እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኣፍሪቃ ንዝገደፍዎ ወለዱ ዝኸሰሰ ቈልዓ ቤት ፍርዲ እንታይ ወሲንሉ?
ወዲ 14 ዓመት ቈልዓ፡ ካብ ለንደን ናብ ጋና ወሲዶም ኣብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ኣብ ልዕሊ ዝገደፍዎ ወለዱ ክሲ መስሪቱ ጸኒሑ።
ወለዱ ንዝሓመመ ዘመድ ክንበጽሕ ብዝብል ናብ ኣፍሪቃ ክኸይድ ከም ዘታለልዎ'ዩ ንቤት ፍርዲ ገሊጹ።
ወለዲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ኣብ ምዕራባውያን ሃገራት ዝዓበዩ ደቈም ኣብ መበቈል ዓዶም ከምዝጸንሑ ይገብሩ እዮም፤ ንዝተወሰነ ግዜ ክኸውን ይኽእል ወይ'ውን ንሓዋሩ።
ኤርትራውያንን ኢትዮጵያውያንን ወለዲ'ውን ብተመሳሳሊ ስክፍታ ውሉዳቶም ናብ ዓዶም ዝመልሱ ከምዘለዉ ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።
ምስ መበቈል መንነቶምን ባህሊ ሕብረተሰቦምን ንምፍላጥን ዝያዳ ንምትኣስሳርን ሓላፍነታውያን ንክዀኑ ዝደረኾ ባህጊ ወለዲ ምዃኑ ድማ ብዙሕ ግዜ ይዝረብ እዩ።
እዚ ጋናዊ ዝመበቈሉ ቈልዓ፡ ናብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ከም ዝለኣኽ ኣቐዲሙ እንተዝፈልጥ "ዝሰማማዓሉ መንገዲ ኣይምሃለወን" ኢሉ።
ወለዱ ብወገኖም እቲ ቈልዓ ገበናዊ ንጥፈታት "ይጀማምሮ" ምህላዉ ስክፍታ ከምዝሓደሮም ኣብ ለንደን ንዝርከብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ቃሎም ኣስሚዖም።
እቲ ወዲ 14 ዓመት ቈልዓ፡ ንቤት ፍርዲ ብጽሑፍ ኣብ ዘቕረቦ ክሲ፡ "ኣብ ሲኦል ዝነብር ዘለኹ ኰይኑ'ዩ ዝስምዓኒ። እዚ ዝግብኣኒ ኣይመስለንን፤ ኣብ ዝሓጸረ ግዜ ድማ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክምለስ እደሊ" ኢሉ።
ዳኛ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጀስቲስ ሃይደን ኣብ ዝሃቦ ውሳነ፡ "እዚ ብብዙሕ መዳይ፡ ንኽልቲኡ ዘተሓሳስብን ምናልባት ዘሕዝንን መደምደምታ ክኸውን ከምዝኽእል" ገሊጹ።
እቶም ወለዲ፡ ወዶም ናብ ጋና ክግዕዝ ዘለዎም ድሌት "ካብ ዓሚቕን ርኡይን ፍቕሮም ዝነቐለ" ምዃኑ ከምዝኣምን'ውን እቲ ዳኛ ሓቢሩ።
ናብ እንግሊዝ እንተተመሊሱ ዝበኣሰ ጉድኣት ክጽበዮ ከምዝኽእል'ዩ ከኣ ወሲኹ ገሊጹ።
ኣቦ እቲ ወዲ፡ ወዶም "ኣብ ጐደናታት ለንደን ብኻራ ዝቕተል ተወሳኺ ጸሊም መንእሰይ" ክኸውን ከምዘይደልዩ ንዳኛ ኣረዲኡ።
እቲ ካብ ዝውለድ ጀሚሩ ኣብ እንግሊዝ ዝነብር ዝነበረ ቈልዓ ግን ኣብቲ ኣብ ጋና ዝርከብ ቤት ትምህርቲ "ምድሃል" ከምዝበጽሖን "ፈጺሙ ክረጋጋእ ከምዘይከኣለን" ንቤት ፍርዲ ኣረዲኡ።
"ኣነ ካብ ለንደን - እንግሊዝ እየ፣ ናብ ዓደይ ክምለስ ድማ እደሊ" ክብል ጽሒፉ።
ኣብቲ ቤት ትምህርቲ "ሕማቕ ኣተሓሕዛ" ከምዝበጽሖ ብምግላጽ፡ "ናብቲ ናይ ቀደም ቤት ትምህርተይ ክምለስ እምሕጸን ኣለኹ" ኢሉ።
ኣደኡ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ናብ ኣፍሪቃ ምልኣኹ "መቕጻዕቲ ዘይኮነስ ንዕኡ ንምክልኻል ዝተወስደ ስጕምቲ'ዩ" ክትብል ኣረዲኣ።
ብዛዕባ ቅትለት ናይቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ኣብ ኣውቶቡስ ብኻራ ዝተቐትለ ወዲ 14 ዓመት ኬልያን ቦካሳ ብምጥቃስ፡ እዚ ድማ "ናይ ኵሉ ወላዲ ዝኸፍአ ሕልሚ ቀትሪ" ምንባሩ ተዛሪባ።
ወዳ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብህይወት ክነብር'ዩ ኢላ ከምዘይትኣምንን ኣካል "ጥፍኣት" ወዳ ክትከውን ከምዘይትደልን ገሊጻ።
እቲ ቈልዓ ኣብ እንግሊዝ ከሎ ምስ ጕጅለ ገበነኛታት ይሳተፍ ድዩ ዝብል ንምፍላጥ ኣብ ዝተገበረ ምጽራይ ንገለ ረቛሕታት ዘማልአ ኰይኑ ተረኺቡ።
ካብ ቤት ትምህርቲ ምትራፍ፣ ካበይ ከምዘምጽኦ ዘይፍለጥ ገንዘብ ምሓዝ፣ ሓድሽ ነገራት ምግዛእ ከምኡ'ውን ኣጽዋር ምሓዝ የጠቓልል።
ኣመሓደርቲ ናይቲ ኣብ እንግሊዝ ዝርከብ ቤት ትምህርቱ'ውን "ኣብ ገበናዊ ንጥፈታት ከምዝዋፈር ጥርጣረታት" ከምዘለዎም ብምሕባር ክቡር ክዳውንትን ሞባይል ስልክታትን ክሕዝ ከምዝተዓዘቡ ኣፍሊጦም።
እቲ ቈልዓ ግን ኣካል ናይ ዝዀነ ጕጅለ ኰይኑ ከምዘይፈልጥን፡ "ብዝዀነ ይዅን መገዲ ኣብ ገበናዊ ጕጅለታት ተሳቲፉ" ከምዘይፈልጥን ብምሕባር ነቲ ክስታት ነጺጉ።
እንተዀነ "ብውሱን ኣብ ባህርያቱ ጽቡቕ ከምዘይነበረ" ብምእማን፡ ወለዱ ናብ ኣፍሪቃ ዝለኣኽዎ ድማ በዚ ምኽንያት ከምዝመሰሎ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣረዲኡ።
እቲ ንዅሎም ወገናት፡ ነቲ ከሳሲን ቈልዓን ተኸሰስቲ ወለድን ዝሰምዐ ቤት ፍርዲ፡ ምኽንያትን ስክፍታን እቶም ወለዲ ቅቡል ኰይኑ ስለዝረኸቦ እቲ ክሲ ኣይተዓወተን።
ወለዱ ድሕሪ ፍርዲ ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ፡ "ንዅላትና ናይ ብሓቂ ከቢድ እዋን እዩ ነይሩ። ቀዳምነትና ወትሩ ንወድና ምሕላው እዩ ነይሩ" ኢሎም።
'ክመሃር እደሊ'
እቲ ቈልዓ በቲ ሕጂ ኣብ ጋና ዝመሃረሉ ዘሎ ቤት ትምህርቲ ሕጕስ ከምዘይኮነ ብምጥቃስ፡ "ዳግም ዝሓሸ ትምህርቲ ረኺበ ከም ንቡር ሰብ ክዓቢ እየ ዝደሊ። ኣብዚ ሓንጐለይ ዝተጐድአ ኰይኑ'ዩ ዝስምዓኒ" ኢሉ።
ኣቦኡ ብወገኑ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ኣፍሪቃ ከይዱ ከምዝረኣዮን ምስ ውላዱ ጽቡቕ ከምዝተሰማምዑን ንቤት ፍርዲ ሓቢሩ።
ወዶም ኣብ ጋና ክጸንሕ ከም ዝደሊን፡ ዝሓሸ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ከም ዝረኣዩን ከኣ ገሊጹ።
ጠበቓ ናይቲ ቈልዓ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ብተመሳሳሊ ኵነታት ናብ ዓዲ እንግሊዝ ክምለሱ ናይ ዝደልዩ መንእሰያት ጉዳያት ክውስኽ ከምዝረኣየ ገሊጹ'ሎ።