ሩስያ ንስሙይ ተቓዋሚ ፑቲን ኣሌክሲ ናቫልኒ ብመርዚ እንቁርዖብ ከምዝቐተለቶ ተገሊፁ

ኣሌክሲ ናቫልኒ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ንባብ: 3 ደቓይቕ

መራሒ ተቓዋሚ ውድብ ሩስያ ኣሌክሲ ናቫልኒ፡ ዳርት ካብ ዝተብሃለ መርዚ እንቁርዖብ (ጭንቁራዕ)-ዳርት ፍሮግ ብዝማዕበለ መርዚ ከም ዝተቐተለ፡ ዓባይ ብሪጣንያን መሻርኽታ ሃገራት ኣውሮጳን ገሊፀን።

ኣሌክሲ ናቫልኒ ኣብ ሳይቤርያ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ካብ ዝመውት ካልኣይ ዓመት ኣብ ዘቑፀረሉ እየን፡ ዓባይ ብሪጣንያን መሻርኽታ ሃገራት ኣውሮጳን ንክሬምሊን ከሲሰን ዘለዋ።

ሳይንቲስታት ካብ ሰብነት እቲ ስሙይ ነቓፊ ፑቲን ዝኾነ ናቫልኒ ዝወሰድዎ ኣናእሽተይ ቅምሶታት፡ ተመሪዙ ምቕታሉ ከም ዘመልክት ተገሊፁ።

ኣብ ሙኒኽ ይካየድ ኣብ ዘሎ ዋዕላ ድሕነት መራሕቲ ሃገራት ዓለም ፀሓፊት ጉዳያት ወፃኢ ዓባይ ብሪጣንያ የቬት ኮፐር፡ "ናቫልኒ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ እዚ መርዚ ተጠቒሙ ናይ ምምራዝ ዓቕሚ፣ ምኽንያትን ዕድልን ዝነበሮ መንግስቲ ሩስያ ጥራሕ እዩ" ኢላ።

ዓይነት እቲ ብምርመራ ኣብ ሰብነት ናቫልኒ ዝተረኸበ መርዚ 'ኤፒባቲዲን' (epibatidine) ካልእ ምኽንያት ክህልዎ ከም ዘይኽእል ገሊፃ።

ሞስኮ "ፕሮፖጋንዳ" ብምባል ነዚ ውፅኢት ምርመራ ከም ዝነፀገቶ ሩስያዊ ማዕኸን ዜና ታስ ፀብፂቡ።

ወሃቢት ቃል ክሬምሊን ማሪያ ዛክሃሮቫ፡ "ምዕራባውያን ካብ ዘለወን ፀገማት ትኹረት ንምቕያር ዝኸፈትኦ ፕሮፖጋንዳ እዩ" ኢላ።

ዓባይ ብሪጣያ፣ ስዊድን፣ ፈረንሳይ፣ ጀርመንን ኔዘርላንድስን ብሓባር መግለፂ ዝሃባ እንትኾና፡ በዓልቲ እንዳ ኣሌክሲ ናቫንሊ ዝኾነት ዩሊያ ናቫልኒያ'ውን ኣብቲ ዋዕላ ተረኺባ እያ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፀሓፊት ጉዳያት ወፃኢ ዓባይ ብሪጣኒያ የቬት ኮፐር፡ "ናቫልኒ ንሩሲያ የስግኣ ነይሩ። ዝተጠቐምዎ መርዚ ክንደየናይ ሕሱም ስጉምቲ ናይ ምውሳድ ዓቕሚ ከም ዘለዎምን ንተቓወምቲ ፖለቲከኛታት ክንደየናይ ከም ዝፈርሑ ዘርእይ'ዩ" ኢላ።

እዘን ምዕራባውያን ሃገራት ብሓባር ኣብ ዘውፅእኦ መግለፂ፡ "እቲ ሓደገኛ መርዚ ንምጥቃም ድሌትን ዕድልን ዘለዎ መንግስቲ ሩስያ'ዩ" ብምባል ከሲሰን።

መርዚ 'ኤፒባቲዲን' (epibatidine) ኣብ ደቡብ ኣመሪካ ኣብ ዝርከባ ዓሌታት ጭንቁራዕ (እንቁርዖብ) እዩ ዝርከብ።

ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሩስያ ንውዕል ኬሚካላዊ ኣፅዋር (መርዛም ኬሚካላት) ንዘይምጥቃም ንዝተቐመጠ ዓለምለኻዊ ውዕል ከም ዝጠሓሰቶ ድማ ከሲሳ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ዓባይ ብሪጣንያ ሰር ከር ስታርመር፡ ንኣሌክሲ ናቫልኒ "ጅግና" ብምባል ዝነኣዶ እንትኾን፡ "ሓቂ ንምዝራብ ብዘለዎ ቆራፅነት ኩሉ ግዘ ክዝከር'ዩ" ኢሉ።

ስታርመር ወሲኹ፡ "ህዝብናን ክብርታትናን ካብ ሩስያን ካብ ናይ ፑቲን ናይ ቅትለት ወፍሪን ንምድሓን ዝኸኣልክዎ ክገብር'የ" ኢሉ።

ቀንዲ ተቓዋሚ መንግስቲ ሩስያ ዝነበረ ኣሌክሲ ናቫልኒ፡ ብፍላይ ብምንቅስቓስ ፀረ ብልሽውና ይፍለጥ። ኣብ 2024 ኣብ ቤትማእሰርቲ ሞይቱ እንትርከብ ወዲ 47 ዓመት'ዩ ነይሩ።

ኣብ 2020 ንመትኒታት ብዘጥቅዕ 'ኖቪቾክ' ተመሪዙ ኣብ ጀርመን ሕክምና ተገይርሉ። ካብ ጀርመን ናብ ሩስያ ኣብ ዝምለሰሉ ድማ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ተኣሲሩ።

እቲ ኣብ ሰብነት ናቫልኒ ከም ዝተረኸበ ዝተገለፀ መርዚ ጭንቁራዕ፡ ንመዐገሲ ሕማም ብዝብል ምርምራ ዋላ'ኳ እንተተገበረሉ መጠን መርዛምነቱ ልዑል ኰይኑ ተረኺቡ።

በዓልቲሞያ ቶክሲኮሎጂ ጂል ጆንሰን፡ መርዚ ኤፒባቲድን ምስ ሞርፊን እንትነፃፀር 200 ዕፅፊ ሓደገኛ ከም ዝኾነ ንቢቢሲ ሓቢራ።

እቲ መርዚ ኣብ ማእኸላይ ስርዓት መትኒ ጉድኣት ዘብፅሕ እንትኾን፡ ምሽምቓቕ ጭዋዳን ምልማስን፣ ምንቅጥቓጥ ሰብነት፣ ምዝሕታል ውቅዒት ልቢን ከምኡ'ውን ስርዓት ምትንፋስ ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ብምግባር ከም ዝቐትል ትገልፅ።

እቲ መርዚ ብቐሊሉ ከም ዘይርከብ'ያ እታ በዓልቲሞያ ተረድእ። ኤፒባቲድን ኣብ በረኻ ኣብ ዝነብራ ዕቅርቢታት ኣዝዩ ውሱን ብዝኾነ መጠን ጥራሕ'ዩ ዝርከብ።

ተመራመርቲ፡ እዘን ዓይነት መርዚ ዘለወን ጭንቁራዕ ኣብ ሕዙእ ከባቢ እንተዝነብራ፡ ነዚ መርዚ ከፍርያ ከም ዘይኽእላ ዘረጋገፁ እንትኾኑ፡ ምንጪ እቲ መርዚ ኣብቲ ዝነብራሉ ከባቢ ዝረኽብኦ ምግቢ ክኸውን ከም ዝኽእል'ዮም ዝኣምኑ።

በዓልቲሞያ ቶክሲኮሎጂ ጂል ጆንሰን፡ ነዘን ዕንቅርቢታት ሒዝኻ መርዚ ዘለወን ንምፍላይ ኣዝዩ ከቢድ ከም ዝኾነ ኣረዲኣ።

ዓባይ ብሪጣንያን መሻርኽታ ሃገራት ኣውሮጳን፡ ውፅኢት ምርመርአን ወግዓዊ ቅድሚ ምግባረን፡ በዓልቲ እንዳ ኣሌክሲ ዝኾነት ዩሊያ፡ ናቫልኒ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ተመሪዙ ከም ዝተቐተለ ብተደጋጋሚ ክትዛረብ ፀኒሓ እያ።

ቅድሚ ሕዚ ካብ ሬሳ ናቫልኒ ዝተወሰዱ ቅምሶታት ከም ዝተቐተለ ከም ዘመልክቱ ሓቢራ።

"ካብ መጀመርታ መዓልቲ ኣትሒዘ በዓል እንዳይ ተመሪዙ ከም ዝተቐተለ ርግፀና'የ ነይረ። ሕዘ ድማ መረዳእታ ተረኺቡ" ኢላ።

ኣሌክሲ ንሰለስተ ዓመታት ድሕሪ ምእሳሩ'ዩ ሞይቱ ተረኺቡ። ቤትማእሰርቲ ሩስያ፡ ኣሌክሲ ሕማም ተሰሚዕዎ ከም ዝነበረን ቀልቡ ምስ ሰሓተ ከም ዘይነቕሐን'ዩ ኣፍሊጡ።