ዩ።
ኣብቲ መዓልቲ እቶም 100 ዓመት ዝመልኦም ሓደስቲ ኣረጋውያን ምስክር ወረቐትን ብሩራዊ ኩባያን ካብ ቀዳማይ ምኒስተር እታ ሃገር ይርከቡ።
ኣብዚ ዓመት ከኣ ሓደስቲ 100 ዓመት ዝመልኡ 52 ሽሕን 310 ሰባት ምስክር ወረቐትን ብሩራዊ ኩባይን ከምዝተወሃቦም ምኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ኣብ 1960ታት ምስ ካልኦት ኣባላት ጕጅለ ሸውዓት ብምንጽጻር፡ ጃፓን ዝወሓደ ልዕሊ ሓደ ዘመን ዝገበሩ ኣረጋውያን'ዮም ነይሮማ።
መንግስቲ እታ ሃገር ኣብ 1963 ዳህሳስ ምስ ኣካየደ፡ 153 ልዕሊ 100 ዓመት ዝገበሩ ጃፓውያን ከምዘለዉ ኣረጋጊጹ።
እቲ ቍጽሪ ኣብ 1981 ናብ 1000 ኣብ 1998 ከኣ ናብ 10 ሽሕ ክብ ኢሉ።
ዝለዓለ ማእከላይ ዕድመ ዘለወን ሃገራት ብሰንኪ ሕማም ልቢን ዝተፈላለየ ዓይነት መንሽሮን ዝወሓደ ሞት ዝተመዝገበለን ሃገራት'የን።
ጃፓን ዝወሓደ ምኽራስ ዘለዋ ሃገር'ያ፤ ምኽራስ ቀንዲ ምኽንያት ሕማም ልብን መንሽሮን ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ።
ዜጋታት ጃፓን ውሑድ ቀይሕ ስጋ ከምኡ ከኣ ልዑል መጥን ዓሳን ኣሕምልትን'ዮም ዝምገቡ።
እቲ ምኽራስ ከኣ ኣብ ደቀንስትዮ ኣዝዩ ትሑት'ዩ። እዚ ከኣ ነዊሕ ዕድመ ንኽህልወን ቀንዲ ረቋሒ ምዃኑ'ዩ ዝግለጽ።
እቲ ካልእ ምኽንያት ጃፓናውያን ብብርቱዕ ጐስጓስ ናብ ጥቓ ምውጋድ ሽኮርን ጨውን'ዮም በጺሖም ዘለዉ።
ብተወሳኺ ጃፓናውያን ሽማግለታት ምስ ኣብ ኣውሮጳን ኣመሪካን ዝርከቡ መዘናኦም ክነጻጸሩ እንከለዉ ዝነውሐ ጕዕዞ እግሪ የካይዱን ዝወሓደ መኪና ይዝውሩን።
ራድዮ ታይሶ ካብ 1928 ጀሚራ ኣብ ምህናጽ ህዝባዊ ጥዕና ጃፓናውያን ዓቢ ኣስተዋጽኦ እትገብር ዘላ መደበር ራድዮ'ያ።
እዛ ኣብ ተለቪዥን'ውን መዓልታዊ ኣብ ስሩዕ ሰዓት ንሰለስተ ደቃይቕ ብተመሓላልፎ መደብ'ያ ትልለ።
ኣብዛ መደብ ሰባት ብጥርኑፍ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንኽገብሩ'ያ ብዘይ ምብታኽ ጐስጓስ እተካይድ።
እንተዀነ ገለ ገለ ኣብ ቀጽሪ ልዕሊ ሓደ ዘመን ዘቝጸሩ ጃፓናውያን ቅርጣወ ከምዝጐድል ብዙሓት ይገልጹ።
ሓደ ዝተገበረ መንግስታዊ መጽናዕቲ፡ ኣብ 2010 ካብቶም ዕድመኦም ልዕሊ 100 ዓመት'ዩ ተባሂሎም ዝተገልጹ 230 ሽሕ ጃፓናውያን ካብኦም ሓያለ ኣቐዲሞም ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ዝሞቱ ከምዝዀኑ ብምግላጽ ኣብቲ ቍጽሪ ዘሎ ምጥርጣራት የዕብይዎ።
ገለ ገለ ጃፓናውያን'ውን ወለዶም ልዕሊ 100 ዓመት ከምዝገበሩ ምስክር ወረቐት ንኽረኽቡ ምስ ሞቱ ኣስክሬኖም ኣብ ገዛ ከምዝሓብእዎ ይንገር።
እቲ ሃገራዊ ዳህሳስ ምስ ተጀመረ፡ ኣብ ቶክዮ ዝሸምገለ ሰብኣይ እናተባሀለ ዝግለጽ ዘንበረ ወዲ 111 ዓመት ሶገን ካቶ፡ ምስ ሞተ ከይተነገረሉ ሬሳኡ ኣብ ገዛ ደቁ ድሕሪ 32 ዓመታት ምርካቡ ኣዘራራቢ ዛዕባ ነይሩ'ዩ።