ግዱድ ምስዋር፡ 30 ነሓሰ ዓለማዊ መዓልቲ ግዳያት

ኤርትራውያን፡ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ጸገም ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ከብቕዕ ይሓቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኤርትራውያን፡ ኣብ ሃገሮም ዘሎ ጸገም ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ከብቕዕ ክሓቱ ጸኒሖም እዮም

30 ነሓሰ ዓለምለኻዊ መዓልቲ ግዳያት ግዱድ ምስዋር’ያ፤ እዛ መዓልቲ ነቶም መብዛሕትኡ ግዜ ብመሓውራት መንግስቲ ተሰዊሮም ድምጾም ዘይተሰምዐን ዳግማይ ዘይተራእዩን ንምዝካር ዝተወፈየት መዓልቲ’ያ።

ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ሰባት ብብዝሒ ብትካላት ጸጥታ መንግስቲ ዝስወሩለን ሃገራት’ያ።

ኣብ መስከረም 2001፡ ብጕጅለ 15 ዝፍለጡ 11 ላዕለዎት ሚኒስተራትን ወተሃደራውያን ሓለፍቲን ከምኡ ከኣ ብሕቲ ጋዜጠኛታትን ከካብ ቤቶምን ጐደናታትን - ኣብ ዝተረኸቡሉ - ተጨውዮም ምስ ተወሰዱ ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ ሃለዋቶም ብወግዒ ዝተሓበ ነገር የለን።

ብዘይካ'ዚ፡ ካብ ጽባሕ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣብ ብዙሓት ከተማታት እታ ሃገር ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብመሓውራት መንግስቲ ኤርትራ ዝተጨወዩን ኣበይ ከምዝኣተዉ ዘይፍለጡን ኣዝዮም ብዙሓት’ዮም።

ን17 መስከረም 2018 ኣትሒዙ ብሓይልታት ጸጥታ ተታሒዙ ኣብ ዘይተፈለጠ ቦታ ተኣሲሩ ከምዝነበረ ዝፍለጥ ሚኒሰተር ፋይናንስ ኤርትራ ነበር ብርሃነ ኣብርሀ'ውን ኣብ መበል 79 ዓመቱ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ከምዝዓረፈ ይዝከር።

ሚኒስተር ብርሃነ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኰይኑ፡ ንፖሊሲታት መንግስቲ ኤርትራ ብቕሉዕ ዝነቕፋ፡ “ሃገረይ ኤርትራ” ዝብላ ክልተ መጻሕፍቲ ኣብ ወጻኢ ድሕሪ ምሕታሙ’ዩ ብሓይልታት ጸጥታ ኤርትራ ተወሲዱ።

እንተዀነ ብዘይ ዝዀነ ፍርዳዊ መስርሕ ኣብ ማእሰርቲ'ዩ ጸኒሑ።

እዚ ከምዚ ዓይነት ምስዋር መብዘሕትኡ ግዜ ኣብቲ ውግእ ዝካየደሉ ቦታ’ዩ ዝካየድ ኣብ ገለ ገለ ሃገራት ከኣ ንተቓወምትኻ ንምርዓድን ኣፎም ከምዝሕዙ ንምግባርን ይካየድ’ዩ።

ከድጃ ኣሕመድ፡ “ነታ በዓል ቤተይ ዝተወሰደላ ለይቲ ክዝክራ እንከለኹ ክሳብ ሕጂ’የ ዝርዕድ፤ ጓለይ ኣቦኣ መዓስ ንገዛኡ ከምዝምለስ ብተደጋጋሚ’ያ ትሓተኒ፣ ኣነ ከኣ ንዓኣ ንምዕጋስ፡ ገይሹ’ዩ ዘሎ ክሳብ ዝመጽእ ብዓቕሊ ንጸበ” እናበለት ከምእተመኽንየላ ትሕብር።

ንኣቡበከር እስሪስ [ዳዲኣታ] ኣብ 2019 መንነቶም ዘይተፈለጡ ሰባት'ዮም ካብ ኣፍደገ ገዝኡ ወሲደሞ

ምንጪ ስእሊ, Abubakar Idris (Dadiyata

መግለጺ ስእሊ, ኣቡበከር እድሪስ [ዳዲኣታ] ኣብ 2019 መንነቶም ዘይተፈለጡ ሰባት'ዮም ካብ ኣፍደገ ገዛኡ ወሲዶምዎ

ዳዲያታ ብዝብል መጸውዒ ዝፍለጥ በዓል ቤታ ነታ ኣቡበከር እድሪስ፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ብሓይሊ ካብ ገዛ ንዝተወሰደላ መዓልቲ ክትዝክር እንከላ ንብዓት’ዩ ዝቕድማ።

ዳዲያታ ኣብ ሰሜን ናይጀርያ ኣብ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ ዱትሲንማ መምህር’ዩ ነይሩ።

ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ከኣ ንፕረዚደንት እታ ሃገርን ካልኦት ሰብ መዝን ብምንቃፍ ይፍለጥ።

ከድጃ እቲ ኣብ እዋን ማእሰርቱ ኣብ መፋርቕ 30ታት ዝነበረ በዓል ቤታ ናብታ ጥቓኦም ትርከብ ከተማ ገይሹ ውዒሉ ምስ ተመለሰ 2 ነሓሰ 2019 ድሐሪ ፍርቂ ለይቲ ካብ ኣፈደገ ገዛኡ ከምዝተወሰደ ትሕብር።

“ምስ ጓለይ ኮፍ ኢለ ምምጽኡ’የ ዝጽበ ነይረ፤ ድምጺ መኪና ምስ ሰማዕኩ ብፍኒስትራ ተቐልቂለ ርእየዮ፤ ኣብ መኪና ኰይኑ ብተሌፎን ይዘራረብ ነይሩ፣ ሃንደበት ሰባት ናብ መኪናኡ ቀሪቦም ያዕያዕ እናበሉ ክዛረብዎ ጀሚሮም፡ ፈሪሐ ንጐረቤትና ጸዊዐዮም፤ ንፖሊስ’ውን ሓቢርና እቶም ሰባት ግን ሒዘሞ ተሰዊሮም” ትብል።

ዳዲያታ ካብ ኣፍደገ ገዛኡ ካብ ዝውሰድ ሓሙሽተ ዓመት ገይሩ ኣሎ። ንሱ ይዅን መኪናኡ ኣበይ ከምዝኣተዉ ግን ክሳብ ሕጂ ዝዀነ ኣሰር የለን።

ምናልባት ሰልዲ ዝደለዩ ሰባት ወሲዶምዎ ከይበሃል ከኣ ስድራ ዳዲያታ ክንድዚ ክፈሉ ዝበሎም ሰብ የለን። ብህይወት ኣሎ ድዩ የለን’ውን ዝፍለጥ ነገር የለን።

እታ ክስወር እንከሎ ጓል 5 ዓመት ዝነበረት በዅሪ ጓሎም ሕጂ ጓል 10 ዓመት ኰይና ኣላ፤ ከድጃ ከኣ ካብ ጓላ ንዝቐርበላ ሕቶታት ክትብድሆ የጸግማ ኣሎ።

ከድጃ ነቲ ኣቦኣ ድሕሪ ሕጂ ኣይክመጽእን’ዩ ዝብል ዘረባታት ከይትኣምኖ’ያ ንጓላ ደጋጊማ ትነግራ።

ዳዲያታ ምስ በዂሪ ጓሉ

ምንጪ ስእሊ, Abubakar Idris (Dadiyata)

ራዕዲ

ሃገራዊ ዳይረክተር ኣምነስት ኢንተርናሽናል ዒሳ ሳኑሱ፡ ሰባት ምስዋር ንኽልተ ረብሓታት ከምዝካየድ ይገልጽ። ድምጺ ነቐፍቲ ንምዕባስን ኣብ ካልኦት ሰባት ራዕዲ ንምእታውን።

ዒሳ፡ “እዚ ብሓይሊ ምስዋር መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ሕብረተሰባት ራዕዲ ንምእታው ዝጠቅም ስትራተጂ’ዩ” ድሕሪ ምባል፡ “እቲ ፍርሒ ድሕነት ዘይምህላው ኣብቶም መቕርብ ናይቲ ዝተሰወረ ሰብ ጥራይ ኣይኰነን ዝሕጸር። ናብ መላእ እቲ ሕብረተስብ’ዩ ዝልሕም” ይብል።

ግዱድ ምስዋር መብዛሕትኡ ግዜ ኣብተን ኲናት ዝካየደለን ሃገራት ከምዝዝውተር ዝሕብር ዒሳ፡ ኣብ ከም በዓል ሶርያ፡ ሲሪላንካ፡ ሱዳን፡ ፓኪስታን፡ ሊብያን ናይጀርያን ብብዝሒ ከምዝርአ ከኣ ይሕብር።

ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ናይቶም ብግዱድ ዝስወሩ ሰባት ሰነዳት ኣይሕዝን’ዩ፤ እንተዀነ ናይቶም ‘ደሃይ ዘይብሎም’ [ብሓይሊ ዝተሰወሩ ዘይክዀኑ ይኽእሉ’ዮም] ኣብ ዝብል ዘስፈሮም ኣብ ግምት ብምእታው ገምጋም ይህብ’ዩ።

ዓለምለኻዊ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣብ መክሲኮን ኮሎምብያን ጥራይ ልዕሊ 100 ሽሕ ደሃዮም ዘይፍለጥ ሰባት ከምዘለዉ ብምግላጽ ኣብ ዒራቕ’ውን ኣማኢት ኣሸሓት ደሃይ ከምዘይብሎም ይገልጽ።

ዒሳ ሳኑሱ ካብ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ብወገኑ፡ ንመንግስቲ ናይጀርያ ሰነዳት ናይ ዝጠፍኡ ሰባት ዘይምሓዙ ብትሪ ይነቕፎ። ብፍላይ ከኣ ናይ ከም በዓል ዳዲያታ ዝኣመሰሉ ፍሉጣት ሰባት።

ስድራ ናይቶም ቅድሚ 10 ዓመታት ኣብ ሜክሲኮ ዝተጨወዩ 43 ተማሃሮ ክሳብ ሕጂ ድሃይ ደቆም ኣይረኸቡን

ምንጪ ስእሊ, EPA

መግለጺ ስእሊ, ስድራ ናይቶም ቅድሚ 10 ዓመታት ኣብ መክሲኮ ዝተጨወዩ 43 ተምሃሮ ክሳብ ሕጂ ደሃይ ደቆም ኣይረኸቡን

ብሓይሊ ናይ ዝተሰወሩ ሰባት ሰነድ ምእካብ ዳርጋ ናብተን ዘይመንግስታውያን ትካላት’ዩ ወዲቑ።

‘ጂረ ዶለ ኔትዎርክ ፎር ቪክትምስ’ ዝተበሃል ዘይመንግስታዊ ትካል ኣብ ዝሓለፈ 11 ዓመታት ናይ ልዕሊ 25 ሽሕ ብግዱድ ዝተሰወሩ ሰባት ሰነዳቶም ኣኪቡ ኣሎ።

መስራቲትን ዳይረክተርን ‘ጂረ ዶለ ኔትዎርክ ፎር ቪክትምስ’ ሃማሱ ኣላሚን መብዛሕትኦም እቶም ዝፍጸሙ ግዱድ ምስዋር ብኣካላት ጸጥታ መንግስትን ካልኦት ኣካለት መንግስትን ከምዝካየዱ ትሕብር።

እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክንደይ ሰባት ኣብ ትሕቲኡ ብግዲ ተታሒዞም ኣለዉ ከምዘይፈልጥን ዝርዝር ናይቶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከለዉ ዝሞቱ’ውን ከምዘይፍለጥን ሃማሱ ኣላሚን ትገልጽ።

መብዛሕትኦም እቶም ኣብ ናይጀርያ ዝረኣዩ ምስዋራት ኣብቲ ግጭት ዘለዎ ሰሜናዊ ምብራቕን ደቡባዊ ምብራቕን ከምዝፍጸም ኣምነስት ኢንተርናሽናል ይሕብር።

ኣብ ዒራቕ፡ ሊባኖስ፡ ሶርያን የመንን ደሃዮም ናይ ዝጠፍአ ሰባት ኣሳእል ብመልክዕ ኤግዚቭሽን ቀሪቡ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ናይጀርያ እቶም ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቀስ ጕጅለ ቦኮ ሓራም ብውሕዱ 2000 ደቂ ኣንስትዮ ክጨዊ እንከሎ ኣካላት መንግስቲ ከኣ ብውሕዱ 20 ሽሕ ደቂ ተባዕትዮ ከምዝጨወዩ ኣምነስት ኢንተርናሽናል ይሕብር።

እቲ ትካል ብዘካየዶ መጽናዕቲ፡ ሰራዊት ናይጀርያ ኣባላትን ተደናገጽትን ቦካ ሓራም ኢሎም ንዝጠርጠርዎም ብዘይንሕስያ ከምዝኣስርዎም ይሕብር።

ኣምነስት ኢንተርናሽናል ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ካብቶም ብመንግስቲ ዝተኣሰሩ ብገምጋም እቶም 10 ሽሕ ዝዀኑ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንከለዉ ከምዝሞቱ የነጽር።

ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር ኣምነስት ኢንተርናሽናል ናይጀርያ ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ እታ ሃገር ኣሽሓት ሰባት ብምስዋር ዓለምለኻዊ ሕጊታት ትጥሕስ ኣላ ብምባል ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፍትሒ ኢኮዋስ [Economic Community of West African States] ክሲ መስሪቱ ምንባሩ ዝዝከር’ዩ።

ስግኣታት

ስድራ ዳዲያታ፡ መን ከምዝሰወሮ ኣይፈልጡን’ዮም፤ እንተዀነ ካብ ደገፍቲ መንግስቲ ዝዀኑ ፖለቲከኛታት ተደጋጋሚ ምፍርራሕ የጋጥሞ ነይሩ’ዩ።

ሓዉ ንዳዲያታ ዑስማን እድሪስ ዑስማን፡ “ሓደ ፖለቲከኛ ክትስወር ኢኻ ኢሉ ምስ ኣፈራርሖ ንሰለስተ መዓልታት ኣብ እንዳ ኣኮና ክሕባእ ተገዲዱ ነይሩ’ዩ” ብምባል ንሓንቲ ኣጋጣሚ ይዝክር።

ዑስማን፡ እቶም ስድራ ዘለዎም ስግኣት ናብ ፖሊስን ናብ ኣካላት ጸጥታ መንግስትን’ኳ ብደብዳበ እንተሓበሩ ዝዀነ ሰማዒ ከምዘይረኸቡ ይሕብር “ብመሰረቱ ንስግኣትና ነጺጐምዎ” ይብል።

ናብ ኣመሓደርቲ ዞባታት ከይዶም ዘቕረብዎ ጥርዓን’ውን ሰማዒ ኣይረኸቡሉን።

“እንድሕር ሞይቱ ወይ ብህይወት ሃልዩ ክሕብሩና’ዩ ዘለዎም፤ ካብዚ ዝነባዕናዮ ንላዕሊ ኣይክንነብዕን ኢና” ይብል ዑስማን።

ኣቡበከር እድሪስ ምስ በዓልቲ ቤቱን ጓሉን

ምንጪ ስእሊ, FAMILY

መግለጺ ስእሊ, ኣቡበከር እድሪስ ምስ በዓልቲ ቤቱን ጓሉን

ሃገራዊ ድሕነት ናይጀርያ፡ ዝዀነ ዝገብሮ ምእሳር ሕጋዊ መስርሕ ዝሓለወ ከምዝዀነን ዝዀነ ዝፈጸሞ ግዱድ ምስዋር ከምዘየለን’ዩ ዝሕብር።

ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ድሕነት ናይጀርያ ፔተር ኣፉናናይ ብፍሉይ ብዛዕባ ዳዲያታ ኣብ ዝሓተትናሉ ከኣ ዝዀነ ርእይቶ ክህብ ፍቓደኛ ከምዘይኰነ’ዩ ገሊጹ።

በዓልቲ ቤት ዳዲያታ፡ ከዲጃ እቲ ካብ ዝእሰር ሓሙሽተ ዓመት ዝገበረ በዓል ቤታ ሓደ መዓልቲ ክምለሳ’ያ ትጽበ ዘላ።

“ካብታ ዝተኣሰረላ መዓልቲ ርጕእ ኣእምሮ የብለይን፡ ንኽንድዚ እዋን ክእሰር’ዩ ዝብል ትጽቢት’ውን ኣይነበረንን፤ እዚ መወዳእታና ኣይኰነን ብሓይሊ ኣምላኽ በዓል ቤተይ ሓደ መዓልቲ ክምለሰና’ዩ” ትብል።

“ኣብ ህይወይ እታ እንኮ ጸሎተይ ኣምላኽ ሓደ መዓልቲ ብሰላም ናብ ቤቱ ንክመልሶ’ዩ” ትብል ከዲጃ።