እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣምለኽቲ ሰይጣን ' ጓለይ ወሲዶምለይ'
መጠንቀቕታ፡ እዚ ጽሑፍ ከጨንቕ ዝኽእል ትሕዝቶ ኣለዎ።
ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝዝርጋሕ ዝተፈላለየ ትሕዝቶታት፡ ከከም ኣጠቓቕማና - ወይ ንምዕባለን ዕብየትን ወይ ንጥፍኣትን ዕንወትን - ክወስድ ከም ዝኽእል ብዙሕ ዘከራኽር ኣይኰነን።
ኣዅላት ሰባት፡ ትምህርቶም ይዅን ተመኵሮ ህይወቶም ብምጥቃም ነቲ ኣብ ኢንተርነት ጐፍ ዝብሎም ክመምዩን ብኸመይ ይጥቀምሉን ክውስኑ ኣኻእሎ ኣለዎም።
እቲ ኣመና ዘሰክፍ ግን፡ እቲ ኣብቶም ኣብ ርሱን ስምዒታዊ ዕድመ ዝርከቡ ቈልዑን መንእሰያትን ዝርአ ዘሎ ሓደገኛ ሳዕቤናት እዩ።
ጓል 14 ዓመት ጐርዞ፡ ምስ መዛኑኣ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ክተዕልል እንከላ ኣደኣ ብዙሕ ኣይተስተብህለላን ነይራ፤ ኣይተገደሰትላን እውን። ድሕሪ ገለ ሰሙናት ግን ባህሪኣ ተለዊጡ።
ኣደኣ ክርስቲና ኣብ ከቢድ ጭንቀት ኣተወት። ጓላ፡ '764' ናብ ዝተባህለ የማናዊ ክንፊ ጕጅለ ኣምለኽቲ ሰይጣን ከም እተጸንበረት ደሓር እያ ፈሊጣ።
እቲ ጕጅለ፡ መንእሰያት ደቀንስትዮ ከሳቕዩ ዝደልዩ መንሰያትን ኣባጽሕን ኣወዳት ብኣባልነት ዝሓቘፈ እዩ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ምስቲ ጕጅለ ርክብ ኣለዎም ብዝብል ኣርባዕተ መንእሰያት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።
ካሜሩን ፊነጋን ዝተባህለ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ምዕራብ ሳሴክስ ዝነብር መንእሰይ ማእሰርቲ ሽዱሽተ ዓመት ተፈሪዱ።
ጓል ክርስቲና፡ እቶም ንነብሶም ክጐድኡ ዝደልዩ ሰባት ብኢንተርነት ክዕልሉ እንከለዉ ተጸንቢራቶም።
ብድሕሪኡ ኣብ ጕጅለ 764 ተመልሚላ።
ኣባላት እቲ ጕጅለ ጾታዊ/ወሲባዊ ተግባራት ክፍጽሙ፣ ንነብሶም ክጐድኡ ወይ ነብሰ ቅትለት ክፍትኑ ይግደዱ። እዚ ዅሉ እናተፈጸመ ድማ እቶም ካልኦት ኣባላት እቲ ጕጅለ ብቐጥታ ብቪድዮ ይዕዘብዎ።
እታ ኣደ ከም እትብሎ፡ ሓደ ኣባል እታ ጕጅለ ንጓላ ሓባቢሉ ብምስዳዕ ናብቲ ጕጅለ ክትጽንበር ኣእሚኑዋ።
"ኣደይ ብደረጃ ኣርባዕተ መንሽሮ ክትሳቐ ርእየያ እየ። ጓለይ ኣባል እዚ ጕጅለ ኰይና ካብ ምርኣይ ንላዕሊ ግን ዝሃሰየኒ ነገር የለን" ትብል።
"ብሕማም መንሽሮ እናተሳቐየ ካብ ዝመውት ሰብ ብዝኸፍአ ጓለይ ትሳቐ ነይራ።" ክትብል'ውን ወሲኻ።
እዚ ኰይኑ ግን፡ ንጓላ ካብቲ 764 ዝተባህለ ጕጅለ ኣምለኽቲ ሰይጣን ከተውጽኣ ቀሊል ኣይነበረን።
እታ ኣደ ንጓላ፡ ነቶም ጕጅለ ፍጹም ክትዓጹ፡ ወይ 'ብሎክ' ክትገብር ካብቲ ዝርርብ ሰይጣናውያን ክትብተኽ ካብ ምቅላስ ዓዲ ኣይወዓለት፤ ንጓላ ንምእማን ቀሊል ኣይነበረን።
ሓፈሻዊ ህይወታ ምሉእ ብምሉእ ምስቲ ጕጅለ ስለዘተኣሳሰረቶ፡ "ንሳቶም ኣብ ህይወታ እንተዘይሃልዮም ሰብ ከምዘይኰነት፣ ብዘይብኦም ዋላ ሓንቲ ከምዘይብላ ኰይኑ ክሳብ ዝስምዓ እዮም ገይሮምዋ ነይሮም፡" ትብል።
ድሕሪ ብዙሕ ጻዕርን ቃልስን ግን ኣብ መወዳእታ ንጓላ ካብዚ ሓደገኛ ጕጅለ ክትገላግላ ክኢላ።
ክርስቲናን ጓላን ሕጂ ናብቲ ናይ ቀደም ህይወተን ክምለሳ ይጽዕራ ኣለዋ። ቀስ ብቐስ ህይወተን ዳግማይ ኣብ ምህናጽ ይርከባ።
"ጓለይ ምብላዕን ምድቃስን ኣቋሪጻ፤ ከም ኣደ መጠን በይነይ ዝዀንኩ፣ ረዳኢ ዘይብላን ተስፋ ዝሰኣነትን ሰብ ዝዀንኩ ኰይኑ ተሰሚዑኒ" ትብል ዝሓለፈቶ ናይ ጭንቂ እዋናት እናዘከረት።
ሃገራዊ ትካል ገበን ዓባይ ብሪጣንያ፡ ከም '764' ዝኣመሰሉ ጕጅለታት "ኣዝዮም ሓደገኛታት ጕጅለታት ኦንላይን" ክብል ይገልጾም።
ሮብ ሪቻርድሰን ዝተባህለ መርማሪ ጾታዊ ዓመጽ ህጻናት ብኢንተርነት፡ "እዞም ጕጅለታት ንመንእሰያት ይሃድኑ። ዝፍጽምዎ ገበናት ዝግባኦ ትዅረትን መርመራን ኣይተገብረሉን፡" ይብል።
"ምስ ግዳያት ምዝርራብ ቀሊል ኣይኰነን፤ እቲ ዝኸበደ ግዳያት ምዃኖም እውን ዘይኣምኑ ምዃኖም እዩ። ብፍላይ ኣዋልድ ዝያዳ ተቓላዕቲ እየን" ክብል የረድእ።
ኣብዚ ዘመነ ኢንተርነትን ማሕበራዊ መራኸቢታትን፡ ወለዲ ደቆም ብኢንተርነት እንታይ ይገብሩ ከምዘለዉን ምስ መን ይራኸቡ ከምዘለዉን ክከታተሉ ከም ዝግባእ እቲ መርማሪ ይመክር።
ደቆም ብኢንተርነት ዝገብርዎ ነገራት ዝድርትሉን ዝቈጻጸሩሉን መንገድታት ኣሎ።
ሞሊ ራስል ዝተባህለት ጐርዞ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዘሰክፍ ትሕዝቶ ድሕሪ ምርኣያ ነብሳ ቀቲላ። መስራቲ ናይቲ ብስም ሞሊ ዝተመስረተ ሞሊ ሮስ ፋውንዴሽን ኣንዲ ቤሮው፡ ምስፍሕፋሕ እዚ 764 ዝበሃል ጕጅለ ከቢድ ስክፍታ ከም ዝፈጠረሉ ይገልጽ።
እቲ ጕጅለ "ብዘሰክፍ ናህሪ ይዓቢ ኣሎ፤ ቈልዑ ኣብ ዝጥቀሙሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት እዩ ዝያዳ ዝነጥፍ።" ይብል።
ኣብ መንእሰያት ንዝፍጸሙ ነብሰ ቅትለትን ነብሰ ምጕዳእን ተሓተትቲ ብቐንዱ እዞም ጕጅለታት ምዃኖም ይዛረብ።
ጕጅለ 764 ኣብ ኤውሮጳ ኣብ 2020 እዩ ጀሚሩ። ኣመሪካዊ ብራድሊ ካደንሄድ ወዲ 15 ዓመት እንከሎ እዩ ኣብዚ ጕጅለ ጀሚሩ።
እቲ ሰይጣናዊ ጕጅለ ከም መለለዪኡ ንኣድራሻ ፖስታ ቴክሳስ ከምዝተጠቐመ ይእመን።
ፖሊስ ከም ዝብሎ፡ መቐጸልታ ናይቲ ብደረጃ ዓለም ዝንቀሳቐስ የማናዊ ጕጅለ እዩ፤ "ኣጽዋር ምጥቃም የተባብዕ" ድማ ይብል - ፖሊስ።
ካሜሮን ፊነጋን ወዲ 18 ዓመት እንከሎ እዩ ናብቲ ጕጅለ ዝተጸንበረ። ብፖሊስ ድሕሪ ምእሳሩ፡ እቲ ጕጅለ "ጸለምቲን ሕማም ኣእምሮ ዘለዎም ሰባትን ይምዝምዝ" ክብል ኣቃሊዑ።
ነብሰ ቅትለት ብምትብባዕ፣ ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ከገልግል ዝኽእል ጽሑፋት ብምዝርጋሕን ዕርቃኖም ዝወጹ ኣሳእል ህጻናት ብምልጣፍን ገበን ከም ዝፈጸመ ተኣሚኑ።
በቲ ዝፈጸሞ ተግባራት ገበነኛ ምዃኑ ምስተረጋገጸ ንማእሰርቲ ተፈሪዱ፤ ዓቃቢ ሕጊ ድማ "ንሕብረተሰብ ዓቢ ሓደጋ" ክብል ገሊጽዎ።
ትካል ጸረ-ግብረሽበራ ዓባይ ብሪጣንያ፡ እቲ ጕጅለ "ልዑል ሓደጋ ዘለዎ" ክብል ገሊጽዎ።
ካብ 2009 ኣትሒዙ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ዝርከባ ከተማታት ሽበራዊ ምንቅስቓሳት ከምዘካይድ ይፍለጥ።
ሓላፊ ኣሃዱ ጸረ-ሽበራ ቀንዲ መርማሪ ኢንስፔክተር ክሌር ፊንሊ፡ "ማእሰርቲ ካሜሮን ፊነጋን ነዞም ጕጅለታት ዝያዳ ክንርእዮምን ክንከታተሎምን ኣፍደገ ከፊቱልና'ዩ" ኢላ።
ወለዲ ደቆም ዘጋጥሞም ሓደጋታት ንኽፈልጡ ምግባር ሓደ ክፋል ናይቲ ጻዕሪታትን ድርኺትን እዩ።
"መንእሰያት እውን ኣብ ምንታይ ይኣትዉ ከምዘለዉ ምፍላጥ ኣካል ስራሕና'ዩ" ትብል።
ዝሓለፈ ዓመት ትካል መርመራ ገበን ኣመሪካ - ኤፍ.ቢ.ኣይ፡ ጕጅለ 764 ኣብ ልዕሊ ግዳያቱ ዝተፈላለየ ገበናት ይፍጽም ከምዘሎ መጠንቀቕታ ዘርጊሑ ነይሩ።
እቲ ጕጅለ "ሰባት ንነብሶም እናጐድኡ ወይ ነብሶም እናቐተሉ ወይ ፈተነ ቅትለት እናካየዱ ወይ ጾታዊ ርክብ እናፈጸሙ ብቐጥታ ንኽርኣዩ ምፍርራሕን ምትላልን ከም ሜላ ይጥቀም" ይብል።
ኤፍ.ቢ.ኣይ ምስቲ ጕጅለ ርክብ ኣለዎም ዝበሎም 250 ሰባት ይምርምር ኣሎ።
ምስቲ ጕጅለ ብዝተኣሳሰር ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ዝኣተዉ ጥርጡራት፡ ኣብ ሸሞንተ ሃገራት ብግህሰት ህጻናት፡ ምጭዋይን ቅትለትን ተኸሲሶም ኣለዉ።
ንጉዳይ ካሜሩን ዝምርምር ፖሊስ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "መንእሰያት በቲ ጕጅለ ጽዩፍ ገበናት ክፍጽሙ ይግደዱ" ክብል ሓቢሩ።
"ሰባት ንምፍርራሕ ብምትላል ወይ ናይ ሓሶት ቦምባ ክፍንጀር እዩ ዝብል ታህዲዳት ይጥቀሙ፤ ንመዘናግዒ ናብ ጕጅለ 764 ዝጽንበሩ ሰባት ድማ ኣብ መወዳእታ ንባዕሎም ኣኽረርቲ ኰይኖም ኣለዉ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።