ቡርኪናፋሶ ስለ ምንታይ ንቢቢሲ ኣጊዳ?

ቡርኪናፋሶ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ጃምላዊ ቅትለት ከም ዝፈጸመ ዝኸስስ ጸብጻብ ንዝሰርሑ ቢቢሲን ድምጺ ኣመሪካን ኣጊዳ።

ፈነወ ክልቲኦም ማዕከናት ዜና ከምኡ'ውን ድረገጻቶም ንክልተ ሰሙን ከም ዝተኣገደ እዮም ሰበስልጣን እታ ሃገር ገሊጾም።

ክልቲኦም ማዕከናት ዜና፡ ሂዩማን ራይትስ ዎች ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ሰራዊት ቡርኪናፎ ኣብ ወርሒ ለካቲት ብውሕዱ 223 ሲቪላት ከም ዝቐተሉ ዝገልጽ ሓበሬታ ጠቒሶም ጸብጻባት ኣዳልዮም ነይሮም።

እቲ ሰራዊት፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ብዕልዋ መንግስቲ ስልጣን ምስ ሓዘ ነታ ሃገር ይመርሕ ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ብዛዕባ እቲ ሂዩማን ራይትስዎች ዘውጽኦ ጸብጻብ'ውን ርኢይቶ ኣይሃበን። ዳይሬክተር ኮምዩኒኬሽ እቲን ሰራዊት ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶ፡ መግለጺ ክውሃብ እንከሎ ከም ዝምልስ ሓቢሩ።

ተቖጻጻሪ ሚድያ ቡርኪናፋሶ ብሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ኵለን ማዕከናት ዜና ነቲ ጸብጻብ ከይሽፍና ከም ዘጠንቀቐ ብምግላጽ ነዚ ኣብ ልዕሊ ዘየክብራ እገዳ ከም ዘንብር ማዕከናት ዜና መንግስቲ ገሊጸን እየን።

ወሃቢ ቃል ቢቢሲ "እቲ እገዳ፡ ቢቢሲ ነጻን ቅኑዕን ዜና ንምብጻሕ ኣብ ዝገብሮ ጻዕሪ ጸገም ዝፈጥር እዩ። ማሕበረሰብ እቲ ዞባ ማእከል ብዝገበረ መልክዑ ንረብሓ ህዝቢ ብዘይ ፍርሒ ጸብጻባት ከነቕርብ ክንቅጽል ኢና" ኢሉ።

ድምጺ ኣሜሪካ ብወገኑ፡ "ኣብታ ሃገር ዘለው ምንቅስቓሳት ብምሉእን ፍትሓውን መገዲ ምሽፋን" ከም ዝቕጽል ብዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ሂዩማን ራይትስዎች እንታይ'ዩ ኢሉ?

ጸብጻብ ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ሰራዊት ቡርኪናፋሶ ሶሮ ኣብ ዝተባህለት ግዝኣት 179 ሰላማውያን ሰባት፡ ክቐትል እንከሎ፡ ኣብ ጥቕኣ ኣብ እትርከብ ቑሸት ኖንዲን ድማ 44 ዜጋታት ከም ዝቐተሉ ይጠቅስ።

ነበርቲ እቲ ከባቢ ንዕጡቓት ይሕግዙ እዮም ብዝብል ክሲ፡ እቲ ሰራዊት ኣብ ልዕሊ ነበርቲ እታ ግዝኣት ዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ ሕነ ምፍዳይ ከም ዝዀነ ድማ ይገልጽ።

ሂዩማን ራይትስ ዎች፡ ነቲ ጃምላዊ ቅትለት ኣብ ውሽጢ ኣስታት ዓሰርተ ዓመታት ዝተፈጸመ "ኣዝዩ ዝኸፍአ ግህሰት ሰራዊት" እዩ ክብል ገሊጽዎ።

ደገፍቲ ወተሃደራዊ ጁንታ ኣቐዲሞም፡ ከምዚ ዓይነት ጸብጻባት ንሞራል ዕጡቓት ሓይልታት ንምድኻም ዝተዳለወ እዩ ብምባል፡ መራኸቢ ብዙሃን፡ ግፍዒ ተፈጺሙ ዝተባህለ ጸብጻባት ምቕራቦም ነቒፎም ነይሮም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት'ውን፡ እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ንማዕከናት ዜና ፈረንሳ ኣጊዱ ነይሩ፤ ጋዜጣ ለ ሞንድ፡ መጽሔት ጀውን ኣፍሪክ ቲቪ ላ ቻይን ኢንፎ ከምኡ’ውን ፍራንስ24 ካብተን ዝተኣገዳ እየን።

እቲ ወተሃደራዊ ሓይሊ ኣብታ ሃገር ዘሎ እስላማዊ ናዕቢ ደው ንምባል ተመጻቢዑ ስልጣን ከም ዝሓዘ ይፍለጥ።

እቲ ዓመጽ ግን እናገደደ ይቕጽል ኣሎ፤ ጅሃዳውያን ጉጅለታት ድማ ልዕሊ ሲሶ ቡርኪናፋሶ ተቖጻጺሮም ይርከቡ።

ጉጅለታት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ሕብረት ኤውሮጳን ሕቡራት ሃገራትን፡ ቡርኪናፋሶ ኣንጻር ዕጡቓት ኣብ እትገብሮ ቃልሲ፡ ብዘይ ኣፈላላይ ቅትለት፡ ብግዴታ ምጥፋእ ሰላማውያን ሰባትን ካልኦት ግህሰታትን ከም ዝፈጸመት ይኸሱ።