ሞንታና፡ ውልቀሰባት ቲክቶክ ከይጥቀሙ ክትእግድ እያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ግዝኣት ኣሜሪካ ዝዀነት ሞንታና፡ ነበርቲ ኣብ ውልቃዊ ናውቲ ቴክኖሎጂ ቲክቶክ ከይጥቀሙ ንምእጋድ ክትዳሎ እንከላ ነዚ ስጕምቲ ዝወሰደት ፈላመይቲ ግዝኣት ኰይና።
ኣመሓዳሪ ሞንታና ግሬግ ጃንፎቴ ነዚ እገዳ ዝሓዘ ሕጊ ትማሊ ፈሪሙሉ ኣሎ። ካብ ዝቕጽል ዓመት፣ ወርሒ ጥሪ ጀሚሩ ድማ እቲ ሕጊ ግብራዊ ክኸውን እዩ።
ነዚ ስዒቡ ቲክቶክ እቲ ስጕምቲ መሰረታዊ መሰል ነበርቲ ሞንታና ዝግህስ እዩ ክብል ርእይቶ ሂቡ።
ቲክቶክ ዝተፈላለየ መረዳእታ ንመንግስቲ ቻይና ኣሕሊፉ ክህብ ይኽእል እዩ ብዝብል ብሰብ መዚ ዝተፈላለያ ሃገራት ክትትል ዝግበረሉ መተግበሪ ማሕበራዊ ሚድያ እዩ።
ሪፐብሊካን ኣመሓዳሪ ግዝኣት ሞንታና ግሬግ፡ እዚ ሰፊሕ ስጕምቲ ድሕነት ሞንታና ካብ ስለያ ዴሳዊ ስርዓት ቻይና ንምክልኻል ቀዳምነት ዝሃበ እዩ ብምባል እቲ ጻዕሪ ክጠናኸር ዝሕግዝ ውሳነ እዩ ክብል ንሓገግቲ ኣካላት ተዛሪቡ።
ድሕሪ’ዚ ቲክቶክ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ሞንታና ብኣማኒት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ተጠቀምቲ ከም ዘለውዎ ገሊጹ።
“መሰል ኣብ ሞንታና ይዅን ካብኡ ወጻኢ ዘለው ተጠቀምትና ክሕሎ ንሰርሕ ኣብ ዘለናሉ ግዜ ነበርቲ ሞንታና ቲክቶክ ተጠቒሞም ነብሶም ብምግላጽ፣ ናብራኦም ንምምሕያሽን ምስ ሕብረተሰብ ንምትእስሳርን ቲክቶክ ምጥቃም ክቕጽሉ ከም ዝኽእሉ ከነረጋግጽ ንደሊ” ኢሉ።
ውሳነ ምምሕዳር እታ ግዝኣት ብምቅዋም ድማ ናብ ቤት ፍርዲ ክኸይድ ከም ዝኽእል ትጽቢት ይግበር።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ባይቶ ሞንታና ቲክቶክ ካብ ውልቃዊ ናውቲ ቴክኖሎጂ ሰባት ክእገድ ዝሓትት እማመ ብዓብላሊ ድምጺ ከም ዘጽደቐ ይዝከር።
እቲ ሕጊ መተግበሪታት ሞባይል ካብ ዝርከቦም መርበባት ቲክቶክ ምጽዓን ዘይሕጋዊ እዩ ዝብል ኰይኑ፡ ኣቐዲሞም ኣብ ተሌፎኖም ጽዒኖም ክጥቀሙ ንዝጸንሑ ኣይምልከትን ኢሉ።
ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ነበርቲ ዘለውዋ ሞንታና ኣብ ዝሓለፈ ታሕሳስ ቲክቶክ ኣብ መንግስታዊ ናውቲ ቴክኖሎጂ ኣብ ጥቕሚ ንከይውዕል ኣጊዳ እያ።
ቲክቶክ ኣብ ኣሜሪካ 150 ሚሊዮን ተጠቀምቲ ከም ዘለውዎ ገሊጹ። እዚ መተግበሪ ካብ ቀረባ ዓመታት ናብዚ ብፍላይ ኣብ ዓሰርታት ዕድመ ዝርከቡ ቈልዑ ብብዝሒ ዝመርጹዎ ዓይነት መተግበሪ እናዀነ መጺኡ ኣሎ።
ይኹን’ምበር ቲክቶክ ሓደጋ ድሕነት ኣሜሪካ እዩ ዝብል ስግኣት ኣሎ።
ዋና ቲክቶክ ባይትደናስ ዝተባህለ ትካል ቻይና ኰይኑ፡ ቅድሚ ክልተ ኣዋርሕ ፈፋሚ ስራሕ ቲክቶክ ኣብ ኮንግረስ ኣሜሪካ ቀሪቡ መንግስቲ ቻይና ብቲክቶክ ኣቢሉ መረዳእታ ይወስድ እዩ ንዝብል መብርሂ ሂቡ እዩ።
እቲ ሓላፊ ብተደጋጋሚ ቲክቶክ ኣብ ኣሜሪካ ስለያ ከም ዘይገብር ተዛሪቡ እዩ።
ቅድሚኡ መንግስቲ ኣሜሪካ ባይትዳንስ ክሽየጥ ኣለዎ ክብል እንከሎ እዚ እንተዘይኰይኑ ድማ ኣብታ ሃገር ክእገድ ከም ዝኽእል ኣጠንቂቝ።
ቲክቶክ ካብ 2024 ጀሚሩ ኣብ ሞንታና ኣብ መተግበሪታትካ ምጽዓን ብሕጊ ዘቕጽዕ ክኸውን እዩ።
እቶም ነቲ መተግበሪ ዘውርዱ ሰባት ዝቕጽዑ ኰይኖም፡ እቲ መተግበሪ ንክወርድ ዘፍቅዱ ከም ኣፕስቶር ወይ ጉግል ፕለይ ዝበሉ ትካላት ዓሰርተ ሽሕ ዶላር ክቕጽዑ እዮም።
ባይትዳንስ ብወገኑ መንግስቲ ቻይና ከም ዘይቈጻጸሮ ብተደጋጋሚ ይገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







