እስራኤል፡ ብቕትለት ሓደ ሽማግለ ዝተጠርጠረ ኤርትራዊ ተኣሲሩ

ብሰሉስ 27 ግንቦት ኣብ ከተማ ተልኣቪቭ ሃቲክሻ ኣብ ዝተባህለ ገዛውቲ ኣብ ልዕሊ ወዲ 71 ዓመት ሽማግለ ሰብኣይ ብዝተፈጸመ ዝምታ ተለፎንን ቅትለትን ዝተጠርጠረ ሓደ ኤርትራዊ ስደተኛ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተወ፡ ዮሩሳሌም ፖስት ንፖሊስ ብምጥቃስ ሓቢራ።

ፖሊስ፡ እቲ ወዲ 71 ዓመት ሰብኣይ ከም ዝተወቕዐን ድሒሩ ብኣባላት ሕክምና ሞይቱ ከም ዝተባህለን ዝገልጽ ጸብጻብ ከም ዝበጽሖ ገሊጹ።

ብመሰረት እቲ ኣፈናዊ ጥርጣረታት፡ እቲ ሰብ ሞባይል ናይቲ ሽማግለ ሰብኣይ ክሰርቕ ኣብ ዝፈተነሉ እዋን፡ ብእምኒ ከም ዝሃረሞ ተሓቢሩ።

ሓካይም ኣሚት ሹሻንን ፋዲ ጋኒምን፡ "ነቲ ግዳይ ናብቲ ቦታ ብምኻድ በጺሕናዮ። ሃለዋቱ ኣጥፊኡ፡ ምስትንፋስ ዘይብሉን ኣብ ገጹ ከም ዝተጐድአን ኣስተብሂልና። ብኡ ንብኡ ድማ ሓገዝ ምስትንፋስ ክንገብረሉ ጀሚርና፡" ይብሉ፤ መወዳእታኡ ድማ ከም ዝሞተ ገሊጾም።

ኣባላት ፖሊስ ተልኣቪቭ ኣብቲ ከባቢ ብምብጻሕ ሃድንን መርመራን ጀሚሮም ኣለዉ። ነዚ ስዒቡ ድማ ኣብቲ ከባቢ ዝቕመጥ ወዲ 40 ዓመት ካብ ኤርትራ ናብታ ሃገር ዝኸደ ስደተኛ፡ ቃል ንኽህብ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝኣተወ መርበብ ሓበሬታ ዋላ ገሊጻ።

ሓላፊ ፖሊስ ተልኣቪቭ ሃይም ሳርግሮፍን ካልኦት ላዕለዎት ሰበስልጣን ፖሊስን ድሕሪ እቲ ቅትለት ናብቲ ቦታ በጺሖም እዮም።

ኣብ እስራኤል ኣብ ጐደና ዝፍጸም ገበናት ሳሕቲ ዝርአ'ኳ እንተዀነ፡ ተቐማጦ ደቡባዊ ተልኣቪቭ ግን ኣብቲ ሰራሕተኛታት ዝነብርሉ ከባቢታት ሕጊ ኣልቦነት እናሳዕረረ ይኸይድ ከም ዘሎ ከማርሩ ጸኒሖም እዮም። ገሊኦም ድማ ምስ ምምጻእ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ናብቲ ከባቢ ብምትእስሳር ወቐሳኦም የስምዑ።

እዚ ንመርመራ ኣብ ትሕቲ ፖሊስ ዝርከብ ኤርትራዊ፡ ዛጊት ብጥርጣረ እዩ ተታሒዙ ዝርከብ ዘሎ።

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ኤርትራውያን ኣብ ሓድሕዶም ግጭት ከካይዱ ብዙሕ ግዜ ተራእዮም እዮም። ንኣብነት፡ ብ24 ነሓሰ 2024 ኣብ መንጐ ኤርትራውያን "ደገፍትን ተቓወምትን መንግስቲ" ኣብ ጽርግያ ብዝተፈጥረ ዕግርግር ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ካልኦት ብዙሓት ድማ ብኸቢድ ከም ዝተሃርሙ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ኣቃሊሐን ነይረን።

ቅድሚኡን ድሕሪኡን እንተዀነ'ውን ናይ ጕጅለ ባእስን ዕግርግርን ክምዝገብ ጸኒሑ እዩ።