ሳልሳይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ከምእተዛዘመ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, FANA
ሳልሳይ ዙር ምምላእ ማይ ዓቢይ ግድብ ህዳሰ ከምእተዛዘመን እቲ ማይ ብልዕሊ እቲ መንደቕ ክፈስስ ምጅማሩን ተገሊጹ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተር ደመቀ መኮንንን ዝርከብዎም ላዕለዎት ሰበስልጣን ድሕሪ ምዝዛም ምምላእ እቲ ማይ ኣብቲ ስፍራ ተረኺቦም ምንባሮም'ውን ተሓቢሩ።
ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ክራማት ቀዳማይን ካልኣይን ዙራት ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ከም እተካየደ ዝዝከር እዩ።
ሳልሳይ ዙር ምምላእ ማይ እቲ ግድብ ከምእተዛዘመ ዝተሓበረ ትማሊ ሓሙስ 11 ነሓሰ ክኸውን እንከሎ ካልኣይ ተርባይን መመንጨዊ ሓይሊ ኤለክትሪክ ስርሑ ከምዝጀመረ ምስተገለጸ እዩ።
ትማሊ ሓሙስ ሓይሊ ኤለክትሪክ ምፍልፋል ዝጀመረ ካልኣይ ተርባይን እቲ ግድብ፡ ብታሽዓይ ዩኒት ዝጽዋዕ ክኸውን እንከሎ፡ 270 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤለክትሪክ ናይ ምምንጫው ዓቕሚ ከምዘለዎ ይግለጽ።
ለካቲት 2014 (ኣቆጻጽራ ግእዝ) ስርሑ ዝጀመረ 10ይ ተርባይን ብተመሳሳሊ 270 ሜጋ ዋት ሓይሊ ናይ ምምንጫው ዓቕሚ ዘለዎ ኮይኑ ብድምር 540 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤለክትሪክ የፈልፍሉ።
ዋና ኣካያዲ ስራሓት ህንጸት እቲ ግድብ ኢንጅነር ክፍሌ ሆሮ፡ ሲቪላዊ ስርሓት እቲ ግድብ 95% ከምእተዛዘመ ገሊጹ።
ንሱ ወሲኹ፡ ህንጸት ናይ ኤለክትሮ ሜካኒካል ሰራሓትን ምትካልን ናብ 61% ክብ ከምዝበለን ናይ ማይ መተሓላለፊ ሓጻውን ስራሓት ከኣ 73% ከምዝበጽሐን ሓቢሩ።
እቲ ዋና ኣካያዲ ስራሕ፡ ኣብ ጽምብል ወግዓዊ ምጅማር ስራሕ እቲ ካልኣይ ተርባይን መመንጨዊ ሓይሊ ኤለክትሪክ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ ሓፈሻዊ ህንጸት እቲ ግድብ ኣብ 83.3% ከምዝርከብ ኣረዲኡ።
ህንጸት እቲ ዲጋ ምስ ተዛዘመ፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝዓበየ ግድብ መመንጨዊ ሓይሊ ኤለክትሪክ ከምዝኸውን ትጽቢት ዝግበረሉ 'ግድብ ህዳሴ' 145 ሜትር ብራኸን 1.8 ኪሜ ጎድንን ኣለዎ።
እቲ ልዕሊ 5,000 ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤለክትሪክ ከመንጩ ምዃኑ ዝንገረሉ ግድብ ልዕሊ 5 ቢልዮን ብር ወጻኢ ክግበረሉ እንከሎ ኪንዮ ኢትዮጵያ ንጎረባብቲ ሃገራት ሓይሊ ኤለክትሪክ ክቕርብ ትጽቢት ይግበረሉ።
እምነ መሰረት ናይቲ ኣብ ምዕራባዊ ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ኣብ እትዋሰን ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ ወረዳ ጉባ ዝህነጽ ዘሎ ግድብ ህዳሰ ብ24 መጋቢት 2003 (ኣቆጻጽራ ግእዝ) እዩ ተነቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







