እስራኤል ኣብ መዓስከር ብዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣየር 70 ሰባት ከምዝሞቱ ተገሊጹ

ግዳያት መጥቃዕቲ ኣየር

ምንጪ ስእሊ, AP

እስራኤል ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣል-ማጋዚ ዝፈጸመቶ መጥቃዕቲ ኣየር ብውሕዱ 70 ሰባት ከም ዝቐተለ ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ከባቢ ዝነብሩ ብዝሒ ስድራቤታት ኣብ ግምት ብምእታው ድማ ቍጽሪ ዝሞቱ ክውስኽ ከምዝኽእል ወሃቢ ቃል እቲ ሚኒስትሪ ሓቢሩ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ነቲ ዝተበሃለ መጥቃዕቲ ዝምልከቱ ጸብጻባት ይምርምር ከምዘሎ ገሊጹ።

"ኣብ ውሽጢ ሲቪላዊ ከባቢታት ቓዛ ዝግበር ምንቅስቓስ ኣሸበርቲ ሓማስ ዘስዕቦ ብድሆታት እኳ እንተሃለወ፡ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር እስራኤል ግን ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ዝወረደ ጉድኣት ንምንካይ ተግባራዊ ስጕምትታት ምውሳድ ዝኣመሰሉ ንዓለምለኻዊ ሕጊ ተገዳስነት ኣለዎ" ኢሉ።

እታ ምስ ወሽመጥ ቓዛ እትዳወብ ግብጺ፡ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ተዅሲ ደው ንምባል ዘኽእል ሓድሽ እማመ ከምዘቕረበት ማዕከናት ዜና እስራኤልን ዓረብን ኣቃሊሐን ኣለዋ።

ኣብ ሓደ ዝተዘርግሐ ቪድዮ ዓሰርተታት ቍሱላት ካብ ማጋዚ ናብቲ ኣብ ጥቓኦም ዝርከብ ሆስፒታል ኣልኣቕሳ ክጓየዩ ከለዉ፣ ገለ ህጻናት ገጾም ብደም ተሸፊኑ ከምኡ’ውን ብፕላስቲክ ዝተዓሸገ ሬሳታት ይረኣዩ።

ሚኒስትሪ ጥዕና ቓዛ በቲ ትማሊ ሰንበት ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ሰለስተ ገዛውቲ ከምዝተሃስዩ ይገልጽ።

ወሃቢ ቃል እቲ ሚኒስትሪ ኣሽራፍ ኣል ቝድራ ከም ዝበሎ፡ ጽዑቕ ህዝቢ ዝነብረሉ መንበሪ ብሎክ ዓንዩ’ሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሓደ ኣቦ ጓሉን ደቂ ደቁን ከም ዝሰኣነ ብምግላጽ፡ ስድራኡ ንውሕስነት ካብ ሰሜን ናብ ማእከላይ ቓዛ ከም ዝሃደሙ ሓቢሩ።

ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ፍልስጤም "ጽዑቕ" መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ነቶም ኣብ መንጐ ማጋዚን ካልኦት ኣል-ቡሬጅን ኣል-ኑሰይራትን ዝተበሃሉ መዓስከራትን ዘለዉ ቀንዲ ጽርግያታት ክዕጸዉ ምኽንያት ከምዝዀነ ብምግላጽ፡ "ንስራሕ ኣምቡላንሳትን ጕጅለታት ህይወት ኣድሕንን ዕንቅፋት ኰይኑ" ኢሉ።

ጸብጻብ ሚኒስትሪ ጥዕና ከምዘመልክቶ፡ ካብቲ ሓማስን ካልኦት ጕጅለታት ፍልስጤምን ብ7 ጥቅምቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መጥቃዕቲ ብምፍጻም 1200 ሰባት ዝቐተሉን ካልኦት ኣስታት 240 ጅሆ ዝተሓዙን ጀሚሩ፡ መብዛሕትኦም ህጻናትን ደቂ ኣንስትዮን ዝርከብዎም ልዕሊ 20 ሽሕ ሰባት ክሞቱ ከለዉ 54 ሽሕ ድማ ቆሲሎም።

ኣቐዲሙ ብሰንበት ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንያሚን ነታንያሁ እቲ ኲናት ንሃገሩ "ኣዝዩ ከቢድ ዋጋ" የኽፍላ ከምዘሎ ኣፍሊጡ ነይሩ።

ወተሃደራዊ ሓይሊ እስራኤል፡ ካብ ዓርቢ ጀሚሩ ኣብ ቓዛ ልዕሊ ዓሰርተ ወተሃደራት ከምዝተቐተልዎ እዚ ድማ ድሕሪ 7 ጥቅምቲ ኣብ ዝተጀመረ ምድራዊ መጥቃዕቲ ናይ ዝሞቱ ወተሃደራት እታ ሃገር ድምር ናብ 154 ከምዝበጽሐ ገሊጹ።

ቀዳም ሓንቲ ካብተን ዝሓሰማ መዓልታታ እኳ እንተነበረት ነታንያሁ ግን ካብ ምውጋእ ሓሊፉ ካልእ "ኣማራጺ የለን" ኢሉ።

እቲ ብግብጺ ዝቐረበ ሓድሽ እማመ ተዅሲ ደው ምባል ኣብ ሰለስተ ክፋላት ዝፍጸም ኰይኑ፡

  • ቀዳማይ ምዕራፍ ናይቲ ተዅሲ ደው ምባል ካብ ሸውዓተ ክሳብ ዓሰርተ መዓልታት ዝጸንሕ ሰብኣዊ ደውታ ተዅሲ ክህሉ እዩ፤ ኣብዚ እዋን’ዚ ሓማስ ንዅሎም ሲቪላውያን ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ፈቲሑ ኣብ ክንድኦም ካብ እስራኤል ንገለ ፍልስጤማውያን እሱራት ክቕበል ትጽቢት ይግበር
  • ኣብቲ ንሰሙን ዝጸንሕ ካልኣይ ምዕራፍ፡ ሓማስ ንዅለን ደቂ ኣንስትዮ ወተሃደራት እስራኤል ፈቲሑ ኣብ ክንድኡ ተወሰኽቲ እሱራትን ይቕበል
  • ንሓደ ወርሒ ኣብ ዝጸንሕ ሳልሳይ ምዕራፍ፡ እቶም ዝተረፉ ጅሆ ዝተትሓዙ ሰባትን ብርክት ዝበሉ ፍልስጤማውያን እሱራትን ክፍትሑ ከምኡ’ውን እስራኤል ካብ ምድረበዳ ቓዛ ክትወጽእን ኵሉ ናይ ኣየር ንጥፈታት ደው ክብልን ትጽቢት ይግበር

ኣብቲ ኣብ ግብጺ ዝካየድ ዘይቀጥታዊ ዝርርብ ቐጠርን ኣመሪካን ክሳተፋ እየን።

ሓደ እስራኤላዊ ምንጪ ንጋዜጣ ማኣሪቭ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እዚ ተበግሶ ግብጺ ናብ ዘተ ከብጽሕ ከምዝኽእል ሓቢሩ’ሎ። ሓማስ ብወገኑ ነቲ ሓድሽ እማመ የጽንዕ ከምዘሎ ይገልጽ።