ቻይና፡ ትሪልዮናት ዶላር ዝግመት ትልሚ ‘ቅናትን መንገድን’ ንቐርኒ ኣፍሪቃ ብኸመይ ጸልዩዎ?

መንገዲ ባቡር ኬንያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቀዳማይ ክፋል ናይቲ ብቻይና ዝተሃንጸ መንገዲ ባቡር ኬንያ ኣብ 2017 ብኽብ ዝበለ ስነስርዓት ተኸፊቱ ነይሩ።

ድሕሪ ክልተ ዓመት ግን ስራሕ ናይቲ መስመር ባቡር ኣብ ማእከል እታ ሃገር ደው ኢሉ፤ ምስ ካልኦት ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ንምትእስሳር ዝነበረ ማስተር ፕላን ዝተቘጸየ ይመስል።

እዚ ማለት እቲ ፕሮጀክት ኣብዚ ደረጃ ከምቲ ተስፋ ዝተገብረሉ ኣታዊ ኣየምጽእን ዘሎ ማለት እዩ።

ኬንያ ድማ ብቐንዱ ካብ ባንክታት ቻይና ዝወሰደቶ ብድምር ኣስታት 4.7 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ልቓሕ ክትከፍል ትግደድ ኣላ።

ኬንያውያን፡ ካብታ ኣብ ህንዳዊ ውቅያኖስ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ሞምባሳ፡ ብቐጥታ 470 ኪ.ሜ ርሒቘም ተጓዒዞም ኣለዉ።

ጓል 53 ዓመት ተጓዓዚት ፓውሊን ኤቸሳ፡ "ጽቡቕ'ዩ" ኢላትኒ። እቲ ናይ ኣርባዕተ ሰዓትን ፈረቓን ጕዕዞ፡ እቲ ባቡር ንሃገራዊ ፓርክታት ኣቋሪጹ ዝሓልፍ ኰይኑ፡ ኣብ መንገዲ እንስሳ ዘገዳም ክትርኢ ምኽኣላ ከምዘሐጕሳ ትዛረብ።

ካልእ ጓል 30 ዓመት ተጓዓዚት ድማ፡ እቲ ጕዕዞ ቅሩብ ኣድካሚ ኰይኑ ረኺባቶ።

እቲ ኮፍ መበሊ ክንድኡ ምቹእ ከምዘይኰነ ግን እቲ ጕዕዞ ምስ ካልእ ካብ ገማግም ባሕሪ መገድታት ክነጻጸር እንከሎ ርካሽ ከምዝዀነ ገሊጻ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብወገን ተሳፈርቲ እቲ ስራሕ ጽቡቕ ይኸይድ ከምዘሎ ዘጠራጥር ኣይኰነን፤ እንተዀነ ነቲ ልቓሕ ባዕሉ ክመልሶ ኣይክእልን'ዩ - ከምኡ ክገብር ተባሂሉ ድማ ፈጺሙ ኣይእመንን።

እዚ ጾር እዚ ኣብቲ ናይ ጽዕነት ወገን ናይቲ ንግዲ ይወድቕ፣ ነቶም ኣብ ወደብ ሞምባሳ ዝበጽሑ ኮንተይነራት ናብ ውሽጢ ሃገር ኣምጺእካ ናብ ዩጋንዳ፡ ሩዋንዳን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጐን ክበጽሑ ተሓሲቡ ነይሩ።

እቲ ጸገም ክሳብ እታ - ካብ ናይሮቢ 120 ኪ.ሜ ርሕቀት ዘለዋ ግን ከኣ ገና ካብ ዶብ ዩጋንዳ ርሒቓ እትርከብ ከተማ ናይቫሻ ጥራይ እየን ዝጓዓዛ ዘለዋ።

ድሕሪኡ መብዛሕትአን ናይ ጽዕነት ባቡራት ባዶ ኰይነን ናብ ሞምባሳ ይምለሳ፡ እዚ ድማ ዓቢ ክሳራ እዩ።

ጸሓፊ ካቢነ ሚኒስተራት ትራንስፖርት ኬንያ ኪፕቹምባ ሙርኮመን ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "እቲ ፕሮጀክት ምቕጻል ዝያዳ ኣፍራዪ ክኸውን'ዩ። እቲ ፋይናንሳዊ ጉዳይ ግን ብሓቂ ናትና ብድሆ'ዩ" ኢሉ።

መንግስቲ ኣብ ቻይና ኣብ ዝካየድ ዋዕላ ‘መንገድን ቅናትን'፡ ንህንጸት እቲ ዝተረፈ ክፋል ናይቲ ባቡር ንምምዋል ኣማራጺታት ክድህስስ ምዃኑ ይዛረብ።

ኣብ 2013 ዝተጀመረ ገዚፍ ተበግሶ ‘ቅናትን መንገድን’ ቻይና (BRI) ኣብ መላእ ዓለም ዝተዘርግሐ ኰይኑ፡ ንመላእ መልክዓት ትሕተ-ቅርጺ ኣፍሪቃ ብግልጺ ቀይርዎ ኣሎ።

ቻይና ግን ምወላ ምንካይ ኣብ እትቕጽለሉ ዘላ እዋንን ሃገራት ኣፍሪቃ ቍጠባአን ንምርግጋእ ኣብ ዝጓየያሉ ዘሎ እዋንን፡ ዝዓቢ ዘሎ ዕዳ መጻኢ'ቲ ፕሮጀክት ኣጸልሚትዎ ኣሎ።

ኣመሪካዊ ትካል ቤት ምኽሪ ርክባት ወጻኢ፡ ገለ ወፍሪታት ቢ.ኣር.ኣይ ዘይግሉጽ መስርሕ ጨረታ ዘጠቓለለ ምዃኑ፡ ቻይናውያን ትካላት ምጥቃም ከምዘድለየን፡ እዚ ድማ ልዑል ወጻኢታት ከምዘስዕብን ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት ፕሮጀክትታት ምስራዝን ፖለቲካዊ ወጥርን ከምዘስዓበ ይምጕት።

ንቍጠባ ቻይና ዝጸለዉ ውሽጣዊ ጉዳያት እውን፡ ምወላ ኣዝዩ ክንኪ ምኽንያት ከምዝዀነ ምክትል ኣመሓዳሪ ማእከላይ ባንክ ናይጀርያ ነበር፡ ኪንግስሊ ሞጋሉ ይዛረብ።

"ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት፡ ኣብ መላእ እታ ኣህጉር ዝተገብረ ምወላ፡ ልዕሊ 2 ቢልዮን ዶላር ኣይከውንን" ይብል - ካብቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ዝነበረ ካብ 10 ቢልዮን ክሳብ 20 ቢልዮን ዶላር ኣዝዩ ዝወረደ ምዃኑ ይግምት።

እቲ ናይ ኣርባዕተ ሰዓትን ፈረቓን ጉዕዞ፡ እቲ ባቡር ንሃገራዊ ፓርክታት እናቖረጸ ይሓልፍ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መንገዲ ባቡር ኬንያ [SGR] ሓደ ካብቶም ዝተሃስዩ ፕሮጀክታት እዩ። ሚስተር ሙርኮመን ግን ኬንያ ንኣማራጺታት ክፍትቲ ምዃና ይዛረብ።

"ኣብ ቻይና ገንዘቦም ብኸመይ መሊሶም ከምዝረኽቡ እንተተዘራሪብና፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ጸጋታት ከቐምጡ ፍቓደኛታት ዝዀኑ መወልቲ ውልቃዊ ጽላት ኣለዉ" ይብል።

ሓደ፡ እታ ሃገር መጀመርታ ነቲ ንዝተዛዘሙ ክፋላት ናይቲ ባቡር ንምምዋል ዝተወስደ ልቓሕ ንምምላስ ዘኽእላ ንውሕ ዝበለ ግዜ ንምርካብ ምሕታት ክኸውን ከም ዝኽእል ይገልጽ።

እዚ ተወሳኺ ምወላ ምሕታት ግን፡ ነቶም ቅድሚ ሓደ ዓመት ናብ ስልጣን ዝመጽአ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ብዘተኣታተዎ ወሰኽ ግብሪ ዝሳቐዩ ዜጋታት ጽቡቕ ዜና ኣይክኸውንን።

ኬንያውያን ምኽፋል ዕዳ ኣብ ቁጠባ እታ ሃገር ልዑል ጸቕጢ ይገብር ምህላዉ የሻቕሎም።

ካብ መወዳእታ ሰነ 2022 ጀሚሩ ዝነበረ ኣሃዛት መንግስቲ ከምዘመልክቶ፡ ቻይና ሳልሰይቲ ዝዓበየት ኣለቃሒት ኬንያ እያ - 19.4% ካብ ጠቕላላ ዕዳ እታ ሃገር ትሕዝ።

"ኣብዚ እዋን'ዚ፡ ደረጃ ዕዳ እታ ሃገር ኣዝዩ ከቢድ'ዩ" ይብል ኬንያዊ ክኢላ ስነቝጠባ ኬን ጊቺንጋ፡ ዝመጽእ ሰነ ኬንያ 2 ቢልዮን ዶላር ዩሮቦንድ ክትመልሰሉ ዘለዋ እዋን ምዃኑ ብምግላጽ።

"እዚ ኵሉ ገንዘብ ድማ ናብ ምህናጽ እቲ ባቡር ከምዘይከደ ዝገልጽ ስምዒታት'ውን ኣሎ" ይብል ሚስተር ጊቺንጋ።

ከም በዓል ኬንያ ዝኣመሰላ ሃገራት ምስ ቻይና ዝፈረማኦ ስምምዓት ዘይንጹርነት ንባዕለን ዜጋታት ከምኡ’ውን ኣብ ወጻኢ ንዝርከቡ ነቐፍቲ ዘተሓሳስብ ጉዳይ እዩ።

ቤት ምኽሪ ርክባት ወጻኢ ኣመሪካ ከምዝብሎ፡ ውዕላት ልቓሕ ሳሕቲ ንህዝቢ ከም ዝግለጽን "ቻይና ናብ ክለብ ፓሪስ-ዓበይቲ ኣለቃሕቲ - ምጽንባር ስለ ዝኣበየትን"፡ ባንክታት ቻይና ንመጠን ልቓሕ ክድርታ ወይ ሓበሬታ ከካፍላ ኣይግደዳን።

እዚ ማለት፡ ንኣመሪካን ነተን ተለቃሕቲ ሃገራትን ዘስዓቦ ሓደጋታት "ካብ ረብሓታቱ ኣዝዩ ዝዛይድ" ምዃኑ ይድምድም።

ባቡር ኬንያ

ምንጪ ስእሊ, AFP

እቲ መበቆላዊ ማስተር ፕላን መጓዓዝያ ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ቅድሚ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣቢሉ ብማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝተወጠነ ኰይኑ፡ ካብ ገማግም ባሕሪ ናብተን ኣፍደገ ባሕሪ ዘይብለን ሃገራት ብኽልተ መስመራት ክኣቱ ይደሊ ነይሩ።

እቲ ሓደ ካብ ኬንያ ተበጊሱ፡ ሰሜናዊ ኮሪደር ተባሂሉ ዝፍለጥ ናብ ኡጋንዳ ገጹ ዘምርሕ ኰይኑ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ካብ ታንዛንያ ዝመጽእ፡ ማእከላይ ኮሪደር ተባሂሉ ዝጽዋዕ፡ ምስ ደቡብ ሱዳንን ደሞክራሲያዊት ሪፑብሊክ ኮንጐን ይራኸብ።

ይዅን እምበር ዩጋንዳ ገጻ ናብ ታንዛንያ ክትመልስ ትኽእል እያ።

እቲ ፕሮጀክት ባቡር ንምህናጽ ኣዝዩ ዝወሓደ ወጻኢታት ዝሓትት ኰይኑ፡ እቲ መስመር ኤሌክትሪክ ስለዘለዎ ዝለዓለ ፍጥነት ይህብ።

ፕረዚደንት ታንዛንያ ነበር ጆን ማጉፉሊ፡ ነቲ ቅድሚኡ ብዝነበረ መራሒ ምስ ቻይና ዝተፈረመ ስምምዕ ብምቕዳድ፡ ነቲ መንገዲ ባቡር ንምህናጽ ካብ ቱርኪን ፖርቱጋልን ምወላ ክረክብ መሪጹ።

ታንዛንያ ምስ ሩዋንዳ፡ ብሩንድን ኮንጎን ንምትእስሳር እውን ኣብ መስመር ትርከብ ትመስል፤ ቻይና ኣብ ዳሕረዎት ክፋላት ናብቲ ፕሮጀክት ዝተጸምበርት ትመስል።

ሚስተር ሞጋሉ፡ ከም ታንዛንያ ዝኣመሳ ሃገራት እታ ኣህጉር "ናይ ገዛእ ርእሰን ዕጫ ወሰንቲ ክኾና ኣለወን" ክብል ይምጉት።

"ሃገራት ኣፍሪቃ ዳግመ ምሕሳብ ከድልየን'ዩ፡ ከምኡ'ውን ከም ዝተበደለ መጻምድቲ ኰይኑ ኣይስምዐንን'ዩ፡ ምኽንያቱ መጻምድተን ነበር ምዕራባውያን ጽቡቕ ስለዘይሓዘአን ንቻይና ከመስግና ኣለወን።"

ምዕራባውያን ሃገራት ኣብዚ ቀረባ እዋን ምስ ሃገራት G-7 ብምትሕብባር ኣብ 2021 ዝተጀመረ፡ ብተበግሶ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፡ ሓዊሱ ንቅናትነ መንገድን ፕሮጀክት ንምምካት ይጽዕራ ኣለዋ።

ቻይና ግን ሕጂ’ውን ብመንጽር ነዊሕ ግዜ ዝያዳ ክትህብ ከምእትኽእል ሓፈሻዊ ግምት ኣሎ።

ንናይሮቢ-ሞምባሳ ተጓዓዝቲ፡ ከምዚ ዓይነት ወፍሪ ንመጻኢ እታ ሃገር ብርግጽ ዋጋ ኣለዎ።

ሚስ ኤቸሳ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "እቲ ዕዳ ክንከፍልን ንኸምዚኦም ዝኣመሰሉ ፕሮጀክትታት ዝያዳ ክንረክብን መስዋእቲ ንኸፍል" ኢላ።

መንግስቲ ኬንያ ንቻይና፡ ከምኡ’ውን ንባንክታታ፡ መንገዲ ባቡር 'ኤስጂኣር' ናብ ዶባትን ክንዮኡን እንተበጺሑ ኣትራፊ ከምዝኸውን ከእምን ተስፋ ሰኒቑ ኣሎ።