31 ደቂ ኣንስትዮ ዝዓመጸ ሰብ ድሕሪ 40 ዓመት መንነቱ ተፈሊጡ

ብመሰረት መግለጺ ግዳያት ዝተሰርሐ ዲጂታላዊ ምስሊ እቲ ዓማጺ

ምንጪ ስእሊ, NSW POLICE

መግለጺ ስእሊ, ብመሰረት መግለጺ ግዳያት ዝተሰርሐ ዲጂታላዊ ምስሊ እቲ ዓማጺ

ፖሊስ ኣውስትራልያ መንነት እቲ ንከተማ ሲድኒ ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተታት ዓመታት ዘሸበረ ተኸታታሊ ዓማጺ ከምዝተለለየ ገሊጹ።

እቲ ናይ መጀመርታ መጥቃዕቱ ካብ ዝፈጸመሉ እዋን ኣትሒዙ ንኣስታት 40 ዓመት ከይተፈልጠ ዝጸንሐ ውልቀሰብ ኪት ሲምስ ይበሃል።

ሲምስ ካብ 1985 ኣትሒዙ ክሳብ 2001 ን31 ደቂ ኣንስትዮ ናብ ገዝአን ኣትዩ ወይ ድማ ንኣካላዊ ምንቅስቓስ ንጉያ ኣብ ዝወጻሉ እዋን ከምዘጥቅዐን ፖሊስ ሓቢሩ።

መርመርቲ ኣብ መጀመርታ እቶም መጥቃዕቲ ብሓያሎ ዝተፈላለዩ ሰባት ከምዝተፈጸሙ ይኣምኑ ነይሮም።

ሳላ ሓድሽ ቴክኖሎጂ ዲኤንኤ ግን፡ ሕጂ መርመርቲ ኩሎም መጥቃዕቲ ምስቲ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ መበል 66 ዓመቱ ዝሞተ ሲምስ ከምዝተኣሳሰሩ ፈሊጦም ኣለዉ።

ኣብ ዝተፈላለየ እዋን "ቦንዲ ቢስት" ወይ "ትራክሱት ሬፒስት" ተባሂሉ ዝፍለጥ ሲምስ፡ ንመጀመርያ ግዜ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ኣብ ገማግም ባሕሪ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ክሎቨሊ ኣብ 1985 እዩ ነይሩ።

ናይ መወዳእታ መጥቃዕቱ ድማ ኣብ ጥቓኡ ኣብ ዝርከብ መካነ መቓብር ኣብ 2001 እዩ ፈጺሙ።

ኣብቲ እዋን ነፍሲ ወከፍ ፍጻመ ብውልቂ ይምርመር እኳ እንተነበረ፡ ፖሊስ ግን ኣብ 2000ታት ከራኽብዎም ጀሚሮም።

ካብ 12 ግዳያት ዝተወስደ ዲኤንኤ ተመሳሳሊ ኮይኑ፡ ካልኦት 19 ፍጻመታት ድማ ምስቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመሉ ኣገባብ ዝሰማማዑ እዮም።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: ቢቢሲ ኣብ ካልእ ገጻት ንዘሎ ሓበሬታ ሓላፍነት ኣይወስድን።

End of X post

እተን ካብ 14 ክሳብ 55 ዓመት ዝዕድሚአን ደቂ ኣንስትዮ ኩለን ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ ተመሳሳሊ መግለጺ ሂበን እየን።

ቁመቱ ካብ 160 ክሳብ 180 ሴንቲ ሜተር፡ ጸሊም ቆርበት፡ ቡናዊ ዓይንን ገፊሕ ኣፍንጫን ነይርዎ።

ገጹ ሸፊኑን ከም ናይ ጉያ ቱታ፡ ቆብዕ ዘለዎ ጎልፎ ወይ ሓጺር ስረ ኩዕሶ እግሪ ዝኣመሰሉ ንቡር ክዳውንቲ ይኽደን ነይሩ። ንግዳያቱ ድማ ብካራ የፈራርሐን ወይ ድማ ካራ ከም ዘለዎ ከም ዝኣምና ይገብረን።

ኣብ 2019 ግን መርመርቲ ሓደ ኣንፈት ረኺቦም። ኣብ ዳታቤዝ ፖሊስ ዝሰማማዕ ስድራቤታዊ ዲኤንኤ ረኺቦም፡ እዚድማ ቁጽሪ ጥርጡራት ናብ 324 ሰባት ክቕንስ ገይሩ።

ኣብ ወርሒ መስከረም፡ ካብ ሲምስ ዝተወሰደ ቅምሶ፡ ምስቶም ካብቶም ግዳያት ዝተወስዱ ፍጹም ዝሰማማዕ ኮይኑ ተረኺቡ።

ስድራቤትን ፈተውትን፡ ሲምስ ኣዝዩ ዝፍቶ ኣቦ፡ ኣቦሓጎን ኣባል ማሕበረሰብን ክብሉ ከምዝገለጽዎ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ይሕብሩ።

እቲ ነቲ ዜና ንስድራቤት ሲምስ ዝነገረ መርማሪ፡ "ዝፈልጥዎ ነገር ከምዘይነበሮም" ተዛሪቡ።

መርማሪ ሳጅን ሸሊ ጆንስ፡ "ምስ በዓልቲ ቤቱ ተራኺብና፡ ፍጹም ሰንቢዳ" ክብል ንዘ ዳይሊ ቴሌግራፍ ተዛሪቡ።

"እቲ እትፈልጦ ሰብኣይ ነዚ ነገራት ክገብር ከም ዝኽእል ክትኣምኖ ኣይከኣለትን።"

መርመርቲ፡ እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ሰብ መንነቱ ከምዝተለለየ፡ እንተኾነ ግን ብሰንኪ ሞቱ ተወሳኺ ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰድ ከምዘይክእል ነተን ግዳያት ገሊጾምለን ኣለዉ።