እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ናብ ዶናልድ ትራምፕ ቀታሊ መርዚ ዝሓዘ ደብዳበ ዝለኣኸት ውልቀ ሰብ ን22 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዳ
ሓንቲ ካናዳዊት፡ ፕረዚደንት ኣብ ዝነበረሉ ናብ ዶናልድ ትራምፕን ካልኦት ሓያለ ሰበ ስልጣናትን ሪሲን ዝተባህለ መርዚ ዝተኣለኹ ደብዳቤታት ብምልኣኻ፡ ን 22 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዳ።
እታ ፓስካል ፈሬር ዝተባህለት ጓል 56 ዓመት ብገበን ምጥቃም ባዮሎጂካዊ ኣጽዋር ንዝቐረበላ ክሲ ዝተኣመነት ኮይና ነቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ዝተወሰነ ፍርዲ ተቐቢላቶ።
እቲ ናብ ፕረዚደንት ትራምፕ ዝተልኣኸ ቀታሊ መርዚ ዝሓዘ ደብዳበ ቅድሚ ናብ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ምብጽሑ ኣብ መስከረም 2020 ተታሒዙ።
ፈሬር ንቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ እቲ ዝወጠነቶ ዘይምዕዋቱን “ንትራምፕ ጠጠው ክተብሎ” ብዘይምኽኣላ ኣዝያ ከምዝሓዘነት ገሊጻ።
ኣብቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘስመዐቶ ነዊሕ ዘረባ፡ ንርእሳ ከም ተሓላቒት እምበር ከም ግብረ ሽበራዊት ከምዘይትርእይ ገሊጻ።
ኤፍቢኣይ ኣሰር ኣጻብዕታ፡ ኣብቲ ፕረዚደንት ትራምፕ ንካልኣይ እብረ ከይወዳደር ዝተማሕጸነትሉ ደብዳበ ረኺብዎ።
ኣብቲ ደብዳበ “ሓድሽ ሽም ረኺበልካ ኣለኹ፡ ‘ክፋእ ጨቋኒ መስሓቄን” ዝብል ከምዘለዎ መዛግብቲ ክሲ ኤፍቢኣይ ይሕብሩ።
ዳይና ዳብነይ ፍረድሪክ ነታ ተኸሳሲት ን 262 ኣዋርሕ ክትእሰር ፈሪዱ። ቅጽዓታ ምስ ወደአት ናብ ሃገራ ክትስጎግ ኮይና ናብ ኣመሪካ እንተተመሊሳ ግን ዕድሚኣ ሙሉእ ኣብ ትሕቲ ምክትታል'ያ ክትከውን።
ዳይና ፍረድሪክ ተግባር ፈሬር “ክቐትል ዝኽእል” ከምኡ ድማ “ ንባዕልኺ፣ ንማሕበረሰብ ከምኡ ድማ ነቶም ዝሓሰብክዮም ሰባትን ዝጎድእ እዩ” ክብል ገሊጹላ።
እታ ተኸሳሲት ናብ ካልኦት ሸሞንተ ሰብ መዚ ምኽባር ሕጊ ቴክሳስ ተመሳሰልቲ መርዚ ዝተኣለኹ ደብዳበታት ከምዝለኣኸት ተኣሚና እያ።
ኣብ 2019 ብዘይ ፍቓድ መሳርሒ ኲናት ብምሓዝ ኣብታ ግዝኣት ን 10 ሰሙናት ዝተኣሰረት ፌረር፡ ነቲ ማእሰርቲ እቶም ፈጸምቲ ሕጊ ተሓተትቲ እዮም ከምዝበለት መግለጺ ክፍሊ ፍትሒ ኣመሪካ መልክት።
ናይ ፈረንሳን ካናዳን ዜግነት ዘለዋ ፌረር ኣብ 2020 እውን ብዘይ ሕጋዊ ናብ ግዝኣት ኒውዮርክ ክትኣቱ ተታሒዛ ተኣሲራ ነይራ። ኣብቲ እዋን ካራ፣ ሽጉጥን ካልኦት ኣጽዋርን ሒዛ ተረኺባ።
ንሳ ነቲ ካብ ተረፈ ምህርቲ ፍረ ጉልዒ ዝተሰርሐ ‘ሪሲን’ ዝተባህለ መርዚ ኣብ ገዝኣ ኣዳልያ ምስቶም ደብዳበታት ከምዝለኣኸት ተኣሚና።
ዛጊት ንሪሲን ዘልዝብ መድሓኒት የለን። ማእከል ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ኣመሪካ ከምዝሕብሮ፡ ከም መጠን ናይቲ መርዚ ካብ 36 ክሳብ 72 ሰዓታት ኣብ ዘሎ ግዘ ክቐትል ይኽእል።
ኣብ 2014 ሓደ ነባራይ ሚሲሲፒ፡ ናብ ፕረዚደንት ባራክ ኦባማን ካልኦት ሰብ መዝን ሪሲን ዝተኣለኸ ደብዳበታት ብምልኣኹ ን 25 ዓመታት ክእሰር ከምዝተፈረደ ዝዝከር'ዩ።