ጣሊባን ንመጥቃዕቲ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ንዝሃንደሰ መራሒ ኣይኤስ ቀቲሉ

ጣሊባን ነቲ ኣብ 2021 ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከምዘወሃሃደ ንዝንገረሉ መራሒ ኣይኤስ ከምዝቐተለ ሰብ መዚ ኣሜሪካ ገሊጾም።

በቲ ኣብ ነሓሰ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ቦምባ 170 ሲቪላውያንን 13 ኣሜሪካውያን ወተሃደራትን ተቐቲሎም እዮም።

ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምቁጽጻሩ ኣብታ ሃገር ዝነበሩ ወጻእተኛታትን ብዙሓት ዜጋታትን ካብታ ሃገር ሃዲሞም እዮም።

እቲ መራሒ ኣይኤስ ቅድሚ ሰሙናት እኳ እንተተቐተለ፡ ነቲ ዜና ንምርግጋጽ ግዜ ከምዝወሰደ ሰብ መዚ ኣሜሪካ መላፍንቲ ቢቢሲ ንዝኾነ ማእከን ዜና ሲቢኤስ ሓቢሮም።

ስም እቲ መራሒ ኣይኤስ ግና ኣይተገለጸን።

ሰብ መዚ ኣሜሪካ እቲ መራሒ ኣይኤስ ከምዝተቐተለ ምርግጋጾም እኳ እንተገለጹ ሃንዳሲ ናይቲ መጥቃዕቲ ምንባሩ ብኸመይ ከምዝፈለጡ ኣየነጸሩን።

ብመሰረት ኣብ ‘ኒውዮርክ ታየምስ’ ዝወጸ ሓደ ጸብጻብ፡ ሰብ መዚ ኣሜሪካ ኣብ ፈለማ ሚያዝያ እዮም ብዛዕባ እቲ ቅትለት ፈሊጦም።

ንሱ ብጣሊባን ዒላማ ድዩ ኮይኑ ወላስ ኣብ መንጎ ጣሊባንን ኣይኤስ ኣብ ዝተካየደ ኲናት ተቐቲሉ ከምዘይተነጸረ እታ ጋዜጣ ጸብጺባ።

ብሰኑይ፡ ኣሜሪካ ንስድራ ናይቶም ኣብቲ መጥቃዕቲ ዝተቐትሉ ወተሃደራታ ብዛዕባ ሞት እቲ መራሒ ኣይኤስ ክትነግር ጀሚራ።

እቲ መጥቃዕቲ፡ መንግስታት ሃገራት ምዕራብ ዜጋታቶም ካብ ዓለምለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ክርሕቑ ድሕሪ ምጥንቃቖም ድሕሪ ሰዓታት እዩ ተፈጺሙ።

እቲ ኣብ ልዕሊ ናብቲ መዕርፎ ነፈርቲ ንምእታው ዝተኣከቡ ስድራቤታት ዝተፈጸመ ርእሰቅትለታዊ መጥቃዕቲ ብ 26 ነሓሰ 2021 ብኣቆጻጽራ እቲ ከባቢ ሰዓት 6፡00 እዩ ተፈጺሙ።

ኣሜሪካ ድሕሪ ገለ መዓልትታት ንሓደ ርእሰቅትለታዊ መጥቃዕቲ ንምፍጻም ዝተዳለወ ሰብ ዒላማ ዝገበረ ምዃኑ ዝገለጸቶ መጥቃዕቲ ድሮን ኣብ ካቡል ክትፍጽም ከላ ድሒራ በቲ መጥቃዕቲ ሚሳይል ሸውዓተ ህጻናት ዝርከብዎም 10 ሲቪላውያን ከምዝተቐትሉ ሓቢራ።

ድሒራ’ውን ንዝኾነ ነቲ መጥቃዕቲ ተሓተትቲ ዝኾኑ ሰባት ንምትሓዝ ወይ’ውን ንመራሒ ኣይኤስ ኣብ ኣፍጋኒስታን ሳናውላሕ ጋፋሪ ንምትሓዝ ዘኽእል ሓበሬታ ዘቐበለ ሰብ 10 ሚልዮን ዶላር ሽልማት ክትህብ ምዃና ኣፍሊጣ ኔራ።