እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ባርዕ ሎስ ኣንጀለስ፡ ቍጽሪ ግዳያት ይውስኽ፤ ሓያል ንፋስ ተወሳኺ ስግኣት ይፈጥር
ብሰንኪ እቶም ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ዝተላዕሉ ባርዓት ሓዊ፡ ቍጽሪ ግዳያት 24 ከም ዝበጽሐን ካልኦት 16 ሰባት ድሃዮም ከም ዘይረኽበን ተገሊጹ።
ክኢላታት ትንበያ ኵነታት ኣየር ካሊፎርንያ፡ እቶም ኣብ ከባቢ ሎስ ኣንጀለስ ዘሰክፍ ባርዕ ጫካ ዘስዓቡ ብርቱዓት ንፋሳት ኣብዚ ሰሙን'ውን ዳግማይ ክለዓሉ ትጽቢት ከም ዘሎ የጠንቅቝ ኣለዉ።
ኣብዚ እዋን፡ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ፡ ሰለስተ ባርዕ ጫካታት ኣብ ምቍጽጻር ገስጋስ የርእዩ ኣለው።
ሰበስልጣን፡ እቲ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ሰሙን ብተዛማዲ ሃዲኡ ዝነበረ ኣዕናዊ ደረቕ ንፋሳት 'ሳንታ ኣና'፡ ካብ ሰንበት ምሸት ክሳብ ረቡዕ መሊሱ ክለዓል ምዃኑን፡ ክሳብ 96 ኪ.ሜ ኣብ ሰዓት ዝበጽሕ ፍጥነት ክህልዎ ከም ዝኽእልን ኣጠንቂቘም።
እቲ ንፋስ ቅድሚ ምብራኹ፡ ዝርግሐ ናይቶም ኣብ ተጻረርቲ ጫፋት እታ ከተማ ዝነዱ ዘለው ኣዕነውቲ ባርዓት ሓዊ ፓሊሳደስን ኢተንን ደው ኣብ ምባል ገለ ምዕባለታት ተራእዩ ኣሎ።
ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ መጥፋእቲ ሓዊ ካብ ካልኦት ሸሞንተ ግዝኣታት ከምኡ'ውን ካብ ካናዳን ሜክሲኮን ብዝመጽኡ ሰራሕተኛታት ይሕገዙ ኣለዉ።
ካብቶም ብሰንኪ እዚ ባርዕ ጫካ ዝሞቱ እቶም 16 ኣብቲ ባርዕ ሓዊ ኢተን ዘጋጠመሉ ክዀኑ እንከለው፡ ሸሞንተ ድማ ብፖሊሳደስ ዝሞቱ'ዮም።
ኣብ ከባቢ ሎስ ኣንጀለስ ካልእ ሰለስተ ባርዕ ሓዊ ይቕጽል ኣሎ።
እቲ ዝዓበየ ባርዕ ፓሊሳደስ ኰይኑ፡ ልዕሊ 23 ሽሕ ሄክታር መሬት ኣቃጺሉ፤ 11 ሚእታዊት ድማ ተዓጊቱ ኣሎ።
ባርዕ ኢተን ካልኣይ ዝዓበየ ኰይኑ፡ ልዕሊ 14 ሽሕ ሄክታር ኣቃጺሉ፤ 27 ሚእታዊት ገስጋስ እዚ ሓዊ ድማ ምቍጽጻር ተኻኢሉ።
ሓዊ ሃርስት 799 ሄክታር እኳ እንተኣቃጸለ፡ ኣብዚ እዋን ዳርጋ ምሉእ ብምሉእ ተዓጊቱ ኣሎ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝጀመረ ባርዕ ጫካ፡ ኣብ ታሪኽ ኣመሪካ ካብቶም ዝኸፍኡ ባርዓት ሓዊ ከም ዝዀነ ይግለጽ።
ትማሊ ሰንበት፡ ኣኩዌዘር ዝተባህለ ትካል ትንበያ ብሕቲ፡ ካብቲ ባርዕ ሓዊ ዝስዕብ ፋይናንሳዊ ክሳራታት ካብ 250 ቢልዮን ክሳብ 275 ቢልዮን ዶላር ክኸውን ከም ዝኽእል ገሊጹ።
ሰራሕተኛታት ምጥፋእ ሓዊ፡ ነቲ ዝዓበየ ባርዕ ምቍጽጻር ክጅምሩ ክኽእሉ እንከለዉ፡ ሰብመዚ ግን እቲ ዳግም ዝለዓል ንፋስ "ኣዕናዊ ኵነታት ንፋስ" ክኸውን ከም ዝኽእል ኣጠንቂቘም።
እዚ ድማ መላእ ሎስ ኣንጀለስ ንሓደጋ ሓዊ ከየቃልዕ ዘስግእ እዩ ኢሎም።
ሓላፊ መጥፋእቲ ሓዊ ፓሳዴና ቻድ ኣውጉስቲን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "እቲ ዘሕዝን፡ ክሳብ ረቡዕ ኣብ ዘሎ ግዜ ገለ ኣዕናዊ ክኸውን ናብ ዝኽእል ኵነታት ንፋስ ክንኣቱ ንኽእል ኢና ዝብል ስግኣት ንምለስ ምህላውና እዩ፤እዞም ንፋት ድማ ሰሉስ ኣብ ዝለዓለ ጫፍ ክበጽሑ ይኽእሉ" ኢሉ።
ወሲዅ፡ ሕጂ "ገለ ምዕባለታት እኳ እንተኣርኣና ናብ መወዳእታ ግን ኣይቀረብናን" ይብል።
ሓላፊት መጥፋእቲ ሓዊ ከተማ ሎስ ኣንጅለስ ክሪስቲን ክሮውሊ፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ነበርቲ ክወጽኡ ትእዛዝ ኣብ ዝወሃበሉ ግዜ ንክሃድሙ ድሉዋት ክዀኑን ንሰራሕተኛታት ከየዐንቅፉ ብዝተኻእለ መጠን ካብ ጽርግያታት ክወጽኡን ኣተሓሳሲባ።
እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ነቲ ዘይርጕእ ኵነታት ተበሊጾም ኣብ ዝምታ ተዋፊሮም ዝነበሩ ብውሕዱ 29 ሰባት ኣብ ቀይዲ ኣትዮም።
ክልተ ሰባት ካብቶም ካብቲ ቦታ ዝወጽኡ ዝነበሩ ሰባት ንምስራቕ፡ ኣባላት መጥፋእቲ ሓዊ ተመሲሎም ዝተትሓዙ'ዮም።
ሸሪፍ ዞባ ሎስ ኣንጀለስ ሮበርት ሉና ብሰንበት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቶም ድሮ ኣብቲ ከባቢ ዘለዉ 400 ወተሃደራት ንምድልዳል ተወሳኺ ወተሃደራት ሃገራዊ ሓለዋ ከም ዝሓተተ ገሊጹ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኣመሓዳሪ ካሊፎርንያ ጋቪን ኒውሶም 1000 ተወሳኺ ኣባላት ሃገራዊ ሓለዋ ከም ዝዋፈሩ ኣፍሊጡ።
ሕጂ ኣብ ዞባ ደቡባዊ ካሊፎርንያ 14 ሽሕ መጥፋእቲ ሓዊ ከም ዘለዉን ብ84 ነፈርትን 1354 ሞተር መጥፋእቲ ሓዊን ይሕገዙ ከም ዘለዉ ሸሪፍ ሉና ገሊጹ።
ቍጽሪ ካብቲ ከባቢ ክወጽኡ ዝግደዱ ሰባት ክንኪ እንከሎ፡ ኣስታት 105 ሽሕ ነበርቲ ገና ኣብ ትሕቲ ግዴታዊ ትእዛዝ ምውጻእ፡ 87 ሽሕ ድማ ኣብ መጠንቀቕታ ምውጻእ ይርከቡ።
ሰብ መዚ፡ ነዚ ኵነታት ተበሊጾም ኣብ ልዕሊ ግዳያት ምትላላት ንዝፍጽሙ ሰባት ድማ ኣጠንቂቘም።
እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ኣብ መንጐ ኣመሓዳሪ ካሊፎርኒያ ጋቪን ኒውሶምን ምሩጽ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕን ዘሎ ምጕርፋጥ ቐጺሉ ኣሎ።
ትራምፕ፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ሰኑይ 20 ጥሪ ናብ ዋይት ሃውስ ክኣቱን ቃለ መሓላ ክፍጽምን'ዩ።
ብቐዳም፡ "ኣብ ታሪኽ ሃገርና ካብ ዘጋጠሙ ዝኸፍኡ ሓደጋታት ሓደ ዝዀነ ብቕዓት ዘይብሎም ፖለቲከኛታት" ተሓተትቲ'ዮም ክብል ነቒፉ ነይሩ።
ኣባል ዲሞክራት ዝዀነ ኒውሶም ብወገኑ፡ ትራምፕ ብዛዕባ እቲ ባርዕ ሓዊ "ዘይምኽንያታዊ" ግጕይ ሓበሬታ ብምዝርጋሕ ክነቕፎ እንከሎ፡ ነቲ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ብኣካል መጺኡ ክዕዘብ ዓዲሙዎ ኣሎ።