ቴሌፎናትና ብዛዕባ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክንፈልጥን ክንጥንቀቕን ከም ዝሕግዛና ትፈልጡ’ዶ?

ስማርት ቴሌፎናት ምንቅጥቃጥ ክፈልጡ ዝኽእሉ ሴንሰራት ዝሓዙ ኰይኖም፡ ናብ ስይስሞሜተር ብምቕያር ምንቅጥቃጥ ምድሪ ይከታተሉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ደቂ ሰባት፡ እታ ፈላማት ጻውዒት ቴሌፎን ዝገበሩላ ፍጻሜ ድሮ 50 ዓመታት ኰይኑ ኣሎ። እቲ ዘመናዊ መሳርሒ መራኸቢታት ከኣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናማዕበለን እናተራቐቐን እዩ መጺኡ።

እተን ሕጂ ኣብ ኣእዳውናን ጁባናን እንሕዘን ሞባይል ቴሌፎናት ሕጂ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንክንፈልጥ ክሕግዛና በቒዐን ኣለዋ።

ብ2022 ዓ.ም ኣብ ካሊፎርኒያ ቤይ ኤሪያ 5.1 ሬክተር ስኬል ዝዕቀን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙ ነይሩ።

ኣጋጣሚ ኰይኑ ግን እቲ ምንቅጥቃጥ ሓያል ራዕዲ ኣይፈጠረን። ዝዀነ ዓይነት ክሳራ እውን ኣየጋጠመን።

እቲ ምንቅጥቃጥ ዝተሰምዖም ነበርቲ እቲ ከባቢ ናብ ጂኦሎጂካል ሰርቨይ ኣመሪካ [ዩኤስጂኤስ] ውሒዞም።

ግን ድማ፡ እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ብኻልእ መልክዑ ዝተፈለየ ክስተት ነይሩዎ።

መብዛሕትኦም ነበርቲ እቲ ከባቢ ቅድሚ እቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብቴሌፎኖም መጠንቀቕታ በጺሑዎም።

ምሸት 6 ሓምለ 2024 ዓ.ም፡ ካብ ከተማ ቤከርፊልድ ብኣንፈት ደቡብ ኣብ ዝርከብ ከባቢ ተመሳሳሊ መጠንቀቕታ ተላኢኹ።

ኣብዚ ግዜ፡ 5.2 ሬክተር ስኬል ዝዕቀን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከጋጥም እንከሎ፡ ኣብ ደቡብ ካሊፎርኒያ ዝርከቡ ነበርቲ ንኣስታት 30 ደቓይቕ ዝጸንሐ መጠንቀቕታ በጺሑዎም ነይሩ።

መብዛሕትኦም ወነንቲ ቴሌፎናት ኣቐዲሞም ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም ዘሎ ፈሊጦም።

ጉግል ምስ ዩኤስጂኤስን ኣብ ካሊፎኒያ ዘለው መምሃራን ዩኒቨርሲቲታትን ብምትሕብባር፡ ኣሰራርሓ ቅድመ መጠንቀቕታ ዘርጊሑ።

እዚ ድማ ተጠቀምቲ እቲ ሓደጋ ቅድሚ ምብጽሑ ቅድሚ ሒደት ካልኢታት መጠንቀቕታ ብምልኣኽ ክሰርሕ ጸኒሑ።

እቲ ግዜ ሓጺር እኳ እንተዀነ፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ካልኢታት ኣብ ትሕቲ ጠረጴዛ ንክትሕባእ ግዜ ክህብ ይኽእል እዩ። ብተወሳኺ፡ ባቡራት ንከይንቀሳቐሳ፡ ነፈርቲ ንከይለዓላ ወይ ንከይዓርፋን መካይን ናብ ድልድላት ወይ ጋለሪያታት ንከይኣትዋ ክክግበር እኹል ጊዜ ክኸውን ይኽእል’ዩ።

እዚ ስርዓት፡ ከቢድ ምንቅጥቀጥ ምድሪ ከጋጥም እንከሎ’ውን ህይወት ሰባት ንምድሓን ይሕግዝ።

እዚ ሓበሬታ ካብ ክልተ ምንጪታት’ዩ ዝርከብ።

እቲ ፈላሚ፡ ካብ 700 ምንቅጥቀጥ ምድሪ ዝምዝግቡ መርበባት ሓበሬታ ይምርኰስ።

እዚኦም፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝፈልዩ ኰይኖም፡ ትካል ቴክኖሎጂ ካሊፎርኒያ፡ ኣብ ካሊፎርኒያ ዩኒቨርሲቲ በርክለይን መንግስቲ እታ ግዝኣትን ዝተኸሉዎም’ዮም።

ጉግል ብወገኑ፡ ኣብ ኢድ ሰባት ዘለው ቴሌፎናት ዝፈልን ኣብ ዓለም ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝሕብር ዓብዪ መርበብን ከዳሉ ጸኒሑ’ዩ።

ኦፐረቲንግ ሲስተም ኣንድሮይድ ጉግል ዝጥቀሙ መብዛሕትኦም ስማርት ቴሌፎናት ‘ኣክስለሮሜትርስ’ ኣለዎም።

እዚ፡ እቲ ቴሌፎን ክንቀሳቐስ እንከሎ ዘለሊ መሳርሒ ተገጢሙሉ ይርከብ።

እዚ ኣገባብ፡ መከታተሊ ኣካላዊ ብቕዓት ኰይኑ፡ ሓበሬታ ብዝሒ ናይ እግሪ ስጕሚ [footsteps] ንምቕራብ ይሕግዝ።

ቴሌፎን ዝህበና መጠንቀቕታ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ብኸመይ ንጥቀመሉ?

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ ኣንድሮይድ ስልክታት፡ ሓበሬታ መጠንቀቕታ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ንምርካብ ‘Safety & Emergency’ ዝብል ክፍሊ ናይ ስልክኻ ቅጥዕታት ኣቲኻ ትረኽቦ።

እቲ ስርዓት ንክሰርሕ ዋይፋይ (WiFi) ወይ ሞባይል ዳታ ኢንተርነት ክህሉ ኣለዎ።

ኣብ ጃፓን ዝርከቡ ተጠቀምቲ ኣይፎን ነቲ ሓበሬታ ብህጹጽ መጠንቀቕታ [Emergency alert] ተጠቒሞም ክረኽብዎ ይኽእሉ።

እቶም መሳርሒታት ንእሽቶ ምንቅስቓስ ከይተረፈ ስለ ዝፈልጡ፡ ከም ንኣሽቱ መለክዒታት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኰይኖም ክሰርሑ ይኽእሉ።

ጉግል፡ ተጠቀምቲ ስልኮም ባህሪያት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክፈሊ እንተኽኢሉ፡ ብስልኮም ናይ መጠንቀቕታ መልእኽቲ ክሰዱ ዘኽእሎም ስርዓት ኣተኣታትዩ።

ካብ ኣሽሓት ወይ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ካልኦት ስልክታት ዝረኸቦ መረዳእታ ብምውህሃድ፡ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም ዘጋጥምን ኣበይ ዝብልን ክፈልጥ ይኽእል።

ብድሕሪኡ ኣብቲ ተኸታታሊ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከጋጥም ዝኽእለሉ ከባቢ ንዝርከባ ስልክታት ብኣግኡ መጠንቀቕታ ይሰድድ።

ማዕበል ሬድዮ ካብ ሴሲሚክ [ምንቅጥቃጥ] ብዝዛየደ ፍጥነት ስለ ዝጓዓዝ፡ እቲ መጠንቀቕታታት እቲ ምንቅጥቃጥ ቅድሚ ምጅማሩ ክመጽእ ይኽእል።

"ፍጥነት ብርሃን (መረዳእታ ቴሌፎን ዝጓዓዘሉ ፍጥነት) ምስ ፍጥነት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ነወዳድሮ፤ ፍጥነት ብርሃን ኣዝዩ ቅልጡፍ እዩ” ይብል ማርክ ስቶጌትስ ዝተባህለ መሃንዲስ ሶፍትዌር ኣንድሮይድ።

መብዛሕትኡ እቲ መረዳእታ ካብ ካልእ ምንጪታት ዝመጽእ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ቴክኖሎጂ ክቡር ሴስሞሜተር ኣብ ዘይብሎም ከባቢታት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣለው ድዮም የለውን ዝብል ንምክትታል ዕድላት ይህብ።

እዚ ድማ፡ ኣብ ኣዝዮም ዝርሓቑን ብድኽነት ዝግለጹ ክፋላት ዓለም መጠንቀቕታ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክወሃብ የኽእል።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2022፡ ክኢላታት ጕግል ሳን ፍራንሲስኮ፡ ማእከል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ካብ ዝዀነ ከባቢ ሓበሬታ ክዝርጋሕ እንከሎ ተዓዚቦም።

ሕጂ እቲ ስርዓት ነዚ ምንቅጥቃጥ እዚ ብቐጻሊ ይከታተሎን መረዳእታ ይእክብን ኣሎ።

ብኡ ንብኡ እቲ ሓበሬታ ናብ ሞባይል ናይቶም ኣብቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከጋጥም ዝኽእለሉ ከባቢታት ዝርከቡ ይለኣኽ።

እቶም መልእኽትታት ኣብ ኣንድሮይድ ስልክታት ክበጽሑ እኳ እንተኽኣሉ፡ ኣብ ካሊፎርንያ፡ ኦሪገንን ዋሽንግተንን ዝርከቡ ሰባት፡ ብተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ በርክለይ ዝተሰርሐ ‘ማይሼክ’ ዝተባህለ መተግበሪ ተጠቒሞም እቲ ሓበሬታ ክረኽቡ ይኽእሉ።

እቲ መተግበሪ ተጠቀምቲ ሞባይል ኣብ ዘይጥቀሙሉ እዋን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ይሕብር።

እዚ ድማ፡ ኣብ ኣቀማምጣ እታ ስልኪ ተመርኲሱ መልእኽቲ ይሰድድ።

ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ካሊፎርንያ ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ፡ ኣብ መዓልቲ ክሳብ 100 ንኣሽቱ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ይፍጸም።

መብዛሕትኦም እዚኦም ኣዝዮም ንኣሽቱ ስለ ዝዀኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ከም ዘጋጠመ ክትፈልጥ እኳ ኣይከኣልን።

ኣብ ካሊፎርንያ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ልሙድ ኰይኑ፡ ኣብ መዓልቲ ኣስታት 100 ንኣሽቱ ምንቅጥቃጥ ምድሪ የጋጥም።

ካሊፎርንያ ኣብ ዓመት ካብ 15 ክሳብ 20 ዓበይቲ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዘጋጥማ ኰይኑ፡ ልዕሊ ኣርባዕተ ሬክተር ስኬል ምንቅጥቃጥ ምድሪ ይኽሰት።

ኣብ ዓለም ኣብ ኢድ ተጠቀምቲ ካብ ዝኣተዋ 16 ቢልዮን ሞባይል ቴሌፎናት፡ ልዕሊ ሰለስተ ቢልዮን ኣንድሮይድ ስልክታት እየን።

እቲ ስርዓት መጠንቀቕታ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ክኣ ኣብ ልዕሊ 90 ሃገራት ብፍላይ ድማ ኣብተን ተቓላዕቲ ዝዀና ሃገራት ይሰርሕ ኣሎ።

እቲ ስርዓት ድሩትነት እውን ኣለዎ።

ብፍላይ ኣብ ርሑቕ ከባቢታት ውሑዳት ተጠቀምቲ ሞባይል ዘለዎምን ኣብ ገማገም ባሕሪ ዝርከቡ ከባቢታትን ብሰንኪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ማዕበል’ውን ከጋጥም ዝኽእለሉ ኵነታት ንምልላይ ኣጸጋሚ እዩ።

እዚ ስርዓት ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቅድሚ ምኽሳቱ ቅድሚ ሒደት ካልኢታት መጠንቀቕታታት ንምትሕልላፍ ክሕግዝ ዝኽእል እኳ እንተኾነ፤ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቅድሚ ምፍጣሩ ምግማት ግን ሕጂ’ውን ኣጸጋሚ እዩ።