እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ምዕራብ ወለጋ ብውሕዱ 200 ሰባት ብዕጡቓት ተቐቲሎም
ኣብ ምዕራብ ኦሮምያ ኣብ ዝርከባ ቁሸታት፡ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ብዙሓት ሰባት ከም ዝተቐተሉ፡ ካብቲ መጥቃዕቲ ብሰላም ዝወጽኡ ሰባት ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ምዕራብ ወለጋ ዞባ ጊምቢ ወረዳ ቆሌ፡ ተወለድቲ ብሄር ኣምሓራ ኣብ ዝነብርወን ቁሸታት፡ እቶም ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ኣማኢት ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ኣሽሓት ካብቲ ቦታ ከምዝተፈናቐሉ እቶም ነበርቲ ገሊጾም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ብዘይሕጋውያንን ዘይስሩዓት ዕጡቓት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዝወርድ ዘሎ መጥቃዕቲ ኣይክንዕገሶን ኢና ኢሉ።
እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዋላ'ኳ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝርዝራዊ ሓበሬታ እንተዘይሃበ፡ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ቤንሻንጉልን ኦሮምያን ዝተፈጸመ መጥቃዕትታት ቀንዲ ዕላማኡ ንነበርቲ ንምሽባር’ዩ ኢሉ።
ኣሶሺየስት ፕረስ ንናይ ዓይኒ መሰኻኽር ብምጥቃስ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ መብዛሕትኦም ተወለድቲ ብሄረ ኣምሓራ ዝርከብዎም ልዕሊ 200 ሰባት ከምዝተቐተሉ ገሊጹ።
ነበርቲ 'ቲ ከባብን መንግሰትን፡ እቶም መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ፡ እቶም ብመንግስቲ ጕጅለ ግብረሽበራ ተባሂሎም ዝተሰምዩ፡ ሸኔ ተባሂሎም ዝፍለጡ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ’ዮም ክብሉ እንከለዉ፡ ሸኔ ብወገኑ እቲ መጥቃዕቲ ብሓይልታት መንግስቲ ከምዝተፈጸመ’ዩ ዝኸስስ።
ኣብ ኣሜሪካ፡ ዳይረክተር ተጣባቒ ማሕበር ብሄረ ኣምሓራ ዝዀነ ኣቶ ሆነ ማንደፍሮ፡ እቲ መጥቃዕቲ ንተወለድቲ ብሄረ ኣምሓራ ዕላማ ዝገበረን፣ በቲ መጥቃዕቲ ደቂ ኣንስትዮን ህጻናትን ዝርከብዎም ኣማኢት ሰባት ከም ዝተቐተሉን ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣቶ ሆነ፡ እቲ መጥቃዕቲ በቶም ንነብሶም ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኢሎም ዝገልጹን፡ መንግስቲ ሸኔ ኢሉ ዝገልጾምን ከምዝተፈጸመ ብምግላጽ፡ ካብቶም ነበርቲ ረኺብናዮ ብዝበሎ ሓበሬታ “እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ተወለድቲ ኣምሓራ ዝነብሩለን ሓሙሽተ ቁሸታት ዒላማ ብምግባር ነቲ ቅትለት ፈጺምዎ፡” ኢሉ።
ድሕሪ እቲ መጥቃዕቲ፡ ሰራዊት ፌዴራል ኣብቲ ከባቢ ተዋፊሩ ምህላዉ እቶም ነበርቲ ንቢቢሲ ሓቢሮም።
እቶም ነበርቲ፡ ኣስክሬን ናይቶም ዝተቐተሉ ሰባት ይእከብ ከምዘሎን፡ ዝበዝሕ ድማ ትማሊ ሰንበት ኣብ ሓደ ጋህሲ ከም ዝተቐበረን ገሊጾም።
ክልል ኦሮምያን ኢሰመኮን
ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ምዕራብ ወለጋ ዞባ ጊምቢ ወረዳ ቆሌ፡ እቶም መንግስቲ ሸኔ ኢሉ ዝጽውዖም ዕጡቓት፡ ብዙሓት ሰለማውያን ሰባት ከምዝቐተሉ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን ክልል ኦሮምያን በብወገኖም ገሊጾም።
ኣብ ዝተፈላላየ ከባቢታት ምዕራብ ኦሮምያ ከምዝንቀሳቐሱ ዝንግረሎም ዕጡቓት፡ ቀዳም 18 ሰነ 2022 [11 ሰነ 2014 ግእዝ] ኣብ ልዕሊ ነበርቲ እቲ ከባቢ፡ ሰለማውያን ሰባት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ህይወት ሰለማውያን ሰባት ሓሊፉ፡ ኣብ ልዕሊ ንብረት ጉድኣት ከም ዝበጽሐን ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ገሊጹ።
መንግስቲ ክልል ኦሮምያ ብወገኑ፡ ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ምዕራብ ወለጋ ዞባ ጊምቢ ወረዳ ቆሌ፡ በቶም መንግስቲ ግብረሽበራውያን ኢሉ ዝገለጾም ዕጡቃት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ኣረጋጊጹ።
በቲ መጥቃዕቲ ህይወት ሰለማውያን ሰባት ከም ዝሓለፈን ንብረትን ከም ዝዓነወን እቲ ክልል ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣመልኪቱ።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን መንግስቲ ክልል ኦሮምያን፡ ነቲ መጥቃዕቲ ኣመልኪቶም ኣብ ዘውጽእዎ መግለጺ፡ በቲ መጥቃዕቲ ዕላማ ብዛዕባ ዝዀኑ ሰባት ዝሃብዎ ሓበሬታ የለን።
ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያን መንግስቲ ክልል ኦሮምያን ኣብ ክልል ኦሮምያ፡ ምዕራብ ወለጋ ዞባ ጊምቢ ወረዳ ቆሌ፡ ዝርዝር ከይሃቡ ተፈጺሙ ዝበልዎ መጥቃዕቲ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ተሓተትቲ ምዃኖም ሓቢሮም ኣለዉ።
ቤት ጽሕፈት ኮምኒኬሽን ክልል ኦሮምያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ነቲ ቅትለት “ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዝተፈጸመ ጭካነ ዝመልኦ ተግባር” ብምባል ገሊጽዎ።
መንግስቲ ክልል ኦሮምያ፡ እቲ ዕጡቕ ጕጅለ ብሓይልታት እቲ ክልልን ፌዴራልን ብዝውሰደሉ ዘሎ ስጕምቲ፡ “ነቲ መጥቃዕቲ ክጻወሮ ስለዘይክኣለ፡ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ጭካነ ዝመልኦ መጥቃዕቲ ፈጺሙ” ኢሉ።