ምልኣኽ ሓተትቲ ዕቑባ፡ ርዋንዳ 'ቀታሊት እያ' ዝብል መጠንቀቕታ ቀሪቡ ምንባሩ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ንውጥን ምልኣኽ ሓተትቲ ዕቑባ ናብ ርዋንዳ ዝደገፉ ሚኒስተራት ብሪጣንያ፡ መንግስቲ ርዋንዳ ንተቓወምቲ ከምዝኣሰርን ከምዘሳቕን ከም ዝቐትልን ብኣማኻሪ ተገሊጽሎም ምንባሩ ተሓቢሩ።
እቲ መጠንቀቕታ መንግስቲ ብሪጣንያ ነቶም ስደተኛታት ናብታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ከዕግዞም ቅድሚ ምፍታኑ ቅድሚ ሰሙናት ዝተዋህበ እዩ ነይሩ።
እቲ ኣማኻሪ፡ ክብደትን ጭቡጥነትን ወግዓዊ ጸብጻብ ሰባዊ መሰላት ርዋንዳ መሰረት ብምግባር እዩ ሻቕሎቱ ገሊጹ።
ኣብዚ እዋን መንግስቲ ብሪጣንያ ነቶም ዝሓብኦም ነዚ ዝምልከቱ ርእይቶታት ክቐልዖም ሕጋዊ ምጕት ይካየድ ኣሎ።
እቶም ኣብ ፈላማይ በረራ ክውሰዱ ተዳልዮም ዝነበሩ ስደተኛታት ዝተፈለጡ ኰይኖም፡ ቢቢሲ፡ ታይምስን ዘ ጋርድያንን ዝርከብዎም ማዕከናት ዜና እቲ ሓበሬታ ዕላዊ ክግበር ሓቲቶም ኣለዉ።
ፈላማይ በረራ ኣብ ወርሒ ሰነ ክካየድ መደብ ተታሒዝሉ ዝነበረ ኰይኑ፡ ቤት ፍርዲ ሰባዊ መሰላት ኣውሮጳ እቲ ፖሊሲ ሕጋዊ ምዃኑ ላለዋይ ቤት ፍርዲ ለንደን ክርእዮ ብምውሳኑ እቲ ጕዕዞ ክስረዝ ተገይሩ።
እቲ ጉዳይ ኣብ ዝቕጽል ወርሒ ክርአ መደብ ተታሒዙሉ ኣሎ።
ብሰሉስ መንግስቲ እታ ሃገር፡ ብሓደ ሽሙ ዘይተጠቐሰ በዓል ስልጣን ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ብዛዕባ ርዋንዳ ዝተወሃቡ 11 ርእይቶታት ኣብቲ መስርሕ ፍርዲ ከይጠቓለሉ ንላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሓቲቱ ኣሎ።
እቶም ሰብመዚ ነቲ ኣብ ጉዳይ ኣፍሪቃ ፍልጠት ዘለዎ ውልቀ ሰብ፡ ብዛዕባ ርዋንዳን ኣተሐሕዛ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ዝምልከት ረቒቕ ርእይቶ ክህብ ከምዝሓተትዎ እቲ ቤት ፍርዲ ሰሚዑ እዩ።
እቲ ውልቀ ሰብ ኣብ ዝጸሓፎ ኢመይል፡ ኣብ ርዋንዳ ‘‘ጥቡቕ ቍጽጽር መንግስቲ፡ ዘይተጻዋርነት ንፖለቲካውያን ተቓወምቲ፡ ጃምላዊ ማእሰርቲን ምስቓይን ካብኡ ሓሊፉ'ውን ቅትለት፡ ካብቶም ከም ቅቡላት ዝውሰዱ ኣገባባት ምዃኖም’’ ምግላጹ ናብቲ ቤት ፍርዲ በጺሑ እዩ።
ንትካላት ሚድያ ወኪሉ ዝቐረበ ጁድ በንቲንግ፡ እቲ ከይግለጽ ዝተገበረ ርእይቶ እቲ በዓል ሞያ ንርዋንዳ ዝምልከት ወሳኒ ነጥቢ ክኸውን ከምዝኽእልን ህዝቢ ክፈልጦ ከምዝግባእን ነቲ ቤት ፍርዲ ኣረዲኡ።
ዳይና ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጀስቲስ ልዊስ፡ እቶም ሰነዳት ብምስጢር ይተሓዙዶ ኣብ ዝብል ጉዳይ ኣብ ዝቕጽሉ መዓልቲታት ውሳነ ክህብ እዩ።
ኣብ መጀመርታ ሰብመዚ ብሰንኪ ጉድለት ኣትሓሕዛ ሰባዊ መሰላት፡ ንሩዋንዳ ካብ ዝርዝር ስደተኛታት ከዕቍባ ዝተመረጻ ሃገራት ኣውጺኦምዋ ምንባሮም እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰሚዑ ነይሩ።
ቤት ጽሕፈት ውሽጢ ጉዳያት ብሪጣንያ እቲ ብበዓል ሞያ ዝተወሃበ ርእይቶ ዕላዊ ምግባር ‘‘ኣብ ዓለምለኻዊ ርክባትን ሃገራዊ ድሕነትን ጉድኣት ከውርድ ከምዝኽእል" ይገልጽ።
ሰልፊ ዕዮ ብግዲኡ እቲ ኣማኻሪ ዝሃቦ ርእይቶ፡ ሚኒስትሪ ውሽጢ ዓዲ ዝተዋህቦ መጠንቀቕታ ከምዝጠሓሰን መንግስቲ እውን ነቲ ሓቂ ካብ ህዝቢ ንምሕባእ ከምዝፈተነን ዘመላኽት እዩ ኢሉ፡፡
እቲ መደብ "ብዘይሕጋዊ፡ ሓደገኛን ኣድላዪ ዘይኮነን" መንገዲ ናብ ብሪጣንያ ዝኣተዉ ስደተኛታት ናብታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ክውሰዱን ኣብኡ ኮይኖም ሕቶ ዕቝባ ከቕርቡን ዝዓለመ እዩ።
በዚ መሰረት፡ ርዋንዳ ኣብ መጀመርታ 120 ሚልዮን ዩሮ ዝኽፈላ ኰይኑ፡ ቍጽሪ ዝለኣኹ ስደተኛታት ብዝወሰኸ እውን ተወሳኺ ሚልዮናት ክትረክብ እያ፡፡
እቲ መደብ ስደተኛታት ዝወስድዎም ሓደገኛ መንገዲታት ዘትርፍን ህይወት ዘድሕንን ከምዝዀነ እዩ መንግስቲ ብሪጣንያ ዝገልጽ።
ኣብዚ ዓመት ዛጊድ 13,000 ሰባት ብፈረንሳ ኣቋሪጾም ናብታ ሃገር ዝኣተዉ ኰይኖም፡ እቶም ኣስታት 8,000 ድሕሪ እቲ ናብ ርዋንዳ ናይ ምልኣኽ መደብ ዝኣተዉ እዮም።
ተሓለቕቲ መሰላት፡ ፖለቲከኛታትን መራሕቲ ሃይማኖትን እቲ ውጥን "ጭካነ" ብምባል ተቓዊሞምዎ እዮም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







