ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ ደረጃ 'ትሑት ሰላም' ዘለወን ሃገራት ተሰሪዐን

ወተሃደራት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኢትዮጵያን ኤርትራን፡ ኣብ ዝርዝር ትሑት ሰላም ዘለወን ሃገራት ከም ዝተሰርዓ ግሎባል ፒስ ኢንዴክስ ኣመልኪቱ።

ግሎባል ፒስ ኢንዴክስ (ጂፒኣይ) ኵነታት ሰላም 163 ሃገራት ዓለም ኣብ ዝገምገመሉ ጸብጻብ ዓመተ 2025፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ትሑት ነጥቢ ብምርካብ፡ኣብ ድሕሪት ኣስፊሩወን።

ኢትዮጵያ ካብ 163 ሃገራት ነተን 25 ብምቕዳም፡ ኣብ መበል 138 ደረጃ ተረቝሓ።

ብተወሳኺ ኣብዚ ገምጋም ኵነታት ሰላም ካብ ዝተኻተታ 44 ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኢትዮጵያ ኣብ መበል 36፡ ኤርትራ ድማ ኣብ መበል 32 ተሰሪዐን።

ብመሰረት ግሎባል ፒስ ኢንዴክስ (ጂፒኣይ) 2025፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣብ መስርዕ ትሑት ሰላም ዘለወን ሃገራት ተኻቲተን።

ንኵነታት ሰላም ሃገራት ዓለም ዘመልክት ሓባሪ ዘዳለወ ትካል ቍጠባን ሰላምን (ኣይሲፒ)፡ ንኣይስላንድ ኣብ ዓለም እታ ሰላም ዝሰፈነላ ሃገር ብምባል፡ ኣብ ቅድሚት ሰሪዕዋ።

እተን ሃገራት ብመንጽር ዘለወን ማሕበረሰባዊ ደሕነት፡ ምስ ዘለወን ውሽጣውን ግዳማውን ግጭታት ዘካይድኦ ወተሃደራዊ ህንጸትን ድማ ደረጃ ይወሃበን።

ኣብ 2020 ብሰንኪ ዝተወልዐ ኲናት ትግራይ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ከም ዘንቆልቈለ እቲ ጸብጻብ ኣመልኪቱ።

እዚ ኲናት ኣብ ከም ኦሮምያን ኣምሓራን ምስ ዘሎ ዘይምርግጋዕ ተደማሚሩ፡ ጠንቂ ጃምላዊ ምምዝባል፥ ሰብኣዊ ቅልውላውን መጠነ ሰፊሕ ጸገም ጸጥታን ኣስዒቡ፤ እዚ ድማ ንኵነታት ሰላም እታ ሃገር ሃስይዎ።

ካብ ብረታዊ ግጭት ብተወሳኺ፡ ዘይተረጋግአ ፖለቲካዊ ሃዋህው ኢትዮጵያ፡ እታ ሃገር ኣብ ትሑት ደረጃ ሰላም ክትስራዕ ከም ዝደረኸ ምዃኑ ይግለጽ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ነቲ ግጭት ንምፍታሕ፡ ምቍራጽ ተጻብኦን ዘተን ሓዊሱ ካልኦት ዝተገበሩ ጻዕሪታት ድኹማትን ዘይተዛዘሙን ምዃኖም ኣብቲ ጸብጻብ ሰፊሩ'ሎ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ሰለማዊ ዝርርብ መጠናዊ ምምሕያሽ'ኳ እንተርኣየ፡ ውሽጣዊ ፍልልያት ኣብ ምቍጽጻር፡ ኣብ በብከባቢኡ ዘለዉ ግጭታት ምፍታሕን ዘላቒ ምርግጋእን ከስፍን ብዘይምኽኣሉ፡ እታ ሃገር ንከቢድ ስግኣት ግጭት ክትቃላዕ ይገብራ ኣሎ ኢሉ።

ኤርትራ'ውን ብተመሳሳሊ፡ ነታ ሃገር ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ብዝመርሐ ምልካዊ ስርዓት ይቕጽሉ ብዘለዉ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ግሎባል ፒስ ኢንዴክስ ትሑት ውጽኢት ኣርእያ።

ኤርትራ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ኣዝየን ዓፈንቲ ሃገራት ከም ዝዀነት ዝጠቐሰ እቲ ጸብጻብ፡ ድሩትነት ፖለቲካዊ ነጻነት፡ ግዱድ ወተሃደራዊ ኣገልግሎትን ኢደወነናዊ ማእሰርትን ኣብታ ሃገር ብስፍሓት ከም ዝርአ ኣስፊሩ።

እዞም ዘቤታዊ ፖሊሲታት ንምምሕያሽ ዲሞክራሲ ወይ ንልዑል ነጻነት እቲ ህዝቢ ንዝግበር ጻዕሪ ብምዕንቃፍ፣ ኣብ ስልጣን ጥቡቕ ቍጽጽር ብምግባር ንዝቐጸለ ትሑት ውጽኢት ሰላም ግደ ኣበርኪቶም።

ኤርትራ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ኣብ ጐኒ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሰሊፋ ኣንጻር ሓይልታት ትግራይ ዝተዋግአት ኰይና፡ እዚ ድማ ብመሰረት ረቛሒ ሰላም ዓለም ትሑት ውጽኢት ንኽተመዝገብ ደሪኹ።

ኣይ ኲናት ኣይ ሰላም ኵነታት ዝፈጠረ ዶባዊ ምስሕሓብ ክልቲአን ሃገራት ኣብ 2018 ዘብቀዐ እኳ እንተዀነ፡ ድሕሪ እቲ ንኲናት ትግራይ ዝገትአ ስምምዕ ፕሪቶርያ ግና ርክበን ሓርፊፉ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዳግም ኣብ ወጥሪ ይርከባ።

ኤርትራ ካብ ካልእ ዓለም ዝተነጸለት ምዃና፡ ዘለዋ ወተሃደራዊ ተሳትፎን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን፡ እታ ሃገር ኣብ ውሽጢ ዓዲ ይዅን ኣብ ሰላምን ድሕነትን እቲ ዞባ ለውጢ ንኸይተርኢ ከም ዝገበረ ኣብቲ ሪፖርት ተገሊጹ'ሎ።

ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ኸ?

ብመሰረት ረቛሒታት ግሎባል ፒስ ኢንዴክስ፡ ሞሪሽየሽ ካብ ኣፍሪቃ ኣብ መበል 26 ደረጃ ተሰሪዓ፡ ሰላም ዝሰፈና ሃገር ተባሂላ።ቦትስዋና፡ ናሚብያን ጋምቢያን ድማ፡ ኣብቲ ኣህጉር ፖለቲካዊ ምርግጋእን ትሑት ግጭትን ብምምዝጋብ ንሞሪሽየስ ስዒበን ተረቝሐን ኣለዋ።

ብደረጃ ዓለም፡ 97 ሃገራት ሰላመን ዘንቈልቈለ ሃገራት ተባሂለን ተሰይመን ኣለዋ።

ኣብ ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ድማ፡ ልዑል ምንቍልቋል ሰላም ተመዝጊቡ። ኣብዘን ሃገራት፡ ማእከላይ ገምጋም ነጥቢ ሰላም ምስ ዝሓለፈ ዓመት እንክነጻጸር ብ0.17 ሚእታዊት ነክዩ።

ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ካብ 44 ሃገራት ኣፍሪቃ እተን 36 ብዝተፈላለየ መንገዲ ኣብ ግጭት ኣትየን ከም ዝነበራ ተሓቢሩ።

ሰሌዳ ሓባሪ ሰላም ሃገራት

ኣብ ዓለም ሰላመን ካብ ዘንቈልቈለ 10 ሃገራት እተን ሰለስተ ኣብ ኣፍሪቃ ይርከባ።

ቡርኪናፋሶ ኣብ ዓለም ዝለዓለ ስግኣት ግብረሽበራ ዘለዋ ሃገር ክትከውን እንከላ፡ ኣብ ዓለም ስግኣት ግብረሽበራ ካብ ዘለወን ሃገራት እተን ሽዱሽተ ኣብ ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት እየን።

ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኣብቲ ዞባ ትሑት ሰላም ካብ ዘለወንን፡ ሰላም ኣዝዩ ብሕሱም ኵነታት ካብ ዘንቆልቈለለን ሃገራት ተመዲባ ኣላ።

ብመሰረት ሓባሪ ዓለማዊ ሰላም 2025 ድማ፡ ኣብ ዝርዝር ሓሙሽተ እተን ትሑት ሰላም ዘለወን ሃገራት ተረቝሓ።

ባንግላድሽ፡ ዩክረይን፡ ሩስያን ሚያንማርን ድማ፡ ንዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ስዒበን ሰላመን ዝወረደ ሃገራት ተባሂለን ተሰሪዐን ይርከባ።

ብኣንጻሩ ዩጋንዳ ኣብ ኣፍሪቃ ዝሐሸ ምምሕያሽ ሰላም ተርኢ ከም ዘላ እቲ ሪፖርት ኣስፊሩ።

ማእክከላይ ምብራቕን ሰሜን ኣፍሪቃን ኣብ ዓመተ 2025 ትሑት ሰላም ዘለዎ ተባሂሉ ኣሎ።

ሱዳን፡ የመን፡ ሶሪያን እስራኤልን ድማ ብደረጃ ዓለም ሰላም ዝሰኣና ሃገራት ተባሂለን ተረቚሐን።

ተፈጥሮ ዝዕዘብ ሰብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሰላማዊያን ሃገራት ዓለምና ኸ?

ብዙሕ ግጭታት ኣብ ዘጋጠመሉ ዓመተ 2025፡ ሓሙሽተ ሃገራት ዓለም ኣዝየን ሰላማውያን ካብ ዝዀና ሃገራት ተሰሪዐን ኣለዋ።

ኣይስላንድ፡ ኣየርላንድ፡ ኒውዚላንድ፡ ኦስትሪያ ከምኡ'ውን ስዊዘርላንድ፡ ናይ ዓለምና ሰላማውያን ሃገራት ተባሂለን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሓምሻይ ተረቝሐን።

ኣይስላንድ ካብ 2008 [ኣ.ኣ] ጀሚራ፡ ኣዝያ ሰላማዊት ዝዀነት ሃገር ዝብል መዓርግ ሒዛ ቀጺላ ኣላ።

ኣብ 2025 ዓለማዊ ኲናት ዝበኣሰሉ፡ ሃገራት ዶባተን ዝዓጸዋሉ፣ ከምኡ'ውን ውጥረታት ንግዲ ዝተጋደድሉ'ዩ።

ብመሰረት ትካል ሓባሪ ሰላም፡ ካብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ንነጀው፡ ቍጽሪ ኣብ መንጐ መንግስታት ዝተኻየዱ ጎንጽታት ኣብ ዘለዓለ ደረጃ በጺሑ።

ብዙሓት ሃገራት ወተሃደራዊ ሓይልታተን ኣሐዪለን ንምክልኻል ዘውጽእኦ ወጻኢታት ክብ ከብላን ተራእየን።

ኣብዚ ዝርዝር ኣብ ቅድሚት ካብ ዝተሰርዓ ሃገራት፡ ዝተወሰና ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ምርግጋእ፡ ፖሊሲታት ሰላምን ተወፋይነት ዘርኣያ ሃገራት ኰይነን።

ሩስያን ዩክረንን ኣብ መወዳእታ ዝርዝር ሰላም ዓለም ዝተረቝሓ ኰይነን፡ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ኲናት ተሸሚመን ይርከባ።