ቋንቋ ወጻኢ ክንዛረብ ከለና ስለ ምንታይ'ዩ ድምጽና ዝቕየር?

ካብ ሓደ ንላዕሊ ቋንቋ'ዶ ትዛረቡ ትዀኑ? ከምኡ እንዀይኑ፡ ምስ ነፍሲ ወከፍ ቋንቋ ዝወጽእ ድምጽዅም'ዉን ሓደ ዓይነት ከም ዘይኰነ ኣስተብሂልኵምሉ ትዀኑ። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ብራዚል ጁልያ ግራንቺ፡ ነዚ ብንጹር ከም እትሰምዖ ትገልጽ።

ቋንቋ ኢንግሊዘኛ ክትዛረብ እንከላ፡ ናይ ድምጻ ቃና ሓፍ ዝበለ፡ ቋንቋ ፈረንሳ ክትረዛብ እንከላ ድማ፡ ቃና ድምጻ ልስልስ ዝበለ፡ ኣብ ስጳንኛ ድማ ዝያዳ ቀሊልን ቅልጡፍን ከም ዝኸውን ትገልጽ።

እዚ፡ ነፍሲ ወከፍ ቋንቋ ዝተፈላለየ ዓይነት ስብእናኻ ዘውጽእ ይመስል። ክኢላታት ቋንቋ እዚ ኣብ ርእስና ጥራይ ዘሎ ኣይኰነን ይብሉ። ኣካላትና፡ ሓንጐልና፡ መንነትና ከይተረፈ ምስቲ ነፍሲ ወከፍ ቋንቋ ክንጻወቶ ዝሓተተና "እጃም" ይላመድ።

እዚ ልክዕ "ከም ተዋስኦ እዩ፡ ባህርያት ዘረባ ናይቲ እትላበሶ ማሕበረሰብ ንወስድ እሞ በቲ ቋንቋ ካልእ ስሪት ገዛእ ርእስና ንሃንጽ። መንነትና ኣይተቐየረን፤ ግን ምሉእ ብምሉእ ከምቲ ዝጸንሐ ኣይኸዉንን፡" ትብል ኣብ ብራዚል ፕሮፌሰር ፌደራላዊ ዩኒቨርሲቲ ፓራና ኣና ፓውላ ፔትሪዩ ፈረይራ ኤንገልበርት፡

ድምጽና ስለ ምንታይ ኣብ መላእ ቋንቋታት ይቕየር - እዚ ለውጢ ሓቀኛ ድዩ ወይስ በቃ ዝመስለና - ኣብቲ ንፒኤችዲ ዝገበረቶ መጽናዕቲ መርሚራ። ዝተፈላለዩ ቋንቋታት፡ ዝተፈላለየ ባህላዊ ድምጽታት ሒዞም ከም ዝመጽኡ ትገልጽ።

"ንኣብነት ጀርመንኛ ኣብ ድሕሪት ናይቲ ድምጺ ስርዓት ዝፍጠር ድምጽታት ይጥቀም። እዚ ድማ ዝያዳ ተሪር ኰይኑ ክስምዓካ ይገብሮ።"

ድምጽታት ብኸመይ ይቕየሩ?

እቲ እነድምጸሉ ኣገባብ - ከምኡ'ውን ካልኦት ዝሰምዕሉ ኣገባብ - ካብ ስነ-ህይወት፡ ባህልን ዓውድን ዝመጽእ እዩ።

ድምጺ፡ ካብ ላንቃ ድምጺ ዓው ንክብል ካብ ዝገብር ክፍሊ 'ቮካል ኮርድስ' ይጅምር፤ ድሕሪኡ ኣብ ስርዓት ድምጺ ይዓቢ፣ ብመልሓስ፡ ከንፈርን ኣፍን ክኣ ይቕረጽ፣ ኣብ መወዳእታ ድማ ዘረባ ኰይኑ ይወጽእ።

"እዚ ዅሉ ብማእከላይ ስርዓተ ነርቭ ቍጽጽር ዝግበረሉን ብስምዒት ዝጽሎን እዩ። እንተተሓጒስና፡ እንተተጨኒቕና፡ ወይ እንተሓዚንና፡ እቲ ድምጺ ይቕየር፡" ትብል ሓኪም ዘረባን ፕሮፌሰር ፈደራላዊ ዩኒቨርሲቲ ሳኦ ፓውሎን ሬናታ ኣዘቨዶ።

ኣብ ርእሲኡ ድማ ትምህርቲ፡ ዞባ፡ ባህሊ ጽልዋ ኣለዎም።

"ነፍሲ ወከፍ ቋንቋ ፍሉይ ድምጽታት ኣለዎ። ንኣብነት እንግሊዝኛ ኣብ ቋንቋ ፖርቱጋል ዘይህሉ ድምጽታት ኣለዎ፡ ፓርቱጋል'ዉን ከምኡ፡"።

ስነ-ዜማ - ቅዲ ህርመት፡ ድምጽን ዜማን - እውን ይፈላለ እዩ።

"ኣብ መኣዲ ጥልያን ዘሎ ድምጺ ካብቲ ኣብ መኣዲ ጃፓን ኣዝዩ ዝለዓለ ክኸውን ይኽእል። ኣብ ውሽጢ ሓደ ባህሊ'ውን እንተዀነ፡ ስብእና ኣፈላላይ የምጽእ - ክንደየናይ ቀልጢፍና ንዛረብ፡ ብኽንደይ መጠን ዓው ንብል ወይ ምክልት ንጥቀም ዶ ኣይንጥቀምን፡" ዝብል ኣፈላላያት ከም ዘምጽእ ኣዘቨዶ ትዛረብ።

ድምጽታትና ብተወሳኺ ብዓውድን ባህላዊ መለለዪን ይቕረጹ ትብል ኤንገልበርት።

"ቋንቋ ወጻኢ ክንዛረብ ከለና፡ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ፍሉይ ኵነታት እዩ ዝኸውን። እዚ ድማ ንድምጽና ይጸልዎ። ንኣብነት ኣነ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብስራሕ ምኽንያት ኢንግሊዝኛ እየ ዝዛረብ። ስለዚ ምስ ስድራይ ዘይጥቀመሉ ናይ ድምጺ ባህርያት እየ ዝሕዝ። እቲ ዕላማ፡ እቲ ምድላውን ማሕበራዊ ተራን ኵሎም ከመይ ጌርና ከም እንድምጽ ይቐርጹ።"

ነዚ ንምፍታን ድማ፡ ብራዚላውያን ኣብ ኣመሪካ ቋንቋ ፖርቱጋልን እንግሊዝኛን ክዛረቡ፡ ጽሑፋት ከንብቡን ብናጽነት ክዛረቡን ገይራ።

እቲ ፍልልያት ንጹር እዩ ነይሩ።

ብቋንቋ ፖርቱጋል፡ ተሳተፍቲ - ብፍላይ ደቂ ኣንስትዮ - ድምጸን ናይ ምልስላስ ዝንባለ ነይርወን።

ቋንቋ ኢንግሊዝኛ ኣብ ዝዛረብሉ ድማ፡ ድምጾም እናተሓተተን እናጨንከረን መጺኡ።

ገለ ደቀንስትዮ ኣብ መወዳእታ ሓረጋት ዳርጋ ሕሹኽታ ዝመስል ከይተረፈ የስምዓ ነይረን። እዚ ምስቲ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኢንግሊዝኛ ኣመሪካ ዝስማዕ ዝመሳሰል ድምጺ እዩ።

ብድሕሪኡ ነቲ ቅዳሓት ንኽልተ ቋንቋታት ዝዛረቡ ሰማዕቲ ተጻውቶ ነይራ።

ንሳቶም ድማ ነቲ ምቅይያር ብቐጻሊ የስተብህሉ ነበሩ።

እቶም ድምጽታት ዝለዓለ፡ ዝዓሞቐ፡ ዝለስለሰ፡ ዝጸንዐ ክብሉ ገሊጾምዎም - ግን ከኣ ናይ ስብእና ባህርያት እውን ይምደቡሎም ነይሮም- ሕጕሳት፡ ቍጡባት፡ ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎም፡ ውሕስነት ዘይስምዖም።

ተዛራቢ ክልተ ቋንቋታት ኰይንና ምዕባይ

ካብ ሓደ ንላዕሊ ቋንቋ ሒዞም ዝዓበዩ ሰባት እውን እንተዀኑ ኣብ መንጐኦም ቁሩብ ናይ ድምጺ ፍልልይ የርእዩ።

ኤንገልበርት ግን ትርጕም ክልተ ቋንቋታት ይፈላለ እዩ ትብል።

"ንኣብነት ካብ 1990ታት ዝተገብረ መጽናዕትታት፡ ክልተ ቋንቋታት ካታሎንያ-ስጳኛውያን ኣብ መንጐ ቋንቋታት ውሑድ ናይ ድምጺ ምቅይያር ከም ዘርእዩ ኣረጋጊጾም። እንተዀነ ወትሩ ዓብላሊ ቋንቋ ኣሎ — እቲ ዝያዳ ርእሰ-ምትእምማን ክስምዖም ዝገብር።"

እቶም ድሒሮም ካልኣይ ቋንቋ ዝመሃሩ - ኣብ ዕድመ ንእስነት ወይ ምስ ዓበዩ - መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ መንጐ ቋንቋ ኣዲኦምን ሓደስቲ ቋንቋታቶምን ዝዓበየ ለውጢ የርእዩ፡ ብፍላይ ኣብ መጀመርታ።

"ክትጅምር ከለኻ፡ ድምጽኻ ዝያዳ ርኡይ ምትዕርራይ ይገብር፡ ህርመት፡ ድምጽን ቃናን ይቕይር። እናመለክኻዮ ምስ መጻእኻን ምቾት ክስምዓካ ምስ ጀመረን እቶም ፍልልያት ይንክዩ፡፡" ትብል ኣዘቨዶ።

ዓውዲ'ዉን ኣገዳሲ እዩ።

"ዝያዳ ተሞክቶ ምስ እንረክብ፡ እቲ ምትዕጽጻፍ ዝያዳ ተፈጥሮኣዊ ይኸውን፡"

ኪኖ ሰዋስውን ስነ-ቓላትን

ቋንቋ ምምሃር ብዛዕባ ቃላትን ሕግታትን ጥራይ ምፍላጥ ኰይኑ ኣይፈልጥን።

ልምምድ፡ ሓቀኛ ዕላላት ምክያድ፡ ተወለድቲ እቲ ቋንቋ ዝዛረቡዎ ምስማዕ፡ ከምኡ'ውን ብሙዚቃ፡ ፊልምን ስነ-ጽሑፍን ምስቲ ባህሊ ምልማድ፡ ኵሎም ነቶም ናይ ድምጺ ምቅይያራት የስልጥዎም።

"እቲ ባህሊ እናተሰወጠና ምስ መጽአ፡ ህርመትን ድምጽን ሓደ ቋንቋ ብተፈጥሮኣዊ መገዲ ንወስዶ - ብዘረባ ይዂን ብስነ-ጽሑፍ፡ ብመግቢ ወይ ብሙዚቃ፡" ትብል ኣዘቨዶ።

ነቲ ረቂቕ ዝርዝራት ዘረባ ምጥንቃቕ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ተጕልሕ።

እንተ ላህጃታት፡ ምሉእ ብምሉእ ፈጺሞም ኣይጠፍኡን እዮም - እዚ ድማ ጽቡቕ እዩ።

"ክተለስልሶ ትኽእል ኢኻ፡ ላህጃኻ ግን ኣካል መንነትካ'ውን'ዩ - ነጸብራቕ ድሕረ ባይታኻን መንነትካን፡" ትብል ኣዘቨዶ።