ሓሙሽተ ኢትዮጵያውያን ኣብ ንግደት ሓጅ ሞይቶም ተባሂሉ

ሓጅ

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

ንንግደት ሓጅ ናብ ስዑዲ ዓረብ ካብ መንጐ ዝኸዱ ሃይማኖታዊ ተጕዓዝቲ፡ ሓሙሽተ ኢትዮጵያውያን ብምኽንያት ሕማምን ሓደጋ መኪናን ከም ዝሞቱ፡ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ዓመት ኣብ ንግደት ሓጅ ካብ መንጐ ዝተሳተፉ ኢትዮጵያውያን “ሓደ ሽማግለ” ብሓደጋ መኪና ኣርባዕተ ድማ “ብዝነበሮም ሕዱር ሕማምን ምጭንናቕን” ከም ዝሞቱ ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ዩሱፍ ጌታቸው ንቢቢሲ ገሊጹ።

እቲ ብሓደጋ መኪና ዝሞተ ሓጃጂ፡ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ከም ዝተቐበረ ድማ ኣፍሊጡ።

“ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ናብ ሆስፒታል ብምኻድ እቲ መዋቲ ኢትዮጵያዊ ምዃኑ ኣረጋጊጹ’ዩ። እዚ ዘሎ ሰነዳት [ንመንግስቲ ስዑዲ ዓረብ] ስለ ዝተዋህበ ኣብኡ’ዮም ተቐቢሩ። ስድራ’ውን ተረዲኦም’ዮም” ኢሉ።

እቶም ካልኦት ግን፡ “ብመሰረት ሕጊ ስዑዲ ቤተሰብ ክሳብ ዝመጽእን ገለ ነገራት ክሳብ ዝጻረዩን [ከይተቐብሩ] ክጸንሑ’ዮም” ክብል ሓቢሩ።

ኣብዚ ዓመት ኣብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝተኻየ ንግደት ሓጅ 12 ሽሕ ኢትዮጵያውያን ተሳቲፎም።

ሰብ መዚ እታ ሃገር፡ ኣስታት 1.83 ሚሊዮን ተጉዓዝቲ ኣብቲ ንግደት ከም ዝተሳተፉ ይሕብሩ፤ ካብዚኦም እቶም 1.6 ሚሊዮን ካብ ሃገራት ወጻእ ዝመጽኡ’ዮም።

መብዛሕትኦም ድማ፡ ዜጋታት ፓኪስታን፣ ዮርዳኖስን ቱኒዝያን እዮም።

ንግደት ሓጅ እዚ ዓመት፡ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ ክስተት ዘተኣናገደ’ዩ ነይሩ።

ልዑል ሙቐት ከም ዘንቀሎ ብዝእመን ሓደጋታት፡ ዜጋታት ዝተፈላለያ ሃገራት ዝዀኑ ብውሑድ 922 ሃይማኖታዊ ተጕዓዝቲ ከም ዝሞቱ ጸብጻብ ማዕከን ዜና ኤኤፍፒ የመልክት።

ንግደት ሓጅ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ምትእኽኻብ ኣመንቲ ዝርኣየሉ ኰይኑ፡ ዓመታዊ ሚሊዮናት ናብ ስዑዲ ዓረብ ይውሕዙ።

ንግደት ሓጅ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣቶ የሱፍ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ሙቐት ኣዝዩ ልዑል ብምንባሩ ንገያሾ ኣጸጋሚ ምዃኑ ገሊጹ።

“ኣዝዩ ውዑይ እዩ ነይሩ። ሓደ ሓደ ግዜ ክሳብ 50 [ዲግሪ ሴንቲግሬድ] ይበጽሕ። ካብቶም ኢትዮጵያውያን ገያሾ ብቐጥታ ብሰንኪ ሙቐት ዝሞተ የለን። ምኽንያቱ መብዛሕትኦም ኢትዮጵያውያን ዝመጽኡሉ ከባቢ ዋዒ ዘለዎ ስለዝኾነ ነዚ ክሊማ ክጻወር ዝኽእል ተፈጥሮኣዊ ባህሪ ዘለዎም ይመስለኒ" ኢሉ።

ግን ከኣ እቲ ሙቐት ምስ ዝነበሮም ሕዱር ሕማም ተወሲኹ መንቀሊ ሕልፈቶም ክኸውን ከምዝኽእል ተዛሪቡ።

ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ ሰብመዚ ስዑዲ ዓረብ፡ 1.6 ሚልዮን ወጻእተኛታት ዝርከብዎም ልዕሊ 1.8 ሚልዮን ሃይማኖታዊ ተጓዓዝቲ ኣብ ንግደት ሓጅ ከምዝተሳተፉ ይገልጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት 2700 ምስ ሙቐት ዝተኣሳሰሩ ተርእዮታት ጸገም ጥዕና ተመዝጊቦም ነይሮም።

ብሰኑይ ድማ ኣብ ዓቢ መስጊድ መካ ዝነበረ ሙቐት 51.8 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ከምዝበጽሐ ተለቪዥን ስዑዲ ዓረብ ጸብጺባ።

ሓጅ ሓደ ካብቶም ሓሙሽተ ኣዕኑድ እምነት እስልምና ኮይኑ፡ ኣብ ህይወት ኣስላም ኣገዳሲ ዝኾነ ስርዓት እዩ።

ዓቕሚ ዘለዎም ኣመንቲ እስልምና ኣብ ዕድሚኦም እንተወሓደ ሓደ ግዜ ኣብቲ ንግደት ክሳተፉ ትጽቢት ይግበር።

ሓደ ተጓዓዛይ ኣብ ሓጅ ምስ ሞተ እንታይ ይፍጸም?

ኣብ ንግደት ሓጅ ናይ ዝሞቱ ሰባት ኣስከሬን

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES

ሓደ ሰብ ኣብ ግዜ ሓጅ ብዝኾነ ምኽንያት እንተሞይቱ እቲ ሞት ምስ ተልእኾ ሓጅ እዩ ዝተኣሳሰር።

መንነት ናይቲ ዝሞተ ሰብ በቲ ኣብ ኢድ ወይ ኣብ ክሳድ ዝንጥልጠል መለለዪ መንነት እዩ ዝልለ። ጠንቂ ሞቱ ብሓኪም ምስተረጋገጸ ከኣ መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ናይ ሞት ምስክር ወረቐት ይህብ።

ነቲ ህይወቱ ዝሓለፈ ሰብ ድማ ኣብቶም ኣብ እምነት እስልምና ዝለዓለ ቦታ ዝወሃቦም ኣብ መካ ዝርከብ መስጊድ ኣልሓራም ወይ ኣብ መዲና ዝርከብ መስጊድ ነብይ ሶላት ይግበረሉ።

መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ንሙሉእ ወጻኢታት ሸፊኑ እቲ ሬሳ ተሓጺቡን ተጠቕሊሉን ኣብ መጽንሒ (መዝሓሊ) ክቕመጥን ይግበር።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ እውን መንነት መዋቲ ምስ ዝገልጽ ጽሑፍ ይፍጸም። ስድራቤት መዋቲ ድልየት እንተሃልይዎም ናብቲ መቓብር ክበጽሑ ይፍቀደሎም።

ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ድማ እቶም ኣብ ሓጅ ዝሞቱ ሰባት "ብኽብሪ ከምዝቕበሩ" ናይ ምርግጋጽ ተገዳስነት ከምዝወስድ ይገልጽ።