እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ቅኑዕ ዓርኪ ንምዃን ዝሕግዙ ሓሙሽተ ለበዋታት
ምስ ሰባት ኣብ ዘለኩም ርክብ ከተማርሩ ዝገብረኩም ኵነታት ይገጥመኩምዶ?
ገለ ሰባት ትዕቢተኛታት እዮም ትብሉዶ?
ገሊኦም ደናቍር ወይ ዓያሹ እዮም ኢልኩም ትሓስቡዶ?
እወ፡ ደቂሰብ ክንበሃል ከለና ብዙሕ ግዜ ብኻልኦት ሰባት ከነማርር ንስማዕ ኢና።
እንተዀነ፡ ኣብ ገዛእ ባህርያትና ክህልዉ ዝኽእሉ ገዘፍቲ ጉድለታት ፈጺምና ኣብ ግምት ከየእተና ኢና ብዛዕባ ካልኦት ነማርር።
ደቂሰብ ጕድለታትና ኣብ ምልላይ ሰነፋት ኢና ክበሃል ይከኣል።
እዚ ድኽመት'ዚ ድማ ኣብ ነፍሲወከፍ ዕርክነትና ክንጸባረቕ ይኽእል። ዋላ'ኳ ኣብ ልዕሊ እቶም መቕርባትና ጕድኣት ክነስዕብ እንተ ዘይሓሰብና፡ ሓሳባትናን ተግባራትናን ግን ክጐድኦም ተኽእሎ ኣሎ። እዚ ብግርህነት እምበር ኰነ ኢልካ ዝፍጸም ጭካነ ኣይኰነን። ሳዕቤን ናይዚ ምዝንባዕ ግን ኣዝዩ ጐዳኢ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ገለ ሰባት፡ ካብቶም ጸላእቲ ዝበሃሉ ዝያዳ ጕድኣት ዘስዕቡ ኣጋጣሚታት ከም ዘሎ ክኢላታት ይዛረቡ።
ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ፡ ነቲ ዝኸፍአ ልምድታትና ንምልላይን ጕድኣቱ ንምንካይን ዝሕግዙ ቀለልቲ ኣገባባት ኣለዉ።
ተሸላሚ ጽሑፍ-ሳይንስን ደራስን ዴቪድ ሮብሰን፡ 'ዘ ሎውስ ኦቭ ኮኔክሽን' ኣብ ዘርእስታ መጽሓፉ፡ ማሕበራዊ ህይወትና ንምቕያር ዝሕግዙ ኣብ ስነፍልጠት ዝተመስረቱ 13 ሜላታት ይጠቅስ።
ካብዚኦም ነቶም ሓሙሽተ ሜላታት ክንነግረኩም. . .
ጽኑዓት ንዅን
ምስ ዘይርጉጽነት ክቃለስ ደስ ዝብሎ ሰብ የሎን።
ካብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ዩሲኤል ኢንስቲትዩት ኦፍ ንውሮሎጂ፡ ኣርቺ ደ በርከርን መሳርሕቱን፡ ሰባት ኣብ ትሕቲ ከውሒ ዝተሓብአ ተመን ኣብ ዝረኸብሉ እዋን ቅልል ዝበለ ወቕዒ ኤለክትሪክ ዝህብ ናይ ኮምፒዩተር ጸወታ ክጻወቱ ሓቲቶም።
ኣብ ምሉእ መስርሕ እቲ ፈተነ፡ ሓደ ተመን ክሓብኣሉ ዝኽእል መጠን ከውሒ ክፈላለ ገይሮም። ዕላማ ናይቶም ተመራመርቲ፡ ዘይርጉጽነት ኣብ ምላሽ ጸቕጢ ዘለዎ ጽልዋ ንምምርማር ነይሩ።
ከምኡ'ውን ከም ረሃጽን ምግፋሕ ብሌን ዓይኒን ዝኣመሰሉ ኣካላዊ ምልክታት ጭንቀት ዓቂኖም።
እቲ ኣዝዩ ዘገርም እቶም ተሳተፍቲ፡ ወቕዒ ከም ዘጋጥሞም ርግጸኛ ኣብ ዝዀኑ ኵነታት ዝተሓተ ጸቕጢ ክስምዖም እንከሎ፡ ኣብ 50 ሚእታዊት ጥራይ ርግጸኛ ዝዀኑ እዋን ግን ዝያዳ ጐሊሑ ዝረአ ጸቕጢ ኣርእዮም።
ዘይግመት ባህርያት'ውን፡ ሰባት ኣብ ተመሳሳሊ ኵነታት ከእትዎም ተኽእሎ ኣሎ። ኣብ ዛዕባ ዘይግመት ዕርክነት ዝተኻየዱ መጽናዕትታት፡ እቶም ተሳተፍቲ ምኽሪ፡ ርድኢትን ደገፍን ክረኽቡ ናብ ኣዕርኽቶም ክኸዱ ተሓቲቶም። ዓርኮም ክሳብ ክንደይ ሓጋዚ ወይ ክሳብ ክንደይ መሕረቒ ከም ዝዀነ ክገልጹ እውን ተገይሮም።
እቶም ኣዕሩኽቶም ብዛዕባ ዝህብዎም ግብረ መልሲ ጥርጣረ ዝነበሮም ሰባት፡ ከቢድ ጸቕጢ ተሰሚዕዎም። ኣብ ገለ ኣጋጣሚታት፡ ኣዕሩኽቶም ኣብታ እትቕጽል ክፍሊ ከም ዘለዉ ምፍላጦም ጥራይ ጸቕጦም ዝወሰኸ ተሳተፍቲ ነይሮም።
ስለዚ፡ ዘይግመት ባህሪ ዘለዎ ዓርኪ ካብቲ ብቐጻሊ ሕማቕ ዝዀነ ዓርኪ ዝያዳ ውጥረት ክፈጥረልና ይኽእል እዩ።
ንኣዕሩኽትና ዘድልዮም ደገፍ ክንህብ ዘይንኽእለሉ ኣጋጣሚታት ክህሉ ይኽእል እዩ። ኣብ መልስታትና ግን ቍሩብ ዝያዳ ዘተኣማምን ክንከውን ክንጽዕር ንኽእል ኢና። ንኣብነት፡ ኣዕሩኽትና ኣብ ዘይምችእ ህሞት ክቐርቡና እንከለዉ፡ ብቝጥዐ መልሲ ካብ ምሃብ ንገዛእ ርእስና ክንቈጻጸር ንኽእል ኢና።
ምትላል ግሉጽነት ነወግድ
ነፍሲወከፍና ኣብ ናይ ገዛእ ርእስና ኣእምሮ ተዓጺና ንርከብ። ካልኦት ሰባት ኣብ ውሽጥና ዘሎ ስምዒታት ክሳብ ክንደይ ከንብቡን ውሽጥና ክርዱእናን ከም ዝኽእሉ ልዑል ግምት ኣለና። እዚ ኵነታት እዚ ሓደሓደ ግዜ ምትላል ግሉጽነት ተባሂሉ ይፍለጥ።
እዚ ልሙድ ግጉይ ኣተሓሳስባ፡ ንኻልኦት ዘለና ኣድናቖት ከይንገልጽ ክገብረና ይኽእል እዩ። እዚ ድማ ሸለል ከም ዝበልናዮም ከምኡ'ውን ትሑት ዋጋ ከም ዝሃብናዮምን ክስምዖም ክገብር ተኽእሎ ኣሎ።
ካብ ዩኒቨርሲቲ ቴክሳስ ኣሚት ኩማርን ካብ ዩኒቨርሲቲ ቺካጎን ኒኮላስ ኤፕሊን፡ ኣብ መጽናዕቶም እቶም ተሳተፍቲ ኣብ ህይወቶም ኣገደስቲ ንዝብልዎም ሰባት ናይ ምስጋና ደብዳበታት ክጽሕፉ ሓቲቶም። እቶም ተቐበልቲ ደብዳበ፡ ካብቶም ተሳተፍቲ ብዝመጸሎም ሕያዋይ ቃላት ከም ዝተገረሙን ክሳብ ክንደይ ጽቡቕ ስምዒት ከም ዝፈጥረሎምን እቶም ተመራመርቲ ረኺቦም።
እቶም ጸሓፍቲ ግን እቲ ደብዳበ ዝሰደድሉ ሰብ ከምኡ ከም ዘመስግንዎ ድሮ ይፈልጥ እዩ ዝብል እምነት እዩ ነይርዎም።
ብርግጽ ብኣካላትና እንገልጾ ነገር፡ ኣድንቖትናን ፍቕርናን ከመልክት ይኽእል'ዩ፣ እንተዀ፡ እዚ ናብቲ ሓቂ ዝቐረበ ኣይኸውንን። ሰባት እውን እዚ ብንጹር ዘይክርድኦም ስለ ዝኽእል፡ ስምዒታት ብቓላት እንተ ንገልጽ ኣዝዩ ዝሓሸ ይኸውን።
ንስምዒታት ካልኦት ሰባት ኣፍልጦ ንሃብ (ግን ድማ ሓድሽ ኣረኣእያታት ኣብ ግምት ከእትዉ ንድፋእ)
ሰባት ከቢድ እዋን ከሕልፉ እንከለዉ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ብተፈጥሮኡ ካልኦት ሰባት ክርድእዎ ድሌት ኣለዎ።
ካብቶም ሰባት ዝረኽቦ ርህራሀ ዝመልኦ ምላሽ ድማ ንስምዒቱ ኣፍልጦ ዝህብ እዩ። ነዚ ስዒቡ ገለ ውጥረቶም ወይ ዝስምዖም ጸቕጢ ክንክይ ተኽእሎ ኣሎ።
መርዛም ዓርኪ ግን ብዛዕባ ስምዒታትና ኣዝዩ ንዕቀት ከርእይ ወይ ክፈርድ ይኽእል እዩ፤ ከም ውጽኢቱ ድማ ስምዒታዊ ጾርና ጥራይ ዝውስኽ ናይ ንጽገት ስምዒት እዩ ዝፈጥረልና።
እንተዀነ፡ ንቓንዛ ሰባት ድንጋጸ ስለ ዝስምዓና ጥራይ፡ ምስቲ እቶም ሰባት ብዛዕባ ነቲ ኵነታት ዝህብዎ ትርጉም ብምሉእ ልብና ክንሰማማዕ ግድን እዩ ማለት ኣይኰነን።
ኣዝዮም ውጽኢታውያን ዝዀኑ ስምዒታዊ ደገፋት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንጸገማቶም ብሓድሽ ኣረኣእያ ንኽርእይዎም ምትብባዕ ወይ ምኽሪ ምሃብ ዘጠቓልል ክኸውን እዩ።
ዓወታት ሓድሕድና ንጸምብል (ብሓጐስ ካልኦት ድማ ንተሓጐስ)
እወታዊ ስምዒታት ኣብ ምክፋል ክመጽእ እንከሎ፡ ተደናጋጽነት ወይ ተኻፋልነት ተመኵሮ ኣገዳሲ እዩ።
ርህራሀ መሰረት ጽቡቕ ዕርክነት ከም ዝዀነ ንገንዘብ። ካብዚ ሓሊፉ ድማ ሰባት ክሕጐሱ እንከለዉ፡ ብሓጐሶም ናይ ምሕጓስ ልምዲ ክነማዕብል ኣለና። እዚ ናይ ሓባር ሓጐስ ካብ ላቲን ብዝተወርሰ ቃል 'ኮንፍሊሲቲ' ተባሂሉ ይጽዋዕ።
ሰባት ጸገሞም ከካፍሉና እንከለዉ፡ ከም ዓርኪ ብንጥፈት ክነዳምጽን ሃናጺ ክንከውንን ኣገዳሲ እዩ። እንተዀነ፡ ንጡፍ ግብረ መልሲ ዘይህቡ ሰባት ኣለዉ። ንኣብነት፡ ነቲ ኣርእስቲ ብቕልጡፍ ክቕይሩ ወይ ክብደት ናይቲ ጸገም ይዅን ዓወት ከቕልሉ ይፍትኑ።
ኣብ መዓልታዊ ህይወትና ንኸምዚኦም ዝበሉ ህሞታት ከምቲ ዝግብኦም ኣቓልቦ ምሃብ ክንርስዕ ንኽእል ኢና። ኣገዳሲ ዓርኪ ክንከውን እንተ ደሊና ግን፡ ግዜን ጻዕርን ወሲድና ንዓወታት ኣዕሩኽትና ንእሽቶ ይዅን ዓቢይ ብዘየገድስ ክንጽምብል ይግባእ።
ናይ ገዛእ ርእስና ሓጎጐስ እነካፍለሉ መንገዲ ብዝምልከት እውን ዝያዳ ክንሓስብ ንኽእል ኢና። ንጀሃር ዘለና ወይ ትዕቢተኛታት ከይንመስል ስለ እንጭነቕ፡ ዓወታትና ብምስጢር ክንሕዞ ንመርጽ። እዚ ግን ሳዕቤን ኣለዎ። ብሓፈሻ ሰባት ንጽቡቕ ተመኵሮታቶም ኣፍልጦ እንተ ዘይሂብና ኣዝዮም ክቕየሙ ይኽእሉ እዮም።
ቀዲምና ይቕረታ ንሕተት
ሰብ ኰይኑ ዘይጋገ የሎን። ብናጽነት ይቕረታ ዝሓቱ ግን ውሑዳት እዮም።
ዝዀነ ጌጋ ፈጺምና ይቕረታ ዘይምሕታት ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳርና ቂምታ ክዓስል ዝፈቅድ ነገር እዩ።
መጽናዕቲታት ከም ዝሕብርዎ፡ ብኣድማዒ መንገዲ ይቕረታ ንምሕታት ኣርባዕተ ቀንዲ ዕንቅፋታት ኣለዉ። እዚኦም ድማ ነቲ ዘስዓብናዮ ጕድኣት ኣፍልጦ ዘይምሃብ፡ ይቕረታ ምሕታት ዘሕፍር እዩ ኢልካ ምሕሳብ፡ ይቕረታ ምሕታትና ነቲ ዝምድና ዝጽግን ኣይኰነን ኢልካ ምእማንን ቅኑዕ ይቕረታ እንታይ ከም ዝዀነ ብቐሊሉ ዘይምርዳእን እዮም።
ብዞም ኣርባዕተ ምኽንያታት ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳርና ቂምታ ክፍጠር ወይ ማሕበራዊ ምትእስሳርና ከይጽገን ንፈቅድ።
እንተዀነ፡ ብቕኑዕ መንገዲ ይቕረታና ንምሕታት፡ እቲ ሰብ ይቕረታኡ ወይ ዝበጽሖ ጕድኣት ብዝግባእ ንኽገልጽ እኹል ግዜ ምሃብ ኣገዳሲ እዩ።
ብድሕሪኡ ንዝፈጸምናዮ ጌጋ ሓላፍነት ክንወስድን ጣዕሳና ወይ ጓሂና ክንገልጽን ከምኡ'ውን ነቲ ጕድኣት ብኸመይ ክነሕውዮ ከም እንእኽል ሓሳብ ክነቕርብ ዝሓሸ ይኸውን። እዚ ድማ ዳግማይ ተመሳሳሊ ጌጋ ከይንፍጽም ይሕግዘና።
ኵሉ ዝምድታት ናይ ገዛእ ርእሱ ላዕልን ታሕትን ክህልዎ ንቡር እዩ። እዚ ድማ ብቐንዱ ካብ ባህርያት ደቂሰብን ዝተሓላለኸ ማሕበራዊ ህይወትናን ዝብገስ እዩ።
እዞም ሓሙሽተ ቀለልቲ ምኽርታት ግን ሓያልን ጥዑይን ዝምድና ኣብ ምምስራት ኣበርክቶ ክገብሩ ይኽእሉ እዮም።
እዚ ድማ ጥዑይ ዓርኪ ምዃንና ንኽነረጋግጽ ዕድል ይህበና።