ኣብ ውሽጢ ላፕቶፓትን ሞባይላትን ወርቂ ኣሎ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ድሕነት ናይቲ ትካል ብዝጠልቦ መሰረት፡ ናይ ድሕነትን መነጽርን ናይ ቤት-ፈተነ ጻዕዳ ካባን ምስ ለበስኩ ናብ ውሽጢ እቲ ኣብ ጥቓ ካርዲፍ፡ ሳውዝ ዌልስ ዝርከብ ሮያል ሚንት ተወሲደ።
እዚ ቦታ ንልዕሊ 30 ሃገራት ብቢልዮናት ዝቝጸር ሳናቲም ዝፈርየሉን ኣብ ዓለም ፍሉጥን እዩ።
ንኽልተ ዓመት ዝኣክል፡ ወግዓዊ ኣፍራዪ ሳንቲም ዓባይ ብሪጣንያ ዝዀነ ሮያል ሚንት፡ ካብ ኤሌክትሮኒካዊ ጓሓፍ ሓጺን ንምርካብ ዝሕግዝ ምስጢራዊ ሓድሽ ኣገባብ ከማዕብል ጸኒሑ’ዩ።
ሄይሊ መሰንጀር፡ ዝተራቐቑ ሓጻዊን ቀጻልነት ንኽህልዎም እትነጥፍ ቀማ’ሚት ወይ ‘ኬሚስት’ እያ።
ናብቲ ንእሽቶ መርኣያ ቤተ-ፈተነ ክኣቱ ከለኹ፡ ኵሉ ነገር ዝዀነ ምልክት ኣይተገብረሉን።
ናይዚ ምኽንያት ድማ፡ "ኵሉ ምስጢር እዩ!" ክትብል ሄይሊ ነጊራትኒ፣ ቁርጽራጽ መድማድ ዝባናት መስመር ኤለክትሪካዊ ኳረንቲ ናብ ዘለዎ ሓደ ሊትሮ ዝሕዝ ብርለ ‘ሽሕራዊ ቀጠልያ ሕቃቕ’ እናፍሰሰት።
ንሳን ቀመ’ምቲ ጕጅለኣን ምስ ኤክሲር ዝበሃል ካናዳዊ ትካል ብምዃን፡ ኣብ ውሽጢ ዝተደርበያ ላፕቶፓትን ኣረግቶት ሞባይላትን ካብ ዝርከቡ መስመራት ኤለክትሪካዊ ኳረንቲ 99 ሚእታዊት ወርቂ ዘውጽእ እዩ ዝብልዎ ጽሩይን ጸዓት ዘይውድእን መስርሕ ምሂዞምን ፍቓድ (ፓተንት) ረኺቦምን ኣለዉ።
ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት፡ ሮያል ሚንት ሓድሽ ብሚልዮናት ፓውንድ ዝቝጸር ፋብሪካ ክኸፍት እዩ፤ እዞም ፋብሪካታት ምሉእ ብምሉእ ምስ ተሃነጹ ኣብ ሰሙን 90,000 ኪሎግራም መስመር ኤለክትሪካዊ ኳረንቲ ተጠቒሞም ኣብ ዓመት ኣማኢት ኪሎ ዝቝጸር ወርቂ ዳግማይ ንምርካብ ዘኽእሉ እዮም።
እቲ ዘብርህ ሕቃቕ ከፍረቕርቕ ምስ ጀመረ፡ ሄይሊ መኽደኒ እቲ ብርለ ኣስጢማ ኣብ ሓደ ማሽን ኣቐሚጣቶ። እቲ ማሽን ነቲ ብረለ ብምሕቛን ትሕዝቶኡ ይሓዋውሶ።
ብድሕሪኡ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ደቓይቕ ጥራይ፡ ዝዀነ ወርቂ ይሓቅቕ እሞ ናብቲ ፈሳሲ ይጸርር።

ምንጪ ስእሊ, The Royal Mint
"እዚ ዅሉ ኣብ ዝሁም ሙቐት ዝፍጸምን ኣዝዩ ቅልጡፍን'ዩ" ትብል ሄይሊ። ወሲኻ፡ እቲ ኬሚካላዊ ሕቃቕ ክሳብ 20 ግዜ ዳግማይ ኣብ ጥቕሚ ከም ዝውዕልን ኣብ ነፍሲ ወከፍ እዋን ድማ መጠን ናይቲ ዝጸርር ወርቂ ከም ዝውስኽን ትገልጽ።
ካልእ ምስጢራዊ ሕቃቕ ምስ ተወሰኸ፡ እቲ ወርቂ መሊሱ ናብ ጽኑዕ ብረት ይቕየር። ምስ ተጻረየ ድማ ኣብ እቶን ይፈስስ እሞ ከም ንኣሽቱ ዓንኳራት ይኸውን።
ብድሕሪ’ዚ እቶም ዓንኳራት ከም ስልማት ክሳድ፡ ኩትሻ እዝኒ፡ ቀለበት ዝኣመሰሉ ክስርሑ ይኽእሉ።
ብዛዕባ እዞም ዳግማይ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕሉ ክቡራት ሓጺናት፡ እቲ ብሓቂ ዘገርም ግን ኣብ ምዕባይ ናይዚ ልዕሊ ደረጃ ስሉጥ መስርሕ ዘለዉ ኬሚካላት እዮም።
‘ኢ-ዌስት’ (ጓሓፍ ኤሌክትሪካውን ኤሌክትሮኒካውን መሳርሒታት ተባሂሉ’ውን ይፍለጥ) ኣብ ዓለም እቲ ብቕልጡፍ ዝዓቢ ዘሎ ዋሕዚ ጓሓፍ እዩ። ብመሰረት ፕሮግራም ኣከባቢ ሕቡራት ሃገራት፡ ብደረጃ ዓለም ኣብ ዓመት ብገምጋም 50 ሚልዮን ቶን ኢ-ጎሓፍ ይፍጠር፤ እዚ ድማ ካብ ኵለን እተን ክሳብ ሕጂ ዝተሰርሓ ንግዳዊ ነፈርቲ ዝዛይድ እዩ።
ካብዚ ግን 20 ሚእታዊት ጥራይ እዩ ብወግዒ ዳግማይ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል፤ መብዛሕትኡ ይጓሓፍ ወይ ድማ ይቃጸል።
ጠለብ ዝያዳ ተንቀሳቐስቲ መሳርሕታትን ኤሌክትሮኒክስን እናዓበየ ምስ ዝኸይድ፡ መጠን ‘ኢ-ዌስት’ እውን ይውስኽ። ዓለምለኻዊ ቁጠባዊ ፎረም ኣብ 2050 ዓመታዊ ‘ኢ-ዌስት’ ልዕሊ ዕጽፊ ወሲኹ 120 ሚልዮን ቶን ከም ዝበጽሕ ይግምት።
ከም ኵሎም ወሳኒ ጥረ ነገራት እንተላይ ወርቂ ውሱን ሃብቲ እዮም፤ ይዅን’ምበር 7 ሚእታዊት ወርቂ ዓለም ኣብዚ እዋን ኣብ ኣረግቶት ኤሌክትሮኒክስ ተቐሚጡ ይርከብ።
"ጓሓፍ ነፍሪ እንተዄንና ምውጋድ’ውን ሓላፍነትና ክኸውን ኣለዎ" ይብል ማርክ ላቭሪጅ፡ ንግዳዊ ዳይረክተር ሮያል ሚንት።

ምንጪ ስእሊ, Carl Wilson / DIY Creative
ብድሕሪኡ ኣድላይ ናይ ድሕነት ክዳውንቲ ለቢሰ ናብቲ ሓድሽ መስርሒ ትካል ከይደ። ኣብዚ 3,000 ትርብዒት ሜትሮ ዝስፍሓቱ ፋብሪካ ኣብ ርሑቕ ኩርናዕ ዓሰርተታት ዓበይቲ መትሓዚ ጓሓፍ ኣለዉ፤ ነፍሲ ወከፎም ድማ ካብ ላፕቶፓትን ሞባይላትን ብዝተኣከቡ ሕብራዊ መንገዲታት ኤለትሪካዊ ኳረንቲ ዝተመልኡ እዮም።
እዚኦም ኣብ ማሽን ኣትዮም ብመካኒካዊ ኣገባብ እናተፈላለዩን እናተበታተኑን ይኸዱ እሞ፡ እቲ ወርቂ ዘይኰነ ብሓደ ሸነኽ፡ ከም ‘ዩኤስቢ ፖርት’ ዝኣመሰሉ ዝዀነ ወርቂ ዝሓዙ ክፋላት ድማ ብዲጂታዊ መስርሕ ተለልዮም ናብ 500 ሊትሮ ዝሕዝ ‘ሪኣክተር’ ይለኣኹ። ኣብዚ፡ እቲ "ማጂክ ቀጠልያ ሕቃቕ" ብኣዝዩ ብዙሕ ደረጃ ይውሰኽ፤ እቲ ወርቂ ተጸንቂቝ ዓንኳራት ይኸውን።
ኣብ መጀመርታ ብዙሕ ወርቂ ዘይኰነ ክፋላት ስለ ዝእለ፡ እቲ ኬሚካላዊ መስርሕ ወርቂ ኣብ ዝሓዘ ቍርጽራጽ ጥራይ እዩ ዝውዕል። እቲ ወርቂ ምስ ተረኸበ፡ እቶም ዝተረፉ ወርቂ ዘይኰኑ ኣካላት ኵሎም ናብ ዝተፈላለየ ክፋላት ናይቲ ቀረብ ሰንሰለት ተላኢዀም ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ይግበሩ፤ ስለዚ ዝዀነ ዝባኽን ነገር የለን።
እቲ ‘ኤክሲር’ ዝተበሃለ ኬሚስትሪ ዝተወሰነ ምምሕያሽ ተገይሩሉ ካልኦት ክቡራት ሓጻውን ኣብ ዳግመ-ጥቕሚ ንኽውዕሉ እውን ክሕግዝ ይኽእል እዩ።
እቲ ዝዓበየ ብድሆ፡ ኢ-ዌስት ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ብቐረባ ኣብ ዳግመ-ጥቕሚ ንምውዓል ብዘነቓቕሕ መንገዲ ምዕባይ’ዩ ይብል ላቭሪጅ።
ናይ ከተማ ዕደና፡ ካብ ከም መንገዲ ኤለክትሪካዊ ኳረንቲ ዝኣመሰሉ ጓሓፍ ፍርያት ክቡር ሓጺን ምርካብ ማለት’ዩ፤ ብርግጽ ብዙሕ ኢ-ዌስት ስለዘሎ ድማ እናሰፍሐ ዝኸይድ ዘሎ ንጥፈት እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብፍላይ ንእሽቶ ወርቂ ጥራይ ንምርካብ ዝውዕል ቍጠባዊን ከባቢያዊ ወጻኢታት ኣዝዩ ብዙሕ እዩ፤ ስለዝዀነ ድማ ክኢላታት፡ ሓጺናት "ዳግማይ ኣብ ጥቕሚ ክውዕሉ ይኽእሉ" እዮም ይብሉ።
ድሮ ሪንግ ቢር ዝተበሃለ ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ስልማት ዝሰርሕ ትካል ኣብ ተመሳሳሊ ውጽኢት ወርቂ እናነጠፈ ይርከብ።
ፓንዶራ ክሳብ 2025 ዳግማይ ኣብ ጥቕሚ ዝውዕል ወርቅን ብሩርን ጥራይ ክትጥቀም ሸቶ ኣቐሚጡ ኣሎ።
ኣብ ኦሎምፒክ ቶክዮ፡ ካብ ሽዱሽተ ሚልዮን ሞባይላትን ዳርጋ 72 ሽሕ ቶን ኢ-ዌስትን ብረት ተጸንቂቑ 5000 ወርቂ፡ ብሩርን ነሓስን መዳልያታት ንምስራሕ ውዒሉ እዩ።
ሮያል ሚንት ዝሰርሖ ምስጢራዊ ኬሚካላዊ ቀመር ብርግጽ ብዘይካ ወርቂ ካልኦት ክቡራት ሓጻውን ዳግማይ ኣብ ጥቕሚ ከም ዝውዕሉ ንምግባር ተኽእሎ ኣለዎ።
ኣብ መጻኢ ድማ ካብ ስልማት ብተወሳኺ ብዙሕ ካልኦት ፍርያት ንምስራሕ’ውን ክውዕሉ ይኽእሉ።
ቤከር "ናይ ሓደ ሰብ ጓሓፍ ንኻልእ ሰብ ጥረ እቶት’ዩ ዝብል ሓሳብ ከነተባብዕ ንፍትን ኣለና" ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







