ኤርትራ፡ ቅዱስ ሲኖዶስ 6ይ ፓትሪያርክ ክሸይም ከምዝመደበ ኣፍሊጡ

ምንጪ ስእሊ, Yemane Gebremeskel
ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤትክርስትያን ኤርትራ 6ይ ፓትሪያርክ ክሸይም ከም ዝመደበ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።
እቲ ብ 6 ጥቅምቲ 2024 ዝወጸ መግለጺ፡ ብመገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቢሉ እውን ዝተዘርግሐ ኰይኑ፡ ቢቢሲ ነታ ቤተክርስትያን ቅርበት ዘለዎም ሰባት ተወኪሱ ወግዓዊ መግለጺኣ ምዃኑ ኣረጋጊጹ።
እቲ መግለጺ፡ ኦርቶዶክስ ቤተክርስትያን ኤርትራ ናይ ገዛእ ርእሳ ሲኖዶስ ካብ ትተክል ኣትሒዛ፡ “ኣብዚ ቅዱስ መንበር ተሸይሞም ንቤተክርስትያን ዝመርሑ ሓሙሽተ ፓትሪያርካት ኣብ ገግዚኡ ተመሪጾም ክሽየሙ ከምዝገበረ” ኣዘኻኺሩ።
ሓምሻይ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርትስያን ኤርትራ፡ ብጹእ ወቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ ብ 2 ታሕሳስ 2022 ኣብ መበል 96 ዓመቶም ከምዝዓረፉ ይዝከር።
ብጹእ ወቅዱስ ኣቡን ቀዳማዊ ቄርሎስ - ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ዓዲ-ቐይሕ ኰይኖም ከገልግሉ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ሲኖዶስ ብዘካየዶ ጉባኤን ምርጫን፡ ኣብ ግንቦት 2021፡ 5ይ ሊቃነ-ጳጳስ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሃዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ ኰይኖም ብምሻም፡ ክሳብ ዕለተ ዕረፍቶም፡ ንቤተክርስትያን ከምዘገልገሉ ይፍለጥ።
ነዚ ዕረፍቲ እቶም ፓትሪያርክ ዝጠቐሰ እቲ መግለጺ፡ “ቅዱስ ሲኖዶስ ንስለ ሓድነትን ስምምዕን ስምረትን ገዳማት ኤርትራን” ከምኡ’ውን ኣብ ጉዳይ ምስያም 6ይ ፓትሪያርክ “ክመክርን ብጸሎት ተጸሚዱን” ከም ዝጸንሐ ኣስፊሩ፤ ኣብ መወዳእታ ድማ ንምስያም ፓትሪያርክ ከምዝመደበ ኣፍሊጡ።
ዕለተ ስይመት ግን መዓስ ምዃኑ ኣብቲ መግለጺ ኣይተመልከተን። እንተዀነ ኣብ ቀጻሊ ተወሳኺ ሓበሬታ ክስዕብ ምዃኑ ዘመልከተ መግለጺ፡ ኵሎም ምእመናን እቲ መደብ ንምዕዋት ብጸሎት ክሕግዙ ጸዊዑ።
“ኵልኹም ኣብ ውሽጥን ወጻኢ ሃገርን እትርከቡ ኦርቶዶክሳውያን ኣበው ገዳማውያን፡ ስዩማን ውሉደ ክህነት፡ ኣልባሰ ክርስቶስ ምእመናንን ምእመናትን ብኣንቃዕድዎ ሕሊና፡ ብሰቂለ ልቦና፡ ብሰፊሕ እድን ተጊህና ክንልምን ቅዱስ ሲኖዶስ ሓደራ ይብል።”

ምንጪ ስእሊ, LISANTEWAHDO
እዚ እዋናዊ መግለጺቅዱስ ሲኖዶስ፡ ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ካብ ግንቦት 1998 ኣትሒዙ እታ ቤተክርስትያን፡ “ሓዋርያዊ ሰንሰለቱ ብዝዓቀበ ሕጋዊ ኣገባብን ፕሮቶኮላዊ ስምምዕን፡” ናጽነታን ልኡላዊነታን ከምዘረጋገጸት ኣመልኪቱ።
እንተዀነ፡ ብሰንኪ ምእጋድን፡ ምውጋዝን ምሕያርን 3ይ ፓትርያርክ፡ ኣቡነ ኣንጦንዮስ፡ እታ ቤተ-ክርስትያን ብዘይ ፓትርያርክ ንዓመታት ምጽንሓ ይፍለጥ።
ፓትርያርክ ኦርቶዶስክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ንምሉእ ዕድሚኡ ዝሽየም ኰይኑ፡ ብዝሙት፡ ናይ እምነት ክሕደት ወይ ድማ ጸገም ኣእምሮ ምስ ዘጋጥሞ ጥራይ ካብ ስልጣኑ ከምዝወርድ ይንገር።
ቅዱስ ኣቡነ እንጠንዮስ ሳልሳይ ፓትሪያርክ ኤርትራ፡ ካብ ሕጊ ቤተ-ክርስትያን ወጻኢ ኣብ 2006 ካብ መዓርገ ፓትሪያርክነት ተኣልዮም፤ ንልዕሊ 15 ዓመታት ኣብ ማሕዩር እንከለው ኣብ መጀመርታ ለካቲት 2022 ከም ዝዓረፉ ይዝከር።
ኣቡነ እንጠንዮስ ኣብ ጥሪ 2006 ካብ መዝነቶም ክወርዱ ድሕሪ ምግዳዶም፡ እታ ቤተክርስትያን ንነዊሕ ዓመታት ብዘይ ፓትሪያርክ ከምዝጸንሐት ዝፍለጥ ኰይኑ፡ ንዕኦም ተኪኦም 4ይ ፓትሪያርክ ኰይኖም ዝተመርጹ፡ ኣቡነ ድዮስቆሮስ ኣብ ታሕሳስ 2015 ካብ ዝሞቱ ንደሓር እውን፡ እታ ቤተክርስትያን ክሳብ 2021 ብዘይ ፓትርያርክ'ያ ጸኒሓ እያ።
ኦርቶዶክስያዊት ተዋሕዶ ቤትክርስትያን ኤርትራ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ቤተክርስትያን ኢዱ የእቱ ብምባል ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣብ ክልተ ተገሚዓ ትርከብ።
ኣብ ኤርትራ ብመንግስቲ ወግዓዊ ኣፍልጦ ዝተወሃበን ሃይማኖታት፡ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ፡ ምስልምና፡ ካቶሊክን ወንጌላዊት ሉተራዊት ቤትክርስትያን እየን።
ብመንግስቲ "ኣፍልጦ ዘይተዋህቦም" እምነታት ዘምልኹ ኤርትራውያን ግን፡ ኣባላት ጸጥታ ካብ ገዝኦም ብሃንደበት ብምውሳድ ንነዊሕ እዋን ከምዝኣስርዎም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ይሕብሩ።
መንግስቲ ኤርትራ ግን "መሰል ናይ እምነት የኽብር እየ፡ መንግስቲ ኣብ ሃይማኖታት ኢዱ ኣየእቱን እዩ" ክብል ነቲ ክስታት ይነጽጎ።
ይኹን እምበር፡ ኣብ ኤርትራ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ናይ ሕልና እሱራት ከም ዘለዉ ጸብጻባት ጉጅለታት ተሓለቕቲ ሰባዊ መሰላት ይሕብሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







