ኣብ ኤርትራ ሕጽረት ኤለትሪክን ማይን ኣብ ዘሻቕል ደረጃ ይርከብ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ጀሚሮም ብዙሓት ኤርትራውያን ዲያስፖራ ስድራ ቤቶም ክርእዩን ምስ ህዝቦም ከዕርፉን ብብዝሒ ናብ ኤርትራ ይገሹ ምህላዎም ጸብጻባት የረድኡ።
እንተኾነ ኣብዚ እዋን’ዚ ዳርጋ ኣብ መላእ ከተማታት ኤርትራ ሓያል ሕጽረት ኤለትሪክ ብምህላው ዜጋታት ዕለታዊ ህይወቶም ክመርሑ ከምዝተጸገሙን ትካላት ስሩዕ ንጥፈታተን ከካይዳ ከምዝተሸገራን ዜጋታት ካብ ውሽጥን ወጻእን ንቢቢሲ ተዛሪቦም።
ኣብ ኤርትራ፡ ሕጽረት ጸዓት ንነዊሕ ዓመታት እኳ እንተጸንሐ ኣብ ክንዲ ዝመሓይሽ መመሊሱ ይገድድ ብምህላው ብሰንኪ እቲ ዘጋጥም ዘሎ ሕጽረት ኣገልግሎት ጸዓት ንመሰረታዊ መነባብሮ እቲ ሕብረተሰብ ኣዝዩ ተንኪፉዎ ምህላው እቶም ዜጋታት ሓቢሮም።
[ኣስማት ናይቶም ኣብዚ ዛንታ’ዚ ካብ ውሽጢ ዓዲ ሓበሬታ ዝሃቡ ሰባት ንድሕነቶም ተቐይሩ ኣሎ።]

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ነባሪት ከተማ ደቀምሓረ ተበርህ በረኸት “ ኣገልግሎት ኤለትሪክ ካብ ዘይንረክብ ዳርጋ ወርሕና ስለዝገበርና መጎጎ ኣጕድና ደቅና ክንዕንግል ኣይከኣልናን” ትብል።
ሞባይላቶም ባትሪ ምስ ወድኣ ገንዘብ ከፊሎም ጄነሬተራት ኣብ ዝጥቀሙ ሓደ ሓደ ትካላት ከምዘምልኡወን ትዛረብ።
ኣብቲ ድሕሪ ሳምንታት ሃንደበት ኤለትሪክ እትመጸሉ እዋን ነብሲ ወከፍ ስድራ ሞባይላቱ ክመልእን ዝርካቡ መግቡ ከዳሉን ከምዝቀዳደም ቅድሚ ሒደት መዓልታት ካብ መገሽኣ ዝተመልሰት ፍረወይኒ መብራህቱ ተመኩሮኣ ኣካፊላ።
“ኣብዚ እንነብረሉ ሃገረ ስደት ዋላ እውን ደኺመን ርሂጸን ዝረኽቦ ጸጋ እንተኾነ ሕጽረት ኤለትሪክ ዝበሃል ስለዘይንፈልጥ ነቲ እንረኽቦ ጸጋ ብዙሕ ግምት ኣይንህቦን ኢና። ኣብ ኤርትራ ግን ነዛ ሞባይለይ ቻርጅ ክገብር ምስተጸገምኩ፡ ስድራ መጎጎ ክስንክታ ምስተሸገራ፡ ኣብ ዱኳናት ከም ድላየይ ዝግዛእ ባኒ ምስ ሰኣንኩ ኣዝዩ ተሰሚዑኒ” ክትብል እቲ ዘሎ ቁጠባዊ ጸገማት ቅልጡፍ ፍታሕ ክግብረሉ ተማሕጺና።
ብፍላይ እቶም ኣብ ከተማታት ዝነብሩ፡ ብጸዓት ኤለትሪክ መግቦም ዘዳልውን ዕለታዊ ህይወቶም ዝመርሑን ነበርቲ ዕንጨይትን ፈሓምን ክረኽቡ’ውን ስለዘይክእሉ ኣዝዮም ከምዝተጸገሙ ተበርህ ትሕብር።
“ኣብ ብዙሕ ከባቢታት ኤርትራ ገረብ ከይቁረጽ ስለዝተኸልከለ፡ ዕዳጋ ዕንጸይትን ፈሓምን ከም ቀደሙ የሎን። እንተተረኽበ እውን ድኻ ዘይክእሎ ክቡር ብምዃኑ ፍታሕ ደኣ የምጽኣልና እምበር ናይ ብሓቂ ተሸጊርና ኣሎና” ክትብል ምረታ ገሊጻ።
ጠንቂ ናይቲ ሕጽረት እንታይ እዩ

ምንጪ ስእሊ, SFECO
ቀንዲ ምንጪ ጸዓት ኤርትራ፡ እቲ ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ተደኲኑ ዝርከብ መደበር ጸዓት ሕርጊጎ እዩ።
እቲ ብ98.6 ሚልዮን ዶላር ወጻኢታት ተሓዲሱ ብ60 ሚኢታዊት ፍርያቱ ክብ ዘበለ ብኣርባዕተ ዓበይቲ ጀኔሬተራት ጸዓት ዘመንጩ መደበር ምስ ግዜ ጄኔረተራቱ ክበላሸዋ ሕጽረት መቀያየሪ ኣቝሑ ስለዘጋጠሞ ንመላእ ኤርትራ ጸዓት ክምግብ ከምዘይከኣለ ክኢላታት ይሕብሩ።
ኤርትራ ናጻነታ ካብ እትጎናጸፍ 30 ዓመታ እኳ እንተሕለፈት ገና ሕጽረታት ኤለትሪክን ማይን ከተመሓይሽ ብዘይምኽኣላ ብሕጽረት ቀረባት ገይሾም ዝተመልሱ ሰባት የማርሩ።
መንግስቲ ብዛዕባ እቲ ዘጋጥም ሕጽረት እዋናዊ ሓበሬታ ስለዘይህብ እቲ ህዝቢ ባዕሉ "ስእነት መቀያየሪ ኣቝሑ እዩ ዝኸውን። ነዳዲ ከቢሩዎም እዩ ዝኸውን" እናበለ ነቲ ነገር ከምዝጽመሞ እትገልጽ ፍረወይኒ፡ እታ ዝርካባ ዕረፍትና ከም ቖልዑ “ልቼ ከደት ልቼ መጺአት” ክንብል አሕሊፍናያ ክትብል ተመኩሮኣ ትዛረብ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብቲ ብምኽንያት ሃገራዊ በዓላት ኣብ ዝገብሮ ቃለ መሕትት እቲ ዝርካቡ ጸዓት ንከም ፋብሪካ ሰሜንቶ ዝኣመሰለ ዓንዲ ሕቖ መሰረት ወፍሪ ልምዓት ዝኾነ ትካላት ቀዳምነት ከምዝወሃቦ ኣረዲኡ ነይሩ።
ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣገልግሎት ኤለትሪክ እናንቆልቆለ ስለዝመጽአ መንግስቲ ናብ ተሓዳሲ ጸዓት (ሶላር) ከድህብ ከምዝጀመረን ሓያሎ ፕሮጀክትታት ከምዝፈታተነን ኣብ ማዕከናት ዜናኡ ይገልጽ እዩ።
ኣብ ሓደ እዋን፡ ሕብረት ኤውሮጳን መሻርኽቱን ብዝምውልዎ ኣስታት 11 ሚልዮን ዩሮ ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ ንኡሳን ዞባታት ዓረዛን ማይድማን ንዝርከባ 28 ዓድታት ዘገልግል ብጸሓያዊ ጸዓት ኤለትሪክ ዘመንጩ ፕሮጀክት የሰላስል ከምዘሎ ተሓቢሩ ነይሩ።
እቲ ጸገም ግን ናይ ኤለትሪክ ጥራሕ ኣይኮነን። ብፍላይ ኣብ ከተማ ኣስመራን ከረንን ሕጽረት ዝስተ ማይ እውን ኣዘራረቢ ኮይኑ ጸኒሑ ኣሎ።
ንነዊሕ እዋን ኣገልግሎት ዝስተ ማይ ስለዝተሰናኸለ ገሊኦም ነበርቲ እዘን ከተማታት ኣብ ከባቢኦም ናብ ዝርከባ ዓድታት ከይዶም ማይ ክጓርቱ ከምዝጀመሩ ፍረወይኒ ትገልጽ።
“ሕጂ ደኣ ዝናብ መጺኡ ረዲኡዎም እምበር ብሕጽረት ማይ ኣዝዮም እዮም ተጨኒቖም ነይሮም። እቲ ዝርካቡ ካብ ቦጣት ዝዕድጉዎ ዝነበሩ ማይ ጨው እውን እዩ ሓሪምዎ እዩ ነይሩ” ትብል ፍረወይኒ ነቲ ኣብ ዕረፍታ ዘሕለፈቶ በዳሂ ግዜ ብምዝካር።
እቲ ብኣርባዕተ ጀነሬተራት ስርሑ ዝጀመረ መደበር ሓይሊ ኤለትሪክ ሕርጊጎ ክሳብ 2018 ኣብ ዝነበረ ግዜ ክልተ ካብ ሞተረታቱ ብሰንኪ ስእነት መቀያየሪ ኣቝሑ ካብ ስራሕ ወጻኢ ብምዃነን ነተን ዝተበላሸዋ ጄነረይተራት ከም መቀያየሪ ኣቝሑ ይጥቀሙለን ከምዝነበሩ ካብ 2011 ኣትሒዙ ኣብቲ ትካል ዝዓዩ ዝነበረ ጆሜትራ ኣስመሮም ንቢቢሲ ተዛሪቡ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኤርትራ ክሳብ መደበር ጸዓት ኤለትሪክ ሕርጊጎ ዝምረቕ ካብ ሓይሊ ኤለትሪክ በለዛ ብዝፈሪ ዝነበረ 17 ሜጋ ዋት ጸዓት እያ ትጥቀም ነይራ። ካብቲ ዝፈሪዝነበረ ጸዓት እውን ብሰንኪ እርጋን ትራንስፎርመራት 18% ጸዓት ኣብ መገዲ ይባኽን ምንባሩ ኪኢላታት ዝዛረቡ።
መደበር ሕርጊጎ ምስ ተሃንጸን ብኸቢድ ወጻኢታት ምስ ተሓደሰን ግን ካብ ከመንጭዎ ዝጸንሐ 84 ሜጋ ዋት ናብ 132 ሜጋ ዋት ክዓቢ ትጽቢት ተገይርሉ እኳ እንተነበረ ብሰንኪ እርጋንን ሕጽረት መቀያየርን ከቢድ ናይ ጸዓት ሕጽረታት የጋጥም ኣሎ።
ማዕከናት ዜና መንግስቲ ኤርትራ ቀረብ ጸዓት ንምምሕያሽ ምስ ምስ ቻይናዊ ትካል ይዘራረብ ምህላው እኳ እንተገለጸ ንምዕባለታቱ ዝምልከት ሓበሬታ ግን ኣይቀረበን።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ “ምዝራብ ኣይባህልናን እዩ” ብዝብሎ መርሓ፡ ኣብታ ሃገር ብዛዕባ ዝካየድ ቁጠባዊ፡ ዲፕሎማሲያዊ፡ ፖለቲካውን ማሕበራውን ኩነታት ንህዝቢ ዝንገር ዝርዝራዊ ሓበሬታ ስለዘየሎ "ነቲ ዝመጽእ እዝግሄርካ ኣሚንካ ጥራሕ ኢኻ ትጽበዮ" ትብል ኣብዚ ቐረባ እዋን ኣስመራ በጺሓ እተመልሰት ኤርትራዊት ነባሪት ስደት ፍረወይኒ መብራህቱ።
ሎሚ ንኤርትራ ደዊልካ ስልኪ ስድራኻን መቕርብካን እንተዘይተላዒሉ እታ ቐዳመይቲ እትጥርጥራ ነገር ኤለትሪክ ስለዘይብሎም እዩ ዝብል ግምት ከምእተቐምጥ ዝሓበረ ብርሃነ ምኪኤል፡ ሞባይላት ባተሪ ምስ ወድኣ ዝመልአን ጸዓት ስለዘየሎ ርክብ ዝበሃል ከምዝብተኽ የረድእ።
ብሰንኪ ሕጽረት ኤለትሪክ ደቀን ክዕንግላ ዝተሸገራ ስድራ-ቤታት ኤርትራ ኣብ መበል 21 ክፍለ ዘበን ኣብ ከተማታት እቶን ለቢደን ሳዕረ ማዕርን ክቦን ገፋጊፈን መጎጎ ክኣጒዳ ይግደዳ ከምዘለዋ ፍረወይኒ ትዛረብ።
ኣብ ከተማታት ዕንጸይትን ፈሓምን ሒዙ ዝተረኽበ ሰብ እንኮላይ አእዱጉን ኣግማሉን ከምዝህገር ዝሓበረት ተበርህ ብሳዕቤኑ ስድራቤታት ኣብ ኣዝዩ ከቢድ ቅልውላው ወዲቐን ከምዘዋ ሓቢራ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







