ኩዕሶ እግሪ፡ ቻምፕዮንስሊግ፡ ፕረምየርሊግን 70 ሚልዮን ዝወድአ ግብጻዊን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ንሎሚ ብዛዕባ ኣብዚ ቀዳመ-ሰንበት ዝካየድ ግጥማት ፕረሚየርሊግ ዓዲ-እንግሊዝ፡ ከምኡ'ውን ቀንዲ ውጽኢታት ናይቲ ንምርዳኡ ኣጸጋሚ ኰይኑ ዘሎ ሓድሽ መልክዕ ዝለበሰ ውድድር ቻምፐዮንስ ሊግ ኣውሮጳን፡ ካልእ ተዛማዲ ዜናታት ኩዕሶ እግርን ኣቕሪብናልኩም ኣለና።
ብኣውራ ዜና ንምፍላም፡ ማንቸስተር ሲቲ ብረቡዕ ከቢድ ሳዕቤን ዘለዎ ስዕረት ተጐልቢባ ካብ ፓሪስ ምስተመልሰት፡ ንደገፍታ ዘሐጉስ ዜና ከተበስር ነይሩዋ- ተስፋ ዝህብ ተጻዋታይ ብምዕዳግ።
ንምቁልቋል እታ ክለብ ኣብዚ ዓመተ-ውድድር ኣብ ምግታእ ዓቢ ትጽቢት ዝግበረሉ ዘሎ ግብጻዊ ዑመር ማርሙሽ እዩ።
እቲ ወዲ 25 ዓመት ኣጥቃዓይ ካብ ጀርመናዊት ጋንታ ኢንትራኽት ፍራንክፈርት'ዩ ብልዕሊ 72 ሚልዮን ዶላር ናብ ማንቸስተር ክሰጋገር ፈሪሙ ዘሎ።
ማርሙሽ ምስታ ጋንታ ኣብ ዝጸንሓለን ዓመታት፡ 37 ሸቶታት ኣብ 67 ግጥማት ኣመዝጊቡን፡ ዕስራ ሸቶታት ክምዝገባ ወሳኒ ደገፍ ገይሩን።
ኣብዚ ዓመተ-ውድድር ጥራይ ኣብ ዝተሳተፈለን 26 ግጥማት 20 ሸቶታት ብምምዝጋቡ ኣብ ዓይኒ ሓያለ ዓበይቲ ክለባት ክኣቱ ክኢሉ'ዩ። ብዙሓት'ውን ምስ ኣጥቃዓይ ሊቨርፑልን ኣብ ሃገራዊት ጋንታ'ውን ብጻዩ ዝኾነ መሓመድ ሳላሕ የወዳድርዎ'ዮም።
እንተዀነ እዚ ዓቢ ትጽቢት ዝግበረሉ ግብጻዊ ንሃጓፍ ሲቲ ይመልኦዶ ይኸውን? ዝብል ሕቶ ኣብዚ ቀረባ እዋን ዝግሃድ ክኸውን'ዩ።
ዝኸፍአ ኵነታት ከይፍጠር ዓቢ ስግኣት ዝሓደሮ ኣሰልጣኒ ሲቲ ፐፕ ጓርዲዮላ፡ ካልኦት ክልተ መንእሰያት ተጻወትቲ ዓዲጉ'ሎ- ወዲ 19 ዓመት ብራዚላዊ ተኸላኻላይ ቪቶር ረይስን ኣብ ማእከል ዝጻወት ወዲ 20 ዓመት ኡዝበኪስታናዊ ዓዱልኮዲር ኩሳኖቭን። ዕዳጋ ኣብ ዝመጽእ መዓልታት ቅድሚ ምዕጻዉ'ውን ካልኦት ንምርካብ ሃሰው ይብል ኣሎ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ቻምፕዮንስሊግን ውጽኢትን ደረጃታትን
ኣብዚ ሰሙን'ዚ ወሳኒ ግጥማት ቻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮጳ ምክያዱ ኩሉኹም ኣፍቀርቲ ኩዕሶ እግሪ ዝተኻተተልኩሞ ምዃኑ ዘይተርፍ'ዩ። እንተኾነ ግን እዚ ቀዳማይ ገጽ ናይቲ ውድድር፡ ንፈለማ እዋን ብመሰረት ሓድሽ ኣወዳድባ ዝተኻየደ ብምዃኑ ብቐሊሉ ክትርድኦ ዘጸግም ኮይኑ ይርከብ። ቅሩብ ንምቕላሉ፡ ሓጋዚ ዝበልናዮ ጽማቚ መብርሂታት ነቕርበልኩም፣
ቅድሚ ዝኣገረ፡ ኣብዚ ሓድሽ ኣወዳድባ ንፈለማ እዋን 36 ጋንታታት ይሳተፋ ምህላወን ምፍላጥ ከድሊ'ዩ።
እዚ ክሳብ ሕጂ ክካየድ ዝጸንሐ ግጥማት ናይቲ ውድድር ኣብ ቀዳማይ ደረጃ (ሊግ ስቴጅ) ዝግበር ኮይኑ ገና ምሉእ ብምሉእ ኣይተዛዘመን። ኣብዚ ደረጃ'ዚ ቀዳሞት 8 ዝወጻ ብቐጥታ ናብ ዝቕጽል ጉጅለ 16 ክሓልፋ'የን።
ዛጊት ናብቲ ዝቕጽል ደረጃ 16 ዝሓለፋ ክለባት ክልተ ጥራይ'የን፡ 21 ነጥብታት ብምውህላል ትመርሕ ዘላ ሊቨርፑልን፡ 18 ነጥቢ ዘለዋ ባርሰሎናን።
ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ንክሮኦሺያዊት ጋንታ ዲናሞ ዛግረብ 3 ብ 0 ዝሰዓረት ኣርሰናል ብወገና፡ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ብጂሮና ብገፊሕ እንተዘይተሳዒራ ካብተን ቀዳሞት 8 ናብ ጉጅለ 16 ዝሓልፋ ክትከውን ትጽቢት ይግበረላ።
ካብ መበል 9 ክሳብ 24 ዘለዋ ሪያል ማድሪድ ትርከበን ክለባት ግን ኣብ ክልተ-እግሪ ዝግበር ተወሳኺ መጻረዪ ግጥማት ኣውዲቕካ ምሕላፍ ከካይዳ'የን። ካብአን እተን ካብ 9 ክሳብ 16 ዝወጻ ድማ ምስተን ኣብ ሞንጎ 17ን 24 ዝህልዋ ጋንታታት ክገጥማ'የን።
ብዘይካ ሓደ ግጥም ጥራይ ዝተረፋ ማንቸስተር ሲቲ፡ ፒ-ኤስ-ጂን ፒ-ኤስ-ቪን ዝርከብአን 10 ጋንታታት ካልኦት ካብ መበል 25 ክሳብ 36 ዘለዋ ጋንታት ግን ድሮ ተገሊፈን ኣለዋ።
ኣብዚ ዝተሓላለኸ መስርሕ ምጽራይ፡ ገለ ጋንታት ኣብ ካልእ ግጥማት ብዝህሉ ውጽኢት ጥራይ ደረጃአን ክቀያየር ከምዝኽእል ኣብ ግምት ምእታው'ውን ሓጋዚ'ዩ።
ከይረሳዕና፡ ስለምንታይ'ዩ እዚ ምቅይያር ተደልዩ? ፈደረሽን ቻምፕዮንስሊግ ኣውሮጳ (ዩዌፋ) ከምዝብሎ፡ ጋንታታት ዘመዝግብኦ ኵሉ ውጽኢትን ነጥብታትን ዋጋ ክህልዎ ምግባር፡ ደገፍትን ክለባትን ክሳብ መወዳእታ ብልዑል ተገዳስነት ንዅሉ ግጥማት ክከታተሉ ዘተባብዕ'ዩ።
ብዘይካ'ዚ፡ ኣብቲ ቀዳማይ ደረጃ (ሊግ ስቴጅ) ዓበይቲ ክለባት ምስ ብዙሓት ካልኦት ማእከሎትን ናኣሽቱን ጋንታት ክገጥማ ዕድል ዝፈጥር ስለዝኾነ'ዩ። ኣድሚዑዶ? ንዝብል ሕቶ ግን፡ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመተ-ውድድር ምሉእ ገምጋም ክህሉ ትጽቢት ይግበር።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ግምታት ግጥማት ፕረምየርሊግ
ኣብዚ ዝመጽእ ዘሎ ቀዳመ-ሰንበት ኵለን ጋንታታት ፕረምየርሊግ ዓዲ-እንግሊዝ ግጥማት ክህልወን'ዩ።
ብፍላይ ነተን ኣብዚ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ውድድራት ቻምፕዮንስሊግን ዩሮፓ-ሊግን ዝሃለኻ ክለባት ሓያል ብድሆ ይጽበየን ኣሎ።
ኣብ ቅድሚት ተሰሪዐን ዘለዋ ቀንዲ ክለባት ናይቲ ሊግ ኵለን ቀዳም ግጥማት ክህልወን'ዩ።
ንፕረምየርሊግ ብ50 ነጥቢ ትመርሕ ዘላን፡ ሓደ ጸወታ ዝተርፋን ሊቨርፑል ጽባሕ ምስታ ካብ መወዳእታ ኣብ ሳልሳይ ተሰሪዓ ዘላ ድኽምቲ ጋንታ ኢፕስዊች ኣብ ሜዳኣ ኣንፊልድ ኣብ ትገብሮ ግጥም ብቐሊሉ ብገፊሕ ስዒራ ሰለስተ ነጥባ ክትሰንቕ ትጽቢት ይግበረላ።
ዋንጫ ፕረምየርሊግ ንምዕታር ዝክኣላ ትገብር ዘላ ኣርሰናል ምስ ዎልቨርሃምፕተን ዋንደረርስ (ዎልቭስ) ቀዳም ተካይዶ ግጥም ግን ብቐሊሉ ዝግመት ዘይክኸውን ይኽእል'ዩ። ዛጊት 22 ግጥማት ዘካየደት ኣርሰናል 44 ነጥቢ ብምውህላል ካልኣይ ደረጃ ሒዛ ትርከብ።
እቲ ካልእ ዓቢ ኣተኩሮ ዝግበረሉ ግጥም ግን እቲ ጽባሕ ኣብ ሞንጎ ማንቸስተር ሲቲን ቸልሲን ዝካየድ'ዩ። እዚ ዓመተ-ውድድር ዘይቀደዋ ንዝሓለፈ ኣርባዕተ ዓመታት ዋንጫ ፕረምየርሊግ ብሒታቶ ዝጸንሐት ሲቲ እንተቐኒዑዋ ነተን ዘለዋኣ 38 ነጥቢ ናብ 41 ኣዕቢያ ነታ ትመርሓ ዘላ ቸልሲ ቀዲማ ኣብ ራብዓይ ደረጃ ኩድም ክትብል'ዩ ትምኒታ።
ሲቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ረቡዕ ምስ ፈረንሳዊት ጋንታ ፒ-ኤስ-ጂ ኣብ ዘካየደቶ ግጥም ቻምፕዮንስሊግ 4 ብ 2 ተዳሂኻ ምምላሳ ንሞራል እታ ጋንታ ባይታ ኣዝቢጥዎ ይርከብ። ነቲ ናብ ሓደጋ ምግላፍ ኣብጺሑዋ ዘሎ ዓቢ ስዕረት ግን ናብ ሕራነ ክትልውጦ ተኽእሎ ኣሎ፡ እቲ ውዕሎ ዝፈርዶ ክኸውን'ዩ።
ኮኾብ ኣጥቅዓይ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ኣብ ቅድሚት ዘሰለፈት ኒው ካስል'ውን ነታ ጭራ ተሰሪዓ ዘላ ሳውዝሃምተን ብቐሊሉ ከተፋንዋ ትጽቢት ይግበረላ። ትምነዮ ስዕረት ቸልሲ እንተኣጋጢሙ'ውን፡ ሲቲ እንታይ ትገብር ድኣ ኣይፍለጥን እምበር፡ 41 ነጥቢ ሒዛ ናብ ራብዓይ ደረጃ ክትነጥር ትህቅን ትኸውን።
እቲ ኣብዚ ዓመት'ዚ ደሚቑ ዘሎ ኣሌክሳንደር ብወገኑ ኣብ ታሪኽ እታ ክለብ ኣብ ሓሙሽተ ተኸታታሊ ግጥማት ዘመዝገበ እንኮ ተጻዋታይ እታ ክለብ ንምዃን ዓቢ ድርኺት ክፈጥረሉ ምዃኑ ዘጠራጥር የብሉን።
ብደረጃ ፕረምየርሊግ'ውን ኣብዚ ዓመተ-ውድድር ክሳ ሕጂ ጥራይ 15 ሸቶታት ብምምዝጋብ ነቲ 18 ሸቶታት ኣዋህሊሉ ዘሎ ሞ ሳላሕን 17 ሸቶታት ዘለዎ ኢርሊን ሃላንድን ተኸተሉ ሳልሳይ ደረጃ ሒዙ ይርከብ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እታ ብዙሓት ትጽቢት ከይተገብረላ ኣብ መበል ሳልሳይ ተሰሪዓ ዘላ ኖቲንግሃም ፎረስት ብወገና ንቦርንመዝ ስዒራ፡ እንተቐንዓ ንኣርሰናል ክትክእ እንተዘይኮነ ድማ ቦታኣ ክትዕቅብ ዝክኣላ ክትገብር'ያ።
ካብቲ ሰንበት ዝካየድ ኣርባዕተ ግጥማት ድማ እቲ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣንጻር ፉልሃም ተካይዶ ጸወታ እንተወሓደ ነቲ ዛጊት ከረጋግኣ ዘይክኣለ ዘሎ ሓድሽ ኣሰልጣኒ ሩበን ኣሞሪም ዓቢ ኣገዳስነት ክህልዎ'ዩ።
እታ ካብ 22 ጸወታታት 26 ነጥብታት ጥራይ ብምውህላል ካብ መበል 13 ፍሕት ክትብል ዘይክኣለት ዩናይትድ ትማሊ ሓሙስ ናይ ዩሮፓ-ሊግ ግጥማ ንስኮትላንዳዊት ጋንታ ሬንጀርስ 2 ብ 1 ምስዓራ ሞራል ሒዛ ክትኣቱ ትጽቢት ይግበረላ።
ናይቲ ግጥማት ግምታትኩም ኣብ ፌስቡክ ገጽና ከተካፍሉና ትኽእሉ ኢኹም፡ ሰናይ ቀዳመ-ሰንበት!




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







