እስራኤል ስለምንታይ ንስምምዕ ብምጥሓስ ኣብ ቓዛ መጥቃዕቲ ፈጺማ፣ ትራምፕኸ እንታይ ኢሉ?

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images
ሰራዊት እስራኤል ትማሊ ሰንበት ኣብ ቓዛ ደብዳብ ኣየር ፈጺሙ። ነቲ ተግባር ዝዀነነ ሓማስ 'ቅሉዕ ምጥሓስ" እቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምዃኑ ገሊጹ።
እስራኤል ብወገና "እቶም ግብረሽበራውያን" ዝበለቶም ኣባላት ሓማስ ኣበ ራፋሕ ጸረ ታንኪ ሚሳይል ብምትኳስ ክልተ ወተሃደራታ ምስ ተቐተሉ ነቲ ተግባር ከምዝፈጸመቶ ብምሕባር፡ ድሕሪ እዚ ደብዳብ ነቲ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ዳግማይ ክትጅምሮ ምዃና ኣፍሊጣ።
ሓማስ ግን ብዛዕባ እቲ እስራኤል ተፈጺሙኒ ዝበለቶ መጥቃዕቲ ጸረ-ታንክ ኣፍልጦ ከምዘይብሉ'ዩ ሓቢሩ።
ትማሊ ኣጋ ምሸት እስራኤል ኣብ መላእ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ዒላማታት ሓማስ ደብዳብ ድሕሪ ምፍጻማ 44 ሰባት ከምዝተቐተሉ ጸብጻባት ሕክምና ይገልጹ።
ሓማስ ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ተማእዚዙ የተግብሮ ከምዘሎ ብምግላጽ ከምዚ እተቐጺሉ ግን እቲ ስምምዕ ናብ ክፈርሰሉ ዝኽእል ደረጃ ክበጽሕ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።
ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ነቲ ደብደብ ድሕሪ ምፍጻም ካብ ሰዓት ትሽዓት ናይ ምሸት ጀሚሩ ነቲ ስምምዕ ምቁራጽ ተዅሲ ዳግማይ ይጅምሮ ከምዘሎ ብምሕባር፡ እቲ ስምምዕ ብሓማስ ምስ ዝጠሓስ ግን ግብረመልሲ ክህበሉ ምዃኑ ኣተሓሳሲቡ።
ትራምፕ ብሰንበት ናብ ዋሽንግተን ዲሲ ምስ ኣተወ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ስምምዕ ኣብ ቦታኡ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ እቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ፈጺመሞ ዝተበሃለ ደብዳብ ምናባልባት ኣብ ውሽጢ ዝርከቡ ገለ ዕጡቓት ጉጅለታት ዝፈጸምዎ ክኸውን ከምዝኽእል ግምቱ ሂቡ።
ትራምፕ ብምስዓብ "በዚ ኰይኑ በቲ፡ እቲ ኵነታት ጽቡቕ ኣተሓሓዝ ክግበረሉ'ዩ፤ ተሪርን ግቡእን ኣተሓሕዛ" ኢሉ።
እቲ ብመንጐኝነት ኣመሪካ ዝተበጽሐ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ እስራኤልን ሓማስን ካብ 10 ጥቅምቲ 2025 ጀሚሩ'ዩ ተግባራዊ ኰይኑ ነይሩ።
ድሕሪ እቲ ስምምዕ'ውን ቅጽበታዊ ምቍራጽ ስለዝተገበረ ሰራዊት እስራኤል ካብ ገለ ክፋላት ቓዛ ኣንሳሒቡ ሰብኣዊ ረድኤት'ውን ናብ ቓዛ ክኣቱ ምጅማሩ ይፍለጥ።
ሓማስ'ውን ካብቶም ብህይወት ዝተረፉ ጅሆ ሒዝዎም ዝነበረ ንብምልኦም ነጻ ክፍንዎም እንከሎ፡ ካብቶም ዝሞቱ 28 ሬሳ ናይቶም 12 ንእስራኤል ኣረኪቡ።
እስራኤል ብወገና 250 ፍልስጤማውያን እሱራት፡ 1718 ኣብ ቓዛ ቀይዳቶም ዝነበረተን ሬሳ 15 ፍሊስጤማውያንን ንሓማስ ኣረኪባ።
ትማሊ ሰንበት ግን እቲ ተስፋ ተነቢርዎ ዝጸንሓ ስምምዕ ምቍራጽ ተዅሲ ኣብ ሕቶ ምልክት ክኣቱ ዝድርኽ ክስተት'ዩ ኣጋጢሙ።
ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ግብጺ ተረኺቡ ንሓያለ መራሕቲ ዓለም ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ከምዝሰፈነ ድሕሪ ምምዳሩ ቓዛ እቲ ዝኸፍአ ዝበሃል ከቢድ ደብዳብ ተኻይድዋ።
ሰንበት ንግሆ ሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ጸረ-ታንኪ ሚሳይልን ካልኦት ተተኮስትን ኣብ ልዕሊኡ ከምዝተተኮሰ እዩ ዝገልጽ።
ነዚ ስዒቡ ኣብ ደቡባዊ ሸነኽ ቓዛ ኣብ ዝርከብ ከባቢታት ራፋሕ ንዘሎ 'ትሕተ-ቅርጺ ግብረሽበራውያን' ከዕንዎ ምዃኑ ድሕሪ ምእንፋቱ'ዩ ነቲ ደብዳብ ፈጺምዎ።
ሓደ ክንፊ ሓማስ ዝዀነ ብርጌድ ኣል-ቐሳም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ግን ብዛዕባ እቲ ኣብ ከባቢ ራፋሕ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ተፈጺሙ ዝተበሃለ መጥቃዕቲ ዝዀነ ኣፍልጦ ከምዘይብሉ ሓቢሩ'ሎ።
"ምስቶም ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ጕጅለታት ካብ መጋቢት ናይዚ ዓመት ዝነበረና ርክባት ተቋሪጹ'ዩ" ድሕሪ ምባል "ብዛዕባ'ቲ ኣብቲ ከባቢ ተፈጺሙ ዝብሃል ዘሎ መጥቃዕቲ ዝዀነ ምትእስሳር የብልናን። ካብቶም ኣብኡ ዝነበሩ ኣባላትና ብህይወት ዝተረፈ እንተሃልዩ'ውን ዝዀነ ርክባት ክንፍጽም ኣይክኣልናን" ኢሉ።
ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ በቲ ኣብ ራፋሕ ኣብ ልዕሊ ሰራዊት እስራኤል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ሜጀር ያኒብ ኮላን ሰርጀንት ኢታይ ያቨዝን ዝብሃሉ ወተሃደራቱ ከምዝተቐተሉ ገሊጹ።
ንላዕለዎት ኣዘዝቲ ብኣካል ረኺቡ ኣብ ወሽመጥ ቓዛ ኣብ ልዕሊ ዒላማታት 'ግብረሽበራ' ሓያል መጥቃዕቲ ክፍጸም መምርሒ ከምዝሃቦም እውን እቲ ቤት ጽሕፈት ኣፍሊጡ።
ነዚ ኣመልኪቱ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ኣብ ራፋሕ ዝተፈጠረ ግጭት'ኳ እንተሃለወ፡ እቲ ተዅሲ ደው ምባል ግን ገና ኣብ ቦታኡ ኣሎ ኢሉ።
እቲ ፕረዚደንት ወሲኹ፡ መሪሕነት ሓማስ ኣብ ዝዀነ ይዅን ዝበሃል ጥሕሰት ከምዘይተሳተፈ ብምግላጽ፡ ኣብ ክንድኡ "ገለ ዕጡቓት ኣብ ውሽጢ" ዝገበርዎ እዩ ክብል ወቒሱ።
"ግን ብዝዀነ መንገዲ፡ ብግቡእ ክትሓዝ'ዩ፤ ብጽኑዕ ግን ብግቡእ ክተሓዝ'ዩ" ክብል ትራምፕ ወሲኹ ገሊጹ።
ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ 2023 ኣብ ላዕሊ እስራኤል ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ኣስታት 1200 ሰባት ቀቲሉ፤ 251 ሰባት ጅሆ ሒዙ ድሕሪ ምኻዱ'ያ እስራኤል ኣብ ልዕሊ ሓማስ ንክልተ ዓመታት መጥቃዕትታት ፈጺማ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ከኣ ኣብ ኣብ ቓዛ ብውሕዱ 68 ሽሕ ሰባት ብደብዳባት እስራኤል ከምዝተቐተሉ ብሓማስ ዝመሓደር ምኒስትሪ ጥዕና ይሕብር።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







