ዩክረይን፡ ን12 ሰዓታት ዘየቋርጽ መጥቃዕቲታት ሩስያ

ኣብ ዩክረይን ንልዕሊ 12 ሰዓታት ዝጸንሐ መጥቃዕቲ ኣየር ሩስያ ስዒቡ፡ ብውሕዱ ኣርባዕተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ኣስታት 70 ሰባት ድማ ቈሲሎም።

ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ እቶ ሞት ኣብ ርእሰ ከተማ ኪቭ ከም ዘጋጠመን እቶም ግዳያት ድማ ጓል 12 ዓመት ቈልዓ ከም እትርከቦምን ገሊጹ።

እቲ ንሸውዓተ ዞባታት ዩክረይን ዝዓለመ ኣስታት 600 ሰብ ኣልቦ ነፈርቲን ሓያሎ ሚሳይላትን ዝሓወሰ መቀቃዕቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ካብ ዝተራእዩ ዝኸበዱ ምዃኑ ተሓቢሩ።

ዘለንስኪ ዩክረይን ሕነ ክትፈዲ ምዃና ኣጠንቂቑ።

እቲ "ጽዩፍ" ብምባል ዝገለጾ መጥቃዕቲ፡ ሞስኮ "ውግእን ቅትለትን ክትቅጽል ከም እትደ ዘርኢ'ዩ" ኢሉ። ሩስያ ንዕጡቕ ሓይሊ ዩክረይን ዝድግፉ ወተሃደራዊ ትካላትን ኢንዱስትርያዊ ትካላትን ከም ዝሃረመት ገሊጻ።

ኣብ ዩክረይን፡ ደብዳብ ነፈርቲ ሃንደበትን ቀጻልን ዝፍጸም ኰይኑ፡ መብዛሕአኡ ግዜ ቀዳም ኣጋ ምሸት እዮም ዝፍጸሙ።

እቲ ናይቲ መጥቃዕቲ፡ ተዅሲ ድምጺ ጸረ ነፈርቲ ሓሓሊፉ ብዝፍጸም ፍንጀራታት ይፍለጥ ነይሩ - ወይ ካብ ድምጺ ናይ ሓንቲ ዝተዓግተት ሰብ ኣልቦ ነፋሪት ወይ ድማ ካብታ ዒላማኣ ዝሃረመት ነፋሪት ክኸውን ይኽእል እዩ።

ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት፡ ኣብ ልዕሊ ኢንስቲትዩት ሕክምና ልቢ እታ ከተማ ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ፡ ​​ሓንቲ ነርስን ሕሙምን ከም ዝሞቱ ሓቢሩ።

ሓደ ዓቢ መሰንከቲ ባኒ፡ ፋብሪካ ጐማ መካይን፡ ከምኡ'ውን ህንጻታት ኣፓርታማታትን ሲቪላዊ ትሕተ-ቅርጽን'ውን ዒላማ ከም ዝተገብረ ዘለንስኪ ገሊጹ።

ዞባታት ዛፖሪዝዝያ፡ ክመልኒትስኪ፡ ሱሚ፡ ማይኮላይቭ፡ ቸርኒሂቭን ኦዴሳን እውን ከም ዝተሃስያ ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ዛፖሪዝዚያ ኢቫን ፌዶሮቭ፡ ኣብቲ ዞባ ሰለስተ ህጻናት - ክልተ ኣወዳት፡ ዕድሚኦም 11ን 12ን ዓመትን ሓንቲ ጓል ትሽዓተ ዓመትን - ዝርከብዎም 34 ሰባት ከም ዝቘሰሉ ገሊጹ።

እቲ ሓደ ወዲ ብነትጒ ከም ዝሞተ፡ እቲ ካልኣይ ድማ ብካርቦን ሞኖክሳይድ ከም ዝተሰመመ ሓቢሩ።

ኣመሓዳሪ ዞባ ሱሚ ብወገኑ፡ ሓደ ወዲ 59 ዓመት ሰብኣይ በቲ መጥቃዕቲ ከም ዝሞተ ገሊጹ።

ዘለንስኪ፡ ዩክረይን ግብረ መልሲ ከም እትህብ ብምግላጽ፡ ካብ ኤውሮጳን ኣመሪካን "ሓያል ድጋፍ" ይጽበ ከም ዘሎ ገሊጹ።

"እዚ ዕሉል መጥቃዕቲ ብሓቂ ኣብ መወዳእታ ሰሙን ሓፈሻዊ ጕባኤ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት እዩ ተፈጺሙ፤ ሩስያ ድማ ሓቀኛ መርገጺኣ ብኸምዚ እያ ትእውጅ፡" ኢሉ።

ዘለንስኪ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ከቢድ እገዳ ከንብር ምዃኑ ንዘስመዖ ምፍርራሕ፡ ደገፉ ደጊሙ ኣረጋጊጹ፣ ከምኡ'ውን መሓዙት ሃገራት ኤውሮጳ ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ነዳድን ጋዝን ሩስያ ክገትኡ ጸዊዑ።

ትራምፕ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ እቲ ኲናት ዝነበሮ መርገጺ ብምቕያር፡ ቁጠባ ሩስያ ኣብ ትሕቲ ጽቕጢ ዝተናውሐ ኲናት ኣትዩ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ዩክረይን ነቲ ካብ ሞስኮ ዝኸሰረቶ መሬት ዳግማይ ክትወስዶ ትኽእል እያ ዝብል ሓሳብ ከም ዘለዎ ዝሓለፈ ሰሙን ንፈለማ እዋን ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ክሳብ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ተወሳኺ እገዳ ካብ ምግባር ተቖጢቡ እኳ እንተነበረ፡ ክረምሊን ዝርርብ ሰላም ንምጅማር ብዘለዋ ትሑት ድሌት ግን ክበሳጮ ይረአ ኣሎ።

ሩስያ ኣብ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ንክሊ ኣየር ኣባላት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ብተደጋጋሚ ክትጥሕስ ምስ ተራኣየት ኣብቲ ዞባ ሓዲሽ ወጥሪ ሰፊኑ ይርከብ።

ድሮናትን ነፈርቲ ውግእን ሩስያ ንክሊ ኣየር ኣባላት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ዝዀና ሮሜንያ፡ ኢስቶንያን ፖላንድን'የን ጥሒሰን ዝብሃላ ዘለዋ።

ነፈርቲ ውግእ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብቲ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ክሊ ሰማያት ፖላንድ ንምክልኻል ዘካየዶ ወፍሪ ተሳቲፈን።

ነፈርቲ ፖላንድን ኔቶን ብ10 መስከረም ኣብ ክሊ ኣየር ፖላንድ ሰለስተ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ሩስያ ኣውዲቐን።

ሚኒስትሪ ምክልኻል ዴንማርክ ንኻልኣይ ለይቲ ብተኸታታሊ ኣብ ልዕሊ ወተሃደራዊ ቦታታት ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዝተዓዘበ ሎሚ ሰንበት ኣረጋጊጹ።

ኔቶ፡ ከም ግብረ መልሲ ኣብ ባሕሪ ባልቲክ ዘለዎ ተልእኾ ከም ዘዕብዮ ገሊጹ ኣሎ። እዚ ድማ ምዕቡል ምክትታልን ምክልኻል ኣየር ኣብኡ ምቕማጥን ሓዊሱ እዩ።

እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ መዓርፎ ነፈርቲ ዴንማርክ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ድሕሪ ምርኣየን ኣብ ትራፊክ ኣየር ምዝባዕ ዘስዓበ ተኸታታሊ ፍጻመታት ስዒቡ'ዩ።

ሰበስልጣን ዴንማርክ፡ ሩስያ ኣብቲ ዝተዋደደ መጥቃዕቲ ኢሎም ዝገለጽዎ ተሳትፎ ከም ዘለዋ ዝሕብር መርትዖ ከም ዘይብሎም ክገልጹ እንከለዉ፡ ሞስኮ ድማ ሓላፍነት ከም ዘይትወስድ ገሊጻ።

ኢስቶንያን ሮማንያን ምስ ፖላንድ ኰይነን ሩስያ ክሊ ኣየረን ከም ዝጠሓሰት እውን ከሲሰን ኣለዋ፤ እዚ ድማ ኔቶ ንምብራቓዊ ሸነኽ ናይቲ ኪዳን ከደልድል ምኽንያት ኰይኑ።

ትራምፕ፡ ሃገራት ኔቶ ኣብ ክሊ ኣየረን ንዝኣተዋ ነፈርቲ ሩስያ ክሃርማ ኣለወን ክሳብ ምባል በጺሑ ኣሎ።

ሚኒስተር ጕዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርጌይ ላቭሮቭ ብቐዳም ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ሃገሩ ንኣባላት ሃገራት ሕብረት ኤውሮጳ ይኹን ኔቶ ከተጥቅዕ ሓሳብ ከም ዘይብላ ገሊጹ።

እንተዀነ፡ ናብ ሞስኮ ንዝቐንዐ ዝዀነ ይኹን "ወራር"፡ ወሳኒ ምላሽ ከም ዝህብ ኣጠንቂቑ።