እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ንሊቨርፑል ኣመና የሻቕላ
ሊቨርፑል፡ ኣብቲ ንቶተንሃም 2 ብ 1 ዝሰዓረትሉ ናይ ቀዳም ጸወታ፡ ኣጥቅዓያ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ተሃሪሙ ከወጽእ ከምዝተገደደ ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ኣብ ታሕታዋይ እግሩ ከቢድ ማህረምቲ ከይህልዎ ስግኣት ከምዘለዋ ይስማዕ ኣሎ።
እቲ ኤርትራዊ-ሽወደናዊ ተጻዋታይ ተቐይሩ ናብ ሜዳ ብምእታው ሸቶ ብምምዝጋብ ንጋንታኡ መሪሕነት ብምትሓዝ ንኣርነ ስሎት ትንፋስ ሂብዎ።
እንተዀነ፡ እታ ሽቶ ድሕሪ ምምዝጋቡ ብተጻዋታይ ቶተንሃም ሚኪ ቫን ደ ቨን ተሃሪሙ ጸወታ ክቕጽል ኣይከኣለን።
ኣብ መስከረም ብ125 ሚልዮን ፓውንድ ካብ ኒውካስል ናብ ሊቨርፑል ዝተጸንበረ ወዲ 26 ዓመት ኣሌክሳንደር፡ እቲ ማህረምቲ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ንምፍላጥ ትማሊ ሰንበት መርምራ ስካን 'ኤምኣርኣይ' ተገይሩሉ'ሎ።
እቲ ውጽኢት መርመራ፡ ክብደት ናይቲ ማህረምቲን ክሳብ ክንደይ ካብ ጸወታ ክርሕቕ ከምዝኽእልን ዝውስን ምዃኑ'ውን ተፈሊጡ'ሎ።
ኣሰልጣኒ ሊቨርፑል ኣርነ ስሎት፡ ሰሉስ ኣብ ዝህቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ብዛዕባ'ዚ ጉዳይ ክዛረብ ትጽቢት ይግበር። ብዛዕባ'ቲ መጠን ማህሰይቱን ኵነታቱን ብቐዳም ምስ ተሓተተ፡ ስሎት፡ "ክንርእዮ ኢና፣ ክንጽበ ኣለና፡" ድሕሪ ምባል፡ ወሲኹ፡ ሓደ ሸቶ ዘመዝገበ ተጻዋታይ፡ ተሃሪሙ እሞ ናብ ሜዳ ክምለስ ምስ ዘይክእል፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሕማቕ ምልክት ምዃኑ ገሊጹ።
ናብ ሊቨርፑል ካብ ዝጽንበር ናብ ብቕዓቱ ንምምላስ ክሽገር ዝጸንሐ ኣሌክሳንደር፡ ኣብ 10 ጸወታታት፡ ዝሓለፈ ቀዳም ካልኣይቲ ሸቶኡ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ፕሪምየር ሊግ ኣመዝጊቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ክራማት ኒውካስል ኣብ ኤስያ ኣብ ዝገበረቶ ናይ ቅድመ- ዓመተ ስፖርት ጸወታታት ብሰንኪ "ቀሊል መጉዳእቲ ሰለፍ" ከምዘይተጸንበራ ተገሊጹ'ኳ እንተነበረ፡ ንሱ ግን ካብታ ክለብ ክወጽእ ይደሊ ምንባሩ ድሒሩ ተራእዩ እዩ።
ካብ ኒውካስል ተፈልዩ፡ ኣብታ ናይ ቀደም ክለቡ ሪያል ሶሲዳድ በይኑ ልምምድ ብምግባር፡ ኣብ ናይ መወዳእታ መዓልቲ መስኮት ምስግጋር ናብ ሊቨርፑል ተጸንቢሩ።
ኣብ ምሉእ እዋን ቅድመ ውድድር ምስታ ጋንታ ስለዘይነበረ፡ ብሰንኩ ድማ ኣብ ምሉእ ብቕዓት ስለዘይኣተወ ኣብ ኵሉ ውድድራት 10 ጸወታታት ጥራይ እዩ ተሳቲፉ ዘሎ።
ኣብዚ እዋን ሊቨርፑል፡ ኣገደስቲ ተጻወትታ - መሓመድ ሳላሕ ምስ ሃገሩ ግብጺ ኣብ ውድድራት ዋንጫ ኣፍሪቃ ብምህላዉ፣ ኮዲ ጋክፖ ድማ ብሰንኪ ማህረምቲ - ከሲራቶም ምህላዋ ዝፍለጥ እዩ።
በዚ ድማ ኣብ ክራማት ካብ ኣይንትራኽት ፍራንክፈርት ዝዓደገቶ ኣጥቃዓይ ሁጎ ኤኪቲከ - ኣንጻር ቶተንሃም'ውን ሸቶ ዘመዝገበ - ከም ቀንዲ ኣጥቃዓይ ኰይኑ ክቕጽል ትጽቢት ይግበር።
እዚ ወዲ 23 ዓመት ፈረንሳዊ ተጻዋታይ፡ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት 11 ሸቶታት ከመዝግብ ከሎ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ጸወታታት እቲ ሊግ ጥራይ 5 ሸቶታት ኣመዝጊቡ፤ እዚ ብቕዓት ኤክቲከ ድማ ሓደ ካብቲ ኣሌክሳንደር ኣብ መንበር ተቐየርቲ ክጸንሕ ዝገበረ ምኽንያት ኰይኑ ይቕጽል ኣሎ።