መሓመድ ዳግሎ፡እቲ ብ2021 ዝተፈጸመ ዕልዋ "ጌጋ’ዩ"

ምኽትል ካውንስል መሪሕነት ሱዳን መሓመድ ዳግሎ እቲ ብ2021 ዝተፈጸመ ወተሃደራዊ ዕልዋ “ጌጋ’ዩ” ክብል ገሊጹዎ።

ንሱ ብቴሌቪዥን ኣብ ዘሕለፎ መልእኽቲ፡ እቲ ክስተት ንተረፍ መረፍ ናይቲ ቅድሚ ክልተ ዓመት ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ስርዓት ዑመር ኣልበሽር "ኣፍ ደገ" ኰይኑ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።

ንርእሱ ጌጋታት ከም ዝፈጸመን ነቲ ዳሕረዋይ ዕልዋ መንግስቲ ምድጋፍ ሓደ ካብኡ ምዃኑን እውን ሓቢሩ።

ዳግሎ ነቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ንሱዳን ናብ ሲቪላዊ ምሕደራ ንምስግጋር ዝተገብረ ስምምዕ ብምንኣድ፡ ኣብታ ሃገር ጸጥታዊ ጽገናታት ንክግበሩ ቃል ኣትዩ።

እዚ ንኡስ ወተሃደራዊ ጉጅለ (RSF) ምስ ሃገራዊ ሰራዊት ክወሃሃድ ምግባር ዝሓውስ ምዃኑ ሓቢሩ።

ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ 2021፡ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ ብዕልዋ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ምንባሩ ይዝከር።

ብሰንኪ እቲ ዕልዋ ብዝተላዕለ ተቓውሞን ናዕብን ድማ ብዙሓት ሰባት ከም ዝሞቱ ጸብጻባት የመልክቱ።

ካብ ወርሒ ነሓሰ 2019 ጀሚሩ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ሱዳንን ስቪላዊ ምምሕዳርን ግጭት ክፍጠር ከም ዝጀመረ ይዝከር።

እዚ ንኽልቲኦም ኣካላት ዝሓቖፈ ናይ ስግግር ምምሕዳር ድሕሪ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ምልካዊ ስርዓት ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ምእላዩ ዝቖመ እዩ።

እንተዀነ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ መንጐ ሰራዊትን ምንቅስቓሳት ደገፍቲ ዴሞክራስን ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ምሉእ ብምሉእ ከም ዝድግፍ ገሊጹ።

ኣብ ሱዳን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት፣ ደለይቲ ፍትሒን ተቓወምቲ ጉጅለታትን ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ዓብደላ ሓምዶክ ብዕልዋ ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ ናብ ስልጣን ዝመጽአ ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ካብ ስልጣኑ ክእለ ዝጽውዑ ተቓውሞታት ኣካይዶም።

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ነተን ድሕሪ ዕልዋ መንግስቲ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ዝምርሓ ዘለዋ ቡርኪናፋሶ፣ ጊኒ፣ ማሊን ሱዳንን ኣጊዱወን ከም ዘሎ ይፍለጥ።

ኣብ መጀመርታ ሰሙን እዚ ወርሒ ምስ ወተሃደራውያን መራሕቲ ሱዳን ዝተራኸበ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌ ላቭሮቭ እታ ሃገር ንዘጋጥሙዋ ዘለው ፖለቲካዊ ብድሆታታ ብውሽጣዊ ዓቕማ ክትፈትሕ ተማሕጺኑ ነይሩ።

ዲፕሎማሰኛታት ሃገራት ምዕራብ’ውን ቅድሚ ዑደት እቲ ሚኒስትር ምስቶም ወተሃደራውያን መራሕቲ ተራኺቦም ነይሮም።

እቶም ወተሃደራውያን መራሕቲ፡ ስልጣን ናብ ሲቪላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ንምስግጋር ዝተበጽሐ ስምምዕ ክፍጽምዎ ምዃኖም ከም ዘረጋገጹሎም ከኣ ኣብቲ እዋን ተገሊጹ።

ኣብ ሱዳን ካብ 2021 ብጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣልቡርሃን ዝምራሕ ወተሃደራዊ ጉጅለ ነቲ ብሲቪል ዝምራሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ኣልዩ ስልጣን ካብ ዝሕዘሉ እዋን ጀሚራ ኣብ ቁጠባዊን ፖለቲካዊን ቅልውላው ኣትያ’ያ።

ደገፍቲ ዲሞክራሲ ካብ ሽዑ ጀሚሮም ኣንጻር ወተሃደራዊ ሰበ ስልጣን ተቓውሞታት ከካይዱ ጸኒሖም ኣለው።

ካብ ህዝቢ ሱዳን እቲ 65% ትሕቲ 30 ዓመት ዕድመ ዘለዎ ኰይኑ እቲ ዝበዝሐ ነቲ ድምጹ ንምዕፋን ንዝግበር ጻዕሪ ሰጊሩ ድምጹ ክስማዕ ይደሊ።