ዚምባብወ፡ ሓሙሽተ ዓመታት ድሕሪ ሮበርት ሙጋቤ እንታይ ተቐይሩ?

ምንጪ ስእሊ, AFP
ንነዊሕ ዓመታት ንዚምባብወ ዝመርሐ ሮበርት ሙጋቤ ካብ ስልጣኑ ካብ ዝእለ ሓሙሽተ ዓመት ኰይኑ ኣሎ።
ኣብታ ሃገር ዘሎ ፍርሒ ዜጋታት ግን ክሳብ ሕጂ ይቕጽል ኣሎ።
እቲ ድሕሪ ሙጋቤ ስልጣን ዝተረከበ መንግስቲ፡ እንተስ ብመንጽር ምዕባይ ደረጃ መነባብሮ ወይ ብውሕስነት ሰብኣዊ መሰላት፡ ዝኣተዎም መብጽዓታት ለውጢ፡ ኣኽቢሩ’ዶ ብዛዕባ ዝብል፡ ብግልጺ ክዛረቡ ፍቓደኛታት ዝዀኑ ሰባት ውሑዳት እዮም።
ሓደ ኣብ ጎደናታት ዝሸይጥ፡ ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ውልቀሰብ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ዋኒነይ እዩ ዘገድሰኒ" ኢሉ።
"ዝመሰሎም ዝዛረቡ ሰባት - ገሊኦም ኣብ ቤት ማእሰርቲ’ዮም ዝርከቡ። ስለዚ፡ ነገራት ንነብሰይ እሕዞን ብህይወት ንኽነብር ክገብሮ ዘለኒ እገብርን።"
ፕረዚደንት ሙጋበ ካብ ስልጣን ካብ ዝእለ ንደሓር፡ ኣብታ ሃገር ብዙሕ ለውጢ ኣይተራእየን።
ነቲ ፕረዚደንት ዝተጻረፉ ብዙሓት ተራ ሰባትን ነቐፍትን ክሳብ ሕጂ ማእሰርቲ የጋጥሞም ከም ዘሎ ጠበቓታት ሰብኣዊ መሰላት ይዛረቡ።
ተንዳይ (ትኽክለኛ ስሙ ኣይኰነን) ኣብ መኪንኡ ዝተፈላለዩ ሸቐጣ ሸቐጥ ይሸይጥ - መሕጸቢ ክዳን፡ ዲዮዶራንት፡ መግብን ዘይቲን ኣብ መኪንኡ ብግቡእ ተቐሚጡ ይርአ።
ንሱ፡ ዋላ'ኳ ብማርኬቲንግን ምሕደራ ሓይሊ ሰብን ድርብ ሞያ ዘለዎ ምሩቕ ዩኒቨርሲቲ እንተዀነ፡ ስራሕ ስለ ዘየለ ግን ኣብ ጎደናታት ምሻጥ እቲ እንኮ መነባብሮኡ ዝድግፈሉ መንገዲ ምዃኑ ይዛረብ።
"ሮበርት ሙጋበ ካብ ዝኸይድ ንደሓር ዘሎ ኩነታት ተመሳሳሊ ወይ ዝኸፍአ'ዩ። ግን ርሑቕ እንተመሰለ’ውን ብዛዕባ መጻኢ ግን ገና ተስፋ ኣለኒ" ይብል።
ኣብዚ እዋን ዘሎ ናህሪ ዋጋታት 268 ሚኢታዊት በጺሑ እዩ።
እዚ፡ ሙጋቤ ካብ ስልጣኑ ክእለ እንከሎ ካብ ዝነበረ ብብዙሕ ዕጽፊ ዝለዓለ ምዃኑ ካብ ሃገራዊ ስታቲስቲክስ ዝተረኽበ መረዳእታ ይሕብር።
እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ብዝሒ ኣብ ጽንኩር ድኽነት ዝርከቡ ዜጋታት ዳርጋ ብዕጽፊ ወሲኹ - እቲ፡ ኣብ 2017 30 ሚኢታዊት ዝነበረ ኣብ እዋን ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናብ 50 ሚኢታዊት ከም ዝዓበየ ባንኪ ዓለም ይገልጽ።
እዚ ድማ፡ ብዙሓት ሰባት ናብ ተስፋ ምቑራጽ ኣእትይዎም ኣሎ።
ሃራሬ፡ ብዙሓት ማእከላይ እቶት ዘለዎም ሰባት ሓዊሱ ብዘይወግዓውያን ነጋዶ ዝመልአት ከተማ እያ።
ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ መኪንኣ ኰይና ስጋ ትሸይጥ።
ነቶም ብእግሮም ወይ ብመኪና ዝመጽኡ ዓማዊል ሒደት ዝዓቐኑ ስጋ ትሸይጥ፤ ገሊኦም 0.50 ዶላር ይኸፍሉ።
"ብውልቀይ፡ ሙጋበ ካብ ስልጣኑ ክለቅቕ እንከሎ ካብቶም ዝተሓጎሱ ሰባት ኣይነበርኩን። ሽዑ፡ ሰባት ንዝመጽእ ሓደጋ ይጽንብሉ ከም ዘለው ኣይፈልጡን ነይሮም" ትብል።
ወሲኻ፡ "ንሱ ምስ ከደ፡ ባኒ ምስ ማርጋሪንን ማርማላታን፡ እንቋቑሖን ጸባን ዝረኽቡ መሲሉዎም ነይሩ፤ ግን ከምኡ ኣይኰነን ዘጋጠመ" ኢላ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ውዳሰን መብጽዓታትን
ብ21 ሕዳር 2017 ዓ.ም ሮበርት ሙጋበ ካብ ስልጣኑ ክወርድ እንከሎ፡ ጎደናታት ሃራረ ነዚ ብዝጽንብሉ ብዙሓት ሰባት መሊኦም ነይሮም።
ሓደ ሰሙን ኣቐዲሞም፡ ታንክታት ናብ ጎደናታት ርእሰ ከተማ እታ ሃገር መጺአን፤ ሰራዊት ንማዕከን ዜና እታ ሃገር ተቘጻጺሩ። ነቲ ወዲ 93 ዓመት ፕረዚደንት ድማ ኣብ ናይገዛ ማሕዩር ኣእትዩ።
ምክትል ፕረዚደንት ነበር ኤመርሰን ምናንጋግዋ፡ ነቲ ሓያል ሰብ ደው ዝበለ ጅግና ኰይኑ ተቐልቀለ።
እቲ፡ መርዛምን ከፋፋልን ውሽጣዊ ፖለቲካ ከብቅዕ፡ ቁጠባ ክቕይርን ምስ ሃገራት ምዕራብ ዝነበረ ዝተበታተነ ዝምድና ክጽግንን ቃል ኣትዩ።
ይኹን’ምበር፡ ምናንጋግዋ፡ ምስ ሙጋበ ንነዊሕ ዓመታት ብቐረባ ከም ዝሰርሐን ኣብ ገለ ካብቲ ዝኸፍአ ግፍዕታት ዘመነ ሙጋበ ዓቢ ተራ ከም ዝተጻወተን ይኽሰስ ስለ ዝነበረ፡ ነዚ መብጽዓታት ብጥርጣረ ዝርእዩዎ ውሑዳት ኣይኰኑን።
ብሓቂ ለውጢ ዘብጽሕ ሰብ ድዩ ዝብል ሕቶ ድማ ኣልዒሎም። ሙጋበ ዝመስረቶ ሰልፊ ዛኑ-ፒኤፍ ኣብ ስልጣን ቀጺሉ።
ተዓዋቲት ሽልማት ደራሲትን ጠበቓን ፔቲና ጋፓ፡ ድሕሪ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝመጽአ ኩነታት ኣመልኪቱ ብኣማኻሪ ፖለቲካ SAPES ኣብ ዝተዳለወ ናይ ዘተ መድረኽ፡ "ሃገረይ ስለ ዝፈቱ’የ ናብቲ መንግስቲ ኣትየ እምበር ነቲ ዕልዋ ስለ ዝፈተኹ ኣይኰነን” ኢላ።
ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ ኣህጉራዊ ዳግመ ጽምዶ ኣማኻሪት ኰይና ተቖጺራ እኳ እንተነበረት፡ ን18 ኣዋርሕ ጥራይ እያ ጸኒሓ።
ካብኡ፡ ብሓዘን እምበር ብሕርቃንን ብተስፋ ምቑራጽን ከም ዘይወጽአት ትዛረብ።
"ገለ መራሕቲ ተኣምር ኢሎምዎ፡ ሓድሽ ነገር ከም ዝመጽእ ስምዒት ነይሩና - ሕማቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ኣይመጽአን" ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ዝሓለፈ፡ ንዚምባብወ ዳግም ናብ ኣባል ሃገራት ኮመንዌልዝ ንምጽንባር ዝመጽአ ልኡኽ፡ ድሕሪ ሙጋበ ኣወንታዊ ለውጢ መጺኡ’ዩ ኢሉ። ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ዓይነት ምብጻሕ ዘይሕሰብ’ዩ ነይሩ።
ዚምባብወ፡ ኮመንዌል "ኣንጻር ዚምባብወ ዝቘመ ዘይቅዱስ ኪዳን ኣንግሎ-ሳክሰን" እዩ ብምባል ብ2003 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ካብቲ ጥምረት ወጺኣ።
ኣብቲ እዋን፡ ሓደ ዓመት ኣቐድም ኣቢሉ፡ ዚምባብወ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ብጸዓዱ ዝውነኑ ሕርሻታት ብዓመጽ ምውሳድን ከምኡ’ውን ምግፋዕ ኣባላት ተቓወምቲ ሰልፍታት ዝርከብዎም ጉዳያት ተኸሲሳ ካብቲ ልፍንቲ ተኣጊዳ ነይራ።
ዚምባብወ ዳግማይ ናብ ኮመንዌልዝ ምእታዋ ንመንግስቲ ፕረዚደንት ምናንጋግዋ ምሳልያዊ ዓወት ክኸውን እዩ።
እዚ ድማ ምስ ዓባይ ብሪጣንያ ምስ መሬት ተኣሳሲሩ ዝነበራ ጐንጺ ከም ዝተዛዘመ ዘርኢ ምልክት ምዃኑ ተንተንቲ ገሊጾም።
ጥምረት ዜጋታት ንለውጢ (ሲሲሲ)፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ቀንዲ ተቓዋሚ ሰልፊ’ዩ።
ዚምባብወ ቅድሚ ዳግማይ ናብ ኮመንዌልዝ ምጽንባራ ዘቕርቦ ቅድመ ኩነት ኣሎ። እዚ ድማ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣባላቱ፡ ጋዜጠኛታትን ካልኦት ነቐፍቲ መንግስትን ዝፍጸም ዘሎ ቀጻሊ ስደት ይጠቅስ።
ጉጅለ ኮመንዌልዝ ኣብ ዚምባብወ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ፡ ኣባል ባይቶ ጎድፍረይ ሲቶለ ዝርከቦም 15 ኣባላት ሲሲሲ፡ ካብ ማእሰርቲ ተፈቲሖም።
እዚኦም፡ ኣብ ደቡብ ሃራሬ ምስ ደገፍቲመንግስቲ ኣብ ዝተኻየደ ግጭት ህዝባዊ ዓመጽ ኣለዓዒሎም ብዝብል ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ ኰይኖም፡ ብዋሕስ ተፈቲሖም።
ጆ ብሲካላ ዝተባህለ ካልእ ሓጋጊ ኣካል ግን፡ ብተመሳሳሊ ክሲ ኣብመቑሕ ይርከብ።
እቲ ብሓጋዚ ዋና ጸሓፊ ልዊስ ፍራንቸስኪ ዝተመርሐ ልኡኽ ኮመንዌልዝ፡ ዚምባብወ "ኣዝዩ ዝድነቕ ምዕባለ" ከም ዘመዝገበት ክገልጽ እንከሎ፡ ቁጠባዊ፡ ሰብኣዊ መሰላትን ምርጫዊ ዕረያታትን ምምጻእ፡ ኣባል ሃገራት፡ ንዚምባብወ ዳግማይ ንምቕባል እኹል ድዩ ኣይኮነን፡ ኣብ ግምት ከእትዋ ክግደዳ እየን ኢሉ።
ሕጂ፡ መንግስቲ ዚምባብወ ተስፋ ኣለዎ።
“ዳግማይ ንኽንኣቱ ዝከኣል ኩሉ ጌርና ኢና - ኣብ ኮመንዌልዝ ምሳና ዝመሳሰላ ሃገራት ኣለዋ" ይብል ወሃቢ ቃል ዛኑ-ፒኤፍ ኒክ ማንግዋና።
ዝዓበየ ንግዳዊ ምንቅስቓስ
ይኹን’ምበር፡ ገለ ትካላት ንግዲ ኣወንታዊ ለውጢ ከም ዝተራእየ ይዛረቡ። ዕብየት ጃምላ ሃገራዊ ፍራያት [ጂዲፒ] ብ2017 ካብ ዝነበሮ 17.5 ቢሊዮን ዶላር ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ 20.2 ቢሊዮን ዶላር ዓብዩ’ዩ።
"እዚ መንግስቲ ንጠለባት ንግዲ ዝያዳ ቀረባ እዩ። ብዙሕ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም ግን ምስቲ ዝሓለፈ መንግስቲ ከተነጻጽሮ ኣይትኽእልን ኢኻ" ይብል ፕረዚደንት ሎቢ ማኑፋክቸሪንግ ኮንፈደረሽን ኢንዱስትሪታት ዚምባብወ፡ ኩራይማትሸዛ።
ካብቲ ኣብ ዘመነ ሙጋበ ዝነበረ ምዕጻው ኩባንያታት ውሑድ ምዃኑ ብምግላጽ፡ "ሕጂ ዘሎ ምቕይያር፣ ምቁጽጻር ዋጋታት ምስቲ ኣብ ሕሉፍ ዝነበረ ሓደ ዓይነት ኣይኰነን" ኢሉ።
መንግስቲ ብቐንዱ ኣብ ዕደና ብኣማኢት ሚልዮናት ዝቑጸር ወፍሪ ስሒቡ ኣሎ።
ኣብ ፕላቲኒየም ዝወፈረ ትካል ዚምፕላትስ ምስ መንግስቲ ድሕሪ ዝገበሮ ስምምዕ ኣብ ዝቕጽሉ ዓሰርተ ዓመታት 1.8 ቢልዮን ዶላር ወፍሪ ክገብር እዩ።
እዚ ከምዚ እንከሎ፡ ቻይናዊ ትካል ዕደና ዠጂያንግ ሁዋዮ ኮባልት፡ ኣብ ዕደና ሊትየም 300 ሚልዮን ዶላር ወፍሪ ክገብር ምዃኑ ተፈሊጡ።
ኣብ እዋን፡ ሙጋቤ ደው ኢሉ ዝነበረ ፕሮጀክት ሓጺን ድማ ዳግማይ ተበራቢሩ ኣሎ።
እቲ ዝፈረሰ ኢንዱስትሪ ሆርቲካልቸር ሕጂ ብወፍሪ መስኖ ዳግም ናብ ስርሑ ተመሊሱ ኣሎ።
ብኻልእ ወገን፡ ምህርቲ ስርናይ ኣብ 17 ዓመታት ንፈለማ እዋን ኣብ ዝለዓለ ደረጃ በጺሑ ኣሎ። ጽገናን ህንጻትን ትሕተ ቕርጺ ጽርጊያታትን ግድባትን ይካየዱ ኣለው።
እዚ ግን፡ መንእሰያት ዚምባብወ ናብርኦም ንምምሕያሽ ናብ ካልእ ቦታታት ንከይኸዱ እኹል ዕድል ስራሕ ኣብ ምፍጣር ገና ናብ ግብሪ ዝወርድ ጅማሮ እዩ።
ስለዚ መንግስቲ እንታይ ይገብር ኣሎ?
"ሕጂ 50% ሚእታዊት እቶት፡ ናብ ርእሰ ማላዊ-ወፍሪ ይኸይድ ኣሎ። መነባብሮ ዜጋታት ንምምሕያሽ እቶት መንግስቲ ክዓቢ ኣለዎ፤ መንግስቲ ድማ ትሕተ ቅርጺ የማልእ" ይብል ወሃቢ ቃል መንግስቲ ምንግዋና።
"ባንኪ ዓለም፡ እታ ሃገር ኣብ ማእከላይ እቶት በጺሓ ኣላ ይብል፡ እዚ ኣታዊታት ተመሓይሹ ማለት እዩ። ኣብቲ ዝደለናዮ ቦታ ኣይበጻሕናን፡ ግን ኣብ መስርሕ ዘሎ ስራሕ ኣሎ" ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
ኤዲተር መርበብ ሓበሬታ ኒውዝ ዋየር ራንጋ ምቤሪ ግን ተወሳኺ ስራሕ ከም ዘድሊ ይዛረብ።
"ብዛዕባ ዕብየትን ወፍሪ ዕደናን ምዝራብ ጽቡቕ እኳ እንተዀነ፡ እቲ ዘገድስ ግን ኣብ መኣዲ መግብን ኣብ ጁባ ሰባትን ዘሎ'ዩ። ናህሪ ዋጋታት፡ ሰባት ንዕኡ [ንምናንጋግዋ] ዝፈርድሉ ዓቢ ጉዳይ'ዩ።
"እቲ ፈተና ኩሉ ነገር ናብ ከብዲ ክትርጎም ኣለዎ። ንሱ ድማ፡ ናብ 2023 ዝሰግር ዘሎ ዓብዪ ፈተና ምናንጋግዋ’ዩ”።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







