እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ፡ ብሰንሰለትን መቑሕን ኣሲራ ትሰጎም ዘላ ስደተኛታት፡ ቁጥዐ ፈጢሩ
ጉርፕሪት ሲንግ ካብ ኣመሪካ ክወጽእ ከሎ ኣእዳዉ ብመቑሕ ተኣሲሩ፤ ኣእጋሩ ብሰንሰለት ተቐይዱ ኣብ ሽምጡ'ውን ሰንሰለት ተጠምጢምዎ ነይሩ።
ኣብ ከምዚ ኩነታት ኮይኑ ብፓትሮል ዶባት ኣመሪካ ተዓጂቡ ናብታ ትጽበዮ ዝነበረት ሲ-17 ዝዓይነታ ወተሃደራዊ ነፋሪት ተወሲዱ።
ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ጻንሒት ኣብ ኣመሪካ ናይ ምንባር ሕልሙ ከም ዘብቀዐ ተረድኦ።
ናብ መቦቀል-ሃገሩ ህንዲ እዩ ተጠሪዙ።
"ዝረገጽክዋ መሬት ትጠልመኒ ዘላ ኮይኑ ተሰሚዑኒ" ይብል ነቲ ሽዑ ዝተሰምዖ ስምዒት ብምዝካር።
ወዲ 39 ዓመት ጉርፕሪት፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዓዶም ስራሕ ስኢኖም፡ ነተን ዝዓቖርወን ገንዘብ ቋፂሮም ኣህጉራት ሰጊሮም፡ ናብ ኣመሪካ ካብ መንጎ ዝኣተዉ ኣሽሓት ህንዳውያን ሓደ እዩ።
ኣብ ኣመሪካ ኣስታት 725 ሽሕ ሰነዳት ዘይብሎም ህንዳውያን ስደተኛታት ከምዘለዉን እዚ ድማ ድሕሪ ሜክሲካውያንን ኤል ሳልቫዶራውያንን ሳልሳይ ዝዓበየ ጉጅለ ከምዝኾነ ኣብ ቀረባ እዋን ዝወጸአ ኣሃዛት ይሕብር።
ሕጂ ጉርፕሪት ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር ናብ ዓዶም ካብ ዝተላእኩ ፈላሞት ሰነዳት ዘይብሎም ህንዳውያን ኮይኑ'ሎ።
ጉርፕሪት ኣብ ህንዲ ይበጽሓኒ ንዝብሎ ምፍርራሕ መሰረት ብምግባር ናይ ዑቕባ ሕቶ ከቕርብ ሓሲቡ እኳ እንተነበረ፡ ነቲ ትራምፕ ዝሃቦ ፈጻሚ ትእዛዝ ስዒቡ ጉዳዩ ከይፈጸመ ከምዝተሰጎጐ ይዛረብ።
ኣብ ግዜ ፕረዚደንት ባይደን ኣስታት 3,700 ህንዳውያን ብቻርተርን ንግዳዊ በረራታትን ናብ ዓዶም ክምለሱ ተገይሩ ነይ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ግን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ትራምፕ ብሰንሰለት ዝተኣስሩ ስደተኛታት ዘርእይ ምስሊ ኣብ ህንዲ ቁጥዐ ፈጢሩ ኣሎ።
"ንልዕሊ 40 ሰዓታት ብሰንሰለትን መቑሕን ተኣሲርና። ደቂ ኣንስትዮ'ውን ብተመሳሳሊ መንገዲ ተኣሲረን ነይረን። ህጻናት ጥራይ እዮም ዘይተቐየዱ" ክብል ጉርፕሪት ንቢቢሲ-ህንዲ ተዛሪቡ።
"ደው ክንብል'ውን ኣይተፈቕደልናን ነይሩ። ሽቓቕ ክንጥቀም እንተደሊና ብሓይልታት ፀጥታ ኣመሪካ ንዕጀብ ነይርና። ሽቓቕ ክንጥቀም ከለና ሓንቲ ኢድና ጥራይ ካብ መቑሕ ትወጽእ" ይብል።
ነዚ ኩነታት ስዒቡ ተቓወምቲ ውድባት ህንዲ ኣብ ባይቶ ተቓውሞኦም ዘስምዑ ዀይኖም፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ህንዳውያን ስደተኛታት "ኢሰብኣውን ዘዋርድን ኣተሓሕዛ" ከምዝተፈጸመ ገሊጾም።
"ቀዳማይ ሚኒስተር ሞዲን ትራምፕን ጽቡቕ ምሕዝነት ከምዘለዎም ብዙሕ'ዩ ዝዝረብ። ንምንታይ ሞዲ ነዚ ፈቒዱ?" ክትብል ትሓትት ቁልፊ መራሒት ተቓወምቲ ፕርያንካ ጋንዲ ቫድራ።
ጉርፕሪት እውን "መንግስቲ ህንዲ ብዛዕባና ገለ ክብል ነይርዎ። ኣመሪካ ነቲ ምስጓግ በቲ ቅድሚ ሕጂ ዝግበር ዝነበረ ኣገባብ፡ ብዘይ መቑሕን ሰንሰለትን ክትፍጽሞ ከፍልጥ ነይርዎም" ኢሉ።
ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ህንዲ፡ መንግስቲ ነዚ ስክፍታታት ምስ ኣመሪካ ከምዝተዘራረበሉ ብምግላጽ ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ ዝቐጸለ በረራታት፡ ዝተሰጎጓ ደቂ ኣንስትዮ ብመቑሕን ሰንሰለትን ከምዘይተኣሰራ ኣፍሊጡ።
ኣብ ባይታ ግን እቲ ዘሻቕል ምስልታትን ዘረባታት ፕረዚደንት ትራምፕን እቲ ዝድለ ውጽኢት ዘምጽእ ዘሎ ይመስል።
"ድሕሪ ሕዚ ትራምፕ ኣብ ስልጣን እንከሎ በዚ ዘይሕጋዊ መንገዲ 'ኣድጊ' ናብ ኣሜሪካ ክኸይድ ዝፍትን ሰብ ኣይክህሉን" ይብል ጉርፕሪት።
ኣብዚ እዋን ብዙሓት ካብቶም ኣብ ህንዲ ዝርከቡ ኣሰጋገርቲ ሰባት፡ ፖሊስ ሃገሮም ኣብ ልዕሊኦም ንዘካየዶ ዘመተ ብምስጋእ ተሓቢኦም ኣለዉ።
"ኣነ ግን ነቶም ወኪላት ኣይወቅሶምን እየ" ዝብል ጉርፕሪት፡ ሰባት ብቁጠባ ሃገሮም ናብ ጸገማት ስለዝወደቑ ንዝሓሸ ህይወት በቶም ኣሰጋገርቲ ኣቢሎም ከምዝኸዱ ይዛረብ።
"ካብ ህንዲ ክንወጽእ ስለዝተገደድና ጥራይ ኢና ንኸይድ። ኣብ ወርሒ ዋላ 30 ሽሕ ሩፒስ (£270/$340) ዝኸፍለኒ ስራሕ እንተዝረክብ፡ ስድራይ መመሓደርኩ። ክወጽእ ፈጺመ ኣይምሓሰብኩን" ይብል ንበዓልቲ ቤቱ፡ ኣዲኡን ወዲ 18 ወርሒ ህጻንን ዘመሓድር ጉርፕሪት።
ንሱ፡ ቅድሚ ናብ ኣመሪካ ምእታዉ ናብ ካናዳን ዓባይ ብሪጣንያን ንምኻድ ቪዛ ክረክብ ፈቲኑ ሓሳብ ልቡ ክሰምረሉ ኣይከኣለን።
ብድሕሪኡ ዝዓቖረን ቁሩብ ገንዘብ ከምኡ'ውን መሬቱ ብምሻጥን ካብ ኣዝማዱ ገንዘብ ብምልቃሕን 45,000 ዶላር ንኣሰጋገርቲ ከፊሉ።
ብ28 ነሓሰ 2024 ከኣ ካብ ህንዲ ናብ ደቡብ ኣመሪካ ጓያና ብምብራር ናብ ኣመሪካ ከቢድ ጉዕዞ ጀሚሩ።
ካብ ጓያና ብብራዚል፣ ቦሊቭያ፣ ፔሩ፣ ኢኳዶርን ኮሎምብያን ኣቢሉ፡ መብዛሕትኡ ብኣውቶቡሳትን መካይንን፡ ብኸፊል ብጃልባ ንሓጺር እዋን ድማ ብነፋሪት ተጓዒዙ።
ካብ ሓደ ኣሰጋጋሪ ሰባት ናብ ካልእ ተመሓላሊፉ እናተወሃበ፤ ኣብ መንገዲ ብሰበስልጣን ተታሒዙ እናተኣሰረን እናተፈትሐን ቀጺሉ።
"ኣብ መገዲ ኣብ ዝነበርናሉ ኩሉ መዓልታት ዝናብ ይዘንብ ነይሩ። ክሳብ ዓጽምና ቁሪ ይስመዓና" ይብል።
ጉርፕሪት ከምዝበሎ፡ ብጥቓ ሳንዲያጎ ኣቢሎም ናብ ኣመሪካ ንምእታው ዝሓሸ ኩነታት ክሳብ ዝረኽቡ ኣብ መክሲኮ ዳርጋ ሓደ ወርሒ ክጽበዩ ተገዲዶም።
ጫካታትን ሩባታትን እናሰገረ ድማ ምስካልኦት ከምኡ ዝበሉ ስደተኛታት ብ15 ጥሪ ዶብ ኣመሪካ ሰጊሮም ክኣትዉ ክኢሎም።
ኣብ ሳንዲያጎ ምስ በጽሐ ንዶብ ፓትሮል ኣመሪካ ኢዱ ሂቡ፤ ድሕሪኡ ድማ ብኣኽበርቲ ኢሚግሬሽንን ጉምሩክን (ICE) ተኣሲሩ።
ኣብ እዋን ምምሕዳር ባይደን፡ ዘይሕጋውያን ወይ ሰነድ ዘይብሎም ስደተኛታት ኣብ ቅድሚ ሓደ ሓላፊ ኢሚግሬሽን ይቐርቡ ነይሮም። በዚ መገዲ ድማ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ናይ ዑቕባ ጉዳይ እንተሃልይዎ ንምፍላጥ መባእታዊ ቃለ መሕትት ይገብር።
መብዛሕትኦም ህንዳውያን ብሰንኪ ቁጠባዊ ጸገማት ክስደዱ እንከለዉ፡ ገሊኦም እውን ብሰንኪ ሃይማኖታዊ ወይ ማሕበራዊ ድሕረ ባይታኦም፡ ወይ ጾታዊ ዝንባለኦም ስደት መሪጾም ምውጽኦም ይዛረቡ።
ነቲ ዝግበረሎም ቃለ መሕትት እንተሓሊፎሞ፡ ካብ ዳኛ ኢሚግሬሽን ፍቓድ ዑቕባ ዘውሕሰሎም ውሳነ ክሳብ ዝወሃቦም ይፍትሑ። እቲ መስርሕ መብዛሕትኡ ግዜ ዓመታት ዝወስድ እኳ እንተኾነ ክሳብ ሽዑ ግን ኣብ ኣመሪካ ክጸንሑ ይፍቀደሎም።
ጉርፕሪት እውን ነዚ ዕድል እዩ ዝፅበ ነይሩ። ኣብቲ ዝፈልጦ ናይ ጽዕነት መካይን ስራሕ ክዋፈር መደብ ነይርዎ።
ግን ከኣ ናብ ኣመሪካ ሰለስተ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ ናብታ ሲ-17 ነፋሪት ተጻዒኑ ናብቲ ዝመጽኣሉ ናይ ምምላዕ ዕድል'ዩ ተጸብይዎ።